
ዩክረይን ኣብ ዓውደ ውግእ ትሰዓር ኣላ።
ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ውግእ፡ ሓያሎ ወተሃደራታ ተዳኺሞም ኣለዉ።
እቲ ዝስዕብ ሕቶ፤ እታ ሃገር ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ውግእ ከተካይድ ትጻወሮዶ ዝብል እዩ።
ሓይልታቶም፡ ብምዕራብ ንዝግስግስ ዘሎ ሰራዊት ሩስያ ክዓግቱዎ እኳ እንተ ኸኣሉ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ከቢድ ግጥም ዝተራእየሉ ከባቢ ከተማ ኩራኮቨ ግን ተኸቢቦም ይርከቡ።
ጸሊም ፓክ ዝተባህለ ኣሃዱ ሞርታር፡ ካብቲ ሩስያ ብሰለስተ ኣንፈት እተካይዶ ዘላ ከበባ ንምድሓን ይጽዕር ኣሎ።
ነቶም ኣሃዱ ሞርታር፡ ካብ ውግእ ኣብ ዘዕረፉሉ ውሑስ ገዛ ኢና ረኺብናዮም።
ተራ ወተሃደራት ኣይኰኑን፤ ከሻኒ ኣሕምልቲ፡ መካኒክ፡ ኣማዕባሊ መርበብ ሓበሬታን ስነጥበበኛን ይርከብዎም። ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ጕጅለ ኣዕሩኽ ከኣ እዮም።
ገለ ካብኣቶም ንነብሶም ከም ኣብ ስርዓት ዘኣይምኑ (ኣናርኪስት) ዝርእዩዋ እኳ እንተዀኑ፡ ብወለንታኦም ግን ክዋግኡ መጺኦም።
ሱርት፡ 31 ዝዓመቱ ኣዛዚ፡ ሩስያ መጠነ-ሰፊሕ ወራር ድሕሪ ምክያዳ እዩ ናብ ሰራዊት ዩክረይን ተጸምቢሩ።
ኣብ ፈለማ፡ እቲ ኲናት ኣብ ሰለስተ ዓመት ክውዳእ ዝብል ግምት ከም ዝነበሮ፡ ሕጂ ግን ንኣእምሮኡ ንዓሰርተ ዓመት ውግእ ኣዳልዩዎ ከም ዘሎ ኣዕሊሉኒ።
ኵላቶም፡ ዶናልድ ትራፕም ነቲ ኲናት ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ይፈልጡ እዮም።
ፕረዚደንታት ዘለንስክን ፑቲንን ንዘተ ድሉዋት ምህላዎም እኳ እንተ ኣመቱ፡ ኣብ መዓልቦኡ ዘብጽሕ ስምምዕ ክካየድ ግን ንምስኣሉ ዝኸብድ እዩ።
ሱርት፡ ንዕላማ ዶናልድ ትራምፕ ብምልኡ ኣይነጽጎን እዩ።
“ትሕልንታዊ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ከም ዝመስለኒ ክፍትን እዩ፡” ይብል። እንተዀነ፡ ኣብ ውጽኢት ናይቲ ዘተ ስግኣት ከም ዘለዎ ይዛረብ።
“ንሕና ክውንነታውያን ኢና። ዩክረይን ፍትሒ ከም ዘይትረክብ ንኣምን – ብዙሓት፡ ኣባይቶም ብሮኬታትን መዳፍዓትን ከም ዝዓነዎምን ዝፈትውዎም ሰባት ከም ዝሰኣኑን ክውሕጡዎ ክግደዱ እዮም። እዚ ድማ ከቢድ ክኸውን እዩ።”
ካብ ክዛተዩን ውግእ ክቕጽሉን ኣየናይ ከም ዝመርጽ ንዝብል ሕቶ፡ “ውግእ ምቕጻል፡” ክብል ብወኒ ይምልስ።
ብመብዛሕትኦም ኣባላት ናይታ ኣሃዱ ዝንጸባረቕ ኣረኣእያ እዩ።
እቲ ከሻኒ ኣሕምልቲ ዝዀነ ሰርሂይ፡ እቲ ዘተ፡ ነቲ ውግእ ንእዋኑ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል፣ ይዅን’ምበር፡ “ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ግን ዳግማይ ክጅመር እዩ፡” ይብል።
እዚ ዘሎ ኵነታት ንዩክረይን “ጽቡቕ ዘይምዃኑ” ይኣምን እኳ እንተዀነ፡ ቃልሲ ንምቕጻል ግን ድልዉ ኣሎ።
እቲ ዳቪድ ዝተባህለ ስነጥበበኛ ድማ ንትራምፕ ብዘሰክፍ መንገዲ ንምግማቱ ኣጸጋሚ እዩ፡ ኢሉ ይርድኦ፣ “ንዩክረይን እምብዛ ጽቡቕ ወይ ኣዝዩ ሕማቕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡” ይብል።
እቲ ኣሃዱ፡ ሰሙን ኣብ ድፋዕ ጸኒሑ ሰሙን ድማ የዕርፍ።
እንተዀነ፡ ዋላ ኣብ ግዜ ዕረፍቶም’ውን ተዓሊም የካይዱ።
እቲ ልምምድ፡ ሞራል ከም ዘበርኽሎም ድማ ይዛረቡ።
ኣብ ቈራሪ ቦታ፡ ሞርታሮም ንምትኳስ ልምምድ የካይዱ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ደኒስ ዝበሃል ነታ ጋንታ ተጸንቢሩዋ ኣሎ። ንሱ፡ ካብቲ ውሑስ ቤቱ – ካብ ጀርመን እዩ ተሰሊፉ።
“ዩክረይን ኣብ ዘይብላ ዓለም ክነብር እኽእል ድየ? ኢለ ንነብሰይ ሓቲተያ፡” ድማ ይብል። ኣብዚ ግዜ’ዚ ሃገሩ ትሰዓር ከም ዘላ ይኣምን እዩ። እንተዀነ፡ “እንተ ዘይፈቲንካ፡ ብርግጽ ክትሰዓር ኢኻ። ኣብ ክንዲ ምንም ከይገበርኩ ኮፍ ኢለ ዝቕበሎ፡ እናፈተንኩ ክመውት እመርጽ፡” ይብል።
ይዅን’ምበር፡ ደኒስ ብኣንጻር እቶም ካልኦት ብጾቱ፡ ዩክረይን፡ ብውሕዱ፡ ነቲ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ግምት ክትህቦ ከም ዘለዋ ይኣምን።
ንሱ፡ ኣብ ዩክረይን ዝወረደ ጉድኣት ካብቲ ብወግዒ ዝግለጽ ከም ዝዓቢ እዩ ዝርዳእ – ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ሞይቶምን ቈሲሎምን።
ዝያዳ ሰብ ምዕጣቕ፡ ነቲ ጸገም ከም ዘይፈትሖ ድማ ይኣምን።
“ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ እቶም ሓያላት ወተሃደራት ጠፊኦም ወይ ተዳኺሞም እዮም። ስለዚ፡ ተዅሲ ደው ምባል ደሊናዮ ዘይኰነ፡ ከምዚ ኢልና ንዓመታት ክንከይድ ስለ ዘይንኽእል እዩ፡” ይብል።
እታ ካብ ከተማታት ዩክረይን ብዕብየታ ሳልሰይቲ ዝዀነት ድኒፕሮ፡ በዚ ውግእ ዝተጠቕዐት እያ።
ብምሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ብቐጻሊ ዒላማ ኰይና። እቲ ናይ ደብዳብ መጠንቀቕታ ድምጺ መዓልትን ለይትን እዩ ዘእዊ።
እቲ ድምጺ ዝግ እንተ ኢሉ፡ ኣብቲ ዘይንቡር ኵነት፡ ንቡር ንምግባር ይፍትኑ። እንሓንሳእ ናብ ትያትር ከይተረፈ’ውን ይኸዱ።
ኣብቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝቐርብ “ስድራቤት ካይዳሽ” ዝተባህለ ዋዛ ዝመልኦ ተዋስኦ ከይተረፈ፡ ቅድሚ ምጅማሩ መዘኻኸሪ ናይቲ ኲናት ይግበር። ነቶም ዝወደቑ ንምዝካር፡ ድሕሪ ሃገራዊ መዝሙር ዩክረይን ናይ ሓደ ደቒቕ ዝኽሪ ይካየድ።
ገለ ካብቶም ተዓዘብቲ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ መዋጽኦ ከም ዘሎ ይኣምኑ።
ሉድሚላ፡ “ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ውሑዳት ኢና ዘለና። ገለ ሓገዛት’ውን ንረክብ ኣለና፣ እዅል ግን ኣይኰነን። ስለዚ፡ ኮፍ ኢልና ክንዛተ ኣለና፡” ትብል።
ክሰኒያ ድማ፡ “ቀሊል መልሲ የሎን። ሓያሎ ወተሃደራትና ተቐቲሎም፣ ምእንቲ ሃገርና ተዋዲቘም። እንተዀነ፡ እቲ ኲናት ክውዳእ እየ ዝደሊ፡” ይብል።
ኣብ ጥቓ እቲ ትያትር ኣብ ዝርከብ መንበሪ ተምሃሮ ዝነበረ መዕቈቢ፡ ኣርባዕተ ኣረጋውያን ደቀንስትዮ፡ ብዛዕባ እቲ ዝገደፍኦ ቤተን ይዝክራ።
ሰማንያን ሸውዓተን ዝዕድመአን ቫለንቲና ዝተባህላ ኣደ፡ ናብቲ ቦታ ጥራይ ኢደን ድሕሪ ምእታወን፡ ጫማ፡ ክዳንን መግብን ተዋሂበን ጽቡቕ ከም ዝተቐበሉወን ይገልጻ። እንተዀነ፡ “ከም ቤትካ ዝመስሉዎ የሎን፡” ይብላ።
እዘን ዓደን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራት ሩስያ ዝወደቐ ኣርባዕተ ኣደታት፡ ዘተ ሰላም ክካየድ እየን ዝደልያ።
89 ዝዕድመአን ኣደይ ማርያ ግን፡ “ድሕሪ እዚ ኵሉ ዝገበሩዎ ከመይ ኣቢሎም ዓይኒ ንዓይኒ ክረኣኣዩ እዮም?” ኢለን ይግረማ።
“ብውግእ ዝዕወት ከም ዘየሎ ፍሉጥ እዩ። ስለዝዀነ ኢና ድማ ዘተ ሰላም ክካየድ ንደሊ፡” ድማ ይምልኣ።
ዘተ ሰላም እንተ ተኻይዱ፡ እዘን ኣደታት እየን ዝዓበየ ዋጋ ክኸፍላ – ዩክረይን ምእንቲ ሰላም ክትብል ካብ ግዝኣታ መሬት ክትከፍል ስለ እትኽእል።