እቲ ቀታሊ ነብሰ-ጾር!! ሓቀኛ ናይ ገበን ታሪኽ!!  

ነዛ ናይ ሎሚ ጉዳይ ዝገልጹ ቃላት ክትረክብ ኣይ ትኽእልን ኢኻ.እዛ ኣብዚ ጉዳይ ግዳይ ዝኾነት ኣማንዳ ብላክ በርን ለዋህን ንሰባት ትሕግዝን ጋልያ ኔራ.እቲ ነዚ ጉዳይ ኣሰምባዲ ዝገብሮ ነገር ግን ኣማንዳ ክትቅተል ከላ ጥንስቲ ምንባራ እዩ.ብኸምዚ ከኣ 1ጥራይ ዘይኮነ 2ሰብ ተቐትሉ.ናይ ኣማንዳ ቅትለት ብዘይተሓስበ መገዲ እዩ ተፈጺሙ.ነቲ ጉዳይ ምስረኣናዮ ድማ ከመይ ኢሉ ከምዚ ዓይነት ነገር ከጋጥም ክኢሉ ኢልና ክንሓስብ ኢና.ቅድሚ ነቲ ጉዳይ ምርኣይና ግን ብዛዕባ ኣማንዳ ገለ ክንብል.ንሳ በቲ ዘጋጠማ ጥራይ ዘይኮነ በቶም ብሂወት ከላ ተኻይዶም ዝነበረት ነገራት ውን ክትዝከር ኣለዋ.
ኣማንዳ ግረይስ ባየርስ ኣብ ሰነ 31 1987 ኣብ ምሺገን ተወልደት.ወለዳ ፊልን ሮቢንን እዮም ዝብሃሉ.ጀይምስ ዝብሃል ሓውን ኣምበር ትብሃል ሓፍትን ውን ነበርዋ.እታ ኣዲኣ ዝኾነት ሮቢን ኣብ podcast ንኣማንዳ ምስ ጠነሰት ኣዝያ ተሻቒላ ከምዝነበረት ሓበረት .እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ 3ይ ቆልዓ ናይ ምውላድ መደብ ስለ ዘይነበረእዩ .ንሳ ኣብ ሓደ ግዜ 3ቆልዑ ኸዕቢ ኣይክእልን እየ ኢላ ትሓስብ ነበረት .ብዝኾነ ኮይኑ ንኣማንዳ ወሊዳ ከተዕብያ ጀመረት.ንሳ ካብግዜ ንእስነታ ኣትሒዛ ሰማዒትን ሕጉስትን ምስኪንን እያ ኔራ.ነቶም ትፈትዎም ዝነበረት ሰባት ድማ ትሕግዞምን ትድግፎምን ነበረት.እታ ካብኣ ትዓቢ ሓፍታ ኣምበር,ንሳን ኣማንዳን ቆልዑ ከለዋ ክዛወራ ኢለን ናብ ሓደ ቦታ ብመኪና እናኸዳ እቲ ጉዕዞ ነዊሕ ስለዝነበረ ምስ ሓፍታ ምኻድ ኣጽልኢዋ ከምዝነበረ ገለጸት.እዚ ድማ ኣብሞንጎ ኣሕዋት
ዘጋጥም ልሙድ ነገርዩ.ኩላትና ኣብ ግዜ ቁልዕነትና ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ነገር ኣሕሊፍና ኢና.ክልቲአን ግን ኣብ መወዳእታ ብዘይተሓስበ መገዲ ኣብ ዲቕ ዝበለ
ዕላል ኣተዋ.ኣምበር ከኣ ካብዛ ህሞት ኣትሒዛ ምስ ሓፍታ ኣዝያ ክትቀራረብ ጀመረት .እታ ስድራ ኣብዚ ግዜ ካብ ምሺገን ናብ ኢንድያና ፖሊስ ድሒራ ውን ናብ ኣልካርት ኢንድያና ገዓዘት.ኣማንዳ ኣብ 2006 ካብ ክርስትያን ኣካዳሚ ምስ ተመረቀት ናብ pensakola ክርስትያን ኮሌጅ ከደት.ኣብ 2008 ድማ ብናይ ኣሶሰይት ዲግሪ ተመረቐት.ንሳ ብልጽቲ ዓመትያ ኣሕሊፋ.ኣብ ሓምለ 1 2008 ከኣ ተመርዓወት.ንሳ ምስቲ ሰብኣያ ዝኾነ ደይቪ ብላክ በርን ብመገዲ ሓፍታ ጌራ እያ ተላልያ.ክልቲኦም ካብታ ዝላለዩላ ግዜ ኣትሒዞም  ብጽቡቕ ክቀራረቡን ክፋቐሩን ከኣሉ.ኣብታ መጀመርያ ዝተራኸቡለ  መዓልቲ ከኣ ነታ ናይ ክርስትያን ባንድ ዝኾነት ሃክ ኔልሰን ክሪኡ ኢሎም ከዱ.እታ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ዕውትቲ ስለዝነበረት ድማ ንሰሙን ምሉእ ከየቃረጹ ተራኸቡ.ኣብቲ ግዜ ኣብሓደ ቤትትምህርቲ ይምሃሩ ስለዘይነበሩ ግን ናይ ሎንግ ዲስታንስ ፍቕሪ እዮም መስሪቶም ኔሮም.ክሳብታ ዝምርዓዉ ድማ ብኸምዚ ቀጸሉ.ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝገለጽናዮ ኣማንዳን ኣምበርን ጥቡቅ ምቅርራብ ስለ ዝነበረን ብሓባር ክምርዓዋ ሓሰባ.ዋላኮ ገለ ዘምስምማዕ እንተነበረን እታ ናይ መርዓ መዓልቲ ግን ኣብ ሂወተን እታ ዝበለጸት ፍጻሜ እያ ኔራ .ኣማንዳን ዴቪን ምስ ተመርዓዉ ገለ መሰናኽላት ክገጥሞም ጀመረ.ነቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ሽግራት ግን ቴራፒ እንዳገበሩ በብሓደ ፈትሕዎ.ናብ ቤተክርስትያን ከይዶም ውን ነቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ሽግራት ንደቂ ማሕበሮም ኣካፈልዎም.ኣማንዳን ዴቪን ንዝኾነ ኣብ ቅድሚኦም ዝገጥሞም ዝነበረ ጸገም ኣብ እምነቶም ተወኪሎም ይገጥምዎ ነበሩ.እቲ እምነቶም ኣብ ሂወቶም ዓቢ ተራ ስለዝነበሮ ከኣ ኣብ 2012 ናብ ስራሕ ቀየርዎ.ዴቪ ኣብቲ ግዜ ኣብ ሳውዝ ካራሎይና ከም ተሓጋጋዚ ፓስተር ኮይኑ ይሰርሕ ነበረ. ድሕሪኡ ምስ ኣማንዳ ኮይኑ ናብ ኢንድያና ፖሊስ ግዒዙ ናይ ገዛእ ርእሱ ሬዞኔት ቸርች ዝብሃል ቤተክርስትያን ከፈተ.ንሶም ኣምላኽ ቤተክርስትያን ክፈቱ ዝብል መልእኽቲ ስለዝሰደደልና ኢና ን ንሬዞኔት ቸርች ከፊትናዮ ኢሎም ተዛረቡ .ዴቪ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ነታ ቤተ ክርስትያን ንክኸፍታ ብዙሕ መሰናኽላት ከምዝሓለፈ ገለጸ.ነዚ ሽግሩ ድማ ከም ኣብ ሓደ መዕሸጊ መካይን ጫካ ምፍጣር ማለት እዩ ኔሩ ኢሉ ገለጾ.ሳላ እምነቱን ጻዕሩን ግን ነታ ቤተክርስትያኑ ምስ ኣማንዳ ኮይኑ ከፈታ. እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣማንዳ ውን ኣብቲ ግዜ ከምዝጠነሰት ፈለጠት.እቲ ቦኽሪ ውላዶም ዝኾነ ዌስተን ድማ ኣብ 2014 ተወልደ.እታ ለዋህን ለባምን ዝነበረት ኣማንዳ ከኣ ብልጽቲ ኣደ ክትከውን ከኣለት.እዛ ስድራ ከምዚ ኢላ ንሓደ ዓመት ጽቡቕ ሂወት እናሕለፈት ቀጸለት.ተኾነ ግን ኩሉ ነገር ኣብ ሕዳር 10 2015 ተቐያየረ.ዴቪ ንግሆ ሰዓት 8 ካብ ጂም ናብ ገዝኡ ምስ መጸ እታ በዓልቲ ቤቱ ዝኾነት ኣማንዳ ብደም ተጸያይቓን ኣብ መሬት ወዲቓን ጸንሓቶ.ርእሳ ብማልያኣ ክሽፈን ከሎ ስሪኣ ድማ ወጽዩ ነበረ.እዚ ከኣ ዝኾነ ሰብ ዓሚጽዋ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዘርኢ ኔሩ.ኣብ ጥቓኣ ፋሕፋሕ ዝበሉ ካርድታትን ቦርቶፊልዮን ኣምፑልን ነበሩ.ዴቪ ድሕርዚ ፍጻሜ ብኩነታት ወዱ ስለዝተሻቐለ ክሪኦ ኢሉ ናብ ላዕሊ ከደ.ወዱ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጸ ድማ ናብ 911 ደዊሉ ኩሉ እቲ ዘጋጠሞ ፍጻሜ ሓበረ.ሂወት ኣድሕን ድማ ከይጸንሑ ናብቲ ገዛ መጹ.ኣማንዳ ንሓንቲ መዓልቲ እኮ ብሂወት ክትጸንሕ ተኸኣለት ኣብታ ዝቐጸለት መዓልቲ ግን ብወግዒ ከምዝሞተት ተገልጸ.እቲ
ናይ ኣቶፕሲ ጸብጻብ ኣብ ጸጋማይ ኢዳ ሕቁኣን ርእሳን ጥይት ከምዝተተኮሰላ እዩ ዘርኢ ኔሩ.ብተወሳኺ ኣብ ጸጋማይ ምዕጉርታ ቁስሊ ክህሉ ከሎ ከንፈራ ድማ ተፈላልዩ ነበረ.ብዘይካዚ ሓንቲ ስና ውን ረጊፋ ነበረት. ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ርእሳ ብማልያኣ ክሽፈን ከሎ ስሪኣ ውን ወጽዩ ነበረ.ተኾነ ግን ዝኾነ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠማ ዝገልጽ መርትዖ ኣይተረኽበን. ኣብዚ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ንሳ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኣብ ከብዳ ዝነበረ ዕሸል ውን ሞይቱ እዩ.ንሳን ዴቪን ነታ ብሂወት ክትሰርር ዘይከኣለት ጋሎም አይቪ ኢሎም ክጽውዕዋ ሓሲቦም ነበሩ.እዚ ንዕኦም ዘጋጠሞም ነገር ኣዚኻ ከም ትቑጣዕን ከም ትጉህን እዩ ዝገብረካ.እዚ ትርጉም ዘይነበሮን ፈጺሙ ከጋጥም ዘይግብኦን ነገር እዩ ኔሩ.እዚ ከኣ ዓለም ሓንሳእ ሓንሳእ ዘይፍትሓዊት ከምዝኾነት እዩ ዘርእየና.እዚ ኩሉ ግን ብኸመይ መገዲ እዩ ተፈጺሙ.
ሓደ ናይ ኢንድያናፖሊስ መርማሪ ድሕርታ ናይ 911 ደወል ድሕሪ 1ሰዓት ናብቲ ኣማንዳ ትሕከመሉ ዝነበረት ሜቶዲስት ዝብሃል ሆስፒታል ከደ.ካብ ዴቪ ቃል ክቕበል ኢሉ ከኣዩ ናብኡ ከይዱ.ዴቪ ነቲ ኣብታ ንግሆ ዘጋጠመ ነገር ከምዚ ኢሉ ገለጾ.ንሱ ሰዓት 4:30 ምስ ተስአ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበበ.ሰዓት 6ምስኮነ ድማ ናብ ጂም ኣምርሐ.ካብቲ ገዛ ክወጽእ ከሎ ግን ነቲ ብቕድሚት ዝነበረ ማዕጾ ኣይዓጸዎን ነበረ.ንሱ ነቲ ማዕጾ ከይዓጸዎ ብምውጽኡ ኣብ ከቢድ ጣዕሳ እዩ ኣትዩ.ሰባት ድማ ካብዚ ተበጊሶም ክፈርድዎን ክነቕፍዎን ይኽእሉ እዮም. ተኾነ ግን ንሱ ብሰንክዚ ተግባሩ ኣብ ከቢድ ሓዘንዩ ኣትዩ.ኩላትና ማዕጾ ናይ ገዛና ከይዓጸና ክንወጽእ የብልናን.ብፍላይ ኣብቲ ገዛ ገዲፍናዮ ንኸይድ ሰብ እንተሃልዩ ማዕጾ ዓጺና ከምዝወጻእና ከነረጋግጽ ኣለና. ዴቪ ነቶም ኮምኡ ንኽገብር ዘገደድዎ ምኽንያታት ገሊጽዎም እዩ.ቀዳማይ ኣማንዳ ጥራይ ትሕዛ ሓንቲ መፍትሕ እያ ኔራቶም.እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ኣብ ውሑስ ኣከባቢ ስለዝቕመጡ ክወጹ ከለዉ ኩሉ ግዜ ንማዕጾ ናይ ገዝኦም ኣይዓጽውዎን እዮም ኔሮም.ብዝኾነ ኮይኑ ኣብ ጂም ክሳብ 7:10 ምስ ጸንሐ መኪንኡ ኣልዒሉ ናብ ገዝኡ ክኸይድ ጀመረ.ኣብታ መኪና ከሎ ብተሌፎን ምስ ዓርኩ ተራኸበ.ዋላኮ ናብ ገዝኡ 7:30 እንተተመልሰ ምስቲ ዓርኩ የዕልል ስለዝነበረ ግን ክሳብ 8:20 ዝኸውን ናብ ገዛ ኣይኣተወን.ንሰበይቱን ወዱን ከይርብሽ ኢሉ ከኣዩ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኮይኑ ከዕልል ዘይመረጸ. ዝበዛሕና ሓንሳብ ሓንሳብ ቅድሚ ናብ ገዛና ምእታውና ኣብ መኪና ኮፍ ኢልና ብተሌፎን ነዕልል ኢና.እቲ መርማሪ ኣብቲ ሆስፒታል ኮይኑ ምስ ዴቪ እናዕለለ ከሎ ካልኦት መርመርቲ ድማ ናብቲ ገዛ ከይዶም መርትዖ ይእክቡ ነበሩ.ብዘይካቲ ናይ ATM ካርድታት ሓንቲ ጥርሓ ዝነበረት ባኮ ናይ ሽጋራ ውን ረኸቡ.ዴቪ ድሒሩ እዛ ናይ ሽጋራ ባኮ ናቱን ናይ ኣማንዳን ከምዘይኮነት ገሊጹ ነበረ.እቶም መርመርቲ ፕላስተር,ኤርፎንን ናይ ኣማንዳን ቦርሳን ውን ረኺቦም እዮም.እታ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ገዛ ዝተረኽበት ተለፎና ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኽርከብ ሓገዘት.ቸይስ ባንክ ሰዓት 7:53 am ቮይስ መሰጅ ሰዲዱ ኣብ ናይ ATM ካርዳ ኣብ ጥርጣረ ዘእቱ ንጥፈት ይካየድ ከምዘሎ ሓበረ.እዛ እዚ ባንክ ዝጠቕሳ ዘሎ ካርድ ግን ኣብቲ ገዛ ክትርከብ ኣይከኣለትን.ፖሊስ ከኣ ካብዚ ሓበሬታ ተበጊሱ ሰራቒ ናብቲ ገዛ ኣትዩ ኔሩ ክኸውን ይኽእልዩ ኢሉ ሓሰበ.ኣብታ ንግሆ ናይ ኣማንዳ ገዛ ሓዊስካ ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ 2 ገዛ ውን ተሰርቃ.ገለ ኣብቲ ገዛውቲ ዝቕመጡ ሰባት ድማ ኣብታ ንግሆ ገለ ኣብ ጥርጣረ ዘእቱ ነገር ከምዝረኣዩ ሓበሩ. ሓንቲ ሰበይቲ ካብ 6:40 am ክሳብ 6:45 am ክልተ ቶኽስን ናይ ሓንቲ ጋል ኣውያትን ከም ዝሰምዐት ሓበረት.
ንሳ ስለ ምንታይ ሽዑ ንሽዑ ናብ ፖሊስ ከም ዘይደወለት ብግልጺ ኣይፍለጥንዩ.ኩሉ ግዜ ገለ ቂር ዝብል ወይ ኣብ ጥርጣረ ዘእቱ ነገር ተርኢና ናብ ፖሊስ ክንድውል ኣለና.ካልእ ጎሮቤት ውን ኣብታ ንግሆ ንሱን ሰበይቱን ሓደ
ምሉእ ጸሊም ሕብሪ ዘለዎ ክዳን ዝለበሰ ሰብ ኣብ እንዳ ጉሓፎም ደው ኢሉ ከሎ ከምዝረኣዩ ሓበሩ.ካልእ ጎሮቤት
ውን ሰዓት 7:5 am ሓደ ምሉእ ጸሊም ጎልፎ ዝተኸድነ ሰብ ከምዝረኣየ ሓበረ.ድሕሪኡ ንሱ ኣብሓንቲ ክራይስለር
ሲብሪንግ ዝዓይነታ መኪና ተሰቒሉ ካብቲ ቦታ ተኣልየ. ፖሊስ ነዛ መኪና ኣብ ሕዳር 11 ኣብ ሓደ ቦታ ተደርብያ ረኸባ.እዛ መኪና ምስቲ 2 ኣብቲ ገዛውቲ ዝተፈጸመ ናይ ስርቂ ገበን ውን ትተሓሓዝ እያ.ኣብታ ኣማንዳ ዝተቐትለትላ ንግሆ,ሓንቲ ሰበይቲ ሰዓት 5:23 am ምስ ኮነ ናብ ፖሊስ ደዊላ ገዝኣ ከምዝተሰርቐ ሓበረት.እዚ ኩሉ ስርቂ ክፍጸም ከሎ ግን ደቂሳ እያ ኔራ.ምስ ተስአት ነታ ክትድቅስ ከላ ኣብ ጥቓኣ ዘቐመጠታ መኪና ስለዝሰኣነታ ክትደልያ ኢላ ናብ ታሕቲ ከደት.ኣብቲ ሳሎን ዘለዎ ክፍሊ ምስ በጽሐት ድማ እቲ ብጎኒ ዘሎ ማዕጾ ተኸፊቱ ጸንሓ.ብተወሳኺ እታ ኣፕል ማክቡክ ዝዓይነታ ላፕ ቶፓ,ቦርሳኣን ናይ መኪና መፍትሓን ተላዒሉ ጸንሓ.እታ
ኣብ ደገ ዓሺጋታ ዝነበረት ክራይስለር ሲብሪንግ ዝዓይነታ መኪናኣ ውን ተሰሪቓ ጸንሓታ.ነታ ናይ cctv ካሜራኣ ምስ ፈተሸታ ከኣ ንገለ ካብቲ ስርቂ ክትሪኦ ከኣለት.ኣብታ ካሜራ 3 ኣወዳት ነቲ ማዕጾ ሴሮም ናብቲ ገዛ እናኣተዉ ከለዉ እዮም ዝረኣዩ.ድሕሪኡ ግን ይቕድሑ ከምዘለዉ ስለዝፈለጡ ነታ ካሜራ ሰበርዋ.ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝገለጽናዮ ቅድሚ ኣማንዳ ምቕታላ ኣብ
ልዕሊ 2 ገዛ ስርቂ ተፈጺሙ ነበረ.እታ ካልኣይቲ ስርቂ ምስታ ቀዳመይቲ ትመሳሰል እያ.ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሰብ ሰዓት 8:17 am ምስኮነ ናብ ፖሊስ ደዊሉ ኣብ ገዝኡ ስርቂ ከም ዝተፈጸመ ሓበረ.እቶም 3 ሰረቕቲ ሕጂ ውን ነታ ኣብዛ ካልኣይቲ ገዛ ዝነበረት ካሜራ ሰበርዋ.4 ቲቪ,ሓንቲ ማክቡክ ፕሮ ሓንቲ ናይ ቲፋኒ ፒራል ስልማት ኣራንሽን ኣንሶላን ሰረቑ. ነዚ ስርቂ እና ፈጸምዎ ከለዉ ድማ ናይ ጽምብል መደብ ኣካየዱ.ፖሊስ ከኣ ናብቲ ገዛ ምስ መጸ ናይ ብራን ዋይንን ጠራሙዝ ረኸበ.እዚ ገዝኡ ዝተሰርቆ ጎሮቤት ኣብቲ እቲ ፍጻሜ ዝካየደሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ ካልእ ቦታ እዩ ኔሩ.ስለዚ እቲ 3
ስርቅታት ይተሓሓዝዩ ማለትዩ.ፖሊስ ነታ ኣብ ሕዳር 13 ዝረኸባ መኪና ምስ ፈተሻ ሓንቲ ዝፈሸለት ናይ ATM ናይ ምስግጋር ረሲት ረኸበ.እታ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለት ATM ናይ ኣማንዳ እያ ኔራ.እቶም ፖሊስ ብዘይካ እታ ረሲት ኣንሶላታትን ኣራንሽን ውን ረኸቡ.እዚ ኣብዛ መኪና ዝተረኽበ መርትዖ እቲ 3 ስርቂ ከምዝተሓሓዝ እዩ ዘርኢ. ድሕሪኡ እቶም ፖሊስ ናብቲ እታ ካርድ ዝኣተወትሉ ATM ከይዶም ነቲ ኣብቲ ካሜራ ዝነበረ ቪድዮ ቀድሕዎ.
ኣብ ውሽጢ እቲ ቪድዮ ድማ ሓደ ሮዛ ዝሕብሩ ሻርባ ዝገበረ ሰብኣይ ብናይ ኣማንዳ ካርድ ጌሩ 500 ዶላር ከውጽእ እናፈተነ ከሎ ረኣይዎ.እዚ ሰብኣይ ድሒሩ ውን ብኻልእ ናይ ATM ካሜራ ተቀድሐ.ኣብዛ ካልኣይቲ ግን ስለዝተዓወተ 400 ዶላር ከውጽእ ከኣለ.ንሱ ግን መንዩ?
መርመርቲ ኣብ ሕዳር 17 ውጽኢት DNA ናይቲ ኣብታ መኪና ዝተረኽበ መርትዖታት መጾም.እቲ ኣብታ ሻርባ ዝተረኽበ DNA ናይቲ ሰሪቑ ተኣሲሩ ብኣሞክሮ ተፈቲሑ ዝነበረ ጀይለን ዋትሰን ዝብሃል ሰብ ኮይኑ ጸንሐ.ንሱ ምስ ሓደ ከምኡ ብኣሞክሮ ዝወጸ ድያኖ ጎርዶን ዝብሃል ሰብ ጽቡቕ ርክብ ነበሮ.ፖሊስ ድማ ኣብቲ ኣማንዳ ዝተቀትለትሉ መዓልቲ ኣብቲ ከባቢ ምንባሮምን ዘይ ምንባሮምን ክፈልጥ ኢሉ ንተሌፎናቶም ሓዘን.እቲ ኣብቲ ተለፎኖም ዝነበረ ዳታ ኣብቲ ናይ ስርቂ ቦታን ኣብቲ ናይ ATM ማሽናት ዘለውኦ ከባብን ከምዝተንቀሳቐሱ እዩ ዘርኢ ኔሩ.እቲ ሳልሳዮም ዝነበረ ሰብግን መንዩ?ካብ ናይ
ድያኖን ጀይለንን ቴለፎናት ናብ ሓንቲ ቁጽሪ ደወላት ተገብረ.ፖሊስ ነታ ተሌፎን ምስ መርመርዋ እቲ ዋናኣ ኣብቲ ኣማንዳ ዝተቀትለትሉ ግዜ ኣብቲ ከባቢ ከም ዝነበረ ዘርኢ መርትዖ ተረኽበ.እዚ ሳልሳይ ገበነኛ ሌሪ ጆው ተይለር እዩ ዝብሃል.ሽዑ እቶም ፖላይስ ክረኽብዎ ኢሎም ናብቲ ቴሌፎኑ ተርእዮ ዝነበረት ቦታ ኣምርሑ. ነቶም ክልተ ሰረቕቲ ውን ኮምኡ እዮም ጌሮሞም.ነቲ ተለፎኖም ተኸቲሎም ድማ ናብ ሓደ ገዛ ከዱ.እታ ማዕጾ ዝኸፈተቶም ጋል ከኣ ንሰለስቲኦም ኣወዳት ከም ትፈልጦምን ኣብ ሕዳር 10 ውን ኣብ ገዛ ከምዝነበሩን ገለጸት.ድሕሪኡ ሰዓት 3:30 ለይቲ ምስ ኮነ ካብቲ ገዛ ወጹ.እታ ጋል ኣብ መወዳእታ ነቶም ፖሊስ ሓንቲ ጀይለንን
ድያኖን ኣብ ትሕቲ ዓራታ ዘቐመጥዋ ብረት ኣርኣየቶም. ብሓፈሻ እቲ ናታ ሓበሬታ ልዑል ሓገዝ እዩ ኣበርኪቱ.ሌሪ ኣብ ሕዳር 19 ንካልኣይ ግዜ ቃለ መጠይቅ ተገብረሉ. ዋላኮ ኣብታ ንግሆ ምስ ጀይለንን ድያኖን ኮይኑ ካብቲ ገዛ ከምዝወጸ ተሓበረ,ምስኦም እንታይ ከምዝገበረ ግን ኣይገልጽን እዩ ኔሩ.ድሕሪኡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግን ሓደ ምስክር ናብ ፖሊስ ከይዱ ኩሉ ዘጋጠመ ነገር ሓበረ
እዚ ሰብ ስሙ ክግለጽ ስለዘይደለየ ንሕጂ ሲኣይ ኢልና ክንጽውዖ ኢና.ነቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ገለጾ.ሌሪ ጀይለንን ድያኖን ኣብ ሕዳር 10 ካብቲ ናይታ ጋል ገዛ ወጹ.ሌሪ ድማ ሓንቲ 38 ካሊበር ሪቮልቨር
ዝዓይነታ ሽጉጥ ሒዙ ነበረ.እታ ግዳይ ዝኾነት ኣማንዳ ድማ ብኸምዚኣ ዓይነት ሽጉጥ እያ ተቐቲላ ኔራ. ብመሰረት እቲ ሲኣይ ዝሃቦ ሓበሬታ,እቶም ሰረቕቲ ገንዘብ ክወስዱ እምበር ሰብ ክቐትሉስ ኣይመደቡን ነበሩ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×