
ሙባረክ ጀማል ይበሃል፡ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ እዩ።
ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ኮሌጅ ብኢኮኖሚስ ተማሂሩ ነይሩ። እንተዀነ መውጽኢ ፈተና ክሓልፍ ኣይከኣለን።
ኣብቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ወረዳ ገደብ ኣሳሳ ዝርከብ ገዛ ስድራኡ ኮፍ ኢሉ ድማ ብዛዕባ ቀጻሊ ህይወቱ ይሓስበ ነይሩ።
ሽዑ እዩ ሓደ ወረ ሰሚዑ፤ “ኣብ ታይላንድ ኣብ ወርሒ ክሳብ 1500 ዶላር ደሞዝ ዝኽፈል ስራሕ ኣሎ” ዝብል ወረ ካብ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ በጺሕዎ።
ሙባረክ በዅሪ ወለዱ እዩ፤ እዚ ዝሰምዖ ናይ “ምውዕዋዕ ስራሕ” ድማ ንስድራኡን ነቶም ንኣሽቱ ኣሕዋቱን ክሕግዝ ዘኽእሎ ኰይኑ ተሰሚዕዎ።
ስለዚ እቲ ዕድል’ቲ ክሓልፎ ኣይደለየን።
ብዛዕባ’ቲ እዋን ክዝክር እንከሎ፡ “‘እንታይ ዓይነት ስራሕ እዩ?’ ኢለ ብዙሕ ኣይሓተትኩን” ይብል።
ናብ ታይላንድ ከምዝወስዶ ዝነገሮ “ዓብዲ” ዝተባህለ ኣብ ታይላንድ ዝርከብ ነገራት ቀልጢፉ የመቻችእ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ ንጕዕዞ ዘድልይዎ ነገራት ተወዲኦም።
መስከረም 2016 [ግእዝ] ሙባረክ፡ ካብታ ዝነብረላ ቁሸት ኣዳባት ተበጊሱ ናብ ባንኮክ ታይላንድ ኣብ እትኸይድ ነፋሪት ተሰቒሉ። ምስኡ ካልእ ኢትዮጵያዊ ተጓዓዛይ እውን ነይሩ።
ኣብ ባንኮክ ምስ በጽሑ ከምቲ ዝሓሰብዎ ዝተቐበሎም ሰብ ኣይነበረን። ብቐጥታ እውን ናብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ኣይከዱን።
እቲ ደላላይ ብተሌፎን ብዝህቦ ትእዛዝ መጀመርያ ናብ ዶባዊት ከተማ ቻንግ ራይ ተጓዒዞም። ቀጺሎም ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ናብ ጐረቤት ታይላንድ ዝዀነት ላኦስ ሰጊሮም።
ኣብ ላኦስ ምስ በጽሑ ክሓቱ እንተጀመሩ’ውን መልሲ ዝህቦም ሰብ ግን ኣይነበረን።
እቲ ዘምጽኦም ደላላይ፡ “ዝቘጽሮም ትካል ስለዘይረኸበ” ኣብ ላኦስ ንሓደ ሰሙን ድሕሪ ምጽናሖም፡ ናብ ታይላንድ ተመሊሶም ናብ ካልእ ከተማ ጕዕዞ ጀሚሮም።
እዚ መገሻ እዚ፡ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ታይላንድን ሚያንማርን እትርከብ ከተማ ሜይ ሶት እዩ ወሲድዎም። ምሉእ መዓልቲ ተጓዒዞም ምሸት ናብታ ከተማ ምስ ኣተዉ ዝዓርፉሉ ዕድል እኳ ኣይረኸቡን።
ከባቢ ሰዓት ሓደ ምሸት፡ ዜግነት ቻይና ዘለዎም ሰባት መጺኦም ኣብ “ፓትሮል” እትመስል መኪና ጽዒኖም ናብ ዘይፈልጥዎ ቦታ ክወስድዎም ጀሚሮም። ኣብዚ ጕዕዞ እዚ እቲ “ዓብዲ” ዝተበሃለ ደላላይ ምስኦም ኣይነበረን። ንሱ ኣብ ከተማ ሜይ ሶት እዩ ተሪፋ።
እቲ ናይ ለይቲ ጕዕዞ ምስ ተጀመረ ድሕሪ ዓሰርተ ደቓይቕ፡ እታ መኪና ካብቲ ቀንዲ ጽርግያ ወጺኣ ናብ ጫካ ኣትያ።
ኣብኡ ድማ ናብ ካልእ መኪና ክሳፈሩ ተገይሮም። ድሕሪ ሓጺር ጕዕዞ ዳግማይ ናብ ካልእ መኪና ተሰቒሎም።
ኣብቲ ምስ ታይላንድን ሚያንማርን ዝዳወብ ሩባ ሞይ ምስ በጽሑ እታ ሳልሰይቲ መኪና ደው ኢላ።
እቲ ቀጻሊ ጕዕዞ ብጃልባ እዩ ነይሩ።
ድሕሪ ጃልባ ድማ ብኻልእ መኪና። ለይቲ ሰዓት ዓሰርተሓደ ኣቢሉ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ብወተሃደራት ዝሕሎ ዓቢ መዓስከር በጺሖም።
እቶም ብህውከትን ፍርሕን ዝተመልኡ ሽዱሽተ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት፡ እቲ ዝተፈላለዩ ህንጻታት ዘለዎ መዓስከር እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን።
እዞም ብብዝሒ ኣብ ከም በዓል ሚያንማር፡ ካምቦድያን ላኦስን ዝኣመሰላ ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ዝርከቡ መዓስከራት፡ ኣብ ዓመት “ብቢልዮናት ዝቝጸር መኽሰብ” ዝርከበሎም መርበባት ምትላል ኢንተርነት – ኦንላይን እዮም።
ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ህጻናትን፡ ግዱድ ገበን፡ ስቅያት፡ ዘይሕጋዊ ቍማርን ከምኡ’ውን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ክመስል ምግባር (money laundering) ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ባህርያት ናይዞም መዓስከራት ምዃኖም ቤት ጽሕፈት መድሃኒትን ገበንን ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
“ዩናይትድ ስቴትስ ኢንስቲትዩት ኦፍ ፒስ” ዝተበሃለ ናይ ልሂቃን ትካል ኣመሪካ ዳይረክተር ፕሮግራም በርማ ዝዀነ ጄሰን ታወር ከም ዝብሎ፡ ሱር እዞም መዓስከራት፡ ቻይናውያን ዘይሕጋውያን ኩባንያታት ቍማር እዮም።
መንግስቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ እዞም ኩባንያታት ስጕምቲ ምውሳድ ምስ ጀመረ፡ እቶም ጕጅለታት ገበን ናብ ጐረቤት ሃገራት ፊሊፒንስ፡ ካምቦድያን ሚያንማርን ብምስጋር ተመሳሳሊ ንጥፈታት ከምዝቐጸሉ ወሲኹ ይገልጽ።
ጄሰን ከም ዝብሎ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይቶም ጕጅለታት ገበን፡ ንዜጋታት ቻይና ብዝተፈላለየ መንገዲ ብምትላልን ናብ ቍማር ክኣትዉ ብምግባር ገንዘብ ንምእካብ እዩ።
ድሕሪ ስጕምቲ ቻይና ግን ኣቓልቦኦም ናብ ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ሓደስቲ ሜላታት ምትላል ኢንተርነት ናብ ምጥቃምን ኣዘንቢሎም።
“[ኣብዚ እዋን’ዚ] ግዱድ ሸቃሎ ክጥቀሙ ጀሚሮም ኣለዉ። ነዚ ክብሉ ድማ ሰባት ይጨውዩ ኣለዉ። ኣብ ከባቢ 2021፡ ኣብ ካምቦድያ ሰባት ከምዝተጨውዩ ዝገልጹ ዛንታታት ነይሮም። [እቶም ግዱድ ሸቃሎ ዝዀኑ] መጀመርታ ቻይናውያን እዮም ነይሮም፡ ድሕሪኡ ግን ብዓለምለኻዊ ደረጃ ኣስፋሕፊሖሞዎ ኣለዉ” ክብል ጄሰን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብሰንኪ ኮቪድ-19 ተቛሪጾም ዝነበሩ በረራታት ከም ብሓድሽ ምስ ጀመሩ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሰባት ክምልመሉ ከምዝጀመሩ’ውን ይገልጽ።
ኣብ ነሓሰ 2015 ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብዘን መዓስከራት እዚኣተን ብዛዕባ ዝፍጸም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ኣብ ሚያንማርን ካምቦድያን ጥራይ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ይርከቡ።
“ኣብ ሚያንማር፡ ብውሕዱ 120 ሽሕ ሰባት ብኢንተርነት ኣብ ምትላል ክዋፈሩ ከምዝተገደዱ እሙናት ምንጭታት ክሕብሩ እንከለዉ፡ ኣብ ካምቦድያ ድማ 100 ሽሕ ሰባት ኣብ ኦንላይን ምትላል ክሳተፉ ተገዲዶም’ዮም” ይብል እቲ ጸብጻብ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ካብቶም ኣብተን መዓስከራት ዝርከቡ ግዳያት፡ ካብ 13 ሃገራት ኤስያ ዝመጹ ሰባት ይርከብዎም።
ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ እውን ካብቶም ግዳያት ዝመጹሉ ከባቢታት ከምዝዀና ዝተጠቕሳ ኰይነን፡ ኣብ ቅድሚት ዝተጠቐሰት ድማ ኢትዮጵያ እያ።
ኣብቲ ጸብጻብ ዝተዘርዘራ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ኬንያን ታንዛንያን እየን።
ኣብ ታይላንድ ግዝኣት ቺያንግ ራይ ዝርከብ ኣብ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፍ ዘይመንግስታዊ ትካል እትመርሕ ናንሲ (ንደሕንነታ ስማ ዝተቐየረ) ከምእትብሎ፡ ገለ ካብቶም ካብዞም መዓስከራት ዝወጹ ኣፍሪቃውያን ድማ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኬንያ፡ ብሩንዲ፡ ሩዋንዳን ሱዳንን ይርከብዎም።
ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ብብዝሒ “ኢትዮጵያውያንን ዩጋንዳውያንን” ምዃኖም ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ናንሲ፡ ሓደ ካብቲ ኢትዮጵያውያን ግዳያት ዝበዝሑሉ ምኽንያት ኢትዮጵያውያን ብቐሊሉ ናብ ታይላንድ ክኣትዉ ስለዝኽእሉ እዩ ትብል።
ኣብ ሚያንማር፡ ላኦስን ካምቦድያን ናብ ዝርከባ መዓስከራት ዝገሹ ግዳያት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ መጀመርታ መዕረፊኦም ታይላንድ እያ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብታ መተሓላለፊ ዘይሕጋዊ ስደት ዝዀነት ታይላንድ “ቀጥታዊ በረራ” ስለ ዘሎን ኢትዮጵያውያን ድማ ቪዛ ዝረኽቡ ናብታ ሃገር ምስ በጽሑ (on arrival visa) ስለዝዀነ ተቓላዕነቶም ከምዝበረኸ ተብርህ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ግጭታት እውን ብዙሓት መንእሰያት እታ ሃገር ኣብቶም መዓስከራት ንኽርከቡ ምኽንያት ከምዝዀነ ናንሲ ትኣምን።

መዓስከር ‘ጃው ኬ’
“ሂዩማኒቲ ሪሰርች ኮንሳልታንሲ ሊሚትድ” ዝተበሃለ ኣብ ሚያንማር ኣንጻር “ዘመናዊ ባርነት” ዝቃለስ ትካል ዓባይ ብሪጣንያ ዘዳለዎ ዝርዝር ናይቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ መዓስከራት ምትላል ከምዘመልክቶ ኣብ ውሽጢ ሚያንማር እዚ ተግባር ዝፍጸመሎም ብውሕዱ 154 ቀጽርታት ኣለዉ።
እቲ ዝርዝር መዓስከራት ከምዘመልክቶ ኣብ ሚያንማር ካብ ካልኦት ሃገራት ዝበዝሐ መዓስከራት ኣለዉ።
ወነንቲ እተን መዓስከራት፡ ህንጻታቶም ነቶም ናይ ምትላል ንጥፈታት ንዝፍጽሙ ጕጅለታት ገበነኛታት የካርይዎም።
እዞም መዓስከራት ናይ ገዛእ ርእሶም ኣስማት ኣለዎም።
ካብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ዝተበገሰ ሙባረክ “ጃው ኬ” ብዝብል ናብ ዝጽዋዕ መዓስከር እዩ ኣትዩ። ኣብቲ ንታይላንድን ሚያንማርን ዝፈሊ ሩባ “ሞይ” ይርከብ።
ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ኣብ “ጃው ኬ” ዝርከቡን ካብቲ መዓስከር ዝወጹን ግዳያት፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብቲ ቀጽሪ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ካብ 700 ክሳብ 1000 ከምዝበጽሕ ይገልጹ።
እቶም ኣብቲ መዓስከር ንዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ እዮም ዝምገቡን ዝሓድሩን።
ካብ ኢትዮጵያውያን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሰባትን ኣብ ግዱድ ዕስክርና ዝነጥፉን ሰባት ካብ ኮንተይነራት ተደራሪቦም ኣብ ዝተሰርሑ ክፍልታት እዮም ዝነብሩ።
እቶም ዝተደራረቡ ዓራታት ዘለዎም ክፍልታት፡ ካብ 12 ክሳብ 15 ሰባት ይሕዙ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ ተመሳሳሊ ኩባንያ ዝሰርሑን ካብ ተመሳሳሊ ሃገር ዝመጹን እዮም። መንበሪ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ድማ በበይኑ እዩ።
ንግሆ ሰዓት ሓሙሽተ ኣቢሉ ናብቲ መዓስከር ዝኣተዉ በዓል ሙባረክ፡ ሻንጣኦም ኣቐሚጦም ብቐጥታ ናብቲ ምትላል ዝካየደሉ ኣብቲ ህንጻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት እቲ ትካል ተወሲዶም።
ኣብ ኮምፒተር ናይ ምጽሓፍ ዓቕሞም ምስተፈተኑ ንጽባሒቱ ስራሕ ክጅምሩ ምዃኖም ከምዝተነግሮም ሙባረክ ይዛረብ። ኣብቲ እዋን’ቲ ግን ስርሖም እንታይ ከምዝዀነ ኣይተነግሮምን።
“ኣብታ ቀጽሪ ዝኣተናላ ምሸት፡ ሰንቢድና ስለዝነበርና፡ ‘እቲ ስራሕ እንታይ ይኸውን’ ኢልና ኣይተዘራረብናን። ንጽባሒቱ ኣብ ካፈ ኮፍ ኢልና እንከለና ኢና ተዘራሪብና። ሓደ ካብኣቶም ‘እቲ ስራሕ ምትላል (scamming) እዩ’ ኢሉ። [እቶም ካልኦት] ‘scamming እንታይ እዩ?’ ኢሎም ኣብ ኢንተርነት ፈቲሾም (ጉግል ገይሮም)። ኣነ ኣይገበርኩን፡ ንሳቶም ዝነገሩኒ እየ ተቐቢለ” ብምባል እቲ ስራሕ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝተነገሮ ዓይነት ከምዘይኰነ ዝተረድኣሉ ህሞት ይዝክር።
ሙባረክ ናብቲ ቀጽሪ ምስ ኣተወ፡ ካብ ንጽባሒቱ ጀሚሩ ን15 መዓልታት ኣብ ስልጠና ኣሕሊፉዎ።
እቲ ስልጠና “ምስ ዓማዊል ከመይ ጌርካ ከምእትዘራረብ” ዘርኢ እዩ’ኳ እንተተባህለ፡ ብምትላል ገንዘብ ብኸመይ ከምዝቕበሉ ንምምሃር ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
ኣብ መብዛሕትአን እተን ኩባንያታት፡ እቲ መደበኛ “ናይ ስራሕ ሰዓታት” 12 ሰዓታት እዩ።
ሙባረክ ቴለፎኑን ፓስፖርቱን ስለዝተመንጠለ ካብቲ መዓስከር ክወጽእ ዕድል ኣይነበሮን።
ብሰንኪ እቲ መግረፍቲ ዝተጐድአን ብሓገዝ ዝስጉምን ሰብ ዝረኣየሉ ግዜ ድማ ናብቲ መዓስከር ምስ ኣተወ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ ነይሩ።
‘ፒግ ቡቸሪንግ ስካም’
ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት መድሃኒትን ገበንን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት፡ ገንዘብ ንምትላል ዝጥቀምሎም 10 ዝተፈላለዩ ሜላታት ኣለዎም።
እቲ ኣብ መብዛሕትአን ኩባንያታት ዝፍጸምን ልሙድን ምትላል “ፒግ ቡቸሪን” ወይ ድማ “ምሕራድ ሓሰማ” ይበሃል።
“ምሕራድ ሓሰማ” ጥሪት ኣስቢሕካ፡ ስጋኡ ክሳብ መወዳእታ ከምዝሰብሐ ምስ ኣረጋገጽካ ምስ ዝፍጸም ምሕራድ ዝመሳሰል ሜላ እዩ።
ጄሰን ታወር፡ እዚ ኣገባብ እዚ “ነቶም ግዳያት ብስነ-ኣእምሮኣዊ ኣገባብ ብምቍጽጻርን ዘለዎም ኵሉ ምውሳድን” እዩ ይብል።
ሙባረክ ዝሰልጠነሉ ሜላ ድማ፡ “ኣሊሻ” እትበሃል ጓል ኣንስተይቲ ተመሲሉ ኣብ ቱርኪ፡ ፓኪስታን፡ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ናይ ዝርከቡ ዜጋታት “ኣእምሮ ኣብ ምቍጽጻር” ዘተኮረ እዩ።
ስራሕ ሙባረክ መዓልታዊ ዝመጸሉ ልዕሊ ዓሰርተ ዝዀኑ ቍጽሪ ተሌፎናት ተቐቢሉ ምስቶም ውልቀሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ሕሳባት ዋትስኣፕ ምዝርራብ እዩ።
ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ክሳብ መወዳእታ፡ እቲ ምስቶም ውልቀሰባት ዝግበር ዕላል እንታይ ክመስል ከምዘለዎ ዘርኢ መምርሒ (ቻት ፍሬም) በቲ ኩባንያ ይዳሎ።
ገጸ ባህሪ “ኣሊሻ” ናብ ብዙሓት ሃገራት እናዝተጓዓዘት ከምእትዛወር ዕዉትቲ ነጋዲት ኰይኑ ዝተሃንጸ እዩ።
“ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ብዛዕባ ንኣነባብራ ኣሊሻ፡ ደረጃ መነባብሮኣ [ትገልጽ]። ‘ንምዝናይ ናብ ዱባይ፡ ፓሪስ ከይደ’ ኢልካ ትዛረብ። ብስርዓት ዝተዳለዉ ኣሳእል ኣለዉ። ኣብ ሆቴል፡ ኣብ ባኞ፡ ኣብ ምብጻሕ፡ ዕርቃን ዝወጹ ኣሳእል ኣለዉ። ዋላ እንተዘይሓተቱ፡ ናይ ዕርቃን ስእሊ ይለኣኸሎም፤ ኣእምሮኦም ትቈጻጸሮ” ክብል ይገልጽ።
እቲ ምስ ሓንቲ “ኣሊሻ” እትበሃል ጽብቕቲ ሰበይቲ ዝዛረብ ዘሎ ዝመሰሎ ሰብ፡ ብቪድዮ ወይ ብድምጺ ከዕልል እንተደልዩ ነዚ ዕላማ ዝተዳለዉ “ሞዴላት” ተቐቢለን የዘራርባኦ። እተን “ሞዴላት” ነዚ ዕላማ ኣብ ዝተዳለወን ፍሉይ ዲዛይን ዘለዎ ኣብ ዝመስል ክፍሊ ኰይነን የዕልላኦ።
ኣብ ካልእ መዓስከራት ዝርከቡ ኩባንያታት እንተላይ ነዚ ዕላማ ጥራይ ዘገልግላ ክቡር መካይን ከምዘለወን ድማ ኣብ ካልእ መዓስከር ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብመሰረት መምርሒ ናይቲ ንሙባረክ ዘዋፈረ ኩባንያ፡ ነቲ ውልቀሰብ ምዕላልን ምእማንን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ክዛዘም ኣለዎ።
ኣብ ራብዓይ መዓልቲ፡ እቲ ብምትላል ገንዘብ ዝርከበሉ መስርሕ ክጅመር ኣለዎ። ዝቕጽል መስርሕ ድማ መዓልታት ዝወስድ እዩ።

ከም ዕዉትቲ ነጋዲት ኰይና እትቐርብ “ኣሊሻ”፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ ንሳ ዝተዋፈረትሉ ዓይነት ስራሕ ተዋፊሩ ገንዘብ ክረክብ ከምእትደሊ ትገልጽ።
እቲ ናይ ኦንላይን ስራሕ ዝፍጸም ኣብቲ ነቲ ዓቢ ናይ ዕዳጋ ኩባንያ “ኣማዞን” ዝመስል እቲ ናይ ምትላል ኩባንያ ዘዳለዎ ናይ ሓሶት መርበብ ሓበሬታ እዩ።
ኣብተን ፈላሞት መዓልታት ንእሽተይ ገንዘብ ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ከእቱ ዝሕተት ሰብ፡ ምእንቲ እምነት ክሓድሮ ኣብቲ ዘእተዎ ገንዘብ ተወሳኺ “ኮሚሽን” ክረክብ ይግበር። ብመሰረት መምርሒታት እቲ ኩባንያ፡ እቲ ውልቀሰብ ነቲ ገንዘብ ምስ መኽሰብ ከውጽእ ዝኽእል ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ (stage) እዩ።
“ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ኵሉ መጻወድያ’ዩ። ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝዀነ ገንዘብ ምውጻእ ኣይፍቀድን። ብጌጋ ገንዘብ ከውጽእ እንተፈቒድካሉ፡ ኣብኡ እንከለኻ ብኤሌክትሪክ ክትሳቐ ይገብሩኻ” ብምባል ሙባረክ እቶም ደረጃታት እንታይ ከምዝመስሉ የብርህ።
እቲ ውልቀሰብ ኣብዚ ደረጃ ዝሕተቶ መጠን ገንዘብ ብኣሽሓት ዶላራት ኰይኑ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ “ኮሚሽን” ተባሂሉ ዝረአ መጠን ገንዘብ እውን ኣዝዩ ልዑል እዩ።
እንተዀነ ነቲ ስራሕ ወዲኡ ነቲ ገንዘብ ከውጽእ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ንምብጻሕ ብተደጋጋሚ ገንዘብ ከቐምጥ ይሕተት። እቲ ልዑል ዝመስል ኮሚሽን ክረክብ ዝህንጠ ሰብ ድማ ነቲ ብዝዀነ ምኽንያት ዝሕተቶ ገንዘብ የቐምጥ።
እዚ መስርሕ እዚ፡ ክሳብ እቲ ሰብ ገዛ፡ መኪና… ዘለዎ ኵሉ ሸይጡ ነቲ ገንዘብ ዘቐምጥ ይቕጽል። ኵሉ እቲ ከቐምጦ ዝኽእል ገንዘብ ምስተወድአ፡ ናብቲ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ኣካውንቱ ምእታው ይኽልከል፤ ኣሊሻ ድማ ካብ ዋትስኣፕ ትጠፍእ።

ማእሰርትን ስቓይን

“ሕጋዊ ስራሕ ንምርካብ” ምስ መጹ ንገዛእ ርእሶም ኣብዞም መዓስከራት ዝረኽብዎም ግዳያት፡ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ህይወት ሰባት ዘደስክል ዘይሕጋዊ ምትላል ንምፍጻም ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ነዚ ዝርድኡ መራሕቲ ጕጅለታት ገበን፡ ናይቶም ግዱዳት ዓስከርቲ “ባህርያት ዝቕይሩ” ተግባራት ከምዝፍጽሙ ጄሰን ታወር ይዛረብ።
ባህርያቶም ንምቕያር ድማ “ሽልማት ይጥቀሙ። ሓሽሽ ክወስዱ ይገብርዎም። ነቲ ምትላል ንኽፍጽሙ ፋይቶታት ክረኽቡ የመቻችኡ፡ ብድሕሪ’ዚ ‘እንተኣብዮም’ ክሳቐዩ ይግበሩ” ይብል።
ብግዴታ ናብ መዓስከራት ዝኣትዉ ሰባት ካብቲ ቦታ ንኽወጹን ምስ ወጹ ድማ ሓገዝ ንኽረኽቡ ንምሕጋዝን እትሰርሕ ናንሲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ እቶም ግዳያት ዝወረደ ኣካላዊ መጉዳእቲ ምውሳኹ ከምዘስተብሃለት ትገልጽ።
ንሳ እትመርሖ ትካል ሓገዝ ዝገበረሎም ሰባት፡ ካብቲ ዝበጽሖም ስቓይ፡ መግረፍቲ፡ ኤለክትሪክ ምስቓይ፡ ብመቝሕ ተኣሲሮም ክንጥልጠሉ ምግባርን ኣብ ጸልማት ክፍልታት ምእሳርን ይርከብዎ።
“ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ሓንጐሎም ብተደጋጋሚ ብኤሌክትሪክ ስለ ዝተሳቐዩ፡ ናይ ኣእምሮ ጉድኣት ዘጋጠሞም ሰባት ርኢና ኣለና። መን ምዃኖም፡ ስሞም፡ ካበይ ከምዝመጹ ኣይፈልጡን” ትብል ናንሲ።
ብተወሳኺ “ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሖም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን” ከምዘለዉ እውን ትገልጽ።
ቢቢሲ ካብቶም ኣብ መዓስከራት ዝነበሩን ሕጂ’ውን ዘለዉን ኢትዮጵያውያንን ካብ ስድራቤታትን ዝረኸቦም ብርክት ዝበሉ ኣሳእል፡ ብመግረፍቲ ኣካላቶም ብመጥቃዕቲ ዝቘሰለ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን የርእዩ።
ብተወሳኺ ብኤሌክትሪክ ብምስቓዩ እግሩ “ማይ ናይ ዝቛጸረ” ሰብ ስእሊ እውን ክርኢ ክኢሉ እዩ።
ንሓለፍቲ ዘይምእዛዝ፡ ሕቶታት ምልዓል፡ ከምኡ’ውን ብመሰረት ውጥን እቲ ኩባንያ ገንዘብ ምትላል ዘይምኽኣል፡ ካብቶም ነዚ መቕጻዕቲ ዘስዕቡ “ገበናት” እዮም።
እቲ ንሙባረክ ዘስርሖ ኩባንያ ኣብ ልዕሊ እቶም ግዱድ ሸቃሎ ዘንበሮ ወርሓዊ ኣታዊ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር እዩ።

ሙባረክ ኣብ ቀዳማይ ወርሒ ነቲ ውጥን ብዘይምምላኡ ዝተነበረሉ መቕጻዕቲ ካብቲ ንቡር 12 ሰዓታት ንላዕሊ ክሰርሕ ምግባር እዩ ነይሩ።
ኣብ ካልኣይ ወርሒ እውን ክንድቲ ዝተበሃሎ ገንዘብ ከእቱ ኣይከኣለን። ብሰንኪ’ዚ ዝተነበረሉ ናይዚ ወርሒ መቕጻዕቲ ድማ መዓልታዊ ድሕሪ ስራሕ ንሓደ ሰዓት ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ ክጐዪ ምግባር እዩ ነይሩ።
ብድሕሪ’ዚ ዝነበሩ መቕጻዕቲታት ዝያዳ ከምዝኸበዱ ሙባረክ ይዝክር።
“መዓልታዊ ንምትላል ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ዘሎ ዓሚል ክህሉ ኣለዎ። እንተዘይሃልዩ ድማ ትግረፍ። ኣብ ቅድሚ ኵሎም እዮም ዝገርፉኻ። መንበርካ ከየእተኻ እንተኼድካ እውን ትቕጻዕ ኢኻ። ምስ ሃይማኖተይ ስለ ዝጋጮ ምስራሕ ከቢዱኒ፤ ቅድሚኡን ንዕኦም ፈሪሐ እየ ዝሰርሕ ነይረ” ይብል።
ሙባረክ ንተኸታተልቲ ኣዋርሕ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ኣታዊ ክገብር ኣይከኣለን። ኣብ ሓደ እዋን ድማ እቶም ዝታለሉ እምንት ንኽሓድሮም ተባሂሉ ንዝኣትወሎም ንእሽቶ ኮሚሽን ሒዞም ጠፊኦም።
ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ሓደ ሰሙን ሸውዓተ ሽሕ ዶላር ከፊሉ ካብቲ መዓስከር ንኽወጽእ ነጊሮምዎ።
ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ክረክብ ከምዘይክእል ብምግላጽ ብልመናን ሽምግልናን ሰለስተ ሽሕ ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ።
ስድራኡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ሰባት ክፍሊት ክፍጽሙ ብምግባር ካብቶም ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ካልኦት ግዳያት 2500 ዶላር ኣዋህሊሉ። ምስ ስድራኡ ክራኸብ ከምዘይኽእልን ነቲ ዝተረፈ 500 ዶላር እውን ክኸፍል ከምዘይክእልን ንሓለፍቱ ኣፍሊጥዎም።
እዚ ዓይነት ነገር ኣብ መንጐ ሓለፍቲ እቲ ኩባንያ ቅቡል ኣይኰነን። ክልተ ኰይኖም ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣእትዮም ብ”ሓለንጊ” ክገርፍዎ ጀሚሮም።
“ሓለንጊ ኣሎ። ሓንሳብ ምስ ወቕዑኒ ሃለዋተይ ጠፊኡኒ። ንነብስኻ ክትከላኸል ኢድካ እንተልዒልካ ብኤሌክትሪክ የሳቕዩኻ። ክልተ ኰይኖም ኣብ ትሕቲ እዝነይ ክሃርሙኒ እንከለዉ፡ ውነይ ስሒተ ወዲቐ” ብምባል ዘጋጠሞ ስቓይ ይዝክር።
ውንኡ ብምስሓቱ እቲ መቕጻዕቱ ኣይቀለለሉን። ናብ ሓደ ግዱድ ሸቃሎ ዝእሰሩሉ “ጸልማት ክፍሊ” ተወሲዱ ብሰንሰለት ተወጢሩ ተኣሲሩ።

ናብዚ ማእከል ስቅያት ዝኣትዉ ግዱዳት ሸቃሎ ብዕጡቕ ሓይሊ እዮም ዝሕለዉን ዝሳቐዩን። ካብ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ጀሚሩ ተወጢሩ ዝተኣስረ ሙባረክ፡ እታ ለይቲ እውን ብተመሳሳሊ ስቓይ ኣሕሊፍዋ። ተኣሲሩ’ውን እንተዀነ፡ ድቃስ ክወስዶ ኣይፍቀደሉን።
“ኣብ ሃይማኖትና ኣብ ቃንዛ ክትከውን እንከለኻ፡ ብኣእምሮኻ ትሰግድ ኢኻ። ኣነ’ውን ሰዓት ኣርባዕተ ምሸት ክሰግድ ኢለ ኣዒንተይ ዓሚተ ጸሎት ጀሚረ። [እቲ ሓላዊ] ኣዒንተይ ምስ ዓመትኩ፡ ዝደቀስኩ መሲልዎ እናጎየየ መጺአ ኣብ ክሳደይ ኤሌክትሪክ ኣንቢሩ፤ ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ፡ ‘ኣይደቀስኩን’ ኢለዮ። ‘ካልኣይ ግዜ ከይትደግም’ ኢሉኒ ከይዱ።”
ንጽባሒቱ ንግሆ ሰዓት ኣርባዕተ፡ ዓይነት ማእሰርቱ ተቐይሩ። ክልተ ኣእዳዉ ንላዕሊ ተኣሲሩ፡ ኣጻብዕቲ እግሩ ጥራይ መሬት ክትንክፋ ተገይሩ። ክሳብ ሰዓት 12 ምሸት ከምዚ ኢሉ ምስ ጸንሐ ድማ እቲ ዓይነት ማእሰርቲ ዳግማይ ተቐይሩ።
ዓይነት ማእሰርቲ ጥራይ እናተቐየረ ንሰለስተ መዓልቲ ብዘይ መግቢ ኣሕሊፉ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ልዕሊኡ እዩ ደገ ዝወጽእ ነይሩ።
ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እቶም ሓለፍቲ ናይቲ ኩባንያ መጺኦም እቲ ዝተረፈ 500 ዶላር ምእንቲ ክልእኩሉ ናብ ስድራኡ ክድውል ምስ ገብሩ፡ ዳግማይ ተኣሲሩ።
ኣብ ራብዓይቲ መዓልቲ ሕቘኡ ዘይሩ ምስ ተኣሰረ ክልተ ኰይኖም ክሳብ ዝደሚ ገሪፎምዎ። እቲ ካብ ስድራቤት ክለኣኽ ዝተበሃለ መጠን ገንዘብ’ውን ካብ 500 ናብ 2 ሽሕ ዶላር ወሲኹ። ናብ ስድራኡ ደዊሉ ብዛዕባ’ቲ ወሰኽ ነጊርዎም። ንሓሙሻይ መዓልቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምሕላፍ፡ እቲ ገንዘብ ካብ ስድራኡ ምስ ተቐበሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ።
ሓረስቶት ዝዀኑ ወለዲ ሙባረክ፡ ወዶም ንክፍታሕ ብድምር 600 ሽሕ ብር ከምዘውጽኡ ይዛረቡ። ፍርቁ ጥሪትን እኽልን እታ ስድራቤት ብምሻጥ ዝተረኽበ እዩ። ፍርቁ ድማ ብልቓሕን ብኣበርክቶን።
ደላላይ ‘ካብ ርሑቕ ኣይመጽእን’
እቲ ኣብ ልዕሊ ሙባረክ ዝተፈጸመ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣብቲ ኩባንያ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዝፍጸም ኣይኰነን። ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብቲ መዓስከር ድሕሪ ምምጻእ፡ ምስቶም ቻይናውያን ሓለፍቲ ብምውህሃድ ከም ተቘጻጸርቲ ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ እቶም ግዳያት ንቢቢሲ ሓቢሮም እዮም።
ሙባረክ ኣብ ንሱ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ኩባንያ ተቘጻጻሪ ኢትዮጵያውያን ዝነበረ ካልእ ወዲ ሃገሩ ከም ዝነበረ ይዝክር።
“[እቲ ኢትዮጵያዊ] መራሒ ጋንታ እንታይ ከም እትሰርሕ ይከታተል። ከመይ ጌርና ከምእነዕልል ይርኢ፡ ቅልጣፈና ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ምዃኑ ይዕዘብ። እንተተቘጢዑ፡ ምስኡ ክትሰማማዕ እንተዘይክኢልካ ኣሕሊፉ ይህበካ” ክብል ኣብቲ ኩባንያ ዘለዎም ሓላፍነት ይገልጽ።
ምስተን ኩባንያታት ኰይኖም ካልኦት ሰባት ካብ ኢትዮጵያ ዘምጽኡ እውን ከምዘለዉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ግዳያት ይሕብሩ።
ካብ 2013 ጀሚሩ ካብ ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት ሰባት ምቝጻር ዝጀመሩ መታለልቲ ኩባንያታት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝዝርግሕዎም ናይ ሓሶት ናይ ስራሕ መወዓውዒ ኣቢሎም ሰባት ይቘጽሩ ነይሮም።
ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ፡ እዚ ኣገባብ ምልመላ ከምዝተቐይረ ካብቲ መዓስከር ንዝወጹ ሰባት እትሕግዝ ናንሲ ትገልጽ።
ኣብዚ እዋን’ዚ “መብዛሕትኦም ሰባት ብደቂ ሃገሮም እዮም ዝቝጸሩ ዘለዉ” ትብል።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብተን መዓስከራት ዝነበሩን “ስራሕ ክትረኽቡ ኢኹም” ተባሂሎም ዝኸዱ ሓሙሽተ ግዳያት፡ ብኢትዮጵያውያን “ደላሎ” ዝተወሰዱ ምዃኖም ይዛረቡ። ኵሎም ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ታይላንድ ኣሎ ዝተበሃለ ስራሕ ብዝፈልጥዎም ሰባት ኣቢሎም እዮም ሰሚዖም።
ኣብቶም ሓሙሽተ ነቶም ክልተ ዘዘራረብዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ደላሎ ኰይኖም፡ ኣብ ባንኮክ ምስ በጽሑ ድማ ተቐቢሎም ናብ ሚያንማር ዘሰጋገርዎም ኣብተን ኩባንያታት ቻይና ዝሰርሑ ሰባት እዮም። እቶም ሰለስተ ከኣ ኣብ ታይላንድ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ደላሎ ኰይኑ፡ ኣብ ታይላንድ ተቐቢሎም ናብቶም ቻይናውያን ኣሰጋጊሮምዎም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ግዳያት፡ ኣብ ታይላንድ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰባትን፡ እዞም ኣብ ታይላንድ ዝመደበሮም ደላሎ “ኣብ መዓስከራት ተመሳሳሊ ክሰርሑ ዝጸንሑ እዮም” ይብሉ።
ናንሲ፡ “[ካብቶም ካብ መዓስከራት ዝወጹ ሰባት] ኣየኖት ግዳያት ምዃኖምን ኣየኖት ከምዘይኮኑን ንምፍላይ ኣጸጋሚ እዩ። ካብ መዓስከራት ዝወጹ ግዳያት ከምዘለዉ እኳ እንተፈለጥና፡ ገለ ካብኣቶም ሰባት ንምቝጻር ምእንቲ ክኽእሉ ክወጹ ከምዝፍቀደሎም ንፈልጥ ኢና” ትብል።
ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ክልተ ኣብ ታይላንድ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፡ እቶም ካብቲ መዓስከር ዝወጹ ሰባት ኣብ ታይላንድ ኮፍ ኢሎም ሰባት ከምዘምጽኡ ምዕዛቦም ይገልጹ። ክልቲኦም ነበርቲ ታይላንድ ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ደላሎ ብዝበጽሖም “ስግኣት” ስሞም ክግለጽ ኣይደለዩን።
ንዝሓለፉ 18 ዓመታት ኣብ ባንኮክ ዝነብር ዝነበረ ሓደ ኢትዮጵያዊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ተታሊሎም ናብ ታይላንድ ዝመጹ ሰባት ብተደጋጋሚ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብምግባሮም ምፍርራሕ ከምዝበጽሖም ሓቢሩ።
“[መልእኽቲ ዝሰዱ] ብዘይፍለጥ ቍጽሪ እዩ። ካብኦም ምዃኑ እንፈልጥ ግን ‘ስራሕ ሰባት ተበላሽዉ ኣለኹም፡ ክንቀትለኩም ኢና’ ስለ ዝብሉ እዩ። ደቀይ ኣብ ኢትዮጵያ እዮም ዝነብሩ። ‘ደቅኻ ክነጥፍኦም ኢና’ ዝብል ምፍርራሓት እዮም ዝበጽሑና።”
ካልእ ኣብ ታይላንድ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ብወገኑ፡ ሰባት ኣምጺኦም ናብ መዓስከራት ኣብ ምእታው ዝነጥፉ “ብውሑዱ ዓሰርተ” ኢትዮጵያውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝፈልጥ ይዛረብ። ባህርያት ናይዞም ውልቀሰባት ድማ “ሚስጥራውን ጭካነ ዝተመልኦን” ክብል ይገልጾ።
ኢትዮጵያውያን ካብ መዓስከራት ሚያንማር ናይ ምውጻእ ብድሆ
ኣብ ሚያንማር ካብ ዝርከቡ መዓስከራት ንምውጻእ ዝሕተት ካብ መጠን ንላዕሊ ገንዘብ ከፊሎም ክወጹ ዘይከኣሉ “ብኣሽሓት ዝቝጸሩ” ኢትዮጵያውያን፡ ሕጂ’ውን በቲ ዝተሓላለኸ መርበብ ገበን ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ተጨውዮም ይርከቡ።
ስድራቤታት እዞም መንእሰያት ድማ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍታሕ ይጽበዩ ኣለዉ።
ኮሚተ ስድራቤታት እተተሓባብር ወ/ሮ ኣበበች ሲምል ከምእትብሎ፡ እቲ ኮሚተ ክሳዕ ሕጂ ኣስማቶምን ሃለዋቶምን ዝተረጋገጸ ልዕሊ 250 መንእሰያት መዝጊቡ ኣሎ።
ወለዲ እቶም መንእሰያት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክመላለሱ እኳ እንተጸንሑ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ጭቡጥ መፍትሒ ኣይረኸቡን።
ጉዳይ ኣብ ሚያንማር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ጃፓን ብዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ እዩ ተታሒዙ ዘሎ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ዳባ ደበሌ፡ ካብ ግንቦት 2016 ጀሚሩ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሚያንማር’ውን ኰይኑ ተሰይሙ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እቲ ኤምባሲ ነቶም ኢትዮጵያውያን ንምውጻእ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ኣመልኪቱ ሓበሬታ ንምርካብ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ኣካይዱ እዩ።
ነዚ ዝምልከት ሕቶታቱ ብኢመይል ክልእኽ ብኣምባሳደር ዳባ ተሓቲቱ ከምኡ ገይሩ’ኳ እንተነበረ፡ ዛጊት ግን ዝዀነ መልሲ ኣይረኸበን።
ኣብ ታይላንድ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾታት ኢትዮጵያ ዘካይድ ዘሎ ኣብ ህንዲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ እውን ብተመሳሳሊ ምላሽ ኣይሃበን።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምስተን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዜጋታተን ተኣሲሮም ዝጸንሑ 18 ሃገራት ብምትሕብባር፡ ነቶም ኢትዮጵያውያን ንምምላስ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ቢቢሲ ካብቲ ሚኒስትሪ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረን።
ካብተን መዓስከራት ዝወጹ ግዳያት ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝሕግዝ ትካል እትመርሕ ናንሲ፡ ቅድሚ ሕጂ ኢትዮጵያውያን ንምምላስ ኣብ ዝገበርዎም ጻዕሪታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርኻብ ኣጸጋሚ ከምዝነበረ ትዛረብ።
ኣብ ታይላንድ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ስለዘየለ፡ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ዝራኸቡ ኣብ ባንኮክ ብዘሎ ኤምባሲ ኬንያ ኣቢሎም ከምዝዀነ ትጠቅስ።
“ኣብ ህንዲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ካብቲ ጉዳይ ዝተላዕለ ይመስል። ብቐጥታ ክንረኽቦም ኣይደልዩን እዮም። ዜግነት ናይቶም ግዳያት ዘረጋግጽ ደብዳበ ክጽሕፉልና ነቲ ኤምባሲ ክንሓትት ከለና መብዛሕትኡ ግዜ ቀልጢፎም መልሲ ኣይህቡን እዮም” ክትብል ድማ ትወቅስ።
ብኣንጻሩ እቶም ኣብ መዓስከራት ዝነበሩን ሕጂ’ውን ዘለዉን መንእሰያት፡ ኬንያውያንን ዩጋንዳውያንን ዝርከብዎም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት “ብጻዕሪ መንግስቲ ሃገሮም” ክወጹ ክግበሩ እንከለዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ክሳዕ ሕጂ “ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ” ከምዘይወሰደ ይዛረቡ።
ካብ መዓስከራት ዝወጹ ኢትዮጵያውያን መብዛሕትኦም ኣሽሓት ዶላራት ከፊሎም እዮም ናጽነቶም ረኺቦም።
ኣብ ሚያንማር ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ሙባረክ ነቲ ገንዘብ ምስ ከፈለ፡ ሓለፍቲ ናይቲ ኩባንያ ክወጽእ ገይሮም እዮም።

ንዕኡን ንኻልኦት ኣርባዕተ ሰባትን ካብቲ መዓስከር ኣውጺኦም ናብ ታይላንድ ከምዝመለስዎምን ኣብ ከተማ ሜይ ሶት ከምዝገደፍዎምን ይዛረብ።
ኣብ ታይላንድ ኣብ መዳጐኒን ቤት ማእሰርቲን ኢሚግሬሽን ሰሙናት ከሕልፍ ዝተገደደ ሙባረክ፡ ሚያዝያ 2016 [ግ] ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ክኢሉ ኣሎ።
ኣብተን ዝተኣስረለን ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ኣእዳዉን ሸኾናኡን ብዝበጽሖ መጕዳእቲ ዝዀነ ኣድካሚ ስራሕ ክሰርሕ ከምዘይክእል ይገልጽ። ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝምለስ ጀሚሩ ድማ ኣብ ዝዀነ ስራሕ ክዋፈር ኣይከኣለን።
“ስድራቤተይ ሓሲቦም ‘እዚ ግበር’ እንተዘይሎምኒ ሕጂ ኣነ ዝሓስቦ ነገር የብለይን። ብዙሕ ወጻኢ ገይሮም እዮም ሰዲዶምኒ። ካብኡ’ውን ንኽምለስ ብዙሕ ገንዘብ ከፊሎም እዮም። ስለዚ ‘እዚ ግበሩለይ’ ምባል ይኸብደኒ እዩ” ብምባል ብዛዕባ ንመጻኢ ህይወቱ ዝወስዶ ስጕምቲ ንጹር ሓሳብ ከምዘይብሉ ይዛረብ።
ሙባረክ እቲ “ጊላነት” ኢሉ ዝገልጾ ኣብቲ መዓስከር ዝነበሮ ጻንሒት ዘስዓበሉ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መጕዳእቲ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣይሓወየን።
“ብዙሕ ግዜ ኣብቲ መዓስከር ዘጋጠመኒ ነገር እሓስብ። ሓደ ሓደ ግዜ ‘ስድራይ ብሰንከይ ዕዳ ኣትዮም’ ኢለ እሓስብ። ግን ድማ ኣላሓምዱሊላሂ ብህይወት ምምላሰይ ባዕሉ እኹል እዩ ይብል።”
ብኣንጻሩ ኣብ ታይላንድ ስራሕ ከምዘቝጽሮ ኣእሚኑ ንወነንቲ እቲ ኩባንያ ኣሕሊፉ ዝሸጦ ዓብዲ ዝተባህለ ደላላይ ተሓታቲ ኣይኰነን።
ሕጂ’ውን ዓብዲ እናደርፈ (lip sync እናገበረ) ዘርእዩ ኣብ ኣብ ቲክቶክ ኣብ ዝዝርግሖም ቪድዮታት ይርእዮ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ዱባይ ከምዝሰገረ ምስምዑ’ውን ይገልጽ።
“ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ናብ ሕጊ እንተዘቕርብዎ ደስ ምበለኒ” ይብል።