
ቢቢሲ ኒውስ፡ ብፍሉይ ዝበጽሖ ምስሊ ሲሲቲቪ፡ ሓደ ሰራቒ ኣብ ለንደን ካብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ልዕሊ 10 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት መጋየጺታትን ዲዛይነር ቦርሳታትን ክሰርቕ እንከሎ የርእዩ።
እቶም ኣሳእል፡ ሓደ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሰ ውልቀሰብ፡ ናብቲ ብሚልዮናት ፓውንድ ዝግመት ንብረት ዘለዎ ክፍሊ ድሕሪ ምእታዉ፡ ብርክት ዝበሉ መጋየጺታት ናብ ሓደ ቦርሳ ክመልኦም እንከሎ የርእዩ።
እቲ ስርቂ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ዝነበረ ወሃቢ ቃል እታ ስድራቤት፡ እቲ ናብ ገዛኦም ዝኣተወ ሰብ “ከም ድሙ” ይንቀሳቐስ ከም ዝነበረ ገሊጹ።
እቲ ዝተሰርቀ ንብረት ናይታ ኣብቲ እዋን ኣብ ገዛ ሴንት ጆንስ ዉድ ዘይነበረት ጸላዊት ሆንግ ኮንግ ሻፊራ ሁዋንግ ኰይኑ፡ ሃድን እቲ ሰራቒ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ነቶም ንብረታት ንዝረኸበ ክሳብ 1.5 ሚልዮን ፓውንድ ዝበጽሕ ሽልማት ከም ዝህቡ ገሊጾም ኣለው።
እቲ መንበሪ ገዛ፡በዓል ሓሙሽተ ደርቢ ኰይኑ፡ እቲ ሰራቒ ብሽቓቕ ዘሎ መስተዋት ሰይሩ ከም ዝኣተወ ይንገር።
ወሃቢ ቃል እታ ስድራቤት ሁዋንግ፡ ክሳባ ቪራግ እቲ ሰራቒ ፈለማ ብ7 ታሕሳስ 2024 ከባቢ ሰዓት 7፡00 ናይ ምሸት (9፡00 ብኣ. ምብራቕ ኣፍሪቃ) ብመስኮት ካልኣይ ደርቢ ክኣቱ ከም ዝፈተነ ገሊጹ።
እዚ ምስ ፈሸሎ ግን፡ ናብ ናሕሲ ደይቡ።
ኣብኡ ክልተ ኣገልገልቲ ገዛ ካብቲ ቀጽሪ ክወጽኡ ስለ ዝርኣየ፡ በቲ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ዝነበረ መስኮት ናይ ሽቓቕ ከም ዝኣተወ ሓቢሩ።
እቲ ሽቓቕ፡ ናይ ሓንቲ ኣብቲ ገዛ እትነብር ኣመሓዳሪት ምዃኑን፡ እቲ ስርቂ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ንብረት ኣኼባ ተካይድ ከም ዝነበረትን ቪራግ ገሊጹ።
“ኣብቲ ክፍሊ ምጸንሐት ነይራ፤ ገለ ጐንጺ ምተፈጥረ” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ቪራግ፡ እቲ ሰራቒ ብመስኮት ክኣቱ እንከሎ ዝዀነ ምልክት ንዘይምግዳፍ “ከም ድሙ” ከም ዝተንቀሳቐሰ ገሊጹ።
ኣብቲ ክፍሊ ኣብ ዝነበረ ጠረጴዛ ዝነበረ ኣስታት 300 ፓውንድ ጥረ ገንዘብ ከይተተንከፈ ተሪፉ።
ወሃቢ ቃል እታ ስድራቤት፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ደርጓዕ ዝብል ድምጺ ከም ዝሰምዐ፣ ግን ድማ ብርቱዕ ንፋስ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።
እቲ ድምጺ፡ እቲ ሰራቒ ነቲ መስኮት ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን ዝተሰምዐ ድምጺ መእተዊ ማዕጾ ሰራሕተኛታት ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሉ ክኣምን ከም ዝገበሮን፣ እቲ ሰራቒ ድማ ንከይርአ ቀልጢፉ ከም ዝዓጸዎን ገሊጹ።
ብድሕሪኡ፡ ኣዘዮም ክቡራት መጋየጺታት ዝቕመጥሉ ቦታ ንምኽፋት ክቃለስ ብሲሲቲቪ ካሜራ ከም ዝተርኣየ ሓቢሩ።
እቲ ስድራቤት ኣብ ዝዘርግሖ ሓደ ምስሊ ሲሲቲቪ፡ እቲ ሰራቒ ኣብ ዝወጽኣሉ እዋን ምስ ሓንቲ ሰራሕተኛ እቲ ገዛ ኣብ ተመሳሳሊ ኮሪደር ከም ዝነበሩን ፊት ንፊት ንክራኸቡ ናይ ሓንቲ ካልኢት ኣፈላላይ ከም ዝነበሮም ይሕብር።
ቪራግ፡ እቲ ሰራቒ በቲ እታ ሰራሕተኛ ዝኣተወትሉ መገዲ ድዩ ካብቲ ገዛ ወጺኡ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ እወ፤ “ዕላምኡ ግን ከምኡ ከም ዘይነበረ እኣምን” ኢሉ።
እቲ ሰራቒ ናብ “ልዑል ሓደጋ” ናብ ዘለዎ ክፋል ናይቲ ገዛ ኣትዩ ከም ዝነበረን፡ ብድሕሪት እቲ ንብረት ብዝርከብ ሳሕቲ ዝጥቀመሉ ክፍሊ ኣጋይሽ ኣቢሉ ክወጽእ ዝፈተነ ከም ዝመስልን ቪራግ ገሊጹ።
ኣስዒቡ፡ “[ንሱ] ነቲ መስኮት ብውሽጢ ክኸፍቶ ፈቲኑ ግን እቲ ናይ ድሕነት መሳርሒ ኣብ መስኮት ኣሎና።”
“እቶም መዕበሲታት ሸሞንተ ሴንቲ ሜትር ጥራይ ንታሕቲ ክትደፍኦም ትኽእል፤ ነቲ ብሎኒታት ንምፍታሕ ዝገጥም መሳርሒ እንተዘይብልካ ድማ ኣይትኽእልን፤ ፈቲኑ ግን ክዕወት ኣይከኣለን።”
መጋየጺታት፡ ቦርሳታት ሄርሜስ ክሮኮዳይል ኬሊን 15 ሽሕ ፓውንድ ጥረ ገንዘብን’ውን ወሲዱ።
ፖሊስ፡ እቲ ሰራቒ ዕጡቕ ክኸውን ከም ዝኽእል ይጥርጥር፤ ኣብ መወዳእታ 20ታት ክሳብ 30ታት ዕድመ ዝርከብ ጻዕዳ ምዃኑ ድማ ይእመን።
“ኣብ ከባቢ ጐደና ሮድ NW8 ዝነበረን ዝዀነ ዘጠራጥር ነገር ዝረኣየን ሰብ መጺኡ ክሕብረና ንላቦ፡ ኢሉ ፖሊስ ሜትሮፖሊታን ፓውሎ ሮበርትስ ።
“ከምኡ’ውን፡ ካብ ሽዑ ጀሚርኩም ነዚ መጋየጺታት ርኢኹምዎ እንተዄንኩም፡ ሓደ ሰብ ክሸጠልኩም ሓቲቱኩም እንተዀይኑ ወይ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተሃልዩኩም፡ በጃኹም ብሚስጢር ንፖሊስ ወይ ንምክልኻል ገበን ሓብሩ” ክብል ተማሕጺኑ።
ነቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ንምእታው ዝሓበረ ሰብ 500 ሽሕ ፓውንድ ሽልማት ከም ዝወሃቦ ተገሊጹ ኣሎ።
ዋናታት እቲ ዝተሰርቀ ንብረት ድማ፡ ዓሰርተ ሚእታዊት ካብ ዋጋ ዝዀነ ዝተረኽበ ንብረት ከም ዝህቡ ገሊጾም፤ እዚ ድማ ብድምር ክሳብ 1.5 ሚልዮን ፓውንድ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ፖሊስ ሜትሮፖሊታን ኣረጋጊጹ።
እቲ ስርቂ፡ ኣብ ለንደን ኣብቲ ክቡራት መንበሪ ኣባይቲ ዝርከብሉ ጐደና ሮድ [Avenue Road] እዩ ተፈጺሙ።
ምንጪ ቢቢሲ