
ህቡባት ተዋሳእቲ ሆሊውድ ዘሳተፈ ‘ዘ ኣቢሲኒያን’ ዝተሰመየ ድራማ ተሰሪሑ።
እዚ ድራማ፡ ኣብ ዓለም ዓበይቲ ካብ ዝነበሩ ስልጣነታት ሓደ ዝዀነ ስልጣነ ኣኽሱም ትዅረት ገይሩ ዝተዓየ እዩ።
ደራሲት ባና ደስታ፡ ነዚ ጥንታዊ ስልጣነ ኣፍሪቃ ብናይ ድምጺ ድራማ [ኦዲዮ ድራማ] ክመጽእ ብምግባር፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓድሽ ህይወት ዘሪኣትሉ።
ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣካታዒት ዝዀነት እምባገነን ንግስቲ ዮዲትን ክልተ ደቃን ቀንዲ ማእከል ናይቲ ድርሰት እየን።
“እቲ ድራማ ኣዝዩ ጽቡቕን መዘናግዕን’ዩ። ንዕዱማት ካብ ምዝንጋዕ ሓሊፉ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዘለዎም ግንዛበ ካልእ ኣጠማምታ ንምሃብ’ውን ዝዓለመ’ዩ፡” ትብል ባና።
“እታ ኣህጕር ብባዕዳዊ መግዳእቲ ኣብ ዘይተገዝኣትሉ፣ ስልጡናት ክፋላት ሕብረተሰብ ንዝነበርሉ እዋን ዝዝክር ጽሑፍ ክጽሕፍ ደልየ ነይረ፡” ትብል።
እዚ ብድምጺ ጥራይ ዝተሰርሐ ድራማ፡ ‘ዘ ኣብሲንያን’ [ኣብሲናውያን] ዝተሰምየ እዩ።
እዚ ድራማ፡ ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ንዝነበረ ግዝኣት ኣክሱማይት [ኣክሱማይት ኪንግደም] ትዅረት ዝገበረ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ስልጣነ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኸባቢታት ትግራይ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ደቡባዊ ስዑዲ ዓረብን ምዕራብ የመንን ዝበጽሕ ልዑል ጽልዋ ዝነበሮ ስልጣነ እዩ።
ስልጣነ ኣክሱም፡ ንሓደ ሽሕ ዓመት ከም ዝጸንሐ ይእመን። እዚ ድማ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ 100 ዓመት ክሳዕ 960 ዓ.ም ከም ዝዀነ ይንገር።
ክርስትና መጀመርታ ናብ ኣፍሪቃ ዝኣተወሉን ሳናቲም ንፈለማ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ዝተሓትመሉን’ዩ;;
ኣክሱም፡ ኣብ መንጎ ህንድን መዲትራንያንን ዘሎ መስመር ንግዲ እትርከብ ብምንባራ፡ መራኽብ እቲ ግዝኣት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወደብ ኣዱሊስን ሰሜን ኣፍሪቃን ንዝነበሩ መስመራት ይቈጻጸር ነይሩ።
ኣክሱም ኣብ መበል ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ካብ ዝነበሩ ኣርባዕተ ግዝኣታት ሓደ ኰይኑ፡ ምስ ዓበይቲ ግዝኣታት ፋርስ፡ ሮማን ቻይናን ይዳረግ ነይሩ።
“ኣክሱም ምሉእ ብምሉእ ካብዞም ስልጣነታት ዝተገለለት ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ኢትዮጵያ መበቈል ስልጣነ’ያ። ይዅን’ምበር ኣብ ታሪኽ ዓለም ከም ዘይተኻተተ’ዩ ዝስምዓኒ፡” ትብል ባና።
ኣብ ኣመሪካ ዝተወልደት ባና፡ ኣዲኣ ተወላዲት ትግራይ ኢትዮጵያዊት ኰይና ኣቡኣ ድማ ኤርትራዊ’ዩ።
ትውልዲ ስድርኣ፡ ኣብ ሕምብርቲ ናይ ቀደም ግዝኣት ኣኽሱም ኣብ ዝዀኑ ከባቢታት ብምዃኑ፡ ንዓኣ ዓብዪ ቦታ ከም ዘለዎ ትዛረብ።

ሸሪፋ ኣል ዝኣለዮ ድራማ ኣብሲናያውያን ንባና ናይ መጀመርታ ስርሓ እዩ። እቲ ድርሰት ታሪኻዊ ሓቅታት ምስ ሓሳባዊ ኵነታት እታ ደራሲት ብምውህሃድ፡ ዘስሕቑን ዘሕዝኑን ክስተታት ኣወሃሂዱ ኣሎ።
እቲ ድርሰት፡ “ሰባት ኣብ እዋን ገዚፍ ለውጢ፡ ሰብኣውነቶም ዝዕቅብሉ መንገዲታት እውን ዝሓዘ’ዩ፡” ትብል ባና።
ታሪኽ እዚ ድራማ፡ ኣብ ማንታ መገዲ ዝነበረ ንጕሳዊ መግዛእቲ ንግስቲ ዮዲት ይድህስስ።
ንግስቲ ዮዲት፡ ካብ ማናቱ ደቃ – ካሌብ ወይ ንጉስ – ንዘውዳ ዝወርስ መን ይዅን ዝብል ንምውሳን ዘለዉ ጕዳያት ይትርኽ።
ኣብ እዋን መግዛእቲ ዮዲት ዝነበሩ ማሕበረ ቍጠባዊ ቅልውላዋት፡ ከምኡ’ውን ምስ ሃይማኖትን መሰልን ዝጓነጹ እምነታትን’ውን ሒዙ ኣሎ።
ኣብዚ ድራማ፡ ፍቕራዊ ዛንታታት’ውን ተኻቲቶም’ዮም።
ሕጽይቲ ሽልማት ባፍታ ህብብቲ ተዋሳኢት ዳኒየል ዴድዋይለር፡ ገጸ-ባህርይ ንግስቲ ዮዲት ወኪላ ብድምጺ ተዋሲኣቶ ኣላ።
“ንግስቲ ዮዲት ኣዝያ ዝተሓላለኸት፡ ተንኰለኛ፡ ደረቕ፡ ስምዒታዊትን ኣገዳሲትን እያ፡” ትብል ዳኒየል።
ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ግዝኣት ዮዲት ብዕንወት፡ ጭካነን ምልኪን’ዩ ዝለዓል።
ዮዲት፡ ካብ ሽማ፡ ትውልዲ ዓዳ ከምኡ’ውን ዘመን ንግስነታ ሓዊሱ፡ ብዙሓት ዘይቃደው ታሪኻት ዝንገረላ ንግስቲ’ያ ነይራ።
ብዙሓት ጸሓፍቲ፡ ‘ውድም’ ንዝተባህለ ንጉስ ኣኽሱም ንምውጋእ ሰራዊት ዘዋፈረት፡ ንውድቀት ስልጣነ ኣኽሱም ምኽንያት ዝዀነት፡ መላኺትን ጨካንን ገይሮም እዮም ዝገልጹዋ።
ባና፡ ነቲ ዘዳለወቶ ድርሰት መጽናዕቲ ንምግባር ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽኣትሉ እዋን’ውን ነዚአም ታሪኻት እያ ሰሚዓ።
ነታ ገጸ-ባህሪ ዝኸውን ጽቡቕ መበገሲ ከም ዝረኸበትሉ ድማ ተሰሚዑዋ።
ኣብቲ እዋን፡ ጓል ኣነስተይቲ መላኺት መራሒት ምንባራ እቲ ሓሳብ ዝያዳ ክትፈትዎ ገይሩዋ።
ፍሉጥ ኣመሪካዊ ጸሓፊ ጄምስ ባልዲውን፡ ኣብ ሓደ እዋን ስነጥበበኛታት፡ “ስምዒታዊ ወይ መንፈሳዊ ጸሓፍቲ ታሪኽ’ዮም፡” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ባና’ውን ነዚ ድርሰት ክትጽሕ እንከላ፡ ነዚ ሓሳብ ብዘንጸባርቕ መልክዑ’ያ ኣማዕቢላቶ።
“ምሉእ ሸነኻት ስምዒታት ደቂ ሰብ – ናይቶም ገጸ-ባህርያት ውልቃዊ ስምዒታት፡ ብድሕሪ ቅሉዕ ህይወቶም ከም ሰብ ዝቃለሱዎም ነገራት ክድህስስ እደሊ ነይረ፡” ትብል።
ንግስቲ ዮዲት ኣብ ህይወታ ብዙሕ ፍቕሪ ዘይነበራ ኰይኑ ከም ዝስምዓ ባና ትገልጽ።
“ብዙሕ ካብቲ ንዓለም እትህቦ ግብረ-መልሲ፡ ካብቲ ከም መጻምድቲ ዘይተዋህባ ክብሪ ዝምንጩ እዩ። ንመሪሕነት ከም ዝተመርጸት ወይ ኣብ ዓለም ቦታ ዘለዋ ኰይኑ ኣይስምዓን፡” ክትብል ባና ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ ገሊጻ።
ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዘሎ ግጉይ ርድኢት ንምፍታሕ ዝተጻሕፈን ኣብዚ ድራማ ዝተኻተተን ካልእ ታሪኽ ድማ ገጸ-ባህሪ ማክዳ’ዩ።
ኣብ ፊልም ብሪጅተን ልዑል ዝና ዘትረፈት ኢትዮጵያዊት ናይጀርያዊት ተዋሳኢት ኣርሴማ ቶማስ፡ ገጸ-ባህሪ ማክዳ ወኪላ ተዋሲኣ ኣላ።
ታሪኽ እዛ ገጸ-ባህሪ፡ ዕዳ ኣቡኣ ንምኽፋል ኣብ ውሽጢ ንጉሳዊ ስድራ ኣገልጋሊት ኰይና ብዛዕባ ዝተቈጽረት ጓል ኣነስተይቲ እዩ።

ማክዳ፡ “ኣተሓሳስባኣ ዝተፈለየ፡ ካብቲ ዝነበረትሉ ቦታ ወጺኣ ዓለምለኻዊ ኣተሓሳስባ ዝነበራ፡” እያ።
እዞም ታሪኻት ኣብ ጥንታዊት ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበሩ’ኳ እንተዀኑ፡ እቶም ጽሑፋት ንዘመናዊነትን ንዅሉ ዝትንክፉን ከም ዝዀኑ ተገይሩ’ዩ ተዳልዩ።
ብፍላይ ገጸ-ባህሪ ዮዲት ኣብ መንጎ ቅውም-ነገር፡ ሕጫጨ ድርብይ ተብል።
ነዚ ድራማ መዐጀቢ ሙዚቃ – ኢትዮ ጃዝ – ዝሰርሑ ድማ ኢትዮጵያዊ-ኣመሪካዊ ሙዚቀኛ ዲኤ መኮንን፡ ኣንድሪው ኦርኪንን ኢትዮጵያዊ ሙዚቀኛ ክብሮም ብርሃነን እዮም።
“ብዙሓት ናይ ኢትዮጵያ ሙዚቃታት ጥንታዊ ነገራት ዘዘኻኽር ትሕዝቶ ኣለዎም። ጃዝ ክሕወሶ እንከሎ ድማ እቲ ሕሉፍን ናይ ሕጅን ዘመሳስል መልክዕ ይህቦ፡” ትብል።
ተዓዋቲ ሽልማት ቶኒ ኣንድሬ ደ ሺልፈልድስ፡ ኣብ ኣብሲናያውያን ዝነበሮ ተሳትፎ፡ “ጥንታዊ ባህሊ ናይ ምምላስ ዕድል ዘርኣየኒ፣” ከምኡ’ውን፡ “ጥበብ ህይወት ዝቕይር ዓብዪ ሓይሊ፡” ዘለዎ ኣብነት እዩ ብምባል ይገልጾ።
ኣብዚ፡ ጸለምቲ ድያስፖራ’ውን ዝተሳተፍዎ ኰይኑ፡ እዚ ንባና ኣገዳሲ ከም ዝነበረ ተዛሪባ።
ብ2021፡ ኣብ ፈስቲቫል ፊልም ኣፍሪቃ ‘ፌስፓኮ’ ተዓዋቲት ብልጽቲ ተዋሳኢት ዝዀነት ዘይነብ ጃህ ኣብዚ ድራማ ተሳቲፋ ኣላ።
ብተወሳኺ፡ ቹክውዲ ኢውጂ፡ ጄምስ ብራኖን’ውን ይርከቡዎም።
“ኵሎም ዘለዎም ተውህቦ ኣዝዩ ዘደንቕ’ዩ። እዚ ንብዙሓት ጀመርቲ ደረስቲ ከም ዘይሳኽዓሎም እፈልጥ እየ። ነዚ ድማ ልዑል ምስጋና ኣለኒ፡” ብምባል፡ እቲ ድራማ ናብ ናይ መድረኽ ትያትር ከም ዝቕየር ሓቢራ።
