
40 መዓልታት ሓሊፉ። 40 ናይ ትጽቢት፣ ስቅታን ማእሰርትን መዓልታት።ምድሪ በቲ ብፍርዲ ሰማይ ዝተሰደ ማያት ተደፊና እታ ናይ መወዳእታ ተስፋ ወዲ ሰብ ዝነበረት መርከብ ኖህ ከኣ ኣብ ልዕሊ ማያት ጸብለል ትብል።ድሕሪ እዚ 40 መልታት ግን ኖህ በተን ዘንቀጥቅጣ ኣእዳዉ ፍኒስትራ ከፈተ ኳኽ ከኣ ሰደደ። እቲ ናይ መጀመርታ ነታ ዝዓነወት ዓለም ክርኢ ዝተስደ ፍጡር ኳኽ እዩ ኔሩ።ኩሉ ሰብ ነታ ቆጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ዝተመልሰት ርግቢት እዩ ዝዝክር። ነቲ መጀመርታ ዝተላእከ ኳኽ ዝዝክር ግን የለን።እቲ ኣብዚ ዝለዓል ሕቶ ስለምንታይ እግዚኣብሄር ነዚ ዘይንጹህ እንስሳ መጀመርታ መሪጽዎ?ስለምንታይ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተረግመ ፍጡር ነታ ሓዳሽ ዓለም ክርኢ ተመሪጹ? እቲ ዘገርም ነገር ከኣ እዚ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣይነበረን።ድሕሪ ዘመናት እግዚኣብሄር ኳኻት ሰዲዱ ሂወት ነቢ ኤልያስ ከትርፍ ክኢሉ እዩ።ኩሉ ግዜ እግዜብሄር ንነገራት በጋጣሚ ኣይፍጽሞምን እዩ።ኳኽ ከኣ ሓደ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዝተኩሮ ዘይወሃቦም ምስጢራት እዩ።
እቲ ዕልቅልቅ ንምድሪ ምስ መልኣ ስቅታ ኣብ ምድሪ ዓሰለ። እቲ ፍርዲ ሓለፈ እቲ ዘዕለቅለቀ ማያት ከኣ ንምድሪ ከም መወዳእታ ዘይብሉ ውቅያኖስ ደፈና። ኣብ ትሕቲ እቲ ማያት እቲ ኣብ ሓደ እዋን ተፈጢሩ ዝነበረ ኩሉ ነገራት ነበረ።እቲ ማያት ክጎድል ጀመረ እንተኾነ ዝኾነ ናይ ሂወት ምልክት ኣይነበሮን።ደረቅ ምድሪ ንክርኢ ተስፋ ብምግባር ኖህ ፍኒስትራ ከፈተ እሞ ዃክ ሰደደ። እታ ዝሰደዳ እታ ኩሉ ግዜ ንሪኣ ምልክት ሰላም ዝኽዕነት ጻዕዳ ርግቢት ዘይኮነትስ ጸሊም ኳኽ እዩ ኔሩ።እዚ ጸሊም እንስሳ ኣብቲ ጸኒሑ ጎይታ ንሙሴ ዝሃቦ ሕግታት ዘይንጽህ እንስሳ ሙዃኑ እዩ ነጊርዎ። እዚ እንዳኾነ ግን እታ መጀመርታ ነታ ሓዳሽ ዓለም ክትርኢ ዝተሰደት እንስሳ ኮነት። እታ ኳኽ ደጋጊማ ተመላለሰት። እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ማያት ክሳብ ዝነቅጽ ደጋጊማ ተመላለሰት ኣብ መወዳእታ ግን ብኡ ጌራ ጠፍአት። ኣብ መንጎ ትርፍራፍ እታ ዝተፈርደት ዓለም ተሰወረት። ኖህ ኣብ መወዳእታ ርግቢት ሰደደ። ንነዊሕ ሰዓታት ነፊራ እግራ እትዕልበሉ ንቁጽ ምድሪ ስኢና ናብታ መርከብ ተመልሰት። ኖህ ነዚ ምስ ረኣየ ንውሽጢ እታ መርከብ ሒዝዋ ኣተወ። ተወሳኺ 7 መዓልታት ተጸብዩ ነታ ርግቢት ዳግማይ ሰደዳ።ኣብዚ እዋን እታ ርግቢት ኣብ ኣጋግዜ ተመልሰት ኣብ መትኩባ ከኣ ቆጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ነበረት።ኣብቲ እዋን ኖህ ምድሪ ክትሓዊ ከም ዝጀመረት ተረድኦ። ንተወሳኺ 7 መዓልታት ተጸብዩ ነታ ርግቢት ንሳልሳይ ግዜ ሰደዳ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኣይተመልሰቶን። ጎይታ ግን ስለምንታይ እዩ ነዚ ዘይንጹህ እንስሳ ክመርጽ ክኢሉ? ስለምንታይ ብዛዕብኡ ዝዛረብ ሰብ ዘየለ? ንሱ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ነታ ብቅጽዓት እግዜብሄር ዝጸረየት ዓለም ክርኢ ኢሉ ዝተሰደን ርእዩ ዝተመልሰን ፍጡር እዩ። እቲ ዃኽ ብዕድል ኣይኮነን ተመሪጹ።እቲ መሊኡ ዝነበረ ማያት ብድሕሪኡ ሞትን ዕንወትን ገዲፉ ክጎድል ጀሚሩ ነበረ።ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ ኳኽ እቲ ማያት ክሳብ ዝጎድል ደጋጊሙ ንቅድሚትን ድሕሪትን ይመላለስ ከም ዝነበረ ኣብ መወዳእታ ግን ናብታ መርከብ ከም ዘይተመልሰ ይነግሩና።ግን ስለምንታይ ዘይተመልሰ? እቲ ኳኽ ፍርዲ ዝውክል እዩ ኔሩ። ምልክት መወዳእታ፣ ምልክት ዝነበረን ደጊሙ ዘይምለስን ነበረ።እታ ርግቢት ኣብ መንጎ እግዜብሄርን ወዲሰብን ሓድሽ ዕድላት፣ ይቅሬታ፣ ዕርቂ ክትውክል እንከላ እቲ ኳኽ ከኣ መደምደምታ ይውክል።ጸኒሑ ኣብ ግዜ ሙሴ ኳኽ ከም ዘይንጹህ እንስሳ፣ ንክብላዕ ኮነ ከም መስዋእቲ ንክቀርብ ዘይብቁዕ ኮይኑ እዩ ተገሊጹ። እቲ ምስ ሞት ፍርድን ጸላምን ዝነበሮ ምትሕሓዛት ኣዝዩ ሓያል ብምንባሩ ክርስትና ነዚ እንስሳ ኣብ ግዜ ስቅለት ጎይታ ኣብቲ ኣዝዩ ኣሰንባዲ ግዜያት የርእዮ።እዚ ታሪኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጻሕፈ ታሪኽ እኳ እንተኾነ ንዘመናት ግን መንፈስ ንስጋ ካብ ሓቂ ምስ ዝርሕቅ ክገጥሞ ዝክእል ነገር ከም መጠንቀቅታ ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ እዩ።ኣብ ልጎልታ ጎይታ ኣብ መንጎ ክልተ ከተርቲ እዩ ተሰቂሉ። እቲ ሓደ ብየማኑ እቲ ካልኣይ ብጸጋሙ። ክልቲኦም ገበነኛታት ካብ መድሕን ዓለም ገለ ጫማ ጥራይ ርሒቆም ተሰቂሎም ነበሩ።እንተኾነ ግን ክልቲኦም ኣዝዩ ገፊሕ ፍልልይ ዘለዎ ዕጫ እዩ በጺሕዎም።እቲ ተሪር ልቢ ዝነበሮ ጸጋማይ ከታሪ ንጎይታ “ብልክዕ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ እንተደኣ ኮይንካ ንነብሳኻን ነዓናን ኣድሕን።” ክብል ኣቃለሎ። እቲ ብየማን ዝነበረ ግን ሓጥያቱ ኣሚኑን እቲ ኣብ ጎኑ ዝነበረ ውን ክርስቶስ ወዲ ኣማልኽ ሙዃኑ ተረዲኡን “ኣብ መንግስትካ ዘክረኒ” ክብልል እዩተማሕጺኑ። ክርስቶስ በተን ኣብ ወንጌል ተጻሒፈን ዘለዋ ኣዝየን ደስ ዘብላ ናይ መጽዓ ቃላት እዩ መሊስሉ “ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ክትውዕል ኢኻ።” በሎ።ክሳብ እዚ ደረጃ እዚ ታሪክ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኮይኑ ብንጹር ተጻሒፉ ንረኽቦ እዩ።እንተኾነ ኣብ ገለ ቅዱሳት ጽሑፋት ክፋል ናይዚ ወንጌል ዘይኮነ ግን ከኣ ነዘመናት ክቅጽል ዝጸንሐ ታሪኽ ኣሎ። ኣብ መስቀል እንከለዉ ሰዓታት ድሕሪ ምሕላፉ ካብ ሰማያት ኳኽ ተላእከ።