
ሶማልያ፡ መንግስቲ ገስጋስ ኣልሸባብ ንምግታእ ዘለዉዎ ብድሆታት እንታይ እዮም?

መንግስቲ፡ ነቲ ኣልሸባብ ኣብ ደቡባዊ ማእከላይ ከባቢታት ሂራን፡ ማእከላይን ታሕተዋይን ሻበሌ ዝገብሮ ዘሎ ገስጋስ ንምዕጋት ዘይሕለል ጻዕርታት የካይድ ኣሎ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ክሳብ ናብ ቅድመ-ግንባር ምብጻሕ ሓዊሱ ዝተፈላለየ ጻዕርታት እኳ እንተ ኣካየደ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ሰለስተኡ ቦታታት ገስጋሶም ካብ ምስፋሕ ግን ክዓግቶም ኣይከኣለን።
ኣልሸባብ ካብ ለካቲት ኣትሒዙ ኣብ ዝኸፈቶ ጸረ-መጥቃዕቲ፡ ሰራዊት መንግስቲ ንዓመታት ተቘጻጺርዎ ካብ ዝጸንሐ ቦታታት ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ደፊኡ ከውጽኦ ክኢሉ ኣሎ።
ካብ ለካቲት ክሳዕ ሚያዝያ፡ ኣልሸባብ ብውሕዱ 20 ከተማታትን ዓድታትን ሻበሌን ሂራንን መንዚዑ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእትዩዎ። ቀጺሉ፡ ካብ ሰነን ሓምለን ክሳዕ መጀመርታ ነሓሰ ተወሰኽቲ ሸሞንተ ከተማታት ተቘጻጺሩ።
ሂራን ማእከል ናይቶም ንመንግስቲ ብምድጋፍ ንዓመታት ዝተቓለሱ ተወላዶ ማዓዊስሊ እያ። ኣልሸባብ ኣብዚ ዳሕረዋይ ምዕራፍ ኲናት፡ ኣብቲ ደጀን መንግስቲ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ ከባቢታት እዩ መጥቃዕቲ ከፊቱ።
እቶም ዕጡቓት ብ7 ሓምለ ንዞባታት ሂራን፡ ማእከላይ ሻበሌን ጋልጉዱድን እተራኽብ ስትራተጅያዊት ከተማ ሞቆኮሪ ተቘጻጺሮም። ኣልሸባብ ኣብ ማእከላይ ሻቤል ንእትርከብ ኣዳል ያባል ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ብቕጽበት ነታ ከተማ ንኣዋርሕ ኣብ ከበባ እዩ ኣጽኒሑዋ። ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ዓድታት ኤል ሃረሪ፡ ኤል ቆህለ፡ ታርዶን ጉማረን ሓዊሱ ኣገደስቲ ቦታታት ብምሓዙ፡ ሓይልታት መንግስቲ ጸረመጥቃዕቲ ከካይዱ ተጸጊሞም።
ብ27 ሓምለ ነታ ምስ ዞባ ጋልጉዱድ እትዳወብ ኣገዳሲት ከተማ ማሃስ ተቘጻጺሮማ። እዛ ከተማ ሰራዊት ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣብ 2013 ተላፊኖም ድሕሪ ምቍጽጻሮም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ እያ ጸኒሓ።
ብውልቂ ዝውነን መርበብ ሓበሬታ ባይዶኣ ኦንላይን ብዘውጽኦ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ዞባታት ሂራን-ሻበሌ ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ኣልሸባብ ይርከብ።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ተቘጻጺሩወን ዝጸንሐ ኣብ ሂራን ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ጃላቅሲን ቡላ-ቡርደን ብጽኑዕ ተኸቢበን ኣለዋ። ርእሰ-ኸተማ ናይቲ ዞባ ዝዀነ ቤለድወይን ድማ ስግኣታ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።
ምሓዝ ማሃስ ንኣልሸባብ፡ ነተን ኣብ መዳውብቲ ዞባ ጋልሙዱግ ዝርከባ ከተማታት ገጹ ክምርሽ መንገዲ ዘርሕወሉ እዩ። እቶም ዕጡቓት ካብ ማሃስ ናብ ከተማ ጉሪኤል (ኣብ ጋልጉዱድ እትከብ) ክግዕዙ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ርእሰ-ኸተማ ናይቲ ዞባ ንዝዀነት ዱሳማረብ ክኽርድና ይኽእል እዩ።
ኣልሸባብ ዝቈጻጸሮ ከባቢታት እናስፍሐ ኣብ ዝኸደሉ፡ ብመንገዲ “ዘካት” ዝእክቦ ግብሪ’ውን እናዓበየ ክኸይድ እዩ።
መንግስቲ ንመጥቃዕቲ ኣልሸባብ ንምምካትን ዝተመንዝዖ ከባቢታት ዳግማይ ንምሓዝን ሰራዊትን ምልሻታት ቀቢላን ብምውህሃድ፣ ከምኡ’ውን ምስ ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ጻዕርታቱ የሐይል ኣሎ።
ኣብ ሰነ፡ ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ወተሃደራት ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ (Aussom) ምስ ሓይልታት መንግስቲ ብምስላፍ፡ ንኣልሸባብ ካብተን ንሞቓድሾ ቀረባ ዝዀና ወሰንቲ ከተማታት ንምርሓቕ ዝዓለመ መጥቃዕቲ ኣካይዶም።
በዚ መሰረት፡ እቶም ዝተላፈኑ ሓይልታት ብ21 ሰነ ሓያሎ መዓልታት ዝወሰደ ጸረመጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ካብ ሞቓድሾ ንሰሜናዊ ምዕራብ 40 ኪሎሜትር ርሒቐን ዝርከባ ስትራተጅያውያን ዓድታት ሳቢድን ኣኖለን ተቘጻጺሮም። ኣልሸባብ ድሕሪ 4 መዓልታት ዳግማይ ተቘጻጺሩወን እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ዝተላፈኑ ሓይልታት ደፊኦም ካብቲ ቦታ ከም ዝርሕቑ ገይሮሞም።
እቶም ሓይልታት ቀጺሎም፡ ኣስታት 60 ኪሎሜትር ርሒቓ ናብ እትርከብ ንምክልኻል ሞቓድሾ ስትራተጅያዊትን ናይ ሕርሻ ከተማን ባሪረ ገስጊሶም፣ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ውግእ ድማ ብ8 ነሓሰ ዳግማይ ተቘጻጺሮማ።
ምኒስትሪ ምክልኻል ሶማል ኣብ ባሪረ ኣስታት 120 ዕጡቓት ከም ዝቐተለ ብምግላጽ፡ እታ ከተማ ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ምእታዋ፡ “ዓቢይ ምዕራፍ” ምዃኑ ገሊጹ።
ድሕሪ ባሪረ፡ እታ ገና ኣብ ትሕቲ ኣልሸባብ እትርከብ ኣብ ጥቓኣ ዘላ ከተማ ኣውደግለ ዒላማ ክትከውን ትጽቢት ይግበር። እተን ኣብ መጋቢት ብኣልሸባብ ዝተታሕዛ ኵለን ከተማታት ዳግማይ ምሓዝ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞቓድሾ ዘንጠጠየ ስግኣት ንምጕዳል ዝሕግዝ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሰራዊት መንግስትን መሻርኽቱ ወተሃደራት ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብታ ተደጋጋሚ ዝተሰዓሩላ ማእከላይ ሻበሌ፡ መንግስቲ ጸረመጥቃዕቲ ንምፍናው ምድላዋት ክገብር ጸኒሑ። ብ1 ነሓሰ ንስትራተጅያዊት ከተማ ኣዳን ያባል ካብ ኣልሸባብ ዳግማይ ንምምንዛዕ ሓያሎ ምልሻታት ኣዳልዩ።
ሶማልያ ምስፍሕፋሕ ኣልሸባብ ንምምካት ዝሕግዛ ተወሳኺ ሓይሊ ንምድራብ፡ ነታ ሰራዊታ ናብታ ሃገር ክትልእኽ ዝጸንሐት ጅቡቲ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ክትልእከላ ክትዘራረብ ጸኒሓ። ጅቡቲ ብ30 ሓምለ ንእማመ ሶማልያ ተቐቢላቶ።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ፋይናንሳዊ መርበባት ኣልሸባብ ንምብታኽ፡ ምስቲ ጕጅለ ከም ዝተኣሳሰሩ ዝገለጾም ኣማኢት ባንክታትን ሕሳባት ንግዲን ዓጽዩ።

Subscribe on your favorite platform
About the event
Held over a weekend, the event is structured around a series of exhibitions, workshops, and panel discussions. The exhibitions showcase a curated selection of photographs that tell compelling stories from various corners of the globe, each image accompanied by detailed narratives that provide context and deeper insight into the historical significance of the scenes depicted. These photographs are drawn from the archives of renowned photographers, as well as emerging talents, ensuring a blend of both classical and contemporary perspectives.

The Stories Podcast is sponsored by
Explore the episodes
Podcast



