ባይደን፡ 8 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ናብ እስራኤል ክልእኽ መደብ ከም ዘለዎ ተገሊጹ

ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ንእስራኤል ናይ 8 ቢልዮን ዶላር ኣጽዋር ክሸይጥ መደብ ከም ዘለዎ ንኮንግረስ ከም ዘፍለጠ፡ ሓደ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

እዚ ብኮሚቴታት ባይቶን ሰኔትን ፍቓድ ዘድልዮ መሸጣ ኣጽዋር፡ ሚሳይላት፡ ከበድቲ ተተኰስትን ካልኦት ኣጽዋርን ዘጠቓለለ እዩ።

እዚ ስጕምቲ’ዚ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ካብ ስልጣኑ ቅድሚ ምልቃቑ፡ ክልተ ሰሙን ኣቐዲሙ ዝውሰድ ዘሎ እዩ።

ዋሽንግተን ንእስራኤል እትህቦ ወተሃደራዊ ደገፍ ደው ከተብሎ ንዝቐረበላ ጻውዒት፡ ብሰንኪ ኣብ ውግእ ቓዛ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሓያሎ በርጌሳውያን ነጺጋቶ እያ።

ኣመሪካ፡ ንእስራኤል ዋጋ 20 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ነፈርቲ ውግእን ካልእ ወተሃደራዊ ናውትን ክሽየጠላ ኣጽዲቓ ምንባራ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ መደብ ድማ ካብ ኣየር ናብ ኣየር፣ ከምኡ’ውን ካብ ኣየር ናብ መሬት ዝውንጨፉ ሚሳይላት፣ መዳፍዕን ቦምባታትን ዘጠቓለለ ክትሸጠላ ምዃና፡ እቲ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ገሊጹ።

እቲ ብዛዕባ’ዚ መሸጣ ኣጽዋር ዝፈልጥ ምንጪ፡ “እቲ ፕረዚደንት፡ እስራኤል ምስ ኣህጉራዊ ሕግን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝሰማማዕ፡ ካብ ኢራን ኰነ ናይ ውክልና ውድባት ንዝመጽኣ መጥቃዕትታት ንዜጋታታ ክትከላኸለሎም መሰል ከም ዘለዋ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ፡” ይብል።

ባይደን፡ “እስራኤል ዓቕሚ ምክልኻላ ንምጕልባት ክንቅጽሎ ኢና፡” ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ እትህቦ ደገፍ ዘይቅየር ምዃኑ’ውን ገሊጹ።

እስራኤል ካብ ኣመሪካ ዝለዓለ ቀረብ ኣጽዋር ስለ እትረክብ፡ ኣብ ዓለም ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂ ዝዓጠቐ ሰራዊት ክትሃንጽ ኣኽኢሉዋ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ምርምር ሰላም ስቶክሆልም፡ ካብቲ እስራኤል ኣብ መንጐ 2019ን 2023ን ዘእተወቶ ኣጽዋራት፡ 69% ካብ ኣመሪካ ዝረኸበቶ እዩ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ግንቦት 2024 እስራኤል ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ እትርከብ ከተማ ራፋህ ዓቢይ ወተሃደራዊ ስርሒት ከተካይድ ትሓስብ ኣላ ዝብል ስክፍታታት ስለ ዝነበራ፡ ክትሸጠላ ዝሓሰበት 907 ከምኡ’ውን 226.8 ኪ.ግ ዝዓይነቱ ቦምባታት ደው ኣቢላቶ።

በዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነታንያሁ ነቲ ስጕምቲ ከም “እገዳ ኣጽዋር” ስለ ዝርኣዮ፡ ንፕረዚደንት ባይደንን ሪፓብሊካንን ነቒፉ። ብድሕሪኡ፡ ባይደን ነቲ ደው ዘበሎ ብኸፊል ኣልዒሉዎ።

እዚ ውጥን ምጕራት ኣጽዋር፡ ኣካል ናይቲ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሓድግታቱ ንምግዳፍ ዝወስዶ ዘሎ ብርክት ዝበሉ ስጕምትታት እዩ።

እዚ፡ ጆ ባይደን ብ20 ጥሪ 2025 ካብ ዋይት ሃውስ ወጺኡ ብዶናልንድ ትራምፕ ቅድሚ ምትክኡ ንመወዳእታ ግዜ ዝካየድ መሸጣ ኣጽዋር ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኰነ ኣብ እዋን ጐስጓስ ምርጫ፡ ምትእትታው ኣመሪካ ኣብ ግጭታት ግዳም ከም ዝንኪ ተዛሪቡ ነይሩ።

ትራምፕ ንነብሱ ከም ጽኑዕ ደጋፊ እስራኤል ዝርእያ እኳ እንተዀነ፡ እታ መሓዝኦም ዝዀነት እስራኤል ኣብ ቓዛ እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍ ክዛዘም ኣተሓሳሲቡ እዩ።

እስራኤል፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊኣ ድሕሪ ዘካየዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክትወስድ ጀሚራ።

በቲ ሓማስ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡብ እስራኤል ልዕሊ 1,200 ሰባት ተቐቲሎምን 251 ጅሆ ተታሒዞምን’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ከም ዝሕብሮ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 45,580 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×