
ብ1995 [ኣ.ኤ]፡ ዓለም ድሕሪ 30 ዓመታት እንታይ ክትመስል ከም እትኽእል ትንቢት ዝሃቡ ሰባት ነይሮም።
እዚ ሕጂ ኣብ ፈነወ ዘየለ ፕሮግራም ‘መደብ ቢቢሲ ናይ ጽባሕ ዓለም’ (BBC’s Tomorrow’s World programme) ይበሃል ነይሩ።
ኣብዚ መደብ ካብ መንጐ ዝቐረቡ፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዘመን ዝነበሩ ፍሉጣት ተመራመርቲ ዝዀነ ፕሮፌሰር ስቲቨን ሆኪንግ ዝሓዘ ኰይኑ፡ “ኣብ 2025 ዓብይ ለውጢ ክንጽበ ንኽእል ኢና” ክብል ኣተንቢሁ ነይሩ።
ጕጅለ እቲ መደብ ተሌቪዥን፡ ካብ መጥባሕቲ ሆሎግራም ክሳብ ህዋ ንዓለም ዘደንቝ ምህዞታት ክመጽኡ እዮም ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ስለዚ፡ ብሓገዝ ገለ ክኢላታት – ከምኡ’ውን ን30 ዓመታት ንድሕሪት ብምምላስ – እታ ሕጂ እንነብረላ ዘለና ዓለም እንታይ ክትመስል ትኸውን ንዝብል ትምቢታት ምድላው ቢቢሲ ንርአ።
2005፡ ‘ናዕቢ ሳይበር-ስፔስ’ ክካየድ’ዩ
ኣብ 1995፡ ዓለምለኻዊ መርበብ ሓበሬታ ገስጋስ የርኢ ነይሩ።
እዚ ምዕባለ ግን ኣብ መጻኢ ጸገም ከምጽእ እዩ ክብል ፕሮግራም ‘ቱሞሮውስ ዎርልድ’ ገሚቱ ነይሩ።
ኣዳለውቲ እቲ ፕሮግራም፡ “ሃብታማት” ከምኡ’ውን ባንክታት ክሳብ 2000 ዓ.ም ንኢንተርነት ክቈጻጸሩዎ ምዃኖም ኣተንቢሆም።
በዚ ድማ፡ ብዙሓት ክረኽቡዎ ዘጸግም ዓብይ ኔትዎርክ ክፍጠር እዩ ኢሎም።
እዚ ኽኣ፡ ሰርሰርቲ፡ ቫይረሳትን ናዕቢን ክምዕብሉ ዝድርኽ ክኸውን እዩ።
ውሳነ – ኢንተርነት – መብዛሕትኡ ክፉት ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ፤ ናዕቢ ድማ ኣይተራእየን።
እንተዀነ፡ ሰርሰርቲ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰባት ሕሰም ከም ዘስዓቡ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
እቲ መደብ ዘይገመቶ ነገር እንተሃልዩ፡ ተራ ናይተን ከም ሰሜን ኮርያ ዝኣመሰላ መንግስታዊ ሰርሰርቲ ዘለወን ሃገራት ክኸውን ይኽእል።
ብዛዕባ እዚኦም ንምፍላጥ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ብኽልተ ክፋል ዝተዳለወ ጉሕለት ኣልኣዛር፡ ሓደ ቢልዮን ዶላር ካብ ባንኪ ንምስራቕ ዝወጽአ መደብ ከተንብቡ ትኽእሉ።
ድሕነት ሳይበር፡ መንግስታትን ኩባንያታትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኰይኑ፤ ኣብ ልዕሊ ባንኪታት ጥርጣረ ዘለዎም ሰባት ድማ፡ ከም ቢትኮይን ዝኣመሰሉ ዲጂታዊ ባጤራታት – ክሪፕቶካረንሲ ከተባብዑ ይርኣዩ ኣለው።
ዕደና ኣስተሮይድን ሰባት ኣብ ህዋ ዝገደፍዎ ጐሓፍ
እቲ መደብ፡ ዕደና ህዋ ኣታዊ ዝርከቦ ኢንዳስትሪ ክኸውን ምዃኑን፡ ኩባንያታት ኣብ ጥቓ መሬት ዝርከቡ ክቡር ሓጺናት ንምርካብ ኣስትሮይዳት ክኹዕታ ምዃነንን ገሚቱ።
ኣስተሮይድ፡ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዝዞሩ ንኣሽቱ ኣኻውሕ ዝበዝሖም ነገራት እዮም።
እቲ ምድላው ራድዮ ብተወሳኺ፡ ንጠፈርተኛታት ውሑስ ዘይኰነ ኣብ ህዋ ዝፍጠር ጓሓፍ ከም ዝህሉ ኣሚቱ።
ውሳነ – ጽቡቕ፡ እኩብ ጐሓፍ የለን፤ ኢንዳስትሪ ዕደና ህዋ’ውን የለን – እዚ ግን ክቕየር ይኽእል እዩ።
ብዛዕባ መጻኢ ዝትንቢ ቶም ቺዝራይት፡ ብዛዕባ ክንዮ ኣብ መሬት ዝህሉ ዕደና ተስፋ ዘለዎ ሰብ እዩ።
“እቲ ክህሉ ዝኽእል ሃብቲ ምግማት ዘይከኣል ኰይኑ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ግን ምሉእ ንምሉእ ኣብ ኢድና’ዩ ዘሎ” ኢሉ።
ብሉጻት ክኢላታት መጥባሕቲን ሮቦታቶምን
‘ቱሞሮውስ ዎርልድ’፡ ክሳብ 2004 ኵለን ሆስፒታላት ዓባይ ብሪጣንያ ሰሌዳ ዕዉታት ሓካይም መጥባሕቲ ክዝርግሓ ሕጊ ከተጸድቕ’ያ ክብል ኣተንቢሁ።
እቶም ላዕለዎት ክኢላታት መጥባሕቲ ፍሉጣትን ጽቡቕ ደሞዝ ዝረኽቡን ስለ ዝዀኑ፡ ናብ ሕሙማት ምኻድ ኣይከድልዮምን’ዩ ኢሉ።
ኣብ ክንድኡ፡ ሆሎግራም ሕሙማት ይለኣኸሎም እሞ እቲ መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም “ፍሉይ ጓንቲ” ተጠቒሙ መጥባሕቲ ይገብረሎም።
ብሸነኽ እቲ ሕሙም ክኣ፡ ሓደ ሮቦት ምንቅስቓስ ናይቲ መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም መሲሉ ይቐርብ።
ውሳነ – ብልክዕ ኣይገመቱዎን፤ ግን ሮቦታት ኣብ መጥባሕቲ ይሕግዙ ኣለዉ።
ተንሳፋፊ ርእሲ ዘለዎ በሊሕ ስፒከር

ኣብቲ መደብ፡ ሓደ (ቨርቹዋል ሪያሊቲ ሄድሰት- ቪኣር ዝገበረ) ሰብኣይ፡ ኣብ ዘመናዊት ለንደን ሰበይቱን ሓንቲ ንእሽቶ ጓሉን ዝርእየሉ ኣጋጣሚ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ኣብ ሓደ ክፋል፡ እቲ ተንሳፋፊ ርእሲ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ “ስማርት መጕልሒ ድምጺ” ወጺኣ ነቲ ሰብኣይ ናብ “ኢንዶ ዲዝኒ” ካብ ዝኸይድ ሓደ ዓመት ከም ዝገበረ ትነግሮ።
ንሳ፡ ብ”መኪና ናብ ባንግሎር” ክገይሽ ተተባብዖ – እዚ ድማ 40 ደቓይቕ ጥራይ እዩ ዝወስድ።
ውሳነ – ኣዝዩ ቅልጡፍ ጕዕዞ ርሑቕ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓና፤ እንተዀነ፡ ሆሎግራም፡ ‘ስማርት ስፒከራትን ቪኣር ሄድሰትን’ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ።
ኣገልግሎት ባንክ ብ’ማይክሮቺፕ’
እቲ ምድላው ተሌቪዥን፡ ብዛዕባ መጻኢ ኣገልግሎት ባንኪ ተነብዩ’ዩ።
ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ባንክ ከይዳ -ሰባት የለውን እናበለት ተማርር። ድሕሪኡ 100 “ዩሮ ማርክ” ከተውጽእ የርኢ።
እቲ ባንክ ኣብ ምናታ ዝርከብ ‘ቺፕ’ ስካን ክትገብሮ እንከላ ነቲ ገንዘብ ይህባ።
ውሳነ – ወን ባንክታት ብዘይ ሰራሕተኛታት ባንኪ ኣገልግሎት ክትረኽበሎም እትኽእል ኰይኖም ኣለው።
ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ኣካላት ወዲ ሰብ ብዝቕበር ‘ማይክሮቺፕ’ ምኽፋል’ውን ክውን ኰይኑ እዩ።
ብቐንዱ ግን ኣሰር ኣጻብዕትን ገጽን ብሰፊሑ ኣብ ግብሪ ዝውዓሉ ቴክኖሎጂታት ኰይኖም ኣለው።

ሞንቲ ዶን፡ ቅድሚ 30 ዓመት ሓደ ካብቶም ኣቕረብቲ እቲ መደብ’ዩ ነይሩ።
ንሱ ኣብ ዘዳለዎ መደብ፡ ብጀነቲካዊ ምህንድስናን ብዙሕ ደርቢ ዘለዎም ሕርሻዊ ትካላትን ኣቢልካ ኣብ ጫካታት ብሪጣንያ ክመጽእ ዝኽእል ዓብይ ተሃድሶ ዝድህስስ ነይሩ።
ሕጂ ብዛዕባኡ ከስተንትን እንከሎ፡ እቲ መደብ “ተምኒታዊ” ከምኡ’ውን “ግርህነት” ዝርኣዮ እዩ ነይሩ ይብል።
ንቕድሚት 30 ዓመታት ክሓስብ እንከሎ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ መንእሰያት “ንለውጢ ክሊማ ዝያዳ ተሃዋሲ” ምዃኑ ከም ዘሐጕሶን፡ ሰባት ክሳብ 2055 ዝያዳ ናይ ገዛእ ርእሶም መግቢ ከፍርዩ ምዃኖምን ይግምት።
ወሲኹ፡ እቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበረ ምድላው፡ “ወዲ ሰብ ንዓለም ክቕይራን ከመሓይሻን ዝኽእለሉ መገዲ ዝዓለመ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ሽዑ ጀሚርና ግን ብሓቂ ዝተምሃርናዮ ነገር እንተሃለወ ወዲ ሰብ ንነገራት ክጋደዱ ዝገብር ምዃኑ’ዩ -ብፍላይ ምስ ከባቢ ብዝተሓሓዝ። ስለዚ ንተፈጥሮ ኣብ ክንዲ ክትቅይሮን ክትቈጻጸሮን ምፍታን ምስኡ ምስራሕ’ዩ ዘድሊ” ኢሉ።
ቪቭያን ፓሪ ካልእ ኣቕራቢት መደብ ናይቲ ናይ ትንቢት መደብ እያ ነይራ፤ ብዛዕባ ሕክምና ዝምልከት ምድላዋት ድማ ተቕርብ።
እዚ መደብ ኣብ ዝቕረጸሉ እዋን ዝነበረ ድሩትነት ስእላዊ መግለጺታት፡ መመላኽዒታትን ካልኦትን ትዝክር።
ቪቭያን ካብ 2013 ጀሚራ ምስ ጂኖሚክስ ኢንግላንድ ትሰርሕ ዘላ ኰይና፡ ገለ ካብቲ ካብ 1995 ‘ቱሞሮውስ ዎርልድ’ ብዛዕባ ጀነቲካዊ ምምሕያሻት ዝተገብረ ትንበያታት ምርግጋጽ ከም ዝተኻእለ ትዛረብ።
ኣብዚ እዋን፡ ጀነቲካዊ ኵነታት ንምፍላጥን ንምሕካምን ዝሕግዝ መጽናዕቲ ትሰርሕ ኣላ።
ስለዚ ዓለም ኣብ 2055 እንታይ ክትመስል ትኽእል?
ብዛዕባ መጻኢ እተተንቢ ትሬሲ ፎሎውስ፡ እቲ ናይ 1995 ዝነበረ መደብ ብዙሓት ዓበይቲ ሓሳባት ብልክዕ ከም ዝገመተ ትዛረብ።
ግን ድማ፡ ብዛዕባ እቶም ክልተ ካብቶም ዓበይቲ ቴማታት ናይ ዝሓለፉ 30 ዓመታት – ዝርግሐ ዓበይቲ ቴክኖሎጂን ማሕበራዊ መራኸቢታትን – ከም ዘይተነበየ ትጠቅስ።
ኣብ 2055 ብዙሓት ሰባት “ኣእምሮኣዊ ምትእስሳር” ክህልዎም እዩ ኢላ ትሓስብ – ብመገዲ ሰርቨር ኣቢሉ ዝፍጠር ጐጆ ኣእምሮ ደቂ ሰባትን ቴክኖሎጅን ዝተፈላለዩ ሓሳባት ንምክፋል ክሕግዝ እዩ።
ቶም ቺዝራይት፡ ክልተ ካብቶም ኣብ ዝቕጽሉ 30 ዓመታት ኣዝዮም መሰጥቲ ዝዀኑ ተስፋታት፡ ንዋታት ሳይንስን ባዮኢንጅነሪንን ክዀኑ እዮም ኢሉ ይሓስብ።
ኣብ ንዋት፡ ምህዞ ዝያዳ ዝሓየለ ነገራት፡ ዝቐለለን ዝረቐቐን መሳርሒታት ንዓለም ክቕይራ ይኽእል’ዩ።
ባዮኢንጅነሪን – ጽኑዕ ምቍጽጻር ዘሰነዮ – ንሕክምና ክቕይሮን “ገለ ካብቶም ደቂ ሰባት ዘጋጥሞም ዓበይቲ ብድሆታት – ካብ ካርበን ናጻ ምዃን፡ ጽሩይ ማይ … መግቢ” ክብድሆምን ተኽእሎ ኣለዎ።
ስለዚ ዓለም ድሕሪ 30 ዓመት ከመይ ክትመስል እያ ትብሉ?
መልስኹም ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል።
ቅድሚ 30 ዓመታት ግን ፕሮፌሰር ሆኪንግ “ገለ ካብዞም ለውጥታት ኣዝዮም መሰጥቲ’ዮም፤ ገሊኦም ድማ ዘሰክፉ’ዮም። እቲ ሓደ ርግጸኛታት ክንኰነሉ እንኽእል ነገር እንተሃለወ ግን፡ ኣዝዩ ዝተፈልየ ከም ዝኸውን’ዩ፤ ምናልባት’ውን ከምቲ እንጽበዮ ዘይክኸውን ይኽእል” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ንጕጅለ ስነዳ ቢቢሲ ነመስግን።