ኣቦ ጥንቆላን ሓለቓ ኣጋንንትን ዝነበረ ጊደዎን ሞሊንጋ ዝሃቦ ዘሰንብድ ምስክርነት!

እቲ ሰብ መሓመድ ጋዳፊ እዩ። መራሕቲ ዓለማት ገጾም ኣዚሮም ናይ ተለቪጅን ካሜራታት ኣብ ቅድሚኡ ተተኺልሉ ሽጋርኡ ወሊዑ ከትክኽ እንከሎ ኣብ መዘናግዒ ቦታ እምበር ኣብቲ ዓለም ብቀጥታ እተከታተሎ መአከቢ ኣዳራሽ ዘሎ ኣይመስልን እዩ። ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ናይቲ ጉባኤ ቻርተር ቀዳዲዱ ከም ተራ ወረቀት ዝደርበየ ደፋር ሰብ ውን እዩ ኔሩ። ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ኣብዚ ዓመታዊ ጉባኤ ተርትኦም ሓልዮም መደረ ንክገብሩ 15 ደቃይቅ ጥራይ እዩ ዝፍቀደሎም። ገዳፊ ግን ሕጊ ዘየኽብር ትካል ዘውጽኦ ሕጊ ኣይግዛእን እየ ብምባል ነቲ ናይ 15 ደቂቅ መደረ ናብ ሓደ ሰዓትን 40 ደቂቅን ክብ ኣበሎ። መራሕቲ ሃገራት  ድቃስ ክሳብ ዝመጾም ክግስጾም፡ ክዝልፎምን ክመኽሮምን ወዓለ።እንተኾነ ይኣኽለካ ክብሎ ዝደፈረ ሰብ ኣይነበረን። ነቲ ብውዲት ዝተቀትለ ተማጓቲ መሰል ጸለምቲ ማርቲን ሉተር ኪንግን ብዛዕባ ቅትለት ጆኔፍ ኬነዲ ሓተተ። እቲ ናይ ጸጥታ ቤት ምኽሪ መአከቢ ሽበራውያን ሃገራት ሙዃኑ ተዛረበ። ዘይዳህሰሶ ጉዳይ ኣይነበረን። እዚ ሰብ ሃንደበት ተላዒሉ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ኣሽንኳይ ዶ ዓለምስ ንሱ ከማን ዝፈልጦ ኣይመስልን እዩ። ንስድራቤት ግሊዘር ቀዲሙን ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ንክገዝኣ ኣብ ጫፍ በጺሑ ነበረ። እቲ ንጋዳፊ ወኪሉ ዝከራኸር ዝነበረ መህመት ዴል ማን ዝተባህለ ቱርካዊ ኢንቨትመንት ባንክ ከም ዝብሎ ኣብ 2004 ገዳፊ ንክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ንክገዝኣ ውዕል ንክፍርም ሰዓታት ምስ ተረፎ ነቲ ውዕል ኣቋሪጽዎ። ነታ ናይ ቅድም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነበረ ኮንደሊዛ ራይስ ዘለዎ ፍቅሪ ድማ መዛረቢ ዓለም ከም ዝኸውን ጌርዎ እዩ። “እታ ፍትውቲ ጸላም ኣፍሪቃዊት ጓል” እንዳበለ እዩ ዝጽውዓ። ቀተልቱ ንብረቱ ክፍትሹ እንከለዉ ሓደ ኣልቡም ምሉእ ስእሊ ኮንደሌዛ ራይስ ምርካቦም ኣብቲ ናይ ጭንቂ ሰዓት ዘገርም ነገር ነበረ። ብሂወት እንከሎ ብዛዕባ ኮንደሊዛ ራይስ ንኣልጀዚራ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ነበረ “እዛ ፍትውቲ ጸላም ኣፍሪቃዊት ጓል ኣብ ወንበራ ኢዳ ድግፍ ኣቢላ ንመራሕቲ ሃገራት ዓረብ ትእዛዝ እትህበሉ መንገዲ ከም ዝኾርዓላን ዘድንቃን ጌሩኒ እዩ። ብጣዕሚ እየ ዝፈትዋ፡ ዘድንቃን ዝኾርዓላን። ምኽንያቱ ዓሌታ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጸ ጸላም እያ።”

  መሓመደ ጋዳፊ ኣብ ዝኸዶ ሃገር ኩሉ ንዲፕሎማሰኛታት ሕማም ርእሲ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ብቁጽሪ ዘይፍለጥ ናይ ብርክት ዝበለ ምዕቡል ሆቴላት ወናኒ እኳ እንተኾነ ንሱ ግን ኣብ ሆቴል ምሕዳር ኣይፈቱን ነበረ። ኣብ ዝኸዶ ኩሉ ኣብ ጎልጎል ዳስ ሰሪሑ ክሓድር እዩ ደስ ዝብሎ። ዝኾነ መራሒ ውን ክቅበሎ እንከሎ ዳስ ኣድልዩ እዩ ዝቅበሎ። “ወዲ ሰበኽሳግም እየ። ስለዚ ኣብ ዳስ ምሕዳር ዝኾርዓሉ ባህለይ እዩ።” ይብል ንሱ። ናብ ልዕሊ ቦታ ፍርሒ ስለዘልዎ እዩ ኣብ ታሕቲ ዳስ ሰሪሑ ዝሓድር ኢሎም ዘውርዩሉ ውን ኣለዉ። ኣብ 2009 ኣብ ዓመታዊ ኣኺባ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንምስታፍ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዘምርሓሉ ዳሱ ዝሰርሓሉ ቦታ ስኢኑ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ይፈልጥ እዩ። ኣብቲ ግዜ ጋዳፊ ምስ ኣሜሪካ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ህዝባ ውን ኣብ ከቢድ ጽልኢ ኣትዩ ነበረ። ናብ ኣሜሪካ ቅድሚ ምምርሑ ሓደ ሰሙን ሓደ ጋሻ ተቀቢሉ ነበረ። ጋሽኡ ኣብዱላባሲ ኣልማግራሂ ይበሃል። ኣብቲ 270 ሰባት ዝሞቱሉ ናይ መከንዲ ምሕምሻሽ ነፋሪት ኢድ ኣለካ ተባሂሉ ን20 ዓመታት ኣብ ስኮትላንድ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ሰብ እዩ። ኣልማግራሂ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍታሕ እንከሎ ናብ ስኮትላንድ ከይዱ ዝተቀበሎ ወዲ ጋዳፊ ሰይፈሊስላም እዩ ኔሩ። ኣልማግራሂ ብውልቃዊት ነፋሪት ገዳፊ ናብ ሊብያ ክኣቱ እንከሎ ናይ ጅግና ኣቀባብላ እዩ ተጌርሉ። እዚ ተግባራት ብኣሜሪካውያን ተቀባልነት ክረክብ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ካብቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ 270 ሰባት እቶም 190 ኣሜሪካውያን እዮም ኔሮም። ገዳፊ ናብ ኣሜሪካ ምስ ኣተወ ዳሱ ዝሰርሓሉ ቦታ ክሳብ ዝስእን ተቋውሞ በርትዖ። እንተኾነ ሓደ ዓቢ ኣሜሪካዊ “ጋዳፊ ጋሻይ እዩ እሞ ኣብ ገዛይ ከዕርፍ እዩ።” በለ። ዳሱ ዝተኽለሉ ቦታ ውን ሃቦ። እዚ ሰብ ጸኒሑ መራሒ ኣሜሪካ ዝኾነ ዶናልድ ትራምፕ እዩ ኔሩ።

 ንሶም ምስ  ጸላእቱ ተሓባቢሮም ቀቲሎሞ እምበር ጋዳፊስ ንህዝቡ ኣቦ እዩ ኔሩ። ምዕራባውያን ዴሞክራሲ ዘይርድኦ ውልቀ መላኺ መራሒ እዩ ይብልዎ። ገዳፊ ውልቀ መላኺ ተተባሂሉ ግን ደሚክራሳውያን በዓል መን እዮም? ጋዳፊኢ ስልጣን ክሕዝ እንከሎ ካብ ዜጋታቱ እቶም 25% ጥራይ ፊደል ክቆጽሩ ዝኽእሉ ነበሩ። ንሱ ኣምባገነን ተባሂሉ ብግፍዒ ኣብ ዝተቀትለሉ ዓመት 25% ካብ ዜጋታቱ ናይ መጀመርታ ዲግሪ ነበሮም። ቁጽሪ ዝተማህሩ ሰባት ውን 83% በጺሑ ነበር። በተሓሳስባ ጋዳፊ ትምህርቲ መገያየጺ ዘይኮነስ ንደቂ ሰብ ኣድላዩ ባእታ ብምንባሩ ትምህርቲ ብነጻ ይወሃብ ነበረ። ልዑል ነጥቢ ኣምጺኦም ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ክመሃሩ ንዝደልዩ ሰባት ውን ኩሉ ወጻኢታቶም ብመንግስቲ ይሽፈን ነበረ። ተማሂሮም ምስ ተመልሱ ስራሕ እንተዘይረኺቦም መንግስቲ ፍርቂ ናይቲ ክሰርሕዎ ዝኽእሉ ደሞዝ ይኸፍሎም ነበረ። ስራሕ ረኺቦም ምስ ዝቁጸሩ ድማ እታ ናይ ገዳፊ ሊብያ ካብ ዋጋ ረሃጾም ግብሪ ዝበሃል ኣይትቅበልን ነበረት። ጋዳፊ ንህዝቡ ከምዚ እዩ ኔሩ። ኣብ ዘመኑ ሓደሽቲ መርዑት መውጽኢ ሓዳር 50 ሽሕ ዶላር ይወሃቦም ነበረ። ኣብቲ ግዜ ዝኾነ ዜጋ እንተሓመምኩ ብምንታይ ክሕከም እየ ኢሉ ኣይጭነቅን ነበረ። ኣብ መላእ ሊብያ ሕክምና ነጻ ነበረ። እቲ ዘድሊ ሕክምና ኣብ ሊብያ ጥራይ ዝውዳእ እንተዘይኮይኑ ናብ ዝሓሸ ሕክምና ሰዲዱ ዘሀክሞም መንግስቲ ነበረ። መንግስቲ ብዘይካ እቲ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ዝሕከምሉ ወጻኢታት ንሆቴልን ትራንስፖርትን ተባሂሉ ንወርሒ 2300 ዶላር ናይ ጁባ ይህቦም ነበረ። እቲ ኣብኡ ዝጸንሕሉ ግዜ እንዳነውሐ ብዝኸደ መጠን ድማ እቲ ክፍሊት ብኡ መጠን ወርሓዊ ይቅጽል። ኣብ ዘመኑ ኤለትሪክ ኣብ ሊብያ ብነጻ ነበረ። ተሸጊሮም ናብ ባንኪ ከይዶም ዝልቅሑ ዜጋታት ልቅሖም ክመልሱ እንከለዉ ካብ ባንኪ 5 ሳንቲም ውን ትኹን ወለድ ኣይሕሰበሎምን። ንዜጋታት ምቹእ ገዛውቲ ሃንጺ ምርካብ ናይ መንግስቲ ግዴታ እዩ። ኣብታ ንእሽተይ ቀጠልያ እትብል መጽሓፍ ጋዳፊ ከም ዝሰፈረ “ምውናን ገዛ ዜጋታት መሰል እምበር መጋየጺ ኣይኮነን። ኣብዛ ምድሪ ዝነብር ኩሉ ወድ ሰብ ገዛ ይግብኦ እዩ።” ኣብ ዘመን ጋዳፊ ገዛ ምክራይ ብሕጊ ዝተኸልከለ ነበረ። ጻውዒት ሂወተይ ሕርሻ እዩ እሞ ብኡ እየ ዝመሓደር እንተደኣ ኢሎም መሳርሒ ሕርሻ ዝሕረስ መሬት ዘርኢ እኽሊ ድኹዒ መንበሪ ቤትን ናይ ገዛ እንስሳታትን ብምሃብ መሪቁ የፋንዎም። ሊብያዊ ኮንካ ኣብ መንገዲ ዝረኣኻያ መኪና ደስ እንተደኣ ኢላትካ ብምንታይ ክዕድጋ ዝበሃል የለን። ዋጋ እታ መኪን ኣገሚትካ እቲ 50% መንግስቲ ይሽፍኖ ነበረ። እታ ናይ ጋዳፊ ሊብያ ኩሉ ዘለዋ ንዜጋታታ ሂባ ገንዘብ ዘይውድኣ ነበረት። ኣብ ዘመኑ ሊብያ ዝኾነ ዓይነት መንግስታዊ ዕዳ ዘይነበራ ሃገር ነበረት። እኳ ደኣ ንሕማቅ ግዜ ኢላ ኣብ ሃገራዊ ባንክ ዘቀመጠቶ 1.50 ቢልዮን ዶላር ሪሰርቭ ገንዘብ ነበራ። በዚ ድማ እዩ ጋዳፊ ኣብ 2011 ብግፍዒ ክቅተል እንከሎ እቶም ቀዳሞት እምኒ ዝወርወሩ እቶም ካብ ኢዱ ዝበልዑ ዜጋታቱ ምንባሮም ክሳብ ሕጂ ንዓለም ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይንዋ ዘሎ።

   ቅድሚ ጋዳፊ ዝነበረት ሊብያ ኣብ ትሕቲ እቲ ብምዕራባውያን ፍቱው ዝነበረ ንጉስ እድሪስ ቀዳማይ ትምራሕ ነበረት። ንጉስ እድሪስ ቀዳማይ ድማ ካብ ህዝቡ ንላዕሊ ወገኑ ናብ ምዕራባውያን መንግስታት ነበረ። ኣብቲ ሽዑ ሊብያውያን ብድኽነት ዝሳቀዩ ህዝቢ ነበሩ። እዚ ድማ ሊብያውያን ኮነ ምዕራባውያን ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። እቲ ካብ ፍርያት ነዳዲ ዝተረኽበ ገንዘብ መጀመርታ ናይተን ምዕራባውያን ናይ ነዳዲ ትካላት እቲ ዝተረፈ ድማ ናይ ንጉስ እድሪስን ስድራቤቱን ጥራይ ነበረ። እዚ እንዳኾነ ግን ንእድሪስ ውልቀ መላኺን ጉበኛን ዝበሎ ሰብ ኣይነበረን። ንናቶም ጥቅሚ ዝጻረር ንጥቅሚ ህዝቡ ዘቀድምም መሃመድ ጋዳፊ ዝበሃል መንእሰይ ምስ መጸ ግን ኣዒንቶም ደም ሰረበ። ጋዳፊ ብዕልዋ መንግስቲ ንእድሪስ ካብ ስልጣን ክኣልዮ እንከሎ ኣብ መሬት ሊብያ ሓንቲ ንጣብ ደም ኣይፈሰሰትን ኔራ። ኣብ ታሪኽ ዕልዋ መንስግሪ ተራእዩ ዘይፈልጥ ነገር ነበረ እሞ ምዕራባውያን ከይተረፉ ሰለማዊ ዕልዋ መንግስቲ እንዳበሉ እዮም ዝጽውዕዎ።

   ጋዳፊ ስልታን ምስ ሓዘ ሃብቲ ሊብያ ናይ ሊብያውያን እዩ በለ። ነዳዲ ሸይጡ ንህዝቡ ቤት ትምህርታት ሆስፒታላት ጽርግያታትን መንበሪ ገዛውትን ሃነጹ። ደረጃ መነባብሮ እቲ ህዝቢ ተመሓየሸ። ሊብያውያን ኣብ ዓለምና ምስቶም ደረጅኡ ዝሓለወ ናብራ ዝነብሩ ህዝብታት ተጸንበሩ። ንሶም ዝተገብረሎም ይርስዑ ኮይኖም እምበር ዜጋታት ካብ ጽምኢ ማይ ዘገላገለ መራሒ ውን እዩ ኔሩ። እዛ ኣብ ማእከል ምድረበዳ ሳህራ እትርከብ ሊብያ ሓንቲ ትወርድ ሩባ ዘይነበራ ሃገር እያ ኔራ። ጋዳፊ ናብ ስልታን ምስ መጸ ግን ሰብ ዝሰርሖ ዓቢ ሩባ ንክሃንጽ ቆሪጹ ተላዕለ። እቲ ጉዳይ ከምዚ ነበረ። 1950ታት ኣብ ሊብያ ኣበየ ቦትኡ ነዳዲ ዝፍልፍለሉ ወቅቲ ነበረ። ኣብ 1953 ሓደ ነዳዲ ዘውጽእ ትካል ኣብ ደቡባዊ ሊብያ ምንጪ ነዳዲ እንዳፈሓረ ሃንደበት ካልእ ዝጠቅም ነገር ረኸበ። ኣብታ ብጽምኢ ማይ እትሳቀ ሊብያ ማዕረ ዋጋ ነዳዲ ዘለዎ ናይ ከርሰ ምድሪ ማይ ተተኮሰ። ንህዝቢ ሊብያ እዚ ዓቢ ብስራት እዩ ኔሩ። እቲ ሽዑ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መራሒ ግን ነዚ እዝኒ ኣይሃቦን። እቲ 16 ዓመታት ድሕሪ እዚ ፍጻሜ ስልጣን ዝተቆጻጸረ መንእሰይ ኮሮኔል ጋዳፊ ግን ወዲ ሰበኽሳግም ነበረ እሞ ጽምኢ ማይ ጽቡቅ ጌሩ ይርዳእ ነበረ። ስለዚ ግዜ ኣየጥፍአንስልጣን ምስ ሓዘ ናይ መጀመርታ ፕሮጀክተይ ነቶም ማይ ዝጸምኡ ዜጋታተይ ማይ ምስታይ እዩ በለ። እቶም ናይ ትሕቲ ምድሪ ማይ ዝተረኽበሎም ከባቢታት መጠን ማያቶም ተለክዐ። ብኸመይ ብዙሕ ኪሎሜተራት ኣቋሪጾም ናብቲ ሰባት ዝነብርሉ ከባቢ ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ መጻናዕቲ ተገብረ። እቲ ፕሮጀክት ተሰሪሑ ምስ ተዛዘመ ሻምናይ ናይ ዓለምና ዘደንቁ ስርሓት ተባሂሉ ናይ ምምዝጋብ ዓቅሚ ኣለዎ ተባህለ። ምኽንያቱ ኣብቲ ጭው ዝበለ ማእከል ምድረበዳ  ሳህራ 2820 ኪሜ ንውሓት ዘለዎ ናይ ኦኣለምና ዝዓበየ ሰብ ዝሰርሖ ሩባ እዩ ክፍጠር። ኣዝዩ ከቢድ መስርሕ እዩ ኔሩ። በዚ ድማ ምድላዋቱ ጥራይ 14 ዓመታት ወሲዱ ኣብ 1983 መስረት እምኒ ናይቲ ፕሮጀክት ተነብረ። ሊብያውያን ናይ መጀምርታ ናይ ከርሰ ምድሪ ማይ ንምስታይ 5 ዓመታት ጥራይ እዮም ተጸብዮም። ኣብ 2011 ጋዳፊ ክቅተል እንከሎ እቲ ቢልየን ዶላራት ዝፈሰሶ ናይቲ ፕሮጀክት ቀዳማይን ካልኣይን ፈይዝ  ሙሉእ ብሙሉእ ተጻፊፉ ሳልሳይ ፈይዝ ኣብ መስርህ ምህናጽ ነበረ። እዚ ሎሚ 70% ካብ ሊብያውያን ዝሰትይዎ ማይ እቲ ጋዳፊ ዝፈሓሮ ናይ ትሕተ ምድሪ ማይ እዩ። እዛ ዝሓየለ ዝመርሓ ናይ ሎሚ ሊብያ እዚ ናይ ማይ ጎዳጉዲ ንተቋወምቲ ከም ዓቢ መሳርሂ እዩ ዘግልግሎም። ሓደ ተቋዋሚ ምስ ካልእ ምስ ዝጋጮ ተቀዳዲሙ ነዚ ናይ ማይ ቱቦታት ብምቁጽጻር ማይ ዓጽዩ ህዝቡ ብጽምኢ ማይ ምስቃይ እዩ። ጋዳፊ የለን እዩ እሞ እቲ ናይ ሳልሳይ ፈይዝ ፕሮጀክት ኣሽንኳይ ዶ ዝቅጽሎስ ዝዝክሮ ሰብ ውን የለን።

   ነቲ ዓቢ ሕልሚ ጋዳፊ ሊብያ ኣዝያ እያ ትንእሶ። ንሱ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ንናይ ግብጺ ከማል ኣብዱልናስር እንዳድነቀ እዩ ዓብዩ። ዓብዱልናስር ድማ መራሒ ግብጺ ጥራይ ዘይኮነስ ዘዋሪ ሊግ ዓረብ  ውን እዩ ኔሩ። ልክዕ ከም ዓብዱልናስር ገዳፊ ውን ናጽነት ሶሳሊዝምን ሓድነትን እንዳሰበኸ ናብ ናይ ዓረብ መድረኽ መጸ። ናጽነት ካብ መግዛእትን ሃጸይነትን፡ ሶሻሊዝም ንሃብቲ ሃገሮም ብፍትሓውነት ክጥቀሙ ንዘይከኣሉ ጭኩናት ህዝብታት፡ ሓድነት ድማ ንሃገራት ዓረብ። እዚ ንጋዳፊ ናብ መሬት ወሪዱ ክርእዮ ዝደሊ ዝነበረ ሕልሚ እምበር ፕሮፖጋንዳ ኣይነበረን። ሃገራት ዓረብ ሃቢረን ብሓደ መንግስቲ ንክመሓደራ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ሰንደቅ ዕላማ ንክእከባ ብሓደ ገንዘብ ንክነግዳ ብሓደ ሰራዊት ንክሕለዋ ፕሮፖሳል ኣቅረበ። መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ግን ንፍጥነት ጋዳፊ ኣይፈተዉዎን። ቅልጥፍ ቅልጥፍ ምባሉ ኣተራጠሮም። እቲ ክግመት ዘይክእል ባህርያቱ ምቾት ኣይሃቦምን። ጋዳፊ ነቲ ጉዳይ ኣዘሓሒሉ ነቲ ጉዳይ ካብ ጎረቤት ሃገር ክጅምሮ ደለየ። ንሊብያ ምስ ቱኒዝያ ብምውህሃድ ሪፓፕሊካዊት እስላሚክ ዓረብ ትበሃል ሃገር ምምስራት። ኣብ 1974 ንሊብያ ምስ ቱኒዝያ ንምውህሃድ ናይ ስምምዕ ወረቀት እኳ እንተተፈራረሙ እቲ ስምምዕ ግን ናይ ወረቀት ጥራይ ኮይኑ ተረፈ። ሽዑ ጋዳፊ ትዕግስቱ ተጸንቀቀ ከም ዝገመቶም ነተፍጠፍ ክብሉ ብዘይምኽኣሎም ንኹሎምመራሕቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝረኸቦም ኣኼባ ስሞም እንዳጸውዐ ምዝላፍ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። ዕላማ ጋዳፊ ግን ንኹለን ሃገራት ዓረብ ሓደ ጌርካ ምውህሃድ ዶ ወይስ ንኹለን ሃገራት ብሓደ ጌርካ ንሱ ኣብ ላዕሊ ኮይኑ ክመርህ ከም ዝነበረ ንሱ ጥራይ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ኔሩ። ኣብ ሃገራት ዓረብ ተስፋ ቆሪጹ ነታ ንዕአን ዘቅረባ ፕሮፖዛል ሒዙ ንማዕጾ ሃገራት ኣፍሪቃ ምኩሕዃሕ ምስ ጀመረ ግን እዚ ሰብኣይ ጽምኣት ስልጣን ኣለዎ ተባህለ። ጋዳፊ ነቲ ንሊግ ዓረብ ዘቅረብዎ ፕሮፖዛል ስሙ ጥራይ ቀይሩ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቅረቦ። ንመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምእካብ ዩናይትድ ኣፍሪካን ስተይትስ ትበሃል ሓንቲ ሃገር መስርት በሎም። እቶም ንስልጣኖም ልዕሊ ነብሶም ዘፍቅሩ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንዘረብኡ ከም ቀልዲ እዮም ወሲዶሞ። ንሱ ግን ግዜ ከይወሰደ ናብ ተግባር እዩ ኣትዩ። ነተን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበራን ካብ መግዛእቲ ናጻ ንክወጻ ዝቃለሳ ዝነበራን ሃገራት ናሚብያ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚምባብወን ላይበርያን ተቃለስቲ ናጽነት ክሕግዝዎም ጀመሩ። እዚ ተግባራቱ ብምዕራባውያን ኣብ ዝብለጸ ጽልኢ እኳ እንተእተዎ በፍሪቃውያን ግን ጽቡቅ ተቀባልነት ከም ዝረክብ እዩ ጌርዎ።

   ሃገራት ኣፍሪቃ ንተሌፎን ኢንተርነትን ኣገልግሎት ተለቪጅንን ኣብ ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ሳተላይታት ክጽግዓ የብለንን በለ። 300 ሚእቲ ሚልየን ዶላር ብምምዳብ ራስኮም ስታር ዝብል ትካል ብምቋም ኣብ ገጠራት ንዝርከቡ ዜጋታት ኢንተርነት ንምዝርጋሕ ኣብ 2007 ሳተላይት ናብ ጠፈር ሰደደ። ላፕግሪን ኔትዎርክ ዝተባህለ ናይ ቴለኮሚኒኬሽን ትካል ብምኽፋት ኣብ ዝበዝሓ ሀግራት ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ዜጋታ ናይ ተሌፎን መስመር ዘርግሐ። ብቁዕ ምሕደራ ኣብ ዘይብለን ሃገራት ኣፍሪቃ ውን ካብ 20 ንላዕሊ ሆቴላት ሃነጸ። ኣብ ዘመነ ጋዳፊ እታ ቀንዲ ኣጋር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ሊብያ ነበረት። ነዳዲ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብተን በዝበዝቲ ሃገራት ምዕራብ ተላቂቀን ነዳዲ ሃገረን ባዕለን ክጥቀማ ንክኽእላ ናይ ነዳዲ ባንኪ ዝብል ትካል ንምቋም መጽናዕትታት ትወዲኡ ተዳልዩ ነበረ። ጫድ ሱዳንን ኒጀርን ናይ ባዕለን ነዳዲ ባዕለን ንከውጽእኦ ልዑል ደገፍ ገበረለን። ኣፍሪቃ ልሙዕ መሬትን ክሰርሕ ዝኽእል ዓቅሚ ሰብን ሒዛ ክትጠሚ የብላን ይብል ነበረ ገዳፊ። እዚ ብወረ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ማሊ ጫድን ሱዳንን ንሕርሻ ብምድጋፍ ብተግባር ኣርእዩ እዩ። ኣፍሪቃ ብሓንደ ሓያል ባጤራ ንክትመሓደር ማእከላይ ባንክ ኣፍሪቃን ኣብ ኣፍሪቃ ንዝካየዱ ልምዓታውያን ስርሓት ንክሕግዝ ድማ ናይ ኢንቨስትመንት ባንክ ንክቀውም ኩሉ ዘድሊ መጽናዕቲ ጌሩ ነበረ። ሊብያ ኣብ ዓለምና ኣገራምን ዝዓበየን ሰብ ዘሰርሖ ሩባ ኣብ ምስራሕ ዕውትቲ ኔራ እያ እሞ ነዚ ልምዳ ብምጥቃም ተመሳሳሊ ናይ ማይ ሕጽረት ንዘለውንን ድርቂ ንዘጥቅዐንን ሃገራት ነዚ ፕሮጀክት ንምስፋሕ መደብ ነበረን።

  ጋዳፊ ንኹሉ ዜጋ ገዛ ሃኒጹ ይዕድል እኳ እንተነበረ ነዚ ዕድል ዘይረኸቡ ሰባት ውን ኔሮም እዮም። ሊብያ ቀንዲ ቁጠባኣ ኣብ ነዳዲ ጥራይ ዝተሓጽረ ከም ዝኸውን ጌሩዎ ካልእ ናይ ዕዳጋታት ኣማራጺታት ከስፍሕ ኣይከኣለን እንዳበሉ ዝወቅሱ ወገናት ውን ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ዳሕራይ ዘመነ ስልጣኑ ንሱ ኮነ ደቁ ሓሸሽትን ውልቀ መለኽትን ኮይኖም ዝብሉ ውን ኣለዉ። ብርግጽ መንግስቲ ጋዳፊ ናይ ሰብ መንግስቲ ብምንባሩ ብዙሕ ጌጋታት ኔርዎ እዩ። እንተኾነ ግን ብዛዕብኦም ቅንጣብ ውን ትኹን ምስ ዘይሓስቡ ብምትሕብባር ንሃገሮም ብጀት ኣደብዲቦም ንገዳፊ ብውርደት ክሳብ ዝቀትልዎ ዘብቅዕ ግን ኣይነበረን። እቲ ግዜያት ሊብያ ከም ሃገር ዓቢዳትሉ ዝነበረት ግዜ እዩ ኔሩ። ጋዜጠኛ ሲቢኤስ ኣለም ቢቪ ኣብ ሊብያ ኮይኑ ይዕዘብ ነበረ። ሊብያውያን ንኣሜሪካ “በጃኺ ንሃገርና ብቦምቢ ደብድብያ” እንዳበሉ ይምሕጸንዋ ነበሩ። እቲ ጋዜጠኛ ናብ ሓደ ካብቶም ተቋወምቲ ጽግዕ ኢሉ “በቲ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት እንተተቀትሉ ኸ?” ክብል ሓተቶ። መልሲ እቲ ሊብያዊ ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ ኔሩ “ኣየገድስን እዩ ምኽንያቱ እዚ ዕግርግር እዩ መስዋእቲ ከኣ ናይ ግድን እዩ።” ዝብል ነበረ።

   እቲ ዕብዳን ተወዲኡ ጋዳፊ ብግፍዒ ተቀቲሉ ሊብያ ብሰናይ ፍቃድ ዜጋታታ ናብ ሓሙኽሽቲ ካብ ዝቀየራኣ ሃገራት መራሒ ዝነበረ ባራክ ሑሴን ኦባማ ኣብ ዘመነ ስልጣንካ ካብ ዝወሰንካዮም ነገራት ኣየናይ የጣዕሰካ ተባሂሉ ምስ ተሓተ “ንጋዳፊ ክንቀትሎ ከለና ንመጻኢ ዕድል ሊብያ ክንግምት ብዘይምኽኣልና።” ክብል መሊሱ። ካብ በርገርን ፒሳን ሓንቲ ምረጺ ዝተባህለት ካብቲ በርገር ጎሚደ እታ ፒሳ ክወስድ ከም ዝበለት መራጺት እቶም ኣብቲ ምቹእ ሂወት ዲሞክራሲ ምሽርራፍ ደስ ዝበሎም ሊብያውያን ንዲሞክራሲ ክንኣሊ ብምባል ምቾቶም ደርብዮም። ኣብዚ እዋን እቲ ዝሓለፍዎ ዘመን ብርብዑ እኳ ከም ዘይረኽብዎ ኣጸቢቆም ይፈልጡ እዮም። ናይ ሎሚ ትምኒቶም ብሂወት ምጽናሕ እዩ። ንሱ ከማን ኣብ ትሕቲ ሓያላት ሓለፍቶም ሰናይ ፍቃድ ዝተመስረተ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×