
ኢትዮጵያ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ህንጸት መመንጨዊ ሓይሊ ንዩክሌር ክትጅምር ምዃና ቀዳማይ ምኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብ 4 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም [ግ] ኣፍሊጡ።
እቲ፡ “ምስ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝመዓራረ” ዝተብሃለ መመንጨዊ ጸዓት ንዩክሌር፡ “ንሰላማዊ” ዕላማታት ጥራይ ክውዕል ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስትር ብዛዕባ እቲ መመንጨዊ ጸዓት ንዩክሌር ዝርዝር ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃበ፡ ከምዚ ዓይነት ትልሚ ግን ንኢትዮጵያ ሓድሽ ኣይኮነን።
ኣብ መወዳእታ ለካቲት 2010 ዓ.ም [ግ]፡ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጻኡ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ምስ ናይ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)፡ ኣብ ንዩክለሳዊ መደባትን ካልእ ጉዳያትን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ይዝከር።
ኣብ 2011 ዓ.ም [ግ] ድማ፡ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ፡ ሰበስልጣን ምኒስትሪ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልተ ደረጃታት መመንጨዊ ሓይሊ ንዩክሌር ክትሃንጽ ምዃና ጸብጺበን ነይረን።
ድሕሪ’ዚ ሓደ ኣመት ድማ፡ እቲ ንሕርሻን ጥዕናን ዝውዕል መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዩክለር ንምህናጽ፡ ብዝምልከት እተን ሃገራት ጭቡጥ ስጕምትታት ተወሲዱ፡ ኣብ ምፍርራም በፂሐን ነይረን።
እቲ መቐጸልታ ናይዚ ስምምዕ ምዃኑ ዝንገረሉ ምኒስተር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን- ዶክተር በለጠ ሞላ፡ ምስ ኮርፖሬሽን ኣቶማዊ ጸዓት ሩስያን (ሮሳቶም)፡ ቀዳማይ ኒዩክለሳዊ ፍኖተ-ካርታ ኣብ 2015፡ ካልኣይ ፍኖተ-ካርታ ድማ ኣብ 2017 ዓ.ም [ግ] ተፈሪሙ ነይሩ።
ሰበስልጣን መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ማእከል ንዩክሌር ዛጊድ ዝርዝረ ሓበሬታ ኣይሃቡን።
ይዅን እምበር ዳይሬክተር ዓለማዊ ኤጀንሲ ኣቶማዊ ጸዓት፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ክልተ ግዜን ልዕሊኡን፡ ብዛዕባ ኒዩክለሳዊ ሓይሊ ተዘራሪቡ ከምዝነበረ ይግለፅ።
ዘይከም ካልኦት ተሓዳስቲ ጸዓታት፡ ኒዩክለሳዊ ሓይሊ፡ ኵነታት ኣየር ብዘየገድስ ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት፡ ሓይሊ ከመንጩ ይኽእል።
ብዙሓት ሃገራት፡ ኣብ 1950ታት መመንጨዊ ሓይሊ ንዩክለር ክሃንጻ ከለዋ፡ ደረት ኣልቦ ዓቕሚ ንዩክለሳዊ ሓይሊ ተራእዩ ነይሩ።
ካብ ሓደ ኪሎ ዩራንየም ዝፍጠር ንዩክለሳዊ ሓይሊ ካብ ከሰል ብ20 ሽሕ ዕጽፊ ዝያዳ ጸዓት ዝፈጥር ብምዃኑ፡ መጻኢ ምንጪ ጸዓት ዓለም ተገይሩ ድማ ተስፋ ተገይሩሉ ነይሩ።
እቲ ትሑት ምህፋፍ ካርቦን ዘለዎ ንዩክለራዊ ሓይሊ፡ ብፍላይ ምስ ካልኦት ምንጪታት ተሓዳሲ ጸዓት ክነጻጸር እንከሎ፡ ጠለባት ጸዓት ንምምላእ፣ ከምኡ’ውን ውሕስነቱ ዝበለጸ ኣማራጺ ይገብሮ።
ብፍላይ እቶም ‘ሓድሽ ወለዶ’ [ዘበናዊ] ዝበሃሉ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ካብቶም ብከሰል ወይ ብጋዝ ዝሰርሑ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝነውሐ ግዜ፡ ክሳብ 80 ዓመት ክሰርሑ ይኽእሉ።
እዚ ቴክኖሎጂ ግን ጠንቂ ስግኣት ንኽኸውን ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ጥራይ እዩ ወሲዱሉ።
ኣብ 1986 ኣብ ቸርኖቢል ዘጋጠመ ሓደጋ መመንጨዊ ሓይሊ ንዩክለር ኣብ መላእ ኤውሮጳ ብዛዕባ ዝርግሐ ‘ራድዮኣክቲቭ’ [ሓደገኛ ጨረራት] ብከላ ሰፊሕ ስክፍታ ፈጢሩ።
ኣብ 2011 ኣብ ጃፓን ዘጋጠመ ሓደጋ መመንጨዊ ሓይሊ ንዩክሌር ፉኩሺማ ድማ፡ ንጃፓንን ጀርመንን ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት፡ ማእከላት መመንጨዊ ሓይሊ ንዩክሌር ዓጽየን፡ ናብ ካልእ ኣማራጺታት ከቋምታ ተገዲደን።
ብዛዕባ ድሕነትን፡ ካብተን ትካላት ዝወጽእ ዝተበከለ ጓሓፍ ኣበይ ከም ዝድርበን ዝምልከት ስክፍታታት፡ ኵሉ ንናህሪ ግስጋሰ ንዩክለር ኣዳኺምዎ እዩ።
በዚ ምኽንያት ድማ ብመሰረት ዓለማዊ ኤጀንሲ ኣቶማዊ ጸዓት፡ ኣብ መንጎ 2011ን 2020ን ኣብ መላእ ዓለም 49 ጊጋዋት ሓይሊ ተሳኢኑ።
ይዅን እምበር፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ንንዩክለሳዊ ሓይሊ ዳግማይ ንምትንሳእ ጻዕርታት ዝግበር ዘሎ ዀይኑ፡ ከም ማይክሮሶፍት፡ ጉግልን ኣማዞንን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ዓለም፡ ነዚ ሓይሊ ንምምዕባል ባጀት መዲበን ኣለዋ።
ኣመሪካ ኣብ ዓለም ዝዓበየት ኣፍራዪት ንዩክለሳዊ ሓይሊ ኰይና፡ ካብ ጠቕላላ ቀረብ ጸዓት ንዩክለሳዊ ሓይላ፡ 19 ሚእታዊት ይሽፍን።
ፈረንሳ፡ ልዕሊ 67 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ቀረብ ጸዓት ካብ ንዩክለሳዊ ሓይሊ ዝርከብ ኰይኑ፡ ድሕሪ ቻይና፡ ኣብ ዓለም ሳልሰይቲ ዝዓበየት ኣፍራዪት ሓይሊ ንዩክለር እያ።
ብመሰረት ዓለማዊ ኤጀንሲ ኣቶማዊ ጸዓት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ 33 ሃገራት መመንጨዊ ሓይሊ ንዩክለር ኣለወን።
ምስ ኢትዮጵያ ትፈራረም ዘላ ሩስያ፡ ኣብ ዓለም ራብዓይቲ ዝዓበየት ኣፍራዪት ሓይሊ ንዩክለር ኰይና 26 ማእከላት መመንጨዊ ኣለውዋ።
ልዕሊ 70 ሚእታዊት ናይ ዓለምና ንዩክለሳዊ ሓይሊ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት እዩ ዝምንጬ።
ኣብ ዓለም ዝወሓደ ቀረብ ጸዓት ዘለዋ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሃጓፍ ንምምላእ፡ ናብዚ ኣማራጺ ትግስግስ ዘላ ትመስል።
ኣብታ ኣህጉር ፈላማይቲ ወናኒት መመንጨዊ ሓይሊ ንዩክለር ዝዀነት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ክልተ ማእከላት መመንጨዊ ኣለውዋ።
ግብጺ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ሜዲተራንያን ኣብ ዝርከብ ኤል ዳባ 4.8 ጊጋ ዋት ዘመንጩ፡ ማእከል ሓይሊ ንዩክለር ብምህናጽ ካልኣይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንምዃን ትሰርሕ ኣላ።
ከም በዓል ጋና፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያን ሞሮኮን ዝኣመሰላ ሃገራት እውን ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት መመንጨዊ ሓይሊ ንዩክሌር ክሃንጻ ትጽቢት ይግበር።
መስራቲት ጕጅለ ተጣባቒ ‘ንዩክለር ንኣፍሪቃ’፡ ፕሬንሰስ ሙቶምቢኒ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢንዳስትሪታተን ንምዕባይ፡ ንዩክለሳዊ ሓይሊ ብሉጽ መፍትሒ ምዃኑ ትኣምን።
ረብሓ ናይዚ ቴክኖሎጂ ዓቢ እኳ እንተዀነ፡ ምህናጽ እቲ ማእከላት ግን ብዙሕ ገንዘብ ዝሓትት እዩ።
እቲ ህንጸት ማእከል መልሐሚ ንዩክሌር ኢትዮጵያ ከምዝጀመረ ዝዝረበሉ፡ ኮርፖሬሽን ኣቶማዊ ጸዓት ሩስያ፡ ገንዘባዊ ወጻኢታቱ ባዕሉ ክሽፍን፡ ወይ ድማ ካብ ባንክታት ሩስያ ልቓሕ ንምርካብ ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን።