ኣቀታትላ ሃጫሉ ብምስክርነት ጃዋር መሓመድ!!

ልኡል ኣውስትሮ ሃንጋሪ ፍራንዚዝ ፈርዲናንድ ጋብሬሎ ፕሪሲፕ ብዝተባህለ ናይ ሰርብያ ኣኽራሪ ጉጅለ ምቅታሉ ንናይ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ክርቢት ከቀጻጽል ክኢሉ እዩ። ደም እቲ ልኡል በንዚን ኮይኑ ንኤውሮጳ ሓዊስካ ንመላእ ዓለም ዝለብለበ ሓዊ ወልዐ። ምቅታል ልኡል ፈርዲናንድ ንበይኑ ጥራይ ግን ንምጅማር ቀዳማይ ኲናት ዓለም ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ቅድሚኡ ፖለቲካ ኤውሮጳ ብወተሃደራዊ ውድድርን ዶባዊ ምስሕሓብን ተቀሓሒሩ ሓቢጡ ክትኮስ ደልዩ ነበረ። ብደም እዚ ልኡል ድማ እቲ ሓቢጡ ዝነበረ ፖለቲካ ተተኲሱ ነቶም ኣብ ምድላው ዝነበሩን ብዓይኒ መርፍእ  ክረኣኣዩ ዝጸንሑን ግለሰባት ፊት ንፊት ኣላተሞም። ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ውን ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኢትዮጵያን ክቀጻጸል ንዝጸንሐ ውጥረት ብምትኳስ ነቲ ክሳብ ሕጂ ነታ ሃገር ኣብ ኲናት ሓድሕድ ከም ትጽመድ ዝገበረ ዘሕዝን ክስተት እዩ። ከምቲ ቅድሚ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ኩነታት ኤውሮጳ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኢትዮጵያን ካልኦት ወገናትን ዝተቀቢሩ ዝጸንሐ ቅርሕትን ቂምታን ውሽጢ ውሽጢ ክቀሓሓር ብምጽናሕ ሓቢጡ ነበረ። ቅትለት ሃጫሉ ድማ ነቲ ብሕብጠት ዓቢዱ ዝነበረ ቅርሕንቲ ከም ዝትኮስ ገበሮ። ንቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዝኸፈቶ ቅትለትን ማእሰርትን በሽሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት ኦሮሞ ናብ ጫካ ወጺኦም ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ዝመርሑ ጌርዎም እዩ። ኣብ መንጎ ህዝብን ምሁራን ኦሮሞን ዓቢ ፈቃቅ ተኸፍተ። ብሓፈሻ ቀትለት ሃጫሉ ንናይ ህዝቢ ኦሮሞ ከቢድ ልባዊ ስንብራት ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ኣብዚ ናይ ቀረባ ታሪኽ እዚ ህዝቢ ከምዚ ዓይነት ጓሂ ዝመልኦ ፍጻመ ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን እዩ። ኦሮሞ ካብቲ ኣብዛ ዕለት ዝተፈጠረ ስንባደን ቁጥዓን ክሳብ ሕጂ ዝተመልሰ ኣይመስለንን። ነዓይ ውን ብቅለት ሃጫሉ ኣማኻንዮም ኣሰሩኒ። ካብ ማእሰርቲ ንላዕሊ ዘጉሃየኒ ግን ነቲ ናይ ነዊሕ ግዜን ናይ ሕማቅ ግዜን ዓርከይ ሃጫሉ ምስኣነይ እዩ። ሃጫሉ ኣብ ኮሎምቢያ ዩኒቨርሲቲ ተማሃሪ እንከለኹ እየ ብሙዚቃ ዝፈልጦ። ኣብቲ ግዜ ካብ ገዛይ ናብ ቤት ትምህርተይ ብባቡር ክመላለስ እንከለኹ ንደርፍታቱ ደጋጊመ ብምስማዕ ይምሰጥ ነበርኩ። ኣብ ቤት ንባብ ከጽንዕን ክጽሕፍን ከለኹ ብናይ ሃጫሉ ደርፊ እንዳተዘናጋዕኩ እየ። ናይ ሰለማዊ ቃልሲ ስትራተጂ ንክነድፍ ብዙሕ የሰላስልን ይሓስብን ኣብ ዝነበርኩ ወቅቲ ስለዝነበረ ኦሮሞትያን ማሳልጋማየን ዝተሰምያ ደርፍታቱ ምንቅቃሕን ብርትዐን ሂበናኒ እየን። ነቲ ዘደናግር ኦሮሞ ፈርስት ዝብል ዝበሃህላ ዝተተቀምክሉ ናይ ኣልጀዚራ ኢንተርቪው ንምግባር ካብ ኒውዮርክ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ክጎዓዝ እንከለኹ ኦሮሞጋማ ትብል ደርፊ እንዳሰማዕኩ እየ ተጓዒዘ። ናብ ድሕሪት ምልስ ኢለ ከሰላስሎ እንከለኹ ኣብቲ ቃለ መሕተት ናብ ስምዒት ዘእተወኒ እታ ደርፊ ትመስለኒ። ኣብ ግዜ ፈርስት ዘመቻ ኦሮሞ ምስ ኤልያስ ኢብሳ ክንዘራረብ እንከለና ንሃጫሉ ናብ ኣሜሪካ ከምጽእዎ መደብ ከም ዘለዎምን እቲ መዲቦሞ ዝነበሩ ኮንሰርት ህዝቢ ንምንቅቃሕ ንዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ጠቃሚ ከም ዝኾነን ነጊሩኒ ነበረ። ብተወሳኺ ጃምቦ ጆቴ፡ ኣቡሽ ጀምባሪን ንጉስ ታምራትን መጺኦም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰሜን ኣሜሪካ ብምዛር ኦሮሚያ ቲያ ዝተሰምየ ኮንሰርት ከካይዱ ጀመሩ። ብሄራዊ ስምዒት ብዝቅስቅስ መልክዑ ዝተመደበ ኮንሰርት ጌና ኣብ ምጅማሩ ንስምዒት ህዝቢ ኣዝዩ ስለዘበራትዖ ኣብቲ ናይ ኦሮሚ ፈርስት ዘመቻ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ማሕበረሰብ ብርእሰምትእምማን ልዕል ንምባል ኣብ ንገብሮ ስራሕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣበርኪቱ እዩ። ኣብ ብዙሓት ከተማታት ብግዜ ቀትሪ ኣኼባ ኦሮሞ ፈርስት ምሸት ድማ ናይ ኦሮሚያ ቲያ ኮንሰርት ይካየድ። እቶም ኣርቲስት ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ ሽግር ንከይፍጠር ንሶም ኣብ ኣኼባታትና ንከይረኣዩ ንሕና ድማ ኣብ ኮንሰርቶም ንከይንርአ ጥንቃቀ ነካይድ ነበርና። እዞም ኣርቲስትታት ንዓይን ናርፋሲልን ክበጽሑና ናብ ኒውዮርክ ምስ መጹ ብዙሕ ኣዕሊናን ብዕምቆት ተላለናን። ሃጫሉ ተጻዋቲ በሊሕ ብሱልን ቆራጽ ሃገራውን ከም ዝነበረ ካብቲ ነዊሕ ዕላልና ተረዳእኩ። ንሱ ኣብ ዘለዎ ቦታ ምስልቻው የለን። ሓደ መዓልቲ ምሸት ኣብቲ ከተማ ኣብ ዝነበረ ነዊሕ ህንጻ ድራር ክንጋብዞም ወጻና። እቲ ዝነበርናሉ ክፋል ናይቲ ቤት መግቢ ዘሽከርክር ነበረ። ሃጫሉ ኣብ መጀምርታ ዘረባ ሒዙ ስለዝነበረ ኣይሰተውዓለሉን ሃንደበት ግን ዘረብኡ ኣቋሪጹ ናብ ፍኒስትራ ኣተኩሩ ጠመተ እሞ “ስምዑኒ እንዶ ኣነ ድዩ ዜሩኒ ወይስ እዚ ገዛ እዩ ዝዘውር ዘሎ?” ክብል ኣስሓቀና። ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ብዛዕባ ቃልሲ ኦሮሞ ብተደጋጋሚ ሰፊሕ ዝርርብ ኣክይድና ነበርና። ኮንሰርት ምስ ወድአ ናብ ሃገር ምስ ተመልሰ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ይኽእል ይኸውን ኢለ ስለዝሰጋእኩ ኣብ ደገ ንክጸንሕ ምስ መኸርክዎ “ሞተይ ሂወተይ ምስ ህዝበይ እዩ። ኣሽንኳይ ዶ ኣነ ክተርፍ ሲ ንስኻ ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ክትመጽእ ኢኻ።” ኢሉ ብቆራጽነት ተዛረበኒ። ናብ ሃገር ድሕሪ ምምላሱ ውን ተቋውሞ ኣብ ዝላብዓሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ በብግዚኡ ብተሌፎን ንራኸብ ነበርና። ወገናትና ካብ ሶማሌ ክልል ክፈናቀሉ እንከለዉ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ኣትዩ ረዲኤት ሒዙ ና ሃረርጌ ከም ዝኸይድ ዘሎ ደዊሉ ምስ ነገረኒ ኣብ መንገዲ ከይጎድእዎ ሰጊኤ ንክተርፍ ለመንክዎ ንሱ ግን እምቢ ኢሉ ብቆራጽነት ከደ። ኣብ ድሮ እቲ ነውጺ ኣብቲ ኣብ ሚለንየም ኣዳራሽ ዝተዳለወ ኮንሰርት ተዓዲሙ ከም ዘሎ ደዊሉ ነገረኒ እሞ እንታይ ዓይነት ደርፊ እንተደረፈ እዩ ነቲ ቃልሲ ዝሕግዞ ኣብ ዝሓተተኒ ግዜ እቲ ቃልሲ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብድሕሪኡ ክቅጽል ዝኽእል ነገርን ኣስፍሕ ኣቢልና ተዘራረብና። ኣብቲ ኮንሰርት ክቅርቦ ኣዳሊዎ ዝነበረ ናይ ፈኸራ (ቱታ) ግጥሚ ሰደደለይ። ኣንቢበ ምስ ወዳእኩ “ነዚ ተቅሪብካዮ ከጥፍኡኻ እዮም።” “ዝመጸ ይምጻእ። ንሱ ግደፎ እሞ ብዛዕባ ትሕዝቶ እዛ ግጥሚ ሓሳብ ሃበኒ።” በለኒ። ገለ ነጥብታት ወሲኸ ብዝርርብ ኣማዕበልናያ። ከም መደቡ ነታ ኣውሎ ኣብ መድረኽ ምስ ኣቅረባ ንጸላእቲ ኣበርጊጉ ንከርሲ ኦሮሞ ኣረስረሶ። ኣብታ ዕለት ኣውሎ ሃጫሉ ንስምዒት እቲ ኣብቲ መደብ ዝነበረ ህዝቢ ልዕል ካብ ምባል ዝሓልፍ ትርጉም ነበሮ። እቲ ኣውሎ ታሪክ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ከም ዝተወየረ ብዕሊ ኣወጀ። ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ኣራት ኪሎ ዝሰፈነ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣብ ምውጋዝ ዘተኮረ ነበረ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኦሮሞ ንነብሱ ካብ ኣራት ኪሎ ወጻኢ ብምምልካት እቲ ዘሎ መንግስቲ ጭኮና ደው ከብል እንተዘይኮይኑ ንነብሱ ካብቲ መንግስቲ ኣልዩ ካልእ መንግስቲ ክሃንጽ ከም ዝኾነ ዝዓለመ ነበረ። እቲ ቃልሲ ካብ ኣራት ኪሎ መልሲ ካብ ምጽባይ ነቲ ቦታ ተቆጻጺርካ ነቲ ዝወርድ ዝነበረ በደላት ደብ ብምባል ተጠቃሚ ሙዃን ናብ ዝብል ሓሳብ ዓበየ። ነዚ ብስውር ክካየድ ዝጸንሐ ምስግጋር ታሪኽ ሃጫሉ ብጋህዲ “ኣራት ኪሎ ነዓኻ እያ ትግባእ።” ብምባል ብመልክዕ ቱታ ኣንተጎ። መልአኽቲ እቲ ኣውሎ ንኦሮሞ ዝጠቅም ንኢትዮጵያ ከም ባዕዲ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዋንነት ምርግጋጽ ይሓይሽ ዝብል ነበረ። ነዚ ናይ ዋንነት መረጋገጺ ድማ ኣብ ግዜ ኲናት ዓድዋ ንተራ ጀጋኑ ኦሮሞ ዘርዚሩ የቅርብ። በዚ መንግስታት ኢትዮጵያ ወላ ይግዱኡኒ ኣብ መሬት ኣቦታተይ ብደሞም ዝሃነጽዋ ሃገር ይወርስ እምበር ገዲፈያ ኣይከይድን ኣየፍርሳን እየ ይብል። ኣብቲ ግዜ ንምስግጋር ታሪኽ ዝተረድአ ሰብ ኣዝዩ ውሱን ከም ዝነበረ ክዝክር እንከለኹ ብስለይ ሃጫሉን ኣዝዩ ይገርመኒ።

  ኣቢይ ኣህመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ሙዃኑ ኣብ ዝተቋወምክሉ ሰሙን ሃጫሉ ደወለለይ እሞ ንነዊሕ ሰዓታት ተኻታዕና። ዝኾነ ይኹን ኦሮሞ እንተኾይኑ ክንድግፎ ኣለና ዝብል ሓሳብ ነበሮ። ንኣቢ ረኺቡ ከም ዘዘራረቢ ብምጥቃስ ከእምነኒ ጸዓረ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ናብ ኣሜሪካ መጺኡ እንከሎ ኣዘራሪበዮ ከም ዝነበርኩን ግዚያዊ መራሒ ክኸውን ከም ዘይክእልን ነገርክዎ። ድሕሪ ነዊሕ ክትዕ ንሱ ብደገፉ ኣነ ብተቋውሞይ ንክንቅጽል ተሰማማዕና። “ወላ ኣይትደግፎ ኣብ ሜድያ ንዕኡ እትገብሮ ተቋውሞ ግን ኣጉድሎ።” ብምባል ምስ ተማሕጸነኒ “ሽግር የለን ደው ከብሎ እየ ከማን።” በልኩዎ። ጽባሕ እቲ ና ሃገር ዝኣተኹሉ ዕለት ናብ ኣምቦ ምስ ከድኩ ሃጫሉ ነዓይ ቀዲሙኒ ብምብጻሕ ነገራት ኣመቻቺኡ ተጸበየኒ። ኣቀዲመ ከም ዝገለጽክዎ ካብ መኪና ወሪደ ጥራይ እግረይ ክከይድ ምስ ጀመርኩ እንዳጎየየ ናባይ መጸ እሞ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ዓርኩ ጓጀማ ብጅግንነት ናብ ዝተሰውኣሉ ቦታ ብምኻድ ንመዘከርታ ገረብ ተኸልና። ድሕሪ እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜያት ብኣካል ኮነ ብተሎኤፎን ንዘራረብ ነበርና። ውሑዳት ኣዋርሕ ቅድሚ ምቅታሉ ኣብ ከተማ መኪና ክዝውር እንከሎ ብጣዕሚ የተናኾልዎ ስለዝነበሩ ሓደ መዓልቲ ደዊሉ ብመኪና ይከታተልዎ ከም ዘለዉ ነገረኒ። ንሓደ ካብ ሓለፍቲ ጸጥታ ደዊለ ደው ንከብለሉ ምስ ሓተትክዎ ሃጫሉ እቶም ዝተከታተልዎ ዝነበሩ ሰባት ብቅጽበት ከም ዝተሰወሩ ኣረጋገጸለይ። እቲ ኣብ ልዕሊ ሃጫሉ ዝካየድ ዝነበረ ምትንዃል ኣብዚ ኣይተሓጽረን ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሃን ስም ናይ ምጽላም ወፍሪ ተኸፍተሉ። ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝካየድ ዝነበረ ጸለመ መብርሂ ንክህበሉ ምስ ጋዘጠኛታት OMN ቃለ መሕተት ከካይድ ከም ዝኾነ ሰማዕኩ። ደወልክሉ እሞ ናብ ገዛይ ዓዲመ ኣብቲ ግዜ ኣብ ሚድያ እንተዘይተራእየ ከም ዝሓይሽ ነገርክዎ። ንሱ ብስጭውጭው ብዝበለ ድምጺ “ስለምንታይ ኩሉ ግዜ ናብ ሚድያ ንከይቀርብ ትኽልክለኒ” ብምባል ናብ ሚኒሶታ መጺኡ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዘጋጠመ ነገር ኣዘኻኸረኒ። ኣብ 2016 ሓደ መዓልቲ ጋዜጠኛ OMN ንሃጫሉ ኣብ ሜድያ ከቅርቦ ከም ዝደሊ ምስ ነገረኒ ተቋወምኩ። ምኽንያቱ እቲ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዕግርግር ኣዝዩ ተላቢዕሉ ዝነበረ ግዜን መንግስቲ ውን ሕማቅ ጎነጻዊ ስጉምቲ ዝወስደሉ ግዜን ከምኡ ውን OMN ብሽበራነት ዝተኸሰሰሉ ግዜ እዩ ኔሩ። ሃጫሉ ድማ ናብ ሃገሩ ንክኣቱ ወሲኑ ነበረ። ሃጫሉ ናብ ሚድያ እንተቀሪቡ ብዘይ ዝኾነ ምሽፍፋን ናይ ልቡ ከም ዝዛረብ ይፈልጥ እየ። ብፍላይ ህዝቢ እንዳተጨፍጨፈ ኣብ ዝነበረሉ ኹነት ብስምዒት ተመሊኡ ምዝራቡ ስለዘይተርፍ ብኸምኡ መልክዕ ተዛሪቡ ናብ ሃገር እንተደኣ ኣትዩ ክቀትልዎ እዮም ኢለ ፈራሕኩ። እቲ ንከዘራርቦ ዝሓሰበ ጋዜጠኛ ግን ንዘቅርብክሉ ምኽንያት ከይሰምዐ ብሕማቅ ከም ዝኸልከልክዎ ጌሩ ነገሮ። በዚ ምኽንያት ሃጫሉ ንገለ ግዜ ድሕሪ ምቅያሙ ተራኺብና ምስ ተዘራረብና ንምኽንያተይ ተረድአ። ሕጂ ኣብ OMN ክዛረብ ከም ዝደሊ ምስ ሰማዕኩ ኣካላዊ ማህሰይቲ ዘይኮነስ ነቲ ዝነበረ ፖለቲካ ከም ዘጋድዶ ስለዝፈራሕኩ ንከይዛረብ ከእምኖ ጸዓርኩ። ንሱ ግን እቲ ዝተፈጸመ ስሙ ናይ ምጽላም ተግባራት ከም ዘበሳጨዎን ብተወሳኺ እቲ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ፓርቲታት ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ብልጽግናን ኦነግን ዝግበር ኣታካራ ስለዘተሓሳሰቦ ሓሳቡ ክገልጽ ከም ዝደሊ ነገረኒ። ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ስም ጸለመ ኣድላዩ እንተደኣ ኮይኑ ባዕለይ ተዛሪበ ከረድኣሉ ከም ዝኽእል ቃል ኣተኹሉ። ኣቀዲመ ስራሕ ከም ዝጀመርኩ ወስ ኣበልክሉ እሞ ብዛዕባ ኣብቲ ግዜ ዝተኸስተ ሓደ ነገር ኣዕለልክዎ። ሓንቲ ናይ ኣምሓረኛ ራድዮ ጋዜጠኛ ደዊላ “ነቲ ናይ ምሬት ስርቂ ወፍሪ ደው ንባል ኣቲኹም ንስኹም ውን ናብ ምስራቅ መሬት ኣቲኹም በለትኒ። መን እዩ ሰሪቁ ኢለ ምስ ሓተትክዋ እቶም ምሳኻ ዝቃለሱ ዝነበሩ በለትኒ። ስሞም ጥቀሲ ኢለ ዘረባይ ከይወዳእኩ ካብ ኣፈይ መንጢላ ሃጫሉን ፈይሳ ለሊሳን በለትኒ። ክንደይ ዝኣክል መሬት ከም ዝወሰዱ ምስ ሓተትክዋ ነፍሲ ወከፎም 5 ሽሕ ካሬ ከም ዝኾነ ነገረትኒ። መጀመርታ ሃጫሉን ፈይሳን መሬት ፊንፊኒ ሰሪቆሞ ኣይበሃልን እዩ። እቲ ካብ ኣቡኦም ዝተወስደ መሬት መሊሶሞ እዩ ዝበሃል። ሃጫሉ ናይ ኣባሓጎታቱ መሬት እንተወሲዱ ሰሪቁ ዘይኮ ነቲ ዝተሰርቀ መሬት መሊሱ እዩ ዝበሃል። ጌግኦም 5ሽሕ ካሬ ጥራይ ምውሳዶም እዩ። ዝግብኦም 5ሽሕ ሄክታር እዩ በልክዋ። እታ ጋዜጠኛ ካባይ ዘይተጸበየቶ መልሲ ብምስምዓ ሰንቢዳ “ብሓቂ እዚ ሕጂ ዝበልካዮ ከመሓላልፎ ትደሊ ኢኻ።” ክትብል ሓተተኒ “ሓንቲ ቃል ከይቆረጽኪ።” በልክዋ ብዘይ ዝኾነ ሰጋእ መጋእ። ንሳ ግን ሙሉእ ብሙሉእ ከየመሓላልፈቶ ስቅ በለት። ዕላማይ ንስም እዞም ኣብ ግዜ እዚ ቃልሲ ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ መንእሰያት ንምጽላም ዝግበር ዝነበረ ወፍሪ ንምድኻም እዩ ኔሩ። ምስታ ጋዜጠኛ ዝነበረኒ ናይ ቃላት ልውውጥ ንሃጫሉ ነገርክዎ እሞ “ከምዚ ዓይነት ጠበቃ ከለካ ንስኻ ብዛዕባ ነብስኻ ምዝራብ ኣየድሌካን እዩ።” በልክዎ።

ሃጫሉ እንዳቀለደ “እንተይልካ ይኹን። ንወያነ ምስ ዘሰነፈት መልሓስ ተማጉተ ኣይክእሎን እየ። ንስኻ እንተኾንካ ንጻዕዳ ጸሊም እዩ ኢልካ ሰብ ትእምን ኢኻ።” በለኒ። ብዙሕ ከይጸንሐ ናብ ቤት ጽሕፈት OMN ከይዱ ቃለ መሕተት ከም ዝገበረ ሰማዕኩ። ነቲ ቃለ መሕተት ድሕሪ ምሃቡ ናባይ መጺኡ ስቅ ክብል ስለዘየኻኣሎ ከም ዝተዛረበ ነገረኒ። በይንና ንሰዓታት ተዘራረብና። ኦሮሞ ትማሊ ንኹሊ ነገር ጥሒሱ ከም ዘይወጸ ሕጂ ግን ንሓድሕዱ ምክሳሱ ከም ዘሕዘኖ ነገረኒ እሞ ብመሪሕነት ኦሮሞ ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ ኣዕለለኒ። ንሕርቃኑ ከዘሓሕል ኢለ “በቃ ኣይትሕሰብ ትደርፈሉ ሰብ ኣይትስእንን ኢኻ። ኣብ ቀረባ ግዜ ነዓይ ምቅታሎም ስለዘይተርፍ ክትደርፈለይ ኢኻ።” ኢለ ቀለድኩ። “ንስኻ ትመውት እንተትኸውን ጌና ቅድም ምሞትካ። ከም ድሙ 7 ነፍሲ እዩ ዘለካ። ቀልጢፍካ ኣይትመውትን ኢኻ። እኳ ደኣ ካብ ምእራግ ዝተላዕለ ክትጃጁ ኢኻ። ኣነ እየ ቀዲመካ ዝመውት።” ምስ በለኒ “ኣነ እምበር ቀዲመካ ክመውት ካልእ እንተዘይቀተለኒ እዚ ግዝፈይ ንልበይ ጸቂጡ ምትኳሱ ኣይተርፎን እዩ።” ኢልና እንዳተቀላለድና እንከለና ኮፍ ኢላ ቡን  ተፍልሓልና ዝነበረት ሓፍተይ “እንታይ እዩ ብሞት ምቅላድ” ኢላ ተቆጥዓትና እሞ ብቁጥዓኣ ሰንቢድና ኣርእስቲ ቀየርና። ሃጫሉ ክኸይድ ምስ ተበገሰ ድሕንነቱ ስለዘተሓሳሰበኒ ክልተ ካብ ሓለትውይ ሒዙ ንክኸይድ ተማሕጸንክዎ። ስግኣተይ ክቀትልዎ እዮም ዝብል ኣይነበረን። ኣብ መንገዲ ኣዕገርጊሮም ኣብ ስምዒት ከም ዝኣቱ ብምግባር ካልእ ሰብ ከም ዝጎድአ ኣምሲሎም ናብ ቤት ማእሰርቲ ንከይእትዉዎ እዩ ኔሩ ስግኣተይ። በዚ ምኽንያት እዩ ካብ ሓለውተይ ንክወስድ ዝነገርክዎ። ኣብ ልዕሊኦም ስጉምቲ እንተወሲዶም ስርሖም ስለዝኾነ እቲ ጉዳይ ኣይጋደድን እዩ። ንሱ ግን ሽግር የብሉን ብምባል ኣበየ። ድሕሪ እዛ ዕለት ብኣካል ኣይረኸብክዎን። ድሕሪ ገለ መዓልታት ብዘሕዝን ኣገባብ ቀተልዎ።

   ኣብታ ዝተቀትለላ ምሸት ሓደ በዓል ስልጣን ደዊሉ “ሃጫሉ ተጎዲኡ ይበሃል ኣሎ ሰሚዕካ ዶ?” በለኒ። ኣዝየ ሰንበድኩ ካብ ስንባደ ዝተላዕለ ኣብ ርእሰይ በረድ ዝተደፍአ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ደንዘዝኩ “እንታይ ኮይኑ ኢልካኒ?’ ደጊመ ሓተትኩ። “ሰብ እዩ ሃሪምዎ ኢሎሞ። ኣይተፈልጠን። ሓንቲ ሰብ እያ ደዊላ ንመሓዝኣ ነጊራ። እስኪ ቄሮታት ንክደልይዎ ኣብ ፈይስ ቡክ ለጥፍ።” በለኒ። እቲ ድሒሩ ዝበሎ ነገር ዝበለጸ ረበሸኒ “ብፖሊስ እምበር ብቄሮ ከመይ ጌርካ ይድለ። ብጂፒኤስ እታ ሒዝዋ ዘሎ ሞባይል ኣብ ውሽጢ ሰከንድታት ክርከብ እንዳተኻእለ ስለምንታይ ንቄሮ ንሕብር።” በልክዎ። ሃጫሉ ሞማቱ ድሕሪ ምርግጋጹን ዓስከሬኑ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱን ካልእ በዓል ስልታን መንግስቲ ዳግማይ ደዊሉ “ሃጫሉ ብሸኔን ወያነን እዩ ተቀቲሉ።” በለኒ። ኣነ ድማ “ኣብዚ ውሽጢ እዚ ሓጺር ግዜ መን ከም ዝቀተሎ ብኸመይ ክፍለጥ ተኻኢሉ እቲ ዘጥቅዖ ሰብ ዝረኣዮ ኣሎ ድዩ።” በልክዎ እሞ መልሲ ከይሃበኒ ስቅ በለ። “እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ እኳ እንተተታሕዘ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ፖለቲካዊ ጉጅለ ንክልለ ግን ግዜ ይወስድ እዩ። ፖሊስ ትኽክለኛ መርመራ የካይድ። ንሕጂ ብዘይ መረጋገጺ ናብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ጉጅለ ኢድ ምውጥዋጥ ኣብ ልዑል ግጭት ዝእትወና ስለዝኾነ ብግምት ካብ ምዝራብ ምቁጣብ እዩ ክሓይሽ።” በልክዎ። እቲ ካብቲ በዓል ስልጣን ዝሰማዕክዎ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ፈይስ ቡክ ተለጢፉ ረኣኽዎ። ሰበስልጣን መንግስቲ ጌና ብዘይዝኾነ መርትዖ እቲ ሬሳ እኳ ከይተመርመረ ንፖለቲካውያን ጉጅለታት ምጥቋሞም ኣብ መንጎ ኦሮሞ ከምኡ ውን ኣብ ካልኦት ብሄራት ግጭት ክፍጠር ከም ዝኽእል ሰጋእኩ። ንዝተወሰኑ ናይ ቄሮ ኣተሓባበርትን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለዉ ምሁራንን ኣዘራሪበ ነቲ ህዝቢ ብጎሳን ብሄርን ናይ ምብኣስ ውዲት ክህሉ ስለዝኽእል ብንቅሓት ተኸታቲልና ከነክሽፎ ከም ንኽእል ተረዳዳእና። ካልእ በዓል ስልጣን ኣብ ከውታ ለይቲ ደዊሉ መንግስቲ ንናይ ሃጫሉ ስነስርዓት ቀብሪ ኮሚተ ኣቊሙ ከም ዝተዳለወን ኣብ ፊንፊኔ ንክቅበር ከም ዝተወሰነን ነገረኒ። ንጽባሒቱ ተለቪጅን ምስ ወላዕኩ ግን ኣንጻር እቲ በዓል ስልጣን ዝበለኒ ይካየድ ከም ዝነበረ ተዓዘብኩ። እቲ ሬሳ ካብ ሆስፒታል ወጺኡ ህዝቢ ሒዝዎ ናብ ኣምቦ ክኸይድ ተመልከትኩ። መንግስቲ ናይ ጅግና መፋነዊ ክገብረሉ እየ ኢሉ ሕጂ ብኸመይ ንህዝቢ ኣሕሊፉ ሂብዎ። ብተወሳኺ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ኣብዘን ውሑዳት ሰዓታት መርመራ ተዛዚሙ ብኸመይ ተዳለወ ዝብሉ ሕቶታታብ ኣእሙሮይ ተመላለሱ። ነቲ ለይቲ መንግስታዊ ስነስርዓት ቀብሪ ከም ዝግበረሉ ዝነገረኒ በዓል ስልጣን ምስ ደወልኩ መንግስቲ ሓሳቡ ቀይሩ ኣምቦ ንክቅበር ከም ዝወሰነ ነገረኒ። ምኽንያቱ ምስ ሓተትክዎ ብሓጺሩ “ኣይፈልጥን እየ።” በለኒ ብስጭውጭው ብዝበለ ድምጺ። ነቲ ዓስከሬን ዓጂቦም ናብ ኣምቦ ዝኸዱ ሰበስልጣን መንግስቲ በዓል መን ከም ዝኾኑ ምስ ሓተትክዎ “ወለሓደ የለን። ህዝቢ እዩ ዝወስዶ ዘሎ።” በለኒ። ብሌን ዓይኒ ህዝቢ ኦሮሞ ዝኾነ ንህብን ሃገርን ልዑል ኣስተዋጽኦ ዝገበረ ከም ሃጫሉ ዝኣመሰለ ሰብ ዓስከሬኑ ብኸምዚ ይድርበ ኢለ ብጣዕሚ ሓረቅኩ። ምሸት ምስ ሓለውተይ ክዘራረብ ከለኹ ናብቲ ዓስከሬን ዘለዎ ሆስፒታል ወይ ድማ ናብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ምኻድ ሓደገኛ ከም ዝኾነ ምስ ተማሕጸኑኒ ንዘይምኻድ ወሲነ ነበርኩ። ካብቲ በዓል ስልጣን ዝሰማዕክዎ ነገር ግን ከዕብደኒ ደለየ። ደመይ ፈለሐ። እቲ ዝሞተ ኣነ እንተዝኸውን እሞ ዓስከሬነይ ብኸምዚ ኣገባብ ተደርብዩ ሃጫሉ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ ዶ ምተዓዘበ ኢለ ንነብሰይ ሓተትኩ። ኣእሙረይ ዝሃበኒ መልሲ ሃጫሉ ነዓይ ይትረፍ ነቶም ሎሚ ንቀብሩ ዘነኣኣሱ ሰብስልጣን እኳ እንተዝሞቱ ሓሚሙ ኣብ ዓራት እንተዝህሉ ውን ተንሲኡ ምኸደ። ብቃሬዛ ውን ይኹን ተሓዚሉ ንኹላትና ብምጽዋዕ ኣበረታቲዑ ምወሰደና ዝብል ነበረ። ሽዑ  ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ክርከብ ኣለኒ ኢለ ሓሰብኩ። ሓለውተይ ከምቲ ምሸት ተዘራሪብና ዝተሰማማዕናዮ ናብ ቀብሪ ከም ዘይከይድ እዩ። ክኸይድ ከም ዝወሰንኩ ምስ ሰምዑ ብስንባደ መጺኦም ማዕጾ ዓጸዉኒ ካብ ኮፍ ዝበልክሉ ንከይትንስእ ውን ከልከሉኒ። ናይ ገዛ ኣቁሑት ሰባቢረ ብሓይለይ ወጻኹ። ምስ ወጻኹ ሰብ ጸጋን ሽማግለታትን ኣብ ካንሸሎ ረኣኹ። ምሳይ ከይዶም ኣብ ሓደጋ ንከይእትዎም ፈሪሐ ክንዘራረብ ኢለ ናብቲ ኣብቲ ቀጽሪ ዝርከብ ቤት ጽሕፈተይ ምስ ኣእተኽዎም ብድሕሪት ወጺኤ ናብ መኪና ኣትየ ካብኦም ሃደምኩ።ፕሮፌሰር መረራ ግን ንከይከይድ ምስ ለመነኒ ብውሕዱ ሬሳ ኣፋንየ ክምለስ እየ ኢለ ኣምእመንክዎ። ንሕና ኣብቲ ቦታ ክንበጽሕ እንከለና እቲ ዓስከሬን ካብ ሆስፒታል ወጺኡ እኳ እንተነበረ ካብቲ ከባቢ ግን 1 ኪሜ ውን ትኹን ምንቅ ኣይበለን። ብጣዕሚ ብዙሕ ህዝቢ ብምንባሩ እቲ መንገድታት ኣዝዩ ተጨናኒቁ ነበረ ህዝቢ ኣብ ፊንፊኒ እምበር ኣምቦ ክቅበር የብሉን ብምባል ብተቋውሞ መንገዲ ዓጽዮም ሬሳ ምሕላፍ ከሊኦም ነበሩ። እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ብዙሓት መካይን ሒዞም ብምንባሮም ድምጻዊ ጋላላ ጋሮምሳ መጺኡ እቲ ዓስከሬን ከይተበላሸወ እንከሎ ብፍጥነት ናብ መቅበሪ ቦትኡ ንክበጽሕ ንሕና ወጺና ክንሕግዞም ሓተተና። እቲ ዓስከሬን ኣብ መዝሓሊ ዘለዋ መኪና ተጻዒኑ ኣብ ክንዲ ዝኸይድ ኣብ ሓንቲ ናይ ግሊ መኪና ተጻዒኑ ብምንባሩ ግዜ እንዳኸደ ምስ ከደ ክበላሾ ከም ዝኽእል ነገረና። ነተን ዝነበራና መካይን ኣብ ክልተ ከፊልና ነታ ዓስከሬን ጽዒና ዝነበረት መኪና ብቅድሚትን ድሕሪትን ዓጂብና ክንከይድ ጀመርና። እቲ ህዝቢ ግን እቲ ዓስከሬን ካብ ከተማ ክወጽእ ይደልዮ ስለዘይነበረ በቲ ንደልዮ ዝነበርና ፍጥነት ከኺደና ኣይከኣለን። መንገዲ ምስ ተዓጽወና ካብ መኪና ወሪድና እንዳለመንና መንገድና ቀጸልና። ካብ ከተማ እንዳረሓቅና ምስ ከድና ምንቅስቃስ ብዝበለጸ እንዳሸገረና መጸ። ካብ ቡራዮ ሕልፍ ምስ በልና ካብ ኣምቦ በንጻር መንገዲ ብሲኖ ትራክ ተጻዒኑ ዝመጸ ህዝቢ መንገዲ ክዓጽወና ጀመረ። ሓደ ሰብ ካብ ጁቡኡ ካራ ኣውጺኡ ኣብ ክሳዱ ብምግባር “ነብሰይ ካብ ዘጥፍእ ነዚ ዓስከሬን ናብ ፊንፊኒ ምለስዎ።” በለኒ። ኣነ ካብ መኪና ብምውራድ ኣረጋጋእክዎ። ካብኡ ሓሊፍና ኣብ ሓደ መስቀላዊ መንገዲ ምስ በጻሕና ሲኖትራክ መሊኤን ክንሓልፍ ከም ዘይንኽእል ምስ ረኣና ገላና ንፕረዚደንት ኦሮምያ መለሰ ኣብዲሳ ደዊሉ ብዛዕባ ሽግርና ነገሮ። “ምሕላፍ እንተኣቢኹም ናብ ከተማ ተመለሱ እሞ ፖሊስ ክሰደልኩም እየ።” በሎ። ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ ቡራዩ ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ መደበአር ፖሊስ ክንጽበ እኳ እንተጀመርና እቲ ክመጸኩም እዩ ዝተባህለ ሓይሊ ፖሊስ ሽታ ማይ ኮነ። ኣብቲ ቦታ ብዝጸናሕናሉ መጠን ብዝሒ ህዝቢ እንዳወሰኸ ከቢድ ሓደጋ ክፍጠረሉ ዝኽእል ዕድል እንዳሰፍሐ ከም ዝመጸ ረኣና። እቲ ዝነበርናዮ ኣብ ማእከል ከተማ ብምንባሩ ግጭት ከይፍጠር ኣዚና ፈራሕና። ዝገብሮ ምስ ጠፍኣኒ ነቲ ኣብቲ እዋን ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ታከለ ኦማ ደዊለ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ሓተትክዎ። ምስ ሽመልስ ከም ዝተዘራረበን ነቲ ዓስከሬን ድማ ናብ ፊንፊኒ ክንመልሶን ነገረና። ናብ ፊንፊኒ ምስ ተመለስና እቲ ዓስከሬን ናበይ ነብሎ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ክንዘራረብ ምስ ጀመርና 3 ኣማራጺታት ቀረበ። ቤት ጽሕፈት ከንቲባ፥ ስታድየም ወይስ ማእከል ባህሊ ኦሮሞ። ማእከል ባህሊ ኦሮሞ ብፖሊስ ኦሮምያ ዝሕሎ ብሙዃኑ ሽግራት ንምጉዳል ዝሓሸ ከም ዝኾነ ተሰማማዕና። ካብ ቡራዮ ተበጊስና ብፍጥነት እንዳተጓዓዝና ካብ ኣጋር ህዝቢ ብምህዳም ኣብ ማእክርል ባህሊ ኦሮሞ ኣምራሕና። ኣብዚ ግዜ ኣብ ኩሉ ዝበጻሕናዮ ቦታታት ንሰበስልጣን መንግስቲ ብተሌፎን እንዳሓበርና ንኸይድ ነበርና። ኣብ ማእከል ባህሊ ኦሮሞ ምስ በጻሕና ፖላይስ ንከይንኣቱ ከልከሉና። ንመጽእ ከም ዘለና እቶም ሰበስልጣን መንግስቲ ስለዘይነገርዎም ምስ ሓለውትና ተፋጠጡ። ናብ ታከለ ደወልኩ እሞ ነታ ተሌፎን ነቲ ኣብ ኣፍደገ ዝነበረ ኣዛዚ ፖሊስ ሂበ ምስ ኣዘራረቦ ኣፍቀደልና እሞ ኣተና። ብዙሕ ከይጸንሐ ታከለ መጸ። ኮሚሽነር ደቻሳ ቢቲማ ውን ሰዓቦ። ህዝቢ መንገዲ ስለዝዓጸዎን ሎሚ ናብ ኣምቦ ክንከይድ ስለዘይከኣልን ንሎሚ እቲ ሬሳ ኣብዚ ሓዲሩ ንጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ናይ መፋነዊ ፕሮግራም ተጌሩ እቲ ሬሳ ንቀብሪ ይሰደድ ምስ በልክዎ ታከለ ምስምምዑ ገለጸ። ሙቀት ጸሓይ ነቲ ዓስከሬን ይጎድኦ ብምንባሩ መዝሓሊ ዘለዋ መኪና ንክትመጽእ ውን ተረዳዳእና። ኣብ መንጎ ንታከለ ዝኾነ ደወል ተደዊልዎ ድሕሪ ብዝርራቡ ገጹ ብስንባደ ምሒር ክለዋወጥ ረኣኹ። “ነዓ ብመኪናይ ሓቢርና ኬድና ፍሪጅ ነምጽእ።” በለኒ። ኣነ ውን ዝኾነ በዓል ስልጣን ነገራት ናበይ ገጾም ይኸዱ ከም ዝነበሩ ዝገልጽ መልአኽቲ ሰዲዱለይ ብምንባሩ ስንባደ ታከለ ተረድኣኒ። ነዓይ ካብቲ ቀጽሪ ኣውጺኡ ሂወተይ ከድሕን ይደሊ ከም ዘሎ ስለዝተረዳእኩ ምስኡ ከይደ ንዓይን ንዕኡን ኣብ ሓደጋ ንከይእቱ መታን “ኣይይ ንስኻ ባዕልኻ ኬድካ ኣምጽእ።” በልክዎ። ታከለ ምስ መጸ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ደቃይቅ ወተሃደራት ምክልኻል መጺኦም “ነቲ ዓስከሬን ኣምጽእዎ” በሉኒ ኣነ ውን “ነሀለኩም ውሰድዎ” በልክዎም። ክመጹ እንከለዉ ኣብ መሬት ኪፍ ኢለ ነበርኩ። ናብኡ ክመጹ እንከለዉን ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑን ዝረኸብዎ ነገር ክመሳሰለሎም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ገጾም ናይ ምድንጋር ስምዒት ይንበብ ነበረ። ነቲ ዓስከሬን ኣይንህበኩምን ኢና ንብሎም መሲልዎም ነበረ። እቲ ምስኦም ዝመጸ ኣዛዚ ብሬድዮ ርክብ “ ከምቲ ዝተባህለ ኣይኮነን” ኢሉ በምሓረኛ ክዛረብ ሰማዕክዎ። ነቲ ኣዛዚ ብኢደይ ጸዋዕክዎ እሞ “እንታይ እዩ? ሽግር ኣሎ ድዩ?” ኢለ ምስ ሓተትክዎ። “እቶም ዝጨወኹሞም ሰብስልጣን መንግስቲ ኣበይ ኣለዉ?” ኢሉ ሓተተኒ። “ዝጨወናዮ በዓል ስልጣን የለን። ከንቲባ ታከለ ኣብዚ ጸኒሑ ንሱ ውን ሕጂ ወጺኡ።” በልክዎ። እቲ ኣዛዚ ሕጂ ውን ኣብ ገጹ ናይ ምድንጋር ስምዒት ይርአ ነበረ። ብሬድዮ ተዛሪቡ ተመልሰ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተወሰኽቲ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮሚያ ብምምጻእ ንወተሃደራት ምክልኻል ኣብ ከበባ ኣእተዉዎም። ኣብ መንጉኦም ድማ ውጥረት ተፈጥረ። ኣብ ሰለስተ ሓይልታት ምትፍናን ተፈጥረ። ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮሚያ፥ ሰራዊት ምክልኻልን ናተይ ሓለውትን። ሰልስቲኦም ወገናት ሽጉጦም ኣብ ዝዓመርሉ እዋን ብሃንደበት ተዂሲ ክኸፍቱ ስለዝኽእሉ ንኣዛዚ እቶም ሰራዊት ጸዊዐ “እዚ ምፍጣት ዘፍርሕ እዩ። ብሃንደበት ሓብቲ ጥይት እንተተኲሳ ኩላትና ምጥፋእና እዩ። ስለዚ ንስኻ ወተሃደራትካ ኣውጽእ። ኣነ ውን ዕጥቂ እቶም ዝሕልዉኒ ከፍትሕ እየ። ድሕሪኡ ፖሊስ ኦሮሚያ ነቲ ኩነታት ከም ዝቆጻጸር ክንገብር ኢና።” በልክዎ። ንሱ ውን ካባና ርሒቁ ከይዱ ብሬድዮ ድሕሪ ምዝርራቡ ሰራዊቱ ሒዙ ከደ። ፖሊስ ኦሮሚያ ውን ከቢቡ ንክሕልወና ኣተወ። ቀጺሉ ሓደ ኣዛዚ ፖሊስ ኦሮሚያ መጺኡ “ኣብ ትሕቲ ቁፅር ኣእትዉዎም ተባሂልና።” በለኒ። ኣነ “ሽግር የለን ናብዚ ተጸጋዕ እሞ ክንዘራረብ።” በልክዎ። ነግፈረግ እንዳበለ ናብ መኪናይ ኣተወ። “ኣይትሕሰብ ኣነ ነቶም ዝሕልዉኒ ዕጥቆም ከፍትሖም እየ። ንስካ ንኣባላት ፖሊስ ኣረጋግኣዮም።” በልክዎ። ሽዑ ንኣዛዚ እቶም ሓለውተይ ዝኾነ ጌቱ ተረፈ ጸዊዐ ነቲ ዓጢቆሞ ዝነበሩ መሳርያታት ናብ ፖሊስ ንከረክቡ ኣዘዝክዎ። ዕጥቁ ብስምዒት እንዳበኸየ ሃቦ ናይቶም ካልኦት ውን ተቀቢልካ ሃቦ ኢለ ኣዘዝክዎ። ድሕሪኡ ኣነን በቀለን ምስቲ ኣዛዚ ፖሊስ ብናተይ መኪና ክንከይድ ምስ ጀመርና ሃምዛ ቦሮና ካብ ጀውሃርን በቀለን ኣይፍለይን እየ ብምባል ነቶም ፖሊስ ለሚኑ ተጸንበረና እሞ ኣብቲ ኣብቲ ቀጽሪ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኦዴፓ ኣምራሕና። ኣብቲ በረንዳ ልዕሊ 3 ሰዓታት ጸናሕና። ምእሳርና ርጉጽ ብምንባሩ በቀለ ካብ ዝነበሮ ተመኩሮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንታይ ክጸንሓና ከም ዝኽእል እንዳገለጸ ናይ ስነልቦና ምድላዋት ክንገብር ጀመርና። ኣብ ምምሳዩ ናይ ፈደራል ፖሊስ ክወስዱና መጹ። ፖሊስ ኢሮምያ ንዓና ንከረክቡ እኳ እንተተማትኡ ንሕና ግን ኣረጋጊእናዮም ናብታ ሓጺን ለበስ ናይ ፈደራል መኪና ኣተና።

 ካብ ማእከል ባህሊ ኦሮሞ ተወሲድና ናብቲ  ሳልሳይ ተባሂሉ ዝፍለጥን ኣብ ጎኒ እቲ ናይ ቅድም ማእከል ኣዳራሽ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ በጻሕና ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ጽሕፈት ብብዝሒ ኣብ ኣፍደገ ተጸበዩና። ኣብ ገጽ ኣበዝሑ ሓጎስ ይንበበ ነበረ ዝሓዘኑ ውን ኔሮም እዮም። ናብ ውሽጢ ኣቲና ድሕሪ ምምዝጋብና ናይ ጥዕና መርመራ ንምግባር ናብ ሓደ ክፍሊ ምስ ኣተና እቲ ዕድሚኡ ኪድ ዝበለ ሓኪም ነዓይ ምስ ረኣየ ኣዒንቱ ንብዓት ስለዝመልኣ ገጹ ኣዚሩ ጸረጎ። መንኩቡ ጠብጥብ ኣቢለ “ኣጆኻ!” በልክዎ። “ነዓኻ ብዓይነይ ንክርኢ ዓቢ ትምኒት እዩ ኔሩኒ። ብኸምዚ ዓይነት ኩነታት ክርኤካ እየ ኢለ ግን ሓሲበዮ ኣይፈልጥን እየ።” በለኒ። “ኣጆኻ እዚ ውን ኣካል ናይቲ ቃልሲ እዩ።” ኢለ ተሰናበትክዎ። ነዓይን ነበቀለን ናብ ሓንቲ ክፍሊ ኣእትዮም ፍርናሽን ሓንቲ ንእሽተይ ኮቦርታን ሂቦም ዓጼሙና ከዱ። ኣዝየ ደኪመ ስለዝነበርኩ ድቃስ ሒዙኒ ከደ። ለይቲ ክከፍትዎ እንከለዉ ድምጺ ናይቲ መዕጸዊ ሓጺን ካብ ድቃሰይ ኣተንስኣኒ። መሸጎሪ እቲ ማዕጾ ሓጺን ስለዝነበረ ድምጹ ረባሺ ነበረ። ማዕጾ ከፊቶም ናብ ሽቃቅ ወሲዶም ክመልሱና እንከለዉ ነዓይን ነበቀለን ፈላልዮም ኣብ በበይኑ ክፍልታት ኣእተዉና። ሕጂ ውን ሽዑ ንሽዑ ድቃስ ሒዙኒ ከደ እሞ ንግሆ ንሽንቲ ከተንስእኒ ከለዉ ተበራበርኩ። እታ ዝነብርክዋ ክፍሊ ካሜራ ከም ዘለዋ ኣስተውዓልኩ እሞ ትሰርሕ ድያ ኣይትሰርሕን ንከረጋግጽ ኣብ መንደቅ ጽግዕ ኢለ ብጸጸር ዝኾነ ነገር ጸሓፍኩ። እቶም ፖሊስ መጺኦም ንከይጽሕፍ ነገሩኒ እዚ ድማ እታ ካሜራ ከም ዝሰርሕ ኣረጋገጸለይ። ቀጺለ ድምጺ ይሰርሕ እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ገጸይ ካብታ ካሜራ ኣዙሬ ነቶም ፖሊስ ጸዋዕክዎም ወለሓደ ዝመጸ ኣይነበረን። ናብታ ካሜራ ቅርብ ኢለ ኢደይ ምስ ኣወዛወዝኩ ግን መጹኒ። በዚ ድማ ድምጺ ከም ዝሰርሕ ከረጋግጽ ከኣልኩ። ንቁርሲ ሻህን ባንን ሒዞምለይ ምስ መጹ ኣኡበልዕን እየ በልክዎም። ለይቲ ከይፈላለዩና ከለዉ በቀለ ብመርዚ ክቀትሉኻ ስለዝኽእሉ ዝህቡኻ መግቢ ከይትበልዕ ማይ ውን ከይትሰቲ ኢሉ መኺሩኒ ስለዝነበረ ንድሕነተይ ስለዝሰግእ መንግስቲ ዘቅርበለይ መግቢ ከም ዘይጥቀም ነገርክዎም። ፖሊስ ከእምኑኒ ፈቲኖም ምስ ተሓለሉ ምስ ሓለፍቶም ክዘራረቡ ሙዃኖም ነጊሮምኒ ከዱ። ድሕሪ እዚ ምስ ስድራቤት ተዘራሪቦም መግቢ ካብ ገዛ ኣምጹለይ። ነቲ መግቢ ምስ ኣምጹለይ “ዘምጻኦ ሰብ ከይረኣኹ ካብ ገዛ ከም ዝመጸ ከረጋግጽ ስለዘይክእል ኣይበልዕን እየ።” በልክዎም። እዚ ምግባረይ ንድሕነተይ ሰጊኤ ጥራይ ዘይኮነስ ስድራቤተይ ብሂወት ከም ዘለኹ ርእዮም ንክረጋግኡ ዝገበርክዎ ነበረ። ፖሊስ ንስድራቤተይ ንውሽጢ ኣእትዮም መግቢ ባዕሎም ከም ዘረክቡኒ ገበሩ። ንከይዛረቦም ብምባል ርሒቆም ደው ከም ዝብሉ ገበርዎም። ምስ ተታሓዝና ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቀርብ ገበሩኒ። እቶም መርመርቲ ንዓስከሬን ሃጫሉ ብሓይሊ ናብ ፊንፊነ ብምምላስን ብሞት ሓደ ፖሊስን ከም ዝጥርጥሩኒ ብምግላጽ ነቲ ዳኛ ኣረድእዎ። ኣብ ማእከል ባህሊ ኦሮሞ ፖሊስ ከም ዝሞተ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ሰማዕኩ። ንዓስከቴን ሃጫሉ ምስ ሰብስልጣን መንግስቲ ተዘራሪበ ከም ዝመለስክዎ ሓቂ እኳ እንተነበረ ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ፖሊስ ግን ዝፈልጦ ነገር ከም ዘይነበረ ነቲ ዳኛ ነገርክዎ። ካብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምምላሰይ ሓለውተይ ብቀዳድ እቲ ማዕጾ ምስ ሓተትክዎም ሓደ ኣባል ፖሊስ ካብ መንጎ እቶም ናይ ኦሮምያ ፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ከም ዝሞተ ኣረጋገጹለይ።

 ቤት ፍርዲ ነቲ ፖሊስ ንመርመራ የድልየኒ እዩ ኢሉ ዝሓተቶ 14 መዓልታት ድሕሪ ምፍቃዱ። ገዛይ ንምፍታሽ ሒዞምኒ ከዱ። እቶም ዓጂቦምኒ ዝነበሩ ቀይሕ ቆቢዕ ዝለበሱ ኮማንዶ ብብዙሓት ሓጺን ለበስ መካይን ተዓጂቦም መትርየስን ስናይፐርን ውን ዓጢቆም ስለዝነበሩ ንሓደ እሱር ሒዞም ብኸተማ ዝጎዓዙ ዘለዉ ዘይኮነስ ናብ ዓውደ ኲናት ዝጎዓዙ ዘለዉ እዮም ዝመስሉ። ገዛይ ምስ በጻሕና ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ንሰዓታት ፈቲሾም ድሕሪ ምብትታኖም ዝረኸብዎ ወረቀት ኮምፒተርን ተሌፎናትን ኣከብዎ። እቲ ዶላራት ኣበይ እዩ ዘሎ ኢሎም ምስ ሓተቱኒ “የብለይን ተረኺብኩም ፈትሹ!” በልክዎም። ካብ ጁባ እቶም ካብ ኣሜሪካ መጺኦም ምሳይ ቀንዮም ዝኸዱ መንእሰያት 20$ ጥራይ ረኸቡ። ክንወጽእ ምስ በልና ፖሊስ ሓደ ኣብ መደቀስየይ ዝነበረ ምስጢራዊ ካዝና ስድራቤተይ ናልባት ኢሎ ካብ ሓቢኦሞ ዝነበሩ ቦታ ረኸብዎ። ኣዝዩ ዓቢ ነገር ዝረኸቡ መሲልዎም ተሓጎሱ። ዝኾነ ነገር ከም ዘይብሉ ይፈልጥ እኳ እንተነበርኩ ዝሰንበድኩ መሰልኩ። መፍትሑ ስለዘይተረኽበ ጽዒናዮ ናብ መደበር ፖሊስ ከድና። ንጽባሒቱ ብዙሓት መሰኻክርን ሜድያታትን ጸዊዖም ሰባሪ ካዝና ውን ኣምጺኦም ናብ ምስባር ኣተዉ። እቲ ሰብኣይ ነታ ካዝና ክሰብር ምፍሕፍሑ ምስ ጀመረ ንድሕሪት ኣድሓርሓርኩ እሞ ኩሉ ሰብ ብስንባደ ንድሕሪት ኣበለ። ክስሕቅ ምስ ጀመርኩ ይጻወት ከም ዘለኹ ተረዲእዎም ደው በሉ። ድሕሪ ብዙሕ ፈተነ እቲ ካዝና ምስ ተኸፍተ ንእስ ዝበለ መጠን ዘለዎም ወረቃቅትን ውሑድ ናይ ኢትዮጵያ ብርን ኣብ ውሽጢ ተረኽበ። እቲ ኣብኡ ዝነበረ መርማሪ ስለዘይኣመነ ምናልባት እቲ ካዝና ሕቡእ ኣካል ከይህልዎ ጽቡቅ ጌርኩም ፈትሹ በሎም እሞ ነታ ካዝና ሰባበርዋ። እንተኾነ ዝኾነ ነገር ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ንተወሳኺ ክልተ መዓልታት እንዳመላለሱኒ ፈተሹ። ኣብ ዚንጎ ዝነበረ ኣንቴንያ ብምርኣይ “እዚ ድዩ እቲ ሳተላይት?” ክብሉ ሓተቱኒ ስቅ ምስ በልኩ ዝከሓድኩ መሲልዎም ነታ ኣንቴንያ ሰቢሮም ወሰድዋ እሞ ኣማስያኡ ናይ ጀዋር ሳተላይት ተታሒዙ ክብሉ ኣብ ዜና ከምዘቅረቡ ሰማዕኩ። እንተኾነ እቲ መሳርያ መከፋፈሊ ኢንተርነት ኣምፕሊፋየር እምበር ሳተላይት ኣይነበረን። ገዛና በዓል 4 ደርቢ ስለዝነበረ ኢንተርነት ብዘይምቁራጽ ናብ ኩሉ ክፍልታት ንክበጽሕ ኢልልና ዝገበርናዮ ነበረ። ኣብ መደበር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ ብዙሓት ሰባት ተታሒዞም ከምጹ ጀመሩ። ካብ ፖለቲከኛታት እስክንድር ነጋ ይሊቅ ቃልጌትነትን ካልኦትን ተታሒዞም መጹ። ንእስክንድር ንሕና ምስ ተኣሰርና ድሕሪ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልታት ኣዮም ኣምጼሞ። ሓደ ናይ ድሕንነት ሓላፊ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ “መን ተኣሲሩ መን ክተርፍ” ብምባል ንእስክንድር ብናተይ ምእሳር ናቱ ወገናት ብምሕጓሶም ከም ዝኣሰርዎ ነገረኒ። “ነዓይ ኢልኩም እንተደኣሲርክሞ በጃኹም ኢለኩም ሕጂ ፍትሕዎ። ከም በዓል እስክንድርን በቀለን ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ መሪሕነት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰዝጸንሑ ነዓይ ኣጽኒሕኩም ስደድዎም።” ብምባል ተማሕጸንክዎ። እቲ ሰብ ካባይ ዘይተጸበዮ መልሲ ምስ ሰምዐ “ንሱ ንስኻ ትውስኖ ኣይኮነን።” ብምባል ናብ መእሰሪ ክፍለይ ንክመልሱኒ ኣዘዘ። ቡንቱ፡ በቀለ ገርባን፡ጫልቱ ታከለን ኣብ ስግርና ኣብ ዝነበረ ክፍሊ ኣሰርዎም። ጫልቱ ኣብ ዘመነ ኢሃዲግ ን9 ዓመታት ናይ ፖለቲካ እስርቲ ነበረት። ሕጂ ድማ ወሊዳ ሓራስ እንከላ እያ ካብ ህጻና ፈልዮም ኣምጺኦማ። ታሪኻ ስለዝፈልጦ ሓደ ንግሆ እቲ ናይ ሓራስ ጡባ መሊኡ ኣሸጊርዋ ኣብ ደገ ዘወር ክትብል እንከላ ኣዝየ ሓዘንኩላ። ንሳ ግን ዳግማይ ምእሳራ ወለሓደ ከይመሰላ ንዓይ ንከተበራትዕ ትፍትን ነበረት። ብዛዕባ ቅትለት ሃጫሉ ኣብቲ መደበር ፖሊስ መርመራ ይካየድ ስለዝነበረ ካብ ጥርጡራትን መርመርትን ሓበሬታ ይረክብ ነበርኩ። ቦንቱን ጫልቱን ሃጫሉ ክቅተል እንከሎ ምስኡ ምስ ዝነበረት ጓል ተኣሲረን ብምንባረን ቅድሚ ምውጻኣ ዝነገረተን ሓበሬታ ኣካፈላኒ። ኣብተን ውሑዳት መዓልታት ዝተረድኣኒ ነገር እንተኔሩ ንሃጫሉ ዝቀተሎ ኣካል ካብ ምርካብ ንላዕሊ ንክሓብእዎ ይደልዩ ከም ዝነበሩ እዩ። ንቀተልቱ ረኺቦም ፍትሒ ካብ ምርካብ ንተቋወምቲ ኣሲሮም ፖለቲካዊ ጥቅሚ ኣብ ምርካብ ኣተኮሩ። ንኣብነት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ናብቶም ብቅትለት ናይ ሃጫሉ ተጠርጢሮም ዝተታህዙ ሰባት ብኣካል ብምምጻእ ነቲ ቅትለት ዝኣዘዝናዮ ኣነ ጆሃር መሓመድ፡ ኮነሬል ገመቹ ኣያናን በቀለ ገርባ ከም ዝኾንና ንክዛረቡ ዝተፈላለዩ ጥቅማጥቅሚ ንክህብዎም ቃል ብምእታው ንከእምንዎም ፈተኑ። ነቶም በቲ ዝ          አረበሎም ጥቅማጥቅሚ ንክኣምኑ ዘይፈቀዱ ከቢድ ማህረምቲ ኣውረዱሎም። ካብኡ ሓሊፍም ውን ነቲ ገበን ብፍትሓዊ መንገዲ ንክምርመሩ ዝፈተኑ ኣባላት ፖሊስ ውን ናብ ካልእ ቦታ ከም ዝዘዋወሩ ተገበረ። ዝረኸብናዮ መርመራ ከም ዘርእዮ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ሃጫሉ ዝረብሕ ምርመራ ኣይተኻየደን። ካብዚ ብብጋስ ንሓጫሉ መን ከም ዝቀተሎ እኳ እንተዘይፈለጥኩ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ እቲ ሓቂ ንከይወጽእ ኩሉ ዝከኣሎም ይገብሩ ከም ዝነበሩ ግን ይፈልጥ እየ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ካብቲ ዝነበርናዮ መደበር ፖሊስ ወሲዶም ናብቲ ኣብ ሜክሲኮ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት መርመራ ፈርደራል ፖሊስ ወሰዱና። ኣብቲ ግዜ ምሳይ በቀለ፥ሓምዛን ሸምሰዲን ጣሃን ነበሩ። እቲ ቦታ ኣቀዲሙ ኣባይ ጸሃየ ዝመርሖ ዝነበረ ናይ ፈደራል ሚኒስተር ቤት ጽሕፈት ከም ዝኾነ ፈደራል ፖሊስ ሕጂ ይቅበለና ከም ዘሎን ኣብኡ ክንእሰር ሙዃንናን ተነግረና። ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ንዓይን ንበቀለን ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ኣእትዮሙና እኳ እንተነበሩ ንጽባሒቱ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት በበይንና ኣሰሩና። እቲ ተኣሲርናሉ ዝነበርና ክፍልታት ኣብ ትሕቲ እቲ ህንጻ ኣብ ዝርከብ በይዝመንት ስለዝነበረ ካብ ምሒር ምዝሓሉ እቲ ካብ ገዛ ዝመጸና መግብታት ንመዓልታት ኣይበላሾን ነበረ። ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ንሽንቲ ከምኡ ውን 30 ደቂቅ ማለት ንግሆ 15 ምሸት 15 ደቂቅ ጸሃይ ክንህረም የውጹና። ወቅቱ ክረምቲ ስለዝነበረ ጸሓይ ብዙሕ ስለዘይንረኽባ ኣብቲ ቀጽሪ ዘወርወር ኢልና ንኣቱ። ንጸሃይ ኮነ ንሽንቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እምበር ብሓንሳብ ኣየውጹናን ነበሩ። እዚ ዝገበርሉ ምኽንያት ኣብ ንራኸብሉ ግዜ ሓበሬታ ንከይንለዋወጥን ኣብ ልዕሌና ስነልቦናዊ ተጽዕኖ ንምግባር ዝዓለመ ይመስል። ናባና ቀሪቦም ማዕጾ ዝኸፍቱልናን ናብ ሽንቲ ቤት ዝወስዱናን ኦሮሞ ዘይዛረቡ ፖሊስ ነበሩ። እቶም ኦሮሞ ዝዛረቡ ፖሊስ ዕጥቆም ዓጢቆም ካባና ርሒቆም ይሑልዉና እምበር ክቀርቡና ኣይፍቀዶምን ነበረ። ኣብቲ መጀመርታ እቶም ፖሊስ ኣዝዮም ከም ዝፈርሑናን ሓደሓደ ውን ከም ዝጸልኡናን ኣብ ገጾም ይንበብ ነበረ። ናብ ሽንቲ ቤት ክወስዱና ከለዉ ከማን ሽጉጦም ዓሚሮምን ብብዝሒ ዓጂቦምን ይወስዱና ነበሩ። ንግሆ ኣብ ፊስቶ ብዝሓደረን ዛሕሉ ክሳብ ዓጽምኻ ዝስመዓካ ማይ ንሕጸብ። ማዕጾ ክንዓጹ ስለዘይፍቀድ እቶም ፖሊስ መሳርኣኦም ሒዞም ኣብ ጥቃና ደው ይብሉ። ሓደ ሰሙን ኣዋልድ ፖሊስ ተመዲበናለይ ነበራ እሞ ኣብ ጎነይ ደው ክብላ ግዜታ ኮይንወን ናብ መሬት ገጸን ተደፊኤን ደው ይብላ ብምንባረን ኣሕዚነናኒ ንሓለቅአን ተዛሪበ ንከይምድብወን ኣእመንክዎ። እቶም ፖሊስ ምስ ግዜ እንዳቀረቡና ምስ ከዱን ግዜ ምስ ሓለፈን ከም ስድራቤት ኮንና። ንፍርሒ እቶም ፖሊስ ንነብስናን ንዕኦምን ብምኽባር ኢና ከም ዝእለ ጌርናዮ። ሙሉእ ስልጣን ዘለዎ ፖሊስ ከም ዝኾነ ብምሕሳብ ንስልጣኖም ምኽባር ኣድላዩ እዩ። ብፍላይ ፍሉጥ ሰብ እንተኾይንካ ይንዕቀና እዩ ኢሎም ስለዝሓስቡ ሓይሎምን ልዕሌኻ ከም ዝኾኑን ከርእዩኻ ይደልዩ እዮም። ስለዚ ንዕኦምን ንሞይኦምን ከም ተኽብሮ ብምርኣይ ብነብሶም ከም ዝተኣማመኑ ምግባር ኣድላዩ እዩ። ብነብሱ ዝተኣማመን ፖሊስ ይኣመንካ እዩ። ከተኽብሮ እንከለካ የኽብረካ። ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ክእሰሩ እንከለዉ ብተግባራት መንግስቲ ምስ ሕርቃኖምን ስምዒቶምን ስለዝመጹ እቲ ኣብ ጎኖም ዝርእይዎ መንግስታዊ ኣካል ውን ፖሊስ ስለዝኾነ ሕርቃኖም ኣብ ልዕሊ ፖሊስ የውጽኡ። ሓደ ናይ ፖለቲካ እሱር ክፈልጦ ዘለዎ ሓደ ፖሊስ ኣብ ናይ ምእሳሩ መስርሕ ተሳታፍነት ከም ዘይብሉ እዩ። ብዓይኒ ጽልኢ ምጥማት ነቲ ናይ ማእሰርቲ ጻንሖትካ ኮነ ነቲ ፖሊስ ከቢድ ከም ዝኸውን ይገብሮ። ብኻልእ ወገን ንስልጣን ፖሊስ ከነኽብር ከም ዘለና ሰብኣዊ መሰላትኩም ውን ከተኽብሩ ኣለኩም። ካብ ህጊ ወጺኦም ብዘይስነምግባር ምስ ዝመጹኹም ስነስርዓት ብዘለዎ ሓያል መርገጺ ምግጣም ኣገዳሲ እዩ። ካልእ ንሕግታትን ደንብታትን እቲ ቤት ማእሰርቲ ብምጽናዕ  ፖሊስ ኣብ መሰልኩም ኣትዮም ምስ ዝደፍርኹም ብትዕግስቲ ምቅላስ የድሊ። በቀለ ቅድሚ ህጂ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናትን ቦታታትን ተኣሲሩ ስለዝነበረ ፖሊስ ብኸመይ ክንሕዞም ከም ዘለና ዓቢ ትምህርቲ ሂቡና ስለዝነበረ ንሕና ውን ንምኽሩ ስዒብና ንጻንሖት ቤት ማእሰርቲ ከነልዝቦ ክኢልና ኢና። ኣብታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ፈደራል ፖሊስ ዝተወሰድናላ ሰሙን ምስ ሰባት ምርድዳእ ኣሸጋሪ ነበረ። እቶም መግብን ክዳንን ዘምጹልና ስድራቤትና ልዕሊ50 ሜትሮ ርሒቆም ደቅ ንክብሉ ይግደዱ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ኣደይ ክትርእየኒ መጺኣ ተጸዊዐ ምስ ወጻኹ ዝናብ እንዳሃረማ ርሕቅ ኢላ ደው ኢላ እንከላ ረኣኽዋ። ኣዝየ ሓሪቀ ከየዘራረብክዋ ናብ ክፍለይ ተመለስኩ። ድሕሪ እዚ ብኸምዚ ኦኣይነት ኩነት ስድራቤተይ ከዘራርብ ከም ዘይደሊ ነቶም ፖሊስ ነገርክዎም። ሓላፊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቱ ተዘራሪቡ ስድራቤት ከነዘራርበሉ ንኽእል ክፍሊ ተዳልዩ ኣብ ናይ 2 ሜትሮ ርሕቀት ኮይንና ከነዘራርቦም ከኣልና። መግቢ ኣምጺኦም ከዘራርቡና ዝኽእሉ ሰባት ግን እቶም ኣቀዲምና ዘመዝገብናዮም 3 ኣባላት ስድራና ጥራይ ነበሩ። ነዚ ናይ ምብጻሕ ሕጊ ንቅይረሉ ንኽእል መንገዲ ክንደሊ ምስ ጀመርና ብመሰረት ፈደራላዊ ሕገ መንግስቲ ሓደ እሱር ብሰለስተ ኣካላት ናይ ምብጻሕ መሰል ከም ዘለዎ ተረዳእና። ንሶም ድማ ጠበቃ ሓኪምን ሃይማኖታዊ ኣቦን እዮም። ብመሰረት እቲ ሕጊ ምስ ተበቃ በይንካ ሙዃን ስለዘይፍቀድ ኣብ ትዘራረበሉ እዋን ፖሊስ ኣብ ጎንኻ ደው ከም ዝብል ተረዳእና። ንቤት ፍርዲ በይንና ንክዝዘራረብ ተፈቅደልና። ነቶም ፖሊስ ካባና ኣርሕቅ እኳ እንተበልዎም እቲ ዝነበርናዮ ክፍሊ ካሜራ ዘለዎ ብምግባር ከም ንዘራረብ ገበሩና። ነዚ ናብ ቤት ፍርዲ ኣመልከትና እሞ ናብ ካልእ ክፍሊ ተቀይርና ብምስጢር ክንዘራረብ ከኣልና። ጉዳይ ጥዕና ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ቤት ፍርዲ ተኸራኺርና ተፈቅደልና። ናብ ፈደራላዊ ፖሊስ ምስ ተወሰድና ኣዝየ ሓመምኩ እሞ ናብ ናይ ፖሊስ ሆስፒታል ከድኩ።

  ኣብ ቃሊቲ ሓለውተይን ምሳይ ዝተታሕዙ ቄሮይታትን ዞነ ስምንት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕን ናይ ቅድም ናይ መንግስቲ ኣባላት ድህንነት ዝእሰርሉ ቀጽሪ ክውሰዱ እንከለዉ ኣነ በቀለ ሃምዛን ሸምሰዲንን ስድስተኛ ቤት ናብ ትበሃል ንእሽተይ ግቢ ኣእተዉና። ኣነን በቀለን ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ሃምዛን ሸምሱን ድማ ኣብ ካልእ ክፍሊ ተመደብና። ፖሊስ ንማዕጾ እቲ ንሓድረሉ ክፍሊ ምስ ከፈቶ ድዱዕ ነታ ገዛ መሊኦማ ሓሰኽሰኽ እንዳበሉ ተቀበሉና። ዝከኣለና መጠን ጸሪግና ኣውጻና እሞ ንብረትና ኣእተና። ኣብቲ ናይ መደበር ፖሊስ ጻንሖትና ኣብ መሬት ኣብ ዝተነጽፈ ፍርናሽ ንድቅስ ነበርና። ናብ ቃሊቲ ምስ ተሰጋገርና ግን ካብ ሓጺን ዝተሰርሐ ዓራት ምስ ፍርናሹ ረኸብና። ኣብ ውሽቲ እቲ ክፍሊ ሽቃቅ ስለዝነበሮ ከምቲ ናይቲ መደበር ፖሊስ መጺኦም ክሳብ ዘፍቱና ምጽባይ ተረፈ። ናይ መንግስትን ዝተወሰኑ መዘናግዒ ቻነላትን ጥራይ ዘመሓላልፍ እኳ እንተኾነ ትቪ ውን ኣለዎ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ብዙሕ ግዜ ናብ መራኸቢ ብዙሃን እንዳቀረቡ ንተቋወምቲ መንግስቲ ዝዝልፉ ክልተ ታየታት ስለዝነበሩ ንዋልታ ቲቪ ታየ ቦጋለ ንፋና ድማ ታየ ደንድኣ ኢልና ስም ኣውጻናለን። ካብ ናይ ግሊ መደበራት ቃና ስለዝነበረት ካብቲ ናይ መንግስቲ ፕሮፖጋንዳ ንምህዳም ናይ ኣምሓረኛ ፍቅራዊ ቃላት ተማሃርናሉ። ንጽባሒቱ እቲ ዝኣተናሉ ዕለት ናይ ፈደራል መራምያ ቤት ኮሚሽነራት ከዘራርቡና መጹ። ብዛዕባ ድሕነትና ከም ዝጭነቁ ብምጥቃስ ጻንሖትና ብጽቡቅ ክንዛዝም ምትሕብባርና ንከይንገድፍ ሓደራ በሉና። ንሕና ውን ነቲ መኣረምያ ቤት ምምሕዳር ስራሕና ከም ዝኾነን ብዘይካ ስራሕና ድማ ምስኦም ዘራኽበና ነገር ከም ዘየለ ኣረጋገጽናሎም። ሕጊ እቲ መኣረምያ ቤት ከም ነኽብር ቃል ኣቲና መሰልና ንክትንከፍ ግን ከምዘይንጽመም ኣፍለጥናዮም። ዝኾነ ሽግር ኣንተሎ ከም ንጽውዖም ተዘራሪብና ተፈላለና። ናብ ቃሊቲ ድሕሪ ምዝውዋርና እቲ ህዝቢ ከም ልቡ ከብጽሓና ዝኽእለሉ መንገዲ ረኸብና። ቤት ፍርዲ መግቢ ካብ ገዛ ንክመጸልና ስለዝሓበረ ንግሆን ምደትን በጻሒ ከም ሕሱም መጸና።ብዙሓት ሰባት ከም ኣሪሲ፡ ባሌ፡ ሃረርጌ፡ ቦረና፡ ጉጂ፡ ወለጋ ፡ወሎን ካብ ዝኣመሰሉ ርሑቅ ቦታታት ብምምጻእ ይበጽሑና ነበሩ። ሓንቲ ካብ ባሌ ዝመጸት ዓባይ ሰበይቲ ሕሩጭን ጠስምን ኣዳልያ መጸት እሞ ኣብ ኣዳማ ምስ እንዳሰብ ሓዲራ ብንግህኡ ገዓት ግዒታ ኣምጺኣቶ። ብዙሓት ኣዴታት ካብ ድሬድዋ ብነፋሪት መጺኤን በጺሔናና ይምለሳ ነበራ። ብፍላይ ካብ ኣውዳይን ሻሸመኔን ብውሕዱ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ይመጹ። ካብ ሃሳሳ በብወርሑ ክልተ ኣውቶቡሳት መሊኤን ይመላለሳ ስለዝነበራ እቶም ኣብ ማዕጾ ዝነበሩ ፖላይስ ኣውቶቡስ ኣብ ዝመጸሉ እዋን “ሃሳሳውያን መጺኦም” መጺኦም ይብሉ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ክኸዱ ከማን ዓቅሚ ዘይነበሮም ልዕሊ 100 ዕድመ ዘለዎም ሽማግለ ካብ ባሌ ክበጽሑና መጹ እሞ እቶም ፖሊስ ብክልተ ኢዶም ተሰኪሞም ኣእተዉዎም። ነቲ ዘምጹልና ገንዘብ ቱፍ ኢሎም መሪቆም ከዱ። ኣካለ ስንኩላን ከይተረፉ በቲ ኣሸጋሪ መእተዊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ተሸጋጊሮም ይመጹ ነበሩ። ሓንቲ ኣብ መንገዲ ትነብር ናይ ኣእሙሮ ሕምምቲ ኩሉ ግዜ ክትበጽሓና ትመጽእ ነበረት። ህቡባት ነገድቲ ከይበጽሑና ኢልና ብዝኣዘዝናዮ መሰረት ብደቆምን ኣንስቶምን ክዳውንትን ካልእ ዘድልየና ንብረትን ይሰዱልና ነበሩ። ዝኾነ ሰብ ልዕሊ 300 ቢር ሒዙ ክኣቱ ኣይፍቀደሉን ነበረ። ከምዚ እንዳኾነ ግን መዓልታዊ ንቤት ማእሰርቲ ብዙሕ ክበሃል ዝከኣል ገንዘብ ንእክብ ነበርና። በዚ ገንዘብ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርትታት ንዝነበሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክዳን መድሃኒትን ካልእ ኣድላዩ ነገራት ንክግዝኣሎም ንልእኽ ነበርና። ምስ ግዜ ኣማሓደርቲ እቲ ቤት ማእሰርትን ፖሊስን ኣብ ልዕሌና ሙሉእ እምነት እንዳሕደሩ መጹ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታዊ በዓላት ህዝቢ መጺኡ ምሳና ሓቢሩ የብዕሎ። ብፍላይ ዒድ ጥምቀት ኢሬቻን መስቀልን ምሳና ንከሕልፎ ዝመጽእ ሰብ ካብ ምብዝሑ ዝተላዕለ እቲ ቤት ማእሰርቲ እንዳተሸገረ መጸ። ተማሃሮ ኣብ እዋን መመረቅትኦም ጋውኖም ተኸዲኖም ብምምጻእ ንበቀለ መርቀና ይብልዎ።

  ዓርቢ ሰብ ክበጽሓና ክመጽእ እንከሎኩላትና ጀለብያ ተኸዲንና ንጽበዮም ነበርና። ሓደ መዓልቲ ዓበይቲ ሸኻት እንዳዘራረቡና እንከለዉ በቀለ ሙደወር ተኸዲኑ መጸ እሞ “ሰላም ወዓሌኩም” በሎም። እቶም ሸኻት ምስኡ ምስ ተዛረቡ ደስ ኢልዎም መጹ እሞ “ንበቀለ ኣመስሊካዮ ዲኻ?” በሉኒ። “ተተሓሒዘዮ ኣለኹ። ንእሽተይ እያ ተሪፋትኒ።” ክብል ቀለድኩ። እንታይ ተሪፉካ ኢሎም ብህንጡይነት ክጽበዩኒ ከለዉ “ማሻላህ ቢስሚላህን ኣልሓምዱሊላህን ምሂረዮ ኣለኹ። ኢሽሃዱ ኣላ ኢላ ኣይለላህ ጥራይ መልሓሱ ምሓዝ ኣብያቶ። እስኪ ንስኹም ፈትኑ።” ኢለ ቀልደይ ሰንደኹሎም። እቶም ሸኻት ሓቂ መሲልዎም ናብ በቀለ ከይዶም ከዘራርብዎ ጀመሩ። ድሕሪኡ ብሓንሳብ ኮይንና ነጻውቶም ከም ዝነበርናን ወለሓደ ሃይማኖቱ ከም ዘይቀየረን በቀለ ውን ንክብሪ እቶም ዝበጽሑና ሰባትን ሓድነትናን ንምርኣይ ከም ዝኾነን ነገርናዮም። በቀለ ኣብ ጾም ሮሞዳን ምሳና ይጸውም ስለዝነበረ ናይ ልደት ጾም ምስ ናይ ሮሞዳን ብሓንሳብ ብምግጥጣሙ ነቲ በዓል ሓቢርና ከነሕልፎ ብምባል ጾም ከም ዝፈትሕ ገበርናዮ። ንሱ ምሳና 28 መዓልታት ካብ ጾመ እተን ክልተ መዓልታት ደሃር ክንጾመን ኢና ብምባል ብስኡ ሓቢርና በላዕና። ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ዝተጋፍዑን ብዙህ ስቃይ ወሪድዎም ዝተፈትሑን መንእሰያት ናብ ቃሊቲ ክበጽሑና ክመጹ እንከለዉ ናብ ናይ ኦሮሞ ቃልሲ ንናጽነት ክጽንበሩ ከም ዝወሰኑ ብምሕባር ይሰናበቱና። እዞም ትማሊ ኣብ ግዜ ቃልሲ ቄሮ ዓቢ መስዋእቲ ከፊሎም ለውጢ ዘምጽኡ መንእሰያት ምስጋንኦም ማእሰርትን ልዑል ምቅጥቃጥን ኮነ። ድሕሪ ምፍትሖም ናብ ስድራቤቶም ምስ ተመልሱ ናይ ገዛውቲ ሚሊሻታት ንስቃዮም ብምብዛሕ ምንባር ከልእዎም። ስለዚ ብከንቱ ካብ ንመውት ንቃልሲ እንተሞትና ክሓይሽ እዩ ኢሎም ከም ዝወሰኑ ይነግሩና። ሓደ ኣብ ግዜ ወያነ ንነዊሕ እዋን ተኣሲሩ ዝነበረ ሓደ መንእሰይ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ዳግማይ ተኣሲሩ ተፈትሐ እሞ ናብ ቃሊሪ መጺኡ “ካብ ሕጂ ንደሓር ከማይ ሰብኣይ ኣብ ዝደለዮ እንዳኣሰረ ከም ኣድጊ ክቅጥቅጠኒ ይኣኽለኒ። ኣብ ሰለማዊ ቃልሲ ዝኣምን እኳ እንተነብርኩ ካብዚ ንላዕሊ ክዕገስ ግን ኣይክእልን እየ። ንበረኻይ ክከይድ እየ።” በለኒ። እዚ ካብ መንእሰያት ንሰምዖ ዝነበርና ነገር ናይ ፖለቲካ ሜዳ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝተዓጽወን እቲ ስቃይ ተጋዲዱ ንቄሮ ድማ ናብ ጫካ ይደፍኦ ከም ዘሎን ዘመልክት ነበረ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×