
ሳይሞን ዊዝንትሆል እቲ ኣዝዩ ዝሃበበ ኣባላት ናዚ ዝሃድን
ሰብዩ.ኣብ ቤትጽሕፈቱ ከኣ ናይ ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ፋይላት የቀምጥ ነበረ. ሎምዓልቲ ግን ዘይተሓስበ ለውጢ ኣጋጠመ.ሓደ ሰኺሩ ዝነበረ ሰብኣይ ናብ ቤትጽሕፈቱ ኣትዩ 7000 ዶላር እንተ ሂብካኒ ፍራንዝ ስታንግል ኣበይ ከምዘሎ ክሕብረካ እየ በሎ.
ፍራንዝ ስታንግል 800000 ሰባት ዝቐተለ ሰብዩ ኔሩ . ሳይሞን ከኣ በቲ ሓሳብ ተገረመ.ዋላኮ ንፍራንዝ ስታንግል ይሃድኖ ተነበረ ነቲ ዝቐረበሉ ጠለብ ግን ብዓይኒ ጥርጣረ ረኣዮ.ድሕሪኡ ሳይሞን ምስቲ ዘይፈልጦ ሰብ ውዕል ገበረ.እቲ ውዕል ማሕተም ክግበረሉ ተኾይኑ ግን ፍራንዝ ስታንግል ክትሓዝ ኣለዎ.ሳይሞን በቲ ጋና ጌሩ ስታንግል ኣበይ ቦታ ይነብር ከምዘሎ ፈለጠ.ስታንግልን ስድርኡን ኣብ ሳኦፓውሎ ብራዚል እዮም ዝቕመጡ ኔሮም.
ሳይሞን ነቲ ምስጢራዊ ሓባራይ ንካልኣይ ግዜ ኣይረኣዮን.ናይ ፍራንዝ ስታንግል ስእሊ ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብ ቦርቶ ፊልይኡ ሒዙ ይጎዓዝ ነበረ.ሕጂ እቲ ናዚ ብገበኑ ዝሕተተሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ.
ፍራንዝ ስታንግል ከም ፖሊስ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣውስትርያዊ እዩ ኔሩ.ስርዓት ናዚ ናብ ስልጣን ምስ መጹ ከኣ ምስ ss ተጸምበረ.ድሕሪኡ ከኣ ቀስ ብቐስ ናብ ስልጣን ክድይብ ጀመረ.ኣብቲ ኣብ ኣውስትርያ ግምቢ ሃርታይም ዝግበር ዝነበረ ፍሉይ ፕሮግራም ተኻተተ. እዚ ቲፎር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፕሮግራም ነቶም ዝተፈላለየ ኣእምራውን ኣካላውን ጸገም ዝነበሮም ሰባት ንምጥፋእ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ፕሮግራምዩ ኔሩ.ንሶም ከም ምሉኣት ሰባት ስለዘይቁጸሩ እዩ ብጋዝ ቸይምበርስ ዝቕተሉ ኔሮም.
እቶም ኣባላት ss ነቶም ግዳያት ቅድሚ ምቕታሎም የጸባብቅዎምን ይምሽጥዎምን ነበሩ.ሰብ ኮንካ ከመይ ኢልካ ከማካ ዝኣመሰሉ ሰባት ብመርፍእ ተወጊኦም እናተቐትሉ ከለዉ ደው ኢልካ ትርኢ?ሰብ ኮንካ ከመይ ኢልካ ከማካ ዝኣመሰሉ ሰባት ብጋዝ እናተቐትሉ ከለዉ ደው ኢልካ ትርኢ?ፍራንዝ ግን ሰብ ምቕታል ኣዝዩ እዩ ደስ ዝብሎ ኔሩ.ነቶም ሂትለር ዝእውጆም ዝነበረ ናይ ዓሌትነት ክልሰሓሳባት ይኣምነሎም ነበረ.ኣርያውያን ከኣ ካብ ኩሎም ዓሌታት ይበልጹ እዮም እዩ ዝብል ኔሩ.
እቲ ሓላፊ ናይ ss ዝኾነ ሂምለር እዩ ንፍራንዝ ስታንግል መሪጽዎ.ዓቕሚ ኣለዎ ኢሉ ነታ ቦታ ክቆጻጸራ መዚዝዎ.
እቲ ፕርግራም ኣብ ዝተወድአሉ ግዜ ከኣ 30000 ሰባት ሞቱ.
ሳኦፓውሎ ብራዚል 1951.
ፍራንዝ ስታንግል ድሕርቲ ውግእ ኣብ ብራዚል ተዓቂቡ ነበረ.ምስ 3ደቁን ሰበይቱን ኮይኑ ከኣ ምችእ ግዜ የሕልፍ
ነበረ.ኣብቲ ግዜ ኣብ ሳኦፓውሎ ብዙሓት ጀርመናውያን ይቕመጡ ነበሩ.ፍራንዝ ከኣ ኣብኡ ሕጉስ ሂወትዩ ዘሕልፍ
ኔሩ.እቶም ጀርመናውያን እናተኣከቡ ናይ ሂትለር ዕለተ ልደት የኽብሩ ነበሩ.ፍራንዝ ከኣ ኣብ ሓንቲ ናይ መኪና ፋብሪካ ክሰርሕ ምስጀመረ ድሓን ዝኾነ ኣታዊ ክረክብ ከኣለ.
እዚ ገበነኛ ኩናት ዝኾነ ፍራንዝ ንስድርኡ ኣብ ሓንቲ ገፋሕ ገዛ ከእትዋ ከኣለ.ዝዝክረኒ ሰብ ስለዘየለ ብገበነይ ኣይሕተትን እየ ኢሉ ሓሰበ.ተኾነ ግን ሳይሞን ነቲ ንሱ ዝፈጸሞ ገበናት ኣይረስዖን.ንባዕሉ ግዳይ ናይ ናዚ ጭካነ ኮይኑ ስለዝነበረ ፈጺሙ ክርስዕ ኣይክእልንዩ.
ንሱን ሰበይቱ ሲልያን ካብ ሆሎካስት ዝድሓኑ ግዳያትዮም
ኔሮም.ብሰንክቲ ግፍዒ 89ኣዝማድ ከሰሩ.እቲ ናይ ስርዓት
ናዚ ጭካነ ድማ ካብ ርእሶም ጠቕሊሎም ከጥፍእዎ ኣይከኣሉን ነበሩ.
እቲ ሓድሽ ኣሰር ዝረኸበ ሳይሞን ነቲ ኣድራሻ ናይ ፍራንዝ ከረጋግጽ ኢሉ ናብ ሓደ ኣብ ብራዚል ዝነበረ መሳርሕቱ ደወለ.ተኾነ ግን ኣድራሻ ናይ ፍራንዝ ምፍላጥ ቀሊል ክኸውን ይኽእልዩ.ናብ ኤሮጳ ኣምጺካ ብገበኑ ክትሓቶ ግን ከቢድዩ.ምስጢር ክዕቅብ ኢሉ ከኣ ምስ ኣዝዩ ዝኣምኖም ሰባት ጥራይ ክራኸብ ጀመረ.ነቶም ኣብ ብራዚል ምስ ናዚ ዝደናገጹ ሰባት ከንቅሖም የብሉን.እተን ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ዝነበራ ዓበይቲ ሃገራት ብዙሓት ጀርመናውያን ኣዕቒበን ነበራ.ነታ ብአዶልፍ ሂትለር ትምራሕ ዝነበረት ናይ ቀደም ጀርመን ከኣ ይድግፋኣ ነበራ.ብሰንክዚ ድማ ናይ ሳይሞን ስራሕ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ይኽእልዩ.ፍራንዝ ስታንግል ምናልባት ክከላከሉሉ ዝኽእሉ ኣዕሩኽ ክህልውዎ ይኽእሉ እዮም.
ቭየና ኣውስትርያ.
ሳይሞን ኣብቲ ኣብ ቭየና ዝርከብ ቤትጽሕፈቱ ኮይኑ ንፍራንዝ ስታንግል ኣብ መጻወድያ ዘእቱ መደብ ክሕንጽጽ ጀመረ.ምስ ናይ መንግስቲ ምንጭታት ክማኸር ከሎ ዝተሓብአ ሓበሬታ ተረኸበ ኢሉ ከኣ ጥንታዊ ዶኩመንትታት ይገናጽል ነበረ.
እቲ ውግእ ካብ ዝውዳእ 20 ዓመት ምስ ገበረ ሳይሞን ሓደ ካብቶም ውሑዳት ንኣባላት ናዚ ዝሃድን ዝነበረ ሰብዩ ኔሩ.ህዝቢ ናይ ውግእ ዛንታታት ኣሰልችይዎ ነበረ.
እቶም ኣባላት ናዚ ዝሃድኑ ከም ሳይሞን ዝኣመሰሉ ሰባት ግን ብናይ ውግእ ዛንታታት ይግደሱ ነበሩ.ድሕሪኡ ሳይሞን ነቲ ፍራንዝ ኣብ ግዜ ናዚ ዝነበሮ ስራሕ ክምርምሮ ጀመረ.ፍራንዝ ነቲ ቀዳማይ ስርሑ ምስ ወድኦ
ናብ ኦፕሬሽን ራይን ሃርት ዝብሃል ንጹሃት ሰባት ዝቕተሉሉ ፕሮግራም ተሰጋገረ.ኣብቲ ፕሮግራም ኣሽሓት ፖላንዳውያን ኣይሁድ ተቐትሉ.ዕላማ ናይዚ ካምፕ ንጹሃት ሰባት ምቕታል ጥራይ እዩ ኔሩ.ኣብ ምብራቓዊ ፖላንድ ከኣ ኮምኡ ዝኣመሰሉ 3 ካምፕታት ነበሩ.ንሶም ቤልሲክ ሶቢቦርን ትሬብሌንካን ተባሂሎም እዮም ዝጽውዑ ኔሮም.ፍራንዝ ከኣ ነዞም 3 ካምፕታት ባዕሉ ይቆጻጸሮም ነበረ.እቶም ናብዞም ካምፕታት ዝኣትዉ ዝነበሩ ንጹሃት ሰባት ካብኡ ብሂወት ናይ ምውጻእ ተስፋ ኣይነበሮምን.ገለ ውሑዳት ሰባት ጥራይ እዮም ከኣ ሃዲሞም.ሳይሞን ከኣ ኣብቲ ናይ ጀኖሳይድ ክሱ ክሕግዝዎ ኢሉ ምስ ገለ ካብኦም ተራኸበ.ሸዑ ንሶም ነቲ
ስርዓት ናዚ ኣብ ልዕሊኦም ዝገበሮ ገበን ብዝርዝር ገለጹሉ.ስርዓት ናዚ ነቶም ኣይሁዳውያን ብባቡር ጌሩ ናብ ምብራቓዊ ፖላንድ ይወስዶም ነበረ.ድሕሪኡ ናብቲ ንጹሃት ሰባት ዝቕተሉሉ ካምፕታት የእትዎም.ናይ ፍራንዝ ስታንግል ስራሕ ከኣ ነቲ መስርሕ ምቁጽጻር እዩ ኔሩ.ጻዕዳ ክዳንን ጻዕዳ ጋንትን ከኣዩ ዝገብር ኔሩ.ሸዑ እቶም ኣባላት
ነቶም ኣይሁድ ክዳውንቶም ገፊፎም ናብ ገለርያ ኣእትዮም ብጋዝ ቀቲሎም የንድድዎም ነበሩ.እዚ መስርሕ
ጀሚሩ ክሳብ ዝውድእ 30 ደቂቕ ጥራይ እዩ ዝወስድ ኔሩ.ስለዚ ናብቲ ካምፕ ብባቡር ጌርካ ምስ መጻእካ ሰዓት
ከይጸናሕካ ትቅተል ማለትዩ.ሳይሞን ከኣ ነቶም ካብዚ ካምፕ ዝድሓኑ ገለ ኣይሁዳውያን ንፍራንዝ ከም ዝሕዞ ተመባጽዓሎም.እዚ ከምዚሉ ከሎ ኣብ ጀርመን 10 ኣብ ትሬብሌንካ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ss ብገበን ተኸሲሶም ኣብ ቤትፍርዲ ደው ኢሎም ነበሩ.ፍራንዝ ግን
ሓደ ካብኦም ኣይኮነን ኔሩ.ንሱ ብሞት ናይቶም ኣብቲ ካምፕ ዝሞቱ 800000 ሰባት ተሓታቲ እዩ.ተኾነ ግን ስሙ ምስቶም ዝተታሕዙ ገበነኛታት ኣይነበረን
እቲ ንሱን ብጾቱን ዝገበርዎ ገበናት ከኣ ብሰንክቲ 10 ወርሒ ዝወሰደ ፍርዳዊ መስርሕ ናብ ህዝቢ ተቓልዐ. ፍራንዝ ግን ኣብ ብራዚል ነጻ ሰብ ኮይኑ እዩ ዝንቀሳቐስ ኔሩ.ሳይሞን ከኣ ንመራሕቲ ብራዚል ገለ ግበሩ ኢሉ ጸቕጥ ገበረሎም.ድሕሪኡ እቲ ጻዕሪ ኣብ ጥሪ 1967 ኣወንታዊ ውጽኢት ከርኢ ጀመረ.መራሕቲ ብራዚል እንድሕር ጀርመን ብወግዒ ናይ ማእሰርቲ ጠለብ ሓቲታ ንፍራንዝ ከምዝኣስርዎ ገለጹ.ሳይሞን ከኣ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ኮይኑ ነቶም ፍራንዝ ዝፈጸሞም ገበናት ክስንዶም ጀመረ.
ናይ ሳኦ ፓውሎ ፖሊስ ሓላፊ ዝኾነ ሮመዮ ቱማ ንፍራንዝ ክኣስሮ ተዳለወ.ኣባላቱ ናብ ገዛ ናይቲ ናዚ ሰዲዱ ንኹሉ ምንቅስቓስ ናይቲ ገበነኛ ከጽንዖ ጀመረ.እቲ ብፖሊስ ይስለ ከምዘሎ ዘይፈለጠ ፍራንዝ ግን ገበነይ ተረሲዑ እዩ ኣይእሰርን እየ ኢሉ እዩ ዝሓስብ ኔሩ.ንሱ ድሕርቲ ውግእ ተማሪኹ ን2 ዓመት ብኣመሪካውያን ተኣሲሩ ነበረ.
ይኹንምበር ሓይልታት ሕብረት ነቲ ዘሰምብድ ገበናቱ ኣይፈለጥዎን ነበሩ.ካብቲ ቤትማእሰርቲ ተዘይሃዲሙ ኣብ ልዕሊኡ ትዝምቢ መሾንቆቓ ከምዝነበረት ይፈልጥ ነበረ.ብዘገርም መገዲ ከኣ ካብቲ ካምፕ ብዘይዝኾነ ተጻብኦ ሱቕ ኢሉ ወጸ.እቶም ኣሜሪካ ምሩኻት ትሕዘሎም
ዝነበረት ካምፕታት ጽኑዕ ሓለዋ ኣይግበረሎምን እዩ ኔሩ.
ድሕሪኡ ፍራንዝ ናብታ ኣብ ኣውስትርያ ትርከብ ግራትስ ትብሃል ገዛ ከደ.ምስ ካልኣዩ ኮይኑ ድማ ብናይ ኮቶሊኽ
ቤተክርስትያን ጌሩ ክወጽእ መደበ.እዞም መውጽኢ መገድታት ራት ላይንስ ተባሂሎም እዮም ዝጽውዑ ኔሮም.
ራት ላይንስ ካብ መርከብ ዝሃድማ ኣናጹ ማለትዩ.እታ ዝሃበበት ራት ላይን ከኣ ዘ ቫቲካን ራት ላይን ተባሂላ እያ ትጽዋዕ ኔራ