
13 መስከረም 2025
ብቕትለት ዓቃባዊ ነጣፊ ቻርሊ ከርክ ዝተጠርጠረ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ነባሪ ዩታ ተኣሲሩ። ቻርሊ ከርክ ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ኣብ መድረኽ እናተዛረበ እንከሎ ብዝተተተኰሰ ጥይት እዩ ተቐቲሉ።
ታይለር ሮቢንሰን ፖሊስ እታ ሃገር ን33 ሰዓታት ድሕሪ ዘካየዶ ኣለሻ፡ ወላዲኡ ኢዱ ንፖሊስ ክህብ ስለ ዘእመኖ ብሓሙስ ምሸት ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።
ዜና ማእሰርቲ ጥርጡር ቀታሊ ከርክ፡ ፈለማ ብፕረዚደንት ትራምፕ’ዩ ወግዓዊ ኰይኑ። ትራምፕ፡ እዚ ጥርጡር ብሞት ክቕፃዕ ፀዊዑ።
ቻርሊ ከርክ ብረቡዕ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንተምሃሮ እናካትዐ እንከሎ ዝተቐተለ ክኸውን ከሎ፡ ንኣመሪካውያን ካብ ምስንባድን ምቝጣዕን ብዝዘለለ፡ ኣመሪካ ኣብዚ እዋን ክሳዕ ክንደይ ብፖለቲካ ዝተኸፋፈለት ምዃና ዝቀልዐ ክስተት ኰይኑ።
መርመርቲ ብዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ እቲ ጥርጡር ንከርክ ምቕታሉ ንወላዲኡ ከም ዝተናዘዘን ንፖሊስ ኢዱ ካብ ዝህብ፡ ህይወቱ ከሕልፋ ከም ዝመርፅን ምዝራቡ ገሊፆም። ድሕሪ እዚ ወላዲኡ፡ መቕርብ እቲ ስድራ ናብ ዝዀነ መንእሰይ ፓስተር ስልኪ ብምድዋል ፀዊዐሞ።
ወላዲኡን እቲ ፓስተርን ክልቲኦም፡ እቲ ጥርጡር ንኽረጋጋእ ፃዕሪ ከም ዝገበሩ ፖሊስ ሓቢሩ። ሓለዋ ፀጥታ ቤትፍርዲ’ውን ኰይኑ ዝሰርሕ እቲ ፓስተር፡ ሰባት ኣብ ቀይዲ ንምውዓልን ንምእሳርን ናብ ዝሕግዝ ፍሉይ ጕጅለ ፖሊስ እታ ሃገር ብምድዋሉ፡ እቲ ጥርጡር ብሓሙስ 22:00 ከባብያዊ ኣቈፃፅራ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።
ኣመሓዳሪ ዩታ ስፔንሰር ኮክስ ከም ዝበሎ፡ ምስልታት ሓለዋ፡ ሮቢንሰን ናብ ከርክ ቅድሚ ምትኳሱ ኣርባዕተ ሰዓታት ኣቐዲሙ ናብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ዩታ ቫሊ ብምብፃሕ ንቻርሊ ከርክ ከም ዝቐተሎ፡ ተምሃሮ ድማ ርእሶም ንምድሓን ተጓይዮም እናተሓብኡ የርእዩ።
እቲ ኣመሓዳሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሮቢንሰን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝውሰደሉ፡ ናብ ከርክ ክትኵስ እንከሎ ተኸዲንዎ ምስ ዝነበረ ክዳን ተመሳሳሊ ክዳን ከም ዝተኸደነ ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ መርመርቲ ንኣባል እቲ ስድራ ከም ዘዛረቡን እቲ ጥርጡር ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝያዳ ፖለቲካዊ ሓሳባት ከሰጕም ከም ዝጀመረን ሓቢሩ።
እቲ ኣባል ስድራ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ከርክ ናብ ዩታ ከም ዝመፅእ ከም ዝነገሮን “ብፅልኢን ሕርቃንን ተመሊኡ” ከም ዝነበረን ምዝራቡ፡ እቲ ኣመሓዳሪ ገሊፁ።
ካብዚ ብተወሳኺ መርመርቲ ምስ ሮቢንሰን ሓቢሩ ንዝነብር ሰብ ከም ዘዘራቡ፣ ንሱ’ውን ኣብ ዲስኮርድ “ታይለር” ብዝብል ስም ዝመፅአ መልእኽቲ ከም ዘርኣዮም ሓቢሩ።
እቲ መልእኽቲ፡ ኣብ ሕቡእ ቍጥቋጥ ዘሎ ብፎጣ ዝተጠቕለለ ነዊሕ ጠበንጃ ክረኽቦ ኣለኒ ይብል።
ኤፍቢኣይ፡ ናይቲ ጥርጡር ብፎጣ ዝተጠቕለለ ‘ማውዘር’ ዝበሃል ካብ ካልእ ሃገር ዝኣተወ ኣፅዋር፡ ኣብ ጥቓ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሓደ ዱር ዝመስል ከባቢ ከም ዝረኸቦ ገሊፁ።
ኣመሓዳሪ ዩታ ኣብቲ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቶም ናይ ፅሑፍ መልእኽቲታት፡ “ሰላም ፋሽሽቲ፡ ሓዞ፡ ኦ ቤላ ቻው፡ ቤላ ቻው” ከም ዝብሉ ሓቢሩ።
ቤላ ቻው ብጣልያንኛ፡ “ቻው ማራኺ ወይ ምልኩዕ” ዝብል ትርጕም እዩ ዘለዎ። ኣንፃር ናዚ ጀርመን ናይ ዝተቓለሱ ጣልያናውያን ደርፊ’ውን እዩ።
ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ግዝኣት፡ ኣብ ልዕሊ ሮቢንሰን ስሩዕ ክሲ ከም ዝምስርቱ ገሊፆም’ዮም።
ታይለር ሮቢንሰን፡ ብኸቢድ ገበን፡ ንፍትሒ ብምዕንቃፍን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከቢድ ብረት ብምትኳስን ከም ዝተኸሰሰ፡ ቢቢሲ ካብ ሓላፊ ኣኽበርቲ ሕጊ ዩታ ዝረኸቦ ሰነድ የመልክት።