
For Today, [1/8/2025 12:37 AM]
ሓደ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዓዱ ገዲፉ ና ምድረ ከንኣን ብምኻድ ኣብኡ ናቱ ቀቢላ ንክምስርት ኣዘዞ። ብመሰረት ብሉይ ኪዳን ኣብርሃም ነዚ ትእዛዝ ክቅበል እንከሎ ወዲ 75 ዓመት ነበረ ንሰበይቱ ሳራን ወዲ ሓዉ ሎጥን ሒዙ ድማ ተበገሰ። ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ናብታ ንዕኦምን ንሓረግ ወለድኦምን ተባሂላ ቃል ዝተኣትወትሎም ምድረ ከንኣን በጽሑ። ቅድሚ ንሱ ምምጽኡ ግን ምድረ ከንኣን ብብዙሓት ካልኦት ናይ ከንኣን ቀቢላታት ትውነን ነበረት። እዞም ቀቢላታት ኣብ ብዙሕ ምዕራፋት ናይ ብሉይ ኪዳን ተጠቂሶም ንረኽቦኦም። ከንኣናውያን ዝተፈላለዩ ቀቢላታት ዘለዎምህዝቢ ዝቆመ ኮይኑ ኩሎም ቀቢላታት ድማ ነናቶም ባህሊን ቁንቋታትን ነበሮም። ዝበዝሕ ናብርኦም ኣብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ እኳ እንተነበረ ገለ ናይ ሸቀጥን ኣብ ካልእ ቁጦባዊ ምንቅስቃሳትን ዝሳተፉ ህዝቢ ውን ነበርዎም። ከንኣናውያን ብተወሳኺ በቲ ዝነበሮም ናይ ብዙሓት ኣማልኽቲ ምምላኽ ሃይማኖቶም ውን ዝፍለጡ ህዝቢ ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብፍሉይ ኣብርሃም ናብ ከንኣን ዝኣተወሉ ዕለት ዘይጠቅስ እኳ እንተኾነ ኣብ ከባቢ ካልኣይ ሚለንያ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ በጺሑ ተባሂሉ ይግመት። ምስ ከንኣናውያን ዝነበሮ ርክብ ዝበዝሕ ግዜ ብወጥሪ ዝተመልአ ነበረ። ኣንጻር እቲ ዝገጥሞ ዝነበረ ሽግራት ንዕኡን ንስድርኡን ዝኸውን ምሕደራ ኣብ ከንኣን መስረተ። ኣብ መበል 99 ዓመቱ ኣብርሃም ምስ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣተወ። ስሙ ድማ ናብ ኣብርሃም ተቀየረ። ኣብርሃም ን175 ዓመታት ነብረ። ኣብርሃም ክልተ ውሉዳት ነበርዎ። እቲ ሓደ ኢሳቅ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ኢሽማዒል። ኢሳቅ ኣቦ ኣይሁድ ክከውን እንከሎ ኢሽማዒል ድማ ኣቦ ዓረባውያን ተባሂሉ ይፍለጥ። እዞም የሕዋት ወላ እኳ ሓደ ኣቦ እንተነበሮም ኣዴታቶም ግን በበይነን ነበራ። ኣደ ኢሳቅ ራሳ ክትከውን እንከላ ኣደ ኢሽማዒል ድማ ኣጋር ነበረት። ኢሳቅ ኣብ መበል 60 ዓመቱ ወዲ ወለደ ያቆብ ኢሉ ድማ ሰመዮ። ያቅብ ብእግዚኣብሄር ስሙ ናብ እስራኤል ተቀየረ። እቶም 12 ደቁ ድማ እቶም ናይ መጀመርታ ሓረግ እስራኤላውያን እዮም። ሓረግ ወለዶ እዞም 12 ደቂ ያቆብ ነቲ 12 ቀቢላታት እስራኤል ዘቅውም እዩ። ብመሰረት ታሪኽ ብሉይ ኪዳን ብዮሴ ሓደ ካብቶም 12 ደቂ ያቆብ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ግብጺ ኣተዉ። ዮሴፍ ኣብ መሪሕነት ግብጺ ልዑል ቦታ ሒዙ ብምንባሩ ድማ ብሰላምን ቅሳነትን ኣብ ግብጺ ንነዊሕ እዋን ተቀመጡ። እንተኾነ እቲ ኣብ መሪሕነት ዝነበረ ንጉስ ምስ ተኣልየ ኩነታቶም ውን ክቅየር ጀመረ። ብዝሒ ህዝቢ እስራኤላውያን ክውስኽ ብምጅማሩ ነቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፈርኦን ቅሳነት ክህቦ ኣይከኣለን። እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ኣዝዩ ብዙሕ መከራን ሽግርን እዮም ሓሊፎም። በቲ ንነብሱ ከም ኣምላኽ ዝሓስባ ዝነበረ ፈርኦን ግብጺ ክሳብ ሂወቶም ዝሓልፉ ከቢድ ስራሕ እንዳሰርሑ ብዙሕ መከራ የሕልፉ እኳ እንተነበሩ ንነብሶም ብእግዜብሄር ኣምላኽ ከም ዝተሓርየት ጌሮም ስለዝኣምኑ ዝነበሩ ግን ንኹሉ ይጻወሩ ነበሩ። እዚ ድማ ክሳብ እቲ ብእግዚኣብሄር ዝተሰደሎም መድሕኖም ክሳብ ዝመጽእ ቀጸለ። እዚ መድሕን ሙሴ እዩ ኔሩ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ናብ ፈርኦን ከይዱ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ንከውጽኦም ነገሮ። ብመሰረት ብሉይ ኪዳን እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክወጹ እንከለዉ ንልዕሊ 450 ዓመታት ተቀሚጦም ብምንባሮም ብዘይ ኣንስትን ህጻናትን ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ነበሩ። ብመንገዲ ሙሴ ድማ እግዚኣብሄር ነተን 10 ትእዛዛት ሃቦም። ብመሰረት መጽሓፍ ብሉይ ኪዳን እታ ቀዳመይቲ ትእዛዝ ንናይ ኣይሁዳውያን እምነት ዝመስረተት እያ “ሓደ ኣምላኽ”። ባህሊ ኣይሁድ ብመሰረት እዚ ኣምላኻዊ ትእዛዝ ዝቆመ ነበረ። ስለዚ እተን 10 ትእዛዛትን ካልእ ንሙሴ ዝተዋህቦ ራኢታትን እቲ ኣዝዩ ዝኸበረ ንብረት ኣይሁዳውያን ክኸውን ከኣለ። ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ጀሳዋ እቲ ንሙሴ ስዒቡ ዝመጸ መራሒኦም እሳራኤላውያን ንምድረ ከንኣን ምስ ተመልሱ ነተን 10 ትእዛዛት ብዓቢ ጥንቃቀ እዮም ኣቀሚጦመን። ኣንጻር ብዙሓት ኣመንቲ ጣኦት ህዝብታት ተቃለሱ ናይ ኩሉ ግዜ መኽፈቲ ኣፎም ድማ “ኦ እስራኤል እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ! እግዚኣብሄር ሓደ ኣምላኽ እዩ!” ትብል እያ። ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ጀስዋ እስራኤላውያን ንነዊሕ ዘመናት ምስቶም ኣብ ከንኣን ዝነበሩ ኣምለኽቲ ጣኦት ህዝብታት ከቢድ ቃልሲ ኣካየዱ። ኣብ ግዜ ኲናት ናትና ዝብልዉ ማእከላይ ቦታ ስለዘይነበሮም ናብቶ ናይቲ ከባቢ ሃይማኖታውያን ፈረድቲ ከይዶም ይግባይ ይብሉ ነበሩ። ነዚ ንምፍታሕ ድማ ሳሙኤል ንንጉስ ሰለሞን ከም መራሒኦም ሾሞ እሞ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ብዙሕ ዓወታት ተመዝገበ ንግነት እስራኤል ውን ተመረተ። እዚ እንዳኾነ ግን እቲ ናይ መጀመርታ ስርወ መንግስቲ እስራኤል ክምስርት ዝበቅዐ እቲ ናይ ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ደም ዘይነበሮ ዳዊት እዩ ኔሩ። ዳዊት ተዋጊኡ ብዙሕ ቦታታት ሓዘ እሞ ንዮርሳሌም ሙሉእ ብሙሉእ ተቆጻጸራ ርእሰ ከተምኡ ውን ገበራ። ንጉስ ዳዊት ምስ ብዙሓት ቀቢላታት ነቶም ካብ ከባቢ ኤጅያን ናይ ሕጂ ክሪት መጺኦም ኣብ ከባቢ 1175 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ምድረ ከንኣን ዝሰፈሩ ፍሊስጤማውያን ከይትረፈ እዩ ተዋጊኡ። ፍሊስጤማውያን ኣብ ኣዝዩ ስትራተጂካዊ ኣገዳሲ ስፍራ ብምስፋር ካብ ጋዛ ጀሚሮም ክሳብ ቴል ከሲል እዛ ሕጂ ቴል ኣቪቭ ተባሂላ ትፍለጥ ዘላ ተዘርግሑ። እዚ ቦታ ኣዝዩ ልሙዕን ንዓለምለኻዊ ንግዲ ድማ ኣዝዩ ምቹእን ነበረ። ናይ ከተማ ማእከላቶም 5 ቀንዲ ከተማታት ነበራ ንሰን ድማ ጋዛ፡ ኣሽዶድ፡ ኣሽከሎን፡ኤክሮንን ጋዝን ኮይነን ኣብ ደቡባዊ ገምገም ከንኣን ድማ ተደኲነን ነበራ። ኣብ ግዜ ጽንኩር ኲናት እዘን ክልተ ሃገራት ዳዊት ኣንጻር እቲ ዓርሞሽሽ ዝኮነ ጎልያድ ገጠመ። ዳዊት ብሚሊታሪ ጥራይ ዘይኮነ ብዲፕሎማሲ ውን ዕዉት ነበረ። ኣብ ግዜ መሪሕነት ዳዊት እቲ ብእስራኤል ዝውነን ዝነበረ ግዝኣታት ብደቡብ ካብ ሴናይ ፔንሱላ ክሳብ ሩባ ኤፍራጠስ ንሰሜን ኣስፋሕፍሐ። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ሕልምታት ንጉስ ዳዊት ነተን ንታቦተ ጽዮን ዝኸውን ዓቢ ቤተ መቅደስ ምህናጽ ነበረ። ክሳብ ሽዑ ግን ታቦተ ጽዮን ብዓቢ ምስጢር ኣብ ስቱር ቦታ ተሓቢኡ ነበረ። እዚ ስራሕ ናብ ወዱ ሰለሞን ተሰጋገረ። ሰለሞን ኣብ ዮርሳሌም ዓቢ ቤት መቅደስ ሃነጸ እሞ ታቦተ ጽዮን ኣብኡ ብሰላም ዓረፈ። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዘመናት ውግእ ዕግርግርን ስደትን እስራኤላውያን ሰላም፡ ምዕባለን ብልጽግናን ክረኽቡ ጀመሩ። እንተኾነ እዚ ሰላምን ፍቅርን ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ ውሽጦም ዕግርግር ሰፈነ እሞ ሃገሮም ክትበታተን ከኣለት። ሰለሞን ድሕሪ ሙሟቱ ወዱ ሮብዓም ናብ ንግስነት መጸ። እንተኾነ ናቱ ምምጻእ ብዙሕ ተቋውሞታት ኣኸቲሉ መጸ። ምኽንያቱ ነቲ ዝነበረ መጠን ግብሪ ክቅንሶ ፍቃደኛ ኣይነበረን። በዚ ድማ መራሕቲ እቶም ህዝብታት ናይ ሰሜናዊ ክፋል እስራኤልን ደቡባዊ ግዝኣት ኣይሁድን ኣብ ከባቢ 931 ናዕቢ ፈጠሩ። እተን 10 ናይ ሰሜን ቀቢላታት ንየሮብዓም ከም ንጉሰን ሸየምኦ። ቀቢላታት ይሁዳን ቤንጃሚንን ጥራይ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ረሃብ ተረፋ። እዚ ምምቅቃል ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ዕግርግርን ብምፍጣር ክልቴን ግዝኣታት ዝተፈላለየ ብልጽግና ከም ዘመዝግባ ገበረ። እዚ ምፍልላይ ክልተ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘለወን ሃገራት መስረተ። እቲ ናይ ሰሜን ንግስነት ርእሰ ከተምኡ ኣብ ሰማርያ መስረተ እቲ ደቡባዊ ግዝኣት ድማ ርእሰ ከተምኡ ኣብ እዮርሳሌም ኮይኑ ቀጸለ። ኣብ 722 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ሰማርያ ባሰርያውያን ተወረረት። በዚ ድማ እተን 10 ቀቢላታት ናይ ሰሜናዊ ግዝኣት ካብ ታሪኻዊ ገጽ ክጠፍኣ ጀመራ። ዝበዝሑ ናብ ስደት ብምምራሕ ኣኣብዝኸድዎ መንነቶም ኣጥፍኡ። ድሕሪ እታ ዕለት ድማ ብእተን ዝጠፍኣ 10 ቀቢላታት እስራኤል ጥራይ ዝፍለጡ ኮኑ። እቲ ብሓረግ ወልዶ ንጉስ ዳዊት ዝመሓደር ዝነበረ ደቡባዊ ክፋል ንንውሕ ዝበለ ግዜ ጸንሐ። ኣብ 587 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ንጉስ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንእዮርሳሌም ወረራ እሞ ንንግስነት ኣይሁድ ካብ ስልጣን ኣለዮ። እዮርሳሌም ናብ ዑና ተቀየረት እቲ ብንጉስ ሰሎሞን ዝተሃንጸ ቤት መቅደስ ድማ ዓነወ። ዝበዝሑ ኣይሁዳውያን ናብ ባቢሎን ብባርነት ተሰዱ። እዚ ምርኮነት ክሳብ ፐርሽያ ንባቢሎን ትወራ ን50 ዓመታት ቀጸለ። ንጉስ ፐርሽያ ሳይረስ ኣብ 538 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እስራኤላውያን ናብ እዮርሳሌም ተመሊሶም ነቲ ዝዓነወ ቤተ መቅድሶም ንክሃንጹ ኣዋጅ ኣውጽአ። ኣብ ትህቲ ንግስነት ፐርሽያ ብሙዃን ድማ ምስ ሙሉእ ናጽነቶም ባዕሎም ንክመሓደሩ ፍቃድ ሃቦም። እዚ ስትራተጂ ንተኣማንነት እዞም ሓደሽቲ ዜጋታቱ ባህሎምን ሃማኖቶምን ብምኽባር ንክረክብ ኢሉ ዝተጠቅመሉ ሜላ ነበረ። እቲ ናይ ድግመ ምህናጽ ስራሕ 70 ዓመታት ወሰደሎም ምስ ምምጻእ ቀሺ እዝራ ኣብ 458 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ድማ ክቀላጠፍ ጀመረ።አዝራ ምስ ተሓጋጋዚኡ ነህሚያ ብሙዃን ነቲ ን150 ዓመታት ዓንዩ ዝጸንሐ ቤተ መቅደስ ሰሎሞን ክሃንጾ ጀመረ። እዚ ኣብ ታሪኽ ኣይሁዳውያን ብምህናጽ ካልኣይ ቤተ መቅደስ ዝፍለጥ ታሪኽ እዩ። ኣብዚ ግዜ ኣይሁዳውያን ኣብ ትሕቲ ንይ ወጻኢ ምሕደራ ይነብሩ ነበሩ። ኣብ መንጎ እዚ ኣብ 167 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ናዕቢ ተፈጥረ። ይሁዳውያን ኣንጻር እቲ ዝነበረ ንጉስ ፐርሽያ ንጉስ ኣንቲዮከስ ራብዓይን ጽሉል ሕግታቱን ተላዕሉ። እዚ ንጉስ ኩሉ ነግሩ ባዕዳዊ ባህልን እምነትን ዝኽተል ነበረ እሞ ንዝበዝሕ ናይ ኣይሁድ ልምድታት ክኽልክል ካብኡ ሓሊፉ ውን ንቤተ መቅደስከራኽስ ጀመረ። እቲ ናዕቢ ማትያስ ኣይሁዳዊ ቀሺ ናይ ፓጋን መስዋእቲ ከካይድ ምስ ሓንገደን ነቲ ከምኡ ዝገበረ ኣይሁዳዊ ውን ምስ ቀተሎን መሊሱ ተጋደደ። እዚ ተግባር ናብ ብቀሺ ማትያስን ደቁን ዝምራሕ ብማከብስ ዝፍለጥ ናዕቢ ተቀየረ። እዚ ናዕቢ ጀሚሩ ጥራይ ዘይኮነስ ንእዮርሳሌም ካብቶም ኣምላኽ ዘይኣምኑ ወረርቲ ሓራ ብምውጽእ ኣብ ውሽጢ ውሑድ ግዜያት ዓወት ኣመዝገበ። ኣብ 164 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እስራኤላውያን ሓደ ባህላዊ ፈስቲቫል ናይ ሃነካ ኣዳለዉ። እዚ ፈስቲቫል ነቲ ቦታ ካብ ነመንፈስ እቶም ኣብቲ ቦታ ዓኪሮምዝነበሩ ዘይኣመንትን ኣምለኽቲ ጣኦት ወረርትን ንምንጻህ ተባሂሉ ዝተገብረ ፈስቲቫል ነበረ። እዚ ፈስቲቫል ኣብ ቤት መቅደስ እዮርሳሌም ዝተኻየደ ኮይኑ ኣይሁዳውያን ነዚ ፈስቲቫል ከም መግለጺ ንጽህና ይሓስብዎ። ኣብ 63 ቅልክ ናይ ሮማ ኮማንደር ፖምፒ ንእዮርሳሌም ተቆጻጸራ። ካብ ሽዑ ክሳብ ከባቢ ሻብዓይ ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ እቲ መድሪ ኣብ ትሕቲ ንግስነት ሮማ ጸንሀ። ኣብቲ ግዜ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውያንን እቲ ዝነበረ ስርዓትን ዝኾነ ሽግር ኣይነበረን። ምስ ግዜ ግን እቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ወገናት ዝነበረ ርክብ ክዝሕትል ጀመረ። ምስቃል ክርስቶስ ኣብ መጀመርታ ክፍለዘመን ነቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ሮማን ዝነበረ ርክብ ኣማሕሚሕዎ እዩ። ምስቃል ክርስቶስ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውያን ውን ምፍሕፋሕ ፈጢሩ ነበረ። ኣብ መንጎ እቶም ንመሪሕነት ንግስነት ሮም ዝድግፉ መራሕቲ ኣይሁድን ኣብ መንጎ እቶም ቁጽሮም እንዳወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ኣይሁዳውያን ዝነበሩ ጸኒሖም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝኾኑ ኣይሁድን ዘይምስምማዕ ተፈጥረ። እዚ ዘይምስምማዕ ነቲ ድሮ ኣብ ወጥሪ ዝነበረ ኩነታት ማሕበርሰብ ኣይሁድ መሊሱ ኣጸንከሮ። ኣብ 66 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ኣይሁዳውያን ዓቢ ናዕቢ ኣለዓዓሉ እሞ ብዕሊ ናይ ሮማውያንን ኣይሁዳውያንን ኲናት ተጀመረ። ናይ ሮማውያን ሓይሊ ብቴክኖሎጂ ይኹን ብሚሊታሪ ካብ ኣይሁድ ኣዝዩ ዝበልጽ ነበረ። እንተኾነ ካብ ማእከል ግዝኣቶም ናብ ምድሪ ኣይሁድ ርሑቅ ብምንባሩ ንሎጂስቲካዊ ቀረብ ኣሸጋሪ ከም ዝኸውን ገበሮ። እቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ሮማውያንን ዝነበረ ኲናት ን7 ዓመታት ብዘይ ምቁራጽ ቀጸለ። ኣብ ክረምቲ ናይ 70 ድልክ ሃጸይ ቲተስ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ግዜ ከበባ ንመናድቅ እዩርሳሌምን ንምዕናው ናብታ ከተማ ኣተወ ነታ ከተማ ውን ኣብረሳ። እቲ ካልኣይ ቤተ መቅደስ ድማ ግዳይ ኮነ። ዝበዝሑ ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ተቀትሉ እቶም ዝተረፉ 97 ሽሕ ድማ ተታሒዞም ብጊላነት ናብ ሮማ ተወስዱ። ካብዚኦም እቶም ከባቢ 30 ሽሕ ኣብ ካቴጅ ሰፈሩ። ብመሰረት ጸሓፍቲ ታሪኽ እቶም ካብዚ ክሃድሙ ዝኸኣሉ ናብ ምብራቃዊ መዲተራንያንን ሞሶፖታሚያን ተበታተኑ። ታሪኽ ተደግመ እስራኤላውያን ድማ ዳግማይ ተሰዱ። እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ መንጎ ሮማውያንን ኣይሁዳውያንን ዝተኻየደ ውግእ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ 73 ድልክ ተዛዘመ። እቲ ናይ ሮማ ናይ ባርነት ንብዝሒ ቁጽሪ ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኣይሁዳውያን ብርኡይ ከም ዝጎድል ገበሮ።
እንተኾነ ደሓን ዝኾነ ቁጽሪ ዘለዎም ኣይሁዳውያን ኣብ ከባብን ውሽጥን ከተማ እዮርሳሌም ይነብሩ ነበሩ። እንተኾነ ሓደ ሓድሽ ባር ኮክህባ ዝተባህለ ናዕቢ ኣብ 132 ድልክ ተባርዐ እሞ ነቲ ኩነታት ቀየሮ። ኣብቲ እዋን ሓድሽ ዓቢ ቤት መቅደስ ጁፒተር ኣብቲ ቅድም ቤተ መቅደስ ዝነበረ ቆይሙ ነበረ። እታ ከተማ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሮማውያን ተቀይራ ነበረት። ውጽኢት ናይዚ ናዕቢ ንኣይሁዳውያን ኣዝዩ ኣዕናዊ ነበረ። ኣይሁዳውያን ምሩዃት ኲናት ብባርነት ናብ ካልእ ሃገር ተሸጡ። ኣይሁዳውያን ብዘይካ ኣብ ኣዝዮም ኣገደስቲ ሃይማኖታውያን በዓላት ናብ እዮርሳሌም ንከይኣትዉ ተኸልከሉ። ድሕሪ እዚ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ሮማውያንን ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ሃጸይ ሃደሪን ናይ ሮማ ንግዝኣት ኣይሁድ ብሲርያ ፓለስቲና ዝብል ስም ተክኦ። ብተወሳኺ ከም ውጽኢት እቲ ኲናት ቁጽሪ እቶም ብፍቃዶም ናብ ካልእ ሃገራት ዝስደዱ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ብተዓጻጻፊ ወሰኸ። እቶም ብባርነት ተሸይጦም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ምስ ደቆም ናጻ ተሰዱ እሞ ናብ ውሑስ ቦታ ገዓዙ። ናይ እስልምና ሃይሊ ንፍሊስጤም ኣብ 638 ድልክ ክቆጻጸራ እንከሎ ብዝሒ ህዝቢ ኣይሁድ 150 ሽህ በጺሑ ነበረ። እንተኾነ ሽዑ ውን ይኹን ኣንብ እዮርሳሌም ካብ ምእታው ተኸልኪሎም ነበሩ። ካሊፍ ዑመር ነታ ከተማ ድሕሪ ምቁጽጻሩ ነዚ ሕጊ ኣፍረሶ። ድሕሪ 500 ዓመታት ድማ ኣይሁዳውያን ኣብ እዮርሳሌም ንክነብሩ ተፈቅደሎም። ወላ እኳ ሃደ ሓደ ክልኩላት ቦታታት እንተነበሩ እዚ ግን ንናጽነት ኣይሁዳውያን ብዙሕ ኣይጸለዎን። እንተኾነ ብዝሒ ግብሪ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕርሻ ብዙሓት ኣይሁድውያን ካብ ገጠራት ናብ ከተማ ከም ዝመጹን ካብታ ሃገር ከም ዝሰደዱን ጌርዎም እዩ። ኣብ ምዝዛም መበል 11 ክፍለ ዘመን ብዝሒ ህዝቢ ኣይሁዳውያን ኣብ ፍሊስጤም ብርኡይ ከንቆልቁል ጀመረ። መስቀላውያን (ክሩሰይደርስ) ኣብ 1099 ንእዮርሳሌም ተቆጻጸርዋ። ኣብዚ እዋን ድማ ኣዝዮም ብዙሓት ኣይሁዳውያን ተቀትሉ። እዚ ህልቂት ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ልዑል ፍርሒ ፈነወ። ኣይሁዳውያን ምስ ሙስሊም ብምሓባር ኣንጻር እዞም ክሩሰይደርስ ገተሙ። እንተኾነ ሕጂ ውን ኣዝዩ ልዑል መጠን ሞት ኣጋተሞም። እቶም ኩሩሰይደርስ ንኩሉ ኣብ ቅድሚኦም ዝጸንሐ ቆልዓ ሰበይቲ ኮነ ሃይማኖቱ ብዘየገድስ ንኹሉ ሰየፍዎ። ብሰንኪ እቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ስደት ኣይሁዳውያን ናብ ኩሉ ክፋል እዛ
For Today, [1/8/2025 12:37 AM]
ዓለም ተበታተኑ። እቶም ናብ ጀርመንን ሰሜናዊ ምብራቅ ፈረንሳን ዝተሰዱ ኣይሁዳውያን ኣሽክናዚ ዝብል ስም ተዋህቦም፡ እቶም ኣብ ስጳኛን ፖርቱጋልን ዝነበሩ ድማ ሲፋዲክ። ኣብ ግብጺ፡ዒራቅን የመንን ሚዝራሂ፡ ኣብ ማእከልይ ኤስያን ኮከስስ ዝነበሩ ድማ ቡካራን ተባህሎም ይፍለጡ ነበሩ። ዝበዝሑ ካብቶም ኣሽካናዚ ዝተሰምዩ ኣብ ኤውሮጳ ኣነበሩ ኣይሁዳውያን ኣብ 17ተን 18ተን ክፍለ ዘመን ብባሕሪ ጌሮም ናብ ኣሜሪካ ሰጊሮም ነበሩ። ኣብ ግዜ ተሃድሶ (ረናይሳንስ) ምሁራን ኣይሁድ ነታ ናይ ቀደም ኤውሮጳ ኣብ ምምዕባል ኦኣቢ ተራ ይጻወቱ ነበሩ። እንተኾነ ምዝዛም ዘመነ ተሃድሶ ሓድስ ጸረ ሰመቲካዊ ምንቅስቃስ ብምምጽኡ ህላውነት ኣይሁዳውያን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ተነቃፊ እንዳኾነ መጸ። ኦቶማን ኢምፓየር ንዮርሳሌም ኣብ 1516 ተቆጻጺርዋ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣይሁዳውያን ዝሓሸ ሰላምን ናጽነትን ከስተማቅሩ በቂዖም ነበሩ። ኣብ ዝተፈላለየ ንግዳዊ ንጥፈታት ክሳተፉን ልዕል ዝበለ ብሙስሊም ዝተሓዝ ዝነበረ መንግስታዊ ጽፍሕታት ክሕዙን በቂዖም ነበሩ። ሱልጣን ባይዚ ካልኣይ ነቶም ካብ ስጳኛን ፖርቱጋልን ዝመጽዎ ሰፋዲክ ኣይሁዳውያን ናብ ዓዶም ንክኣትዉ ኣፍቀደሎም። ኦቶማናውያን ነዞም ዝመጽዎም ኣይሁድ ኣብ ሃብታማት ከም በዓል ኢስታንቡል፡ ሳሎኒካን እዮርሳሌምን ዝኣመሰላ ከተማታት ንክቅመጡ ኣፍቀድሎም። እዞ ዝመጹ ህዝቢ ነቶም ኣብኡ ዝጸንሕዎም በነባብራን ስልጣንነን ክጸልዉዎም ጀመሩ። ንኣብነት እቲ መስራቲ ሃገረ እስራኤል ዝኾነ ዴቪድ ቤንጉርዮን፡ ዪቻክ ቤንዚቪ እቲ ዝንውሐ ግዜ ዝመርሓ ፕረዚደንት ኣብ ኢስታንቡል እዮም ትምህርቶም ዛዚሞም። እንተኾነ ኩሎም ነቲ ጊዝያ ዝተባህለ ሙስሊም ዘይኮኑ ሰባት ዝኸፍልዎ ግብሪ ንክኸፍሉ ይግደዱ ነበሩ። ብተወሳኺ ውን ሓደ ሓደ እገዳታት የጋጥምዎም ነበሩ። ኣብ 1860 ኣይሁዳዊ ጋዜጠኛ ቲዮዶር ሀርዘል ኣይሁዳውያን ነቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ መጥቃዕቲ ጸረ ሰምያውያንን ምትሕንፋጽ እምነትን ባህልን ንምውጋድ ካብ ኤውሮጳ ክወጹ ከም ዘለዎምን ኣብ ፍሊስጤም ድማ ምድረ ኣይሁድ ንክምስርቱ ከተባብዕ ጀመረ። ሀርዘል ኣብ 1897 ኣብ ባዚል ናይ መጀምርታ ኣኼባ ጽዮናውያን ብምክያድ ካብ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ንሃገረ ኣይሁድ ንምምስራት ደገፍ ክረክብ ፈተነ። እንተኾነ ክዕወት ኣይከኣለን። እዚ ምንቅስቃስ ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን ጽቡቅ ገስጋስ ከርኢ ጀመረ። ብፍላይ ድሕሪ እቲ ኣብ 1917 ዝወጸ ኣዋጅ ባልፎር ድማ ርኡይ ገስጋስ ኣምጽአ። እዚ ኣዋጅ ምምስራት ዓደቦ ኣይሁዳውያን ኣብ ምድሪ ፍሊስጤም ዝድግፍ ኣዋጅ ነበረ። እንተኾነ እቲ መሳራቲ እዚ ኣዋጅ ዝነበረ ኣልተር ጀምስ ባልፈር በቲ ዝነበሮ ጸረ ሰምያውያን መርገጺ ይፍለጥ ነበረ። ኣብ 1905 ነቲ ብኤልያንስ ኣክት ዝፍለጥ ናይ ሩስያ ኣይሁድ ናብ ብሪጣንያ ንከይኣትዉ ዝኽልክል ሕጊ ደገፉ ገለጸ። ቀንዲ ምኽንያት መአወጂ ባልፎር ድማ ኣዝኾነ ኣይሁዳዊ ናብ ብሪጣንያ ንከይኣቱ ካብ ዝነበሮ ድልየት ዝተበገሰ ነበረ። ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ኩናት ዓለም ኦቶማን ኢምፓየር ብምስዓሩ ብሪጣንያ ንእዮርሳሌም ክትቆጻጸራ ከኣለት። ኣብዚ ግዜ ብዙህ ቁጽሪ ዘለዎም ኣይሁዳውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ጀመሩ። ኣብ መንጎ ዓረባውያን ሃገራትን ኣይሁዳውያንን ድማ ግጭት ክፍጠር ጀመረ። እቲ ካብ 1936 ክሳብ 1939 ዝተኻየደ ናይ ዓረብ ናዕቢ ተባሂሉ ኣፍለጥ ናዕቢ ድማ ንብሪጣንያ ኣብ 1939 ሓባራዊ ናይ ኣይሁድን ዓረብን ሃገር ንክትምስርት ምኽንያት ኮና። ኣብ ግዜ እዚ ኦግርግር ብሪጣንያ ልዕሊ 2ሽሕ ዓረባውያን ክትቀትል እንከላ 108 ድማ ብማሕነቅቲ ቀተለት ካልኦት 961 ዓረባውያን ድማ ብሽበራዊ ምንቅስቃሳት ተኸሲሶም ተቀትሉ። መጽናዕቲ ከም ዝሕብርዎ ኣብቲ ዕግርግር ብጠቅላላ ከባቢ 19799 ዓረባውያን ከም ዝተቀትሉ የመልክት። ድሕሪ እዚ ናይ ዓረብ ዕግርግር ብተቋወምቲ ጉጅለ ኣይሁድ ዝተፈላለዩ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ዓረባውያንን ብሪጣንያን ክካየድ ጀመረ። ብሪጣንያ ነዚ መጥቃዕትታት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክትብል ኮነነቶ። እዚ መጥቃዕቲ ብሓደ ኢርጎን ዝተባህለ ሓውሲ ሚሊታሪ ጉጅለ ዝካየድ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ሎሊ ብሪጣንያ ልዕሊ 60 መጥቃዕትታ ኣካየደ። ገለ ካብዚ መጥቃዕትታት መጥቃዕቲ መደበር ፖሊስ ብሪጣንያ፡ ምፍንጃር መስመራት ትሕተ ቅርጽን መጎዓዝያታትን ከምኡ ውን ንሓለፍትን ወተሃደራትን ብሪጣንያ ታርጌት ዝገበረ መጥቃዕትታት ምክያድ ነበረ። ገለ ካብዚ እቲ ኣብ 1946 ኣብ ሆቴል ንጉስ ዳዊት ዝተገበረ ሂወት 91 ሰባት ዘጥፍአ ካብዚኦም እቶም 28 ናይ ብሪጣንያ ዜጋታት ዝኾኑ መጥቃዕቲ ነበረ። ብተመሳሳሊ ኣብ 1947 መጥቃዕቲ ብምክያድ ሂወት ብሪጣንያውያን ኣዕራብን ዝወሰደ ሓደጋ ኣውረዱ። እቲ ኣብ ግዜ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተኻየደ ኣሰቃቂ ህልቂት ኣይሁዳውያን ንምንቅስቃስ ጽዮናዊነት ከም ዝቀላጠፍን ብህጹጽ ድማ ነታ ዓደብኦም ዝኾነት ናይ ተስፋ ምድሪ ኢሎም ዝጽውዕዋ ኢስራኤል ንክትምስረትን ምኽንያት ኮነ። ህልቂት እቶም ብናዚ ጀርመን ዝጠፍኡ 6 ሚልዮን ኣይሁዳውያን ዓለምለኻዊ ምድንጋጽን ደገፍን ከም ዝረኽቡ ገበረ። ኣብ 1948 ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንፍሊስጤም ናብ ክልተ ብምምቃል ናብ ናይ ኣይሁድን ሙስሊምን ሃገር ንክይምቀል ወሰነ። ወላ እኳ ሃገራ ዓረብ ነዚ ውሳኔ እንተነጸግኦ ኣብ 1948 እስራኤል ናጽነታ ተጎነጸፈት። እዚ ኣዋጅ ኣብ መንጎ ዓረባውያን ጎረባብቲ ሃገራት ኲናት ከም ዝኽፈት ገበረ። እዚ ኲናት “ኲናት ንናጽነት ወይ ከኣ ኲናት ዓረብን እስራኤልን” ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብቲ ዝቀጸለ ዓመታት እስራኤል ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ተኸታታሊ ውግኣት ተሸመመት። ገለ ካብዚ እቲ ናይ 1956 ሱአዝ ቅልውላው፡ ናይ 1967 ኲናት 6 መዓልቲ፡ ኲናት ያም ኪፑር 1973 ክጥቀስ ይከኣል። ኣንጻር እቲ ተምዝግቦ ዝነበረት ወተሃደራዊ ዓወታት እስራኤል ሰላማ ከተውሕስ ዘይሕሰብ ኮና። እቲ ኣብ 1990ታትታብ ኦስሎ ምስ ሓርነታዊ ምንቅስቃስ ፍሊስጤም ዝተኻየደ ስምምዕ ምቁራጽ ተስፋ ሂብዋ እኳ እንተነበረ ሕጂ ውን ንነዊሕ ዝኸይድ ሰላም ዘይብጻሕ ኮና። ኣብቲ ዝቀጸለ ዓመታት ተኸታትሊ ግጭታት ነበረ። ኣንጻር እቲ ዝካየድ ዝነበረ ተደጋጋሚ ዝርርብን ስምምዕን ኲናት እስራኤልን ፍሊስጤምን ብሰንኪ ጎበጣን ምስፍሕፋሕ መሬትን ክሳብ እዛ ሕጂ እዋን ዝቅጽል ዘሎ ኲናት እዩ።