”ኣስማ ኣልኣሳድ” እታ ሕንቅቕቲ ሰይቲ ፕረሲደንት!! Iኣቕራቢ ሜሮን ዳኒኤል

 በዓልቲ ቤት ናይ ቅድም ፕረዚደንት ሶርያ ነበር ኣስማ በሽር ኣል ኣሳድ ነቲ ምስኣ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ በዓል ቤታ በሽር ንፍትሕ ሓቲታቶ። እዛ ናይ ቅድም እመቤት እታ ሃገር ናብ ትውልዲ ሃገራ ዩናይትድ ኪንግደም ናይ ምምላስ ድሌት ከም ዘለዋ እያ ትዛረብ። እታ ጓል 49 ዓመት ኣስማ ኣልኣሳድ ኣብ 8 ታሕሳስ 2024 ተቋወምቲ ሓይልታት መንግስቲ ከም በርቂ ንደማስቆስ ንክቆጻጸሩ መዓልታት ምስ ተረፎም ኣብ ትሕቲ ብላድሚር ቡቲን ጽግዕተኛነት ተዋሂብዎም ምስ በዓል ቤታን 3 ደቃን ኣብ መስኮ ብስደት ትርከብ። ኣስማ ኣል ኣሳድ በቲ ኣብ ትሕቲ ሕለዋ መንግስቲ ፑቲን ዝጀመረቶ ሓድሽ ሂወት ሕጉስቲ ከም ዘይኮነትን ናብቲ ዝተወልደትሉ ለንደን ክትምለስ ድሌት ከም ዘለዋ ንእዮርሳሌም ፖስት ሓዊስካ ብርክት ዝበላ ሜድያታት ነፍሲ ወከፍ ናይ ቱርክን ዓረብን ሜድያታት ጠቂሰን። ካብ ሩስያ ወጺኣ ናብ ብሪጣንያ ክትከይድ ክፍቀደላ ናብ ቤት ፍርዲ ሩስያ ኣመልኪታ። እቲ ዘቅረበቶ መመልከቻ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰበስልጣን ሩስያ ይግምገም ከምዘሎ ካብ ሞስኮ ተሰሚዑ።

   እቲ ካብ ሞስኮ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ እቲ ካብ ስልጣን ዝተኣልየ ናይ ቅድም ፕረዚደንትን ስድራቤቱን ኣብ ሞስኮ ልዑል ሓለዋ ይግበረሎም ከም ዘሎ ብምሕባር ኣሳድን ስድራቤቱን ነታ ከተማ ገዲፎም ንከይወጹን ዝብ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካ ንከይሳተፉን ተኸልኪሎም። እቲ ሰፊኢሕ ስድራቤት ኣሳድ ኣብ ከተማ ሞስኮ ልዕሊ 20 ሰማይ ጠቀስ ኣፓርትመንትታት ከም ዝሓዙ ይእመን። በሽር ኣልኣሳድ ካብ ሶርያን ናብ ሞስኮ ክኸይድ እንከሎ 270 ኪግ ወርቅን 1.6 ቢልዮን ፓውንድን ዝኣክል ሃብቲ ሒዙ ከም ዝሃደመ ብሰፊሕ ተዘሪብሉ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝወጽእ ዘሎ ዜናታት በሽር ኣልኣሳድ እቲ ሒዝዎ ዝሃደመ ንብረትን ገንዘብን ብቤት ፍርዲ ተኣጊዱ ዝብል ዘይተረጋገጸ ዜናታት ይናፈስ ኣሎ። ኣፈኛ መንግስቲ ሩስያ ዲሜትሪ ጴዝቆቭ ኣብዚ ሰሙን ነቲ ብዛዕባ ስድራቤት ናይዚ ፕረዚደንት ነበር ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታታት ውዱቅ ብምግባር መተሓባበሊ ዜና ሂቡ።

   እታ ጓል 49 ዓመት ኣስማ ኣብ ለንደን ክትውለድ እንከላ ኣብ ኣብቶን ምስቶም ሶርያውያን ስድራቤታ ድማ ዓበየት። ኣብ 2000 ዓም ናብ ሶርያ ከደት ጓል 25 ዓመት ምስ ኮነት ድማ ምስ በሽር ኣልኣሳድ ተመርዓወት። እቲ ሶርያ ብተቋወምቲ ሓይልታት ናጻ ቅድሚ ምውጽኣ ገለ መዓልታት ካብ ስልጣኑ ዝተባረረ ፕረዚደንት ስድራቤቱ ካብ ሶርያ ምስ ኣውጽአ ንነብሱ ውን ናብ ሩስያ ዘምርሀ እዚ ፕረዚደንት ብላሚር ፑቲን ነዛ ስድራቤት ጽግዕተኛነት ንምሃብ ውሕስነት ብምሃቡ ኣብ 7 ታሕሳስ 2024 ና ሩስያ ኣቅንዐ። ንኣስማ በሽር ኣልኣሳድን ስለስተ ደቁን ኣቀድም ኣቢሎም ኣብ ሩስያ ነበሩ። ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ በዓልቲ ቤት እዚ ፕረዚደንት ነበረ ሓያል ናይ ደምን ኣዕጽምትን ካንሰር ሕክምና ትከታተል ነበረት። እዛ ሰይቲ ፕረዚደንት ነበረ ኣብ ብሪጣንያ ከይዳ ክትሕከም እያ መሪጻ ዝብሉ ሓበሬታታት ይወጹ ኣለዉ። ኣሳድ ኣብ ሞስኮ ብደርዘን ዝቁጸር ንምብረት ኣለዎ። እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ስድራቤቱ ኣብ ግዜያዊ መዕቆቢ መንግስቲ ሩስያ ከም ዘሎ ይእመን። ስድራቤት በሽር ኣልኣሳድ ምስ ሩስያን ከተማ ሞስኮን ሓያል ርክብ ዘለዎም ክኾኑ እንከለዉ ቦኽሪ ወዱ ሓፊዝ ድማ ኣብ ሞስኮ ዩኒቨርሲቲ ስተይት ናይ ፒኤችዲ ተመራቂ  ነበረ። እዚ ዕድሚኡ ኣብ መፋርቅ 20ታት ዝርከብ ሃፊዝ ኣልኣሳድ ኣብቲ ናይ መመረቅታ ጽሑፉ ዘቅረበሉ መድረኽ ዕዉት ከም ዝነበረ ሜድያታት ሩስያ ገሊጸን ኔረን። ሃፊዝ በሽር ኣልኣሳድ ነቲ ናይ መመረቅታ ጽሑፉ ዘቅረበሉ ኣብ 29 ታሕሳስ 2023 ክኸውን እንከሎ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ሰነ 2023 ኣዲኡ ኣስማ ኣልኣሳድ ኣብ መመረቅታ ወዳ ተረኺባ ኔራ። ናይ ሃፊዝ ናይ መመረቅታ ጽሑፉ ብቋንቋ ሩስያ ዝተጻሕፈት ክኸውን እንከሎ 99 ገጻት ዝሓዘለ ነበረ። እቲ ጽሑፍ ኣብ ኣልጀምራዊ ቁጽርን ትንታነን ዘተኮረ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ጽሑፉኡ ሃፊዝ ንሰማእታት ሰራዊት ሶርያን ብሓፈሻ ድማ ንኹሎም ዓረባውያን ሰምእታት ምስጋና ኣቅሪቡ። ብተወሳኺ ወለዱ ንዋና ዳይሬክተር ዩኒቨርሲቲ ሞስኮ ቪክቶር ሳዶቭኒች ከምኡ ውን ንሰራሕተኛታት እቲ ዩኒቨርሲቲን ንሶርያውያን መምሃራንን ምስጋና ኣቅሪቦም።

  ስድራቤት በሽር ኣልኣሳድ 2 ቢልዮን ዶላር ዘውጽእ ሃብቲ ካብ ሶርያ ብምውሳድ ወነንቲ ካምፓኒታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ናይ ሪልእስተይት ኩባንያታትን ብሙዃን ኣብቲ ልዑል ሃብቲ ዘርክብ ናይ ንግዲ ስራሕ ብዙሕ ከም ዘውፈረ ይፍለጥ። ካብዚ ቀረባ ዓመታት ንደሓር በሽር ኣልኣሳድ ልዕሊ 30 ሚልዮን ፓውንድ ዋጋ ዘለዎም ብውሕዱ 20 ሰማይ ጠቀስ ፓርትመንትታታ ኣብ ሞስኮን ፔትርስበርግን ከም ዝገዝአ ናይ ኣሜሪካ ስተይት ዲፓርትመንት ሓበሬታ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ኔሩ። ዊኪሊክስ ብወገኑ ኣብ 2012 ኣስማ ኣልኣሳድ ብውልቃ ዝሰደደቶ ናይ ደብዳቤ ምቅይያር ኣቃሊዑ ኔሩ። እዚ 350ሽሕ ዶላር፡ ናይ ቤተምንግስቲ ንብረት ከምኡ ውን 7 ሽሕ $ ብምውጻእ ክቡር ጫማታት ምግዝኣ ኣጋሊጹ ኔሩ። ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ኣብ ዝጉህረሉ ዝነበረ ግዜ ብ10 ቢልዮናት ዝቁጸር $ ካብ ሶርያ  ከም ዝወጽእ ንብግባር እዛ ስድራቤት ኣብ ሩስያን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ዝተፈላለየ ንብረት ምፍራዩ ዊኪሊክስ ኣጋሊጹ። ብመሰረት ጸብጻብ ዊኪሊክስ ኣስማ በሽር ኣልኣሳድ ና ዱባይ ንክትሽምት እንተተጓዒዛ ብሚልዮናት ዝቁጸር ናይ ኣሜሪካ ዶላራት ወጻኢ ትገብር። ኣብ 1979 ፕረዚደንት ሃፊዝ ኣልኣሳድ ብጃፓናዊ ፍሉጥ ናይ ህንጻ ዲዛይነር ብሓደ ቢልዮን ዶላር ክፍሊት ዘስርሖ መንበሪ ህንጻ ፕረዚደንት ኣብ ዝተሓደሰሉ ወቅቲ ምድሪቤት እቲ ቤተ መንግስቲ ዝለብሶ ማቶኔላ ንምንጻፍ ንሓደ ናይቲ ህንጻ ክፍሊ ብኣቨሬጅ ከባቢ 10.6 ሚልዮን ፓውንድ ስተሊን ወጺእዎ ከም  ዝተሓደሰ ዊኪሊክስ ኣጋሊጹ። በሽር ኣልኣሳድን ስድራቤቱን ኣብ ርእሰ ከተማ ሞስኮ ወነንቲ ዝተፈላለዩ መንበሪ ኣፓርትመንት፡ ኮምፕሌክስን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፈደረሽንታወር ኣርከቡ ሰማይ ጠቀስ ህንጻታን ከም ዝኾኑ ይንገር። ኣብ ሕብርቲ ከተማ ሞስኮ ዝርከብ ናይ ንግዲ ማላትን መንበሪ ኣፓርትመንትን ዝሓዘ ኮምፕሎአክስ ገዚኡ ክብል ዘ ኢንሳይደር ገሊጹ። ብኣኮ እዚ ፕረዚደንት መሓመድ መሱፍ ዝምራሕ ናይ ኣሳድ ኣዝማድ ሰብ ጸጋ እዮም። ስድራቤት መሓመድ መሱፍ ብደረጃ ሃብቱ ካብ በሽር ኣልኣሳድ ቀጺሉ ኣብ ሶርያ ካልኣይ ክከውን እንከሎ ከም ብጣዕሚ ወሳኒ ተራ ዘለዎ ስድራቤት ተጌሮም ድማ ይቁጸሩ። ልክዕ ከም ስድራቤት በሽር ስድራቤት መሓመድ ውን ኣብ ሩስያ ዓቢ ሃብቲ ይውንኑ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተቋዋሚ ተንትኒ ፖለቲካ ሩስያ ስታሊቭላቭ ቤልኮቪስኪ “ናይ ምዕራባውያን ትካላት ስለያ ንጥዕና በዓልቲ ቤት ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ኣስማ ኣልኣሳድ ብዝምልከት ልዑል ስግኣት ከም ዘለዎም ይገልጹ ኣለዉ። እታ ሕጂ ኣብቲ ናይ ሞስኮ ወርቃዊ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ናይ ገዛ ቤት ማእሰርቲ ሂወታ ትምመርሕ ዘላ ኣስማ ናብትውልዲ ሃገራ ተመሊሳ ናብ ናይ ለንደን ኢንቨስትመንት ባንክ ክትምለስን እንተተኻኢሉ ውን ነቲ ንከይንቀሳቀስ እገዳ ዝተገብረሉ ካፒታል ስድራቤታ ብከፊል ንምውጻእን ኣብ ስራሕ ኢንቨስትመንት ንክትሳተፍ ድሌት ኣለዋ።” ብምባል ምስታ ናይ ቅድም ሰይቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ዝተፈላለዩ ስርሓት ዝተሳተፈትን ኣቀዲማ ውን ኣብ ሶርያ ኣብ ሓደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል መሳርሕታ ዝነበረት ሶርያዊት ኣብ ለንደን ተዛሪባ።

    ነቶም ኣስማ ኣልኣሳድ ናብ እንግሊዝ ክትምለስ ከም ትደሊ ዝገልጹ ጸብጻባት ስዒቡ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብግልጺ ከም ዝተዛረቦ “ኣብዚ ክልተ ፓስፖርት ሒዛ ትነብር ናይ ቅድም ሰይቲ ፕረዚደንት እንቋዕ ደሓን መጻኺ ኢልና ኣይንቅበላን ኢና። እዚ ኣይከውንን እዩ።” ምባሉ ተሰምዐ። ናይ ሩስያ ተቋዋሚ ተንታኒ ፖለቲካ ስታሊስላቭ ቤልኮቪስኪ ብመንግስታት ሕብረት ኤውሮጳ እንግሊዝን ፈረንሳን ናይ ገበን ክሲ ዝተመስረተላን ናይ ጉዕዞ እገዳ ዝተገብረላን ሙዃና ብምዝኽኻር “ነዚ ኹሉ ጥሒዞም ናብ እንግሊዝ ክትኣቱ ኣየፍቅዱን እዮም። ምኽንያቱ ባዕላ ኣስማ ኣልኣሳድ ኣባል ትካል ፍሉይ ስለያ እያ ኢሎም እዮም ዝጥርጥሩ። ከምዚ ዓይነት ነገር ፈጺሞም ኣይገብርዎን እዮም። ነዚ እንተደኣጌሮም ኣስማ ኣልኣሳድ ምስ ናይ እንግሊዝ ስዉር ሰለያት ኮይና ንክትሰርሓሎም ጥራይ እዮም ና ብሪጣንያ ንክትኣቱ ከፍቅዱላ።” ክብል ርእይትኡ ሂቡ። ማሕበረሰብ ዓለም እዞም ክልተ ሶርያውያን መጻምዲ ልክዕ ንድሌታት ምዕራባውያን ሃገራት ንምምላእ ዝሰርሑን ከም ናይ ለውጢ ሓርበኛታትን እዩ ዝርእዮም ኔሩ። ብፍላይ ንኣስማ ኣልኣሳድ ንናይ እንግሊዝ ባህላዊ ሰውራ እተስፋሕፍሕ ጌሮም ይርእይዋ ብምንባሮም “ኣብ ምድረበዳ ዘላ ጽገረዳ” ዝብል ስም ብምሃብ ሰፊሕ ሸፈነ ማዕከናት ዜና ተዋሂብዋ ነበረ። ነዚ ስዒቡ ብግብጃ በሽር ኣልኣሳድን ኣስማን ኣንጀሊና ጆሊ፡ ብራድ ፒት፡ ስቲንግን ዳሞን ኣልባርን ሓዊስካ ህቡባት ናይ ሆሊዉድ ሰባት ናብ ደማስቆስ ወሓዙ። ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ናብቶም ናይ ለውጢ ሃዋርያ እዮም ኢሉ ዝኣመነሎም መጻምዲ ንምድጋፍ ብዙሕ ቢልዮን ዶላራት ናብ ሶርያ ብምልኣኽ ምንቅስቃሱ ጀመረ። እንተኾነ ግን በሽር ኣልእሳድ ልክዕ ከም ኣቡኡ ውልቀመላኺ መነግዲ ብምኽታል እቲ ማሕበረሰብ ዓለም ደገፍ ጌሩ ሱር ንክሰድድ ዘንበሮ ተስፋ ከም ሃፋ በኒኑ ከም ዝጠፍእ ገበሮ። በሽር ኣልኣሳድ ኣብታ ሃገር ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ፍሉይነት ዘይዕገስን ንምዕራባውያን ሃገራት ዝድግፉ ተቋወምቲ “ለቀምቲ ትርፍራፍ ምዕራባውያን ኣብ ሶርያ ወለሓደ ቦኣት የብሎምምን” ብምባል ንተቋወምቲ ምእሳርን ካብታ ሃገር ጠቅሊሎም ከም ዝስደዱን ከግብሮም ጀመረ።

   ቅድሚ 6 ዓመታት እታ ኣብቲ ግዜ ጓል 43 ዓመት ዝነበረት ኣስማ ካብቲ ዝነበራ ሓደገኛ ናይ ካንሰር ሓማማ ንምግልጋል ኣብ ደማስቆ ሕክምና ክትከታተል ብምጽናሕ በቲ ሆስፒታል ዕዉት መጥባሕቲ ተገብረላ። ኣብዚ ወቅቲ ብምዕራባውያን ዝነበራ ስምን ዝናን ግኑን ነበረ። ኣብ ምድረበዳ ዘላ ጽገሬዳ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎን ብዛዕባኣ ዝገልጽ ጽሑፍን ኣብ ገጻት ኢንተርነት ምስ ተለጠፈ ነበረ። ጥዕንኣ ንመንግስቲ እንግሊዝ ውን የተሓሳስቦ ነበረ። ነዚ ኹሉ ብሃንደበት ክቅይሮ ዝኸኣለ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ተፋሒሙ እንዳተቃጸለ እንከሎ በሽሓት ዝቁጸሩ ውን ካብ ሃገሮም ወጺኦም እንዳተሰደዱ እንከለዉ ኣስማ ግን ናብቲ ኣብ ላቲኪያ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ብሙዃን ክቡር ናይ ገዛ ኣቁሑት ካብ ምዕራባዊ ለንደን ቸልሲ ካብ ዝርከብ ጂኤን ዲዛይንስ ኤንድ ፈርኒቸርስ ካብ ዝተባህለ ኩባንያ ብኦን ላይን ገዝአት። ነፍሲወከፎም 15 ሽሕ ዶላር ዘውጽኡ መገያየጺ መብራህትታት 30ሽሕ ዶላር ዝዋግኦም ኣብ ግዜ ጥንታዊ ኦቶማን ዝተሰርሑ 11 ወናብር 16 ሽሕ$ ብጸሊም ዕንጨይቲ ዝተሰርሕ ናይ መብልዒ ጠረቤዛ 17 ሽሕ$ ኣዝዩ ክቡር ምንጻፍ 5ሽሕ$ መስቀሊ ክዳን ምዕዳጋ ስዒቡ ስማ ብሕማቅ ክለዓል ዝጀመረ። ኣስማ ከም ናይ ዘምንና ማርያ ኣንቶኔት ናይ ምቾት ንብረት ክትገዝእ እንከላ ሶርያን ሶርያውያንን ብሓዊ ኲናትይቃጸሉ ነበሩ። ኣብ 2012 ብዊኪሊክስ ካብ ዝተጠልፉ 2,435,899 ኢመይላት ዝበዝሑ ናይታ ናይ ሶርያ እመቤት ነበር ኣስማ ኣልኣሳድ ናይንብረት መግዝእን ናይክፍሊት ትእዛዛትን ዝሓዘ ክከውን እንከሎ እቲ ዕድጊ ዝበዝሐ ንክዳውንቲ፡ ቸኮላታት፡ ንብረት ገዛን ንናይ ምቾት ንብረት ነበረ። እንግሊዝን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ልዕሊ ሶርያ እገዳ ብምግባረን ምኽንያት ኣስማ ኣልእሳድ ምስቲ ናይ ለንደን ሃሮልስ ማርኬት፡ ጂኤን ዲዛይንስ ኤንድ ፈርኒቸርስ ናይ ንብረት ዕድጊ ክትገብር ብዘይምኽኣላ ነቲ ዘይዓግብ ናይ ምግዛእ ሸውሃታ ንምምላእ ገጻ ናብ ዱባይ ኣዞረት። እዚኦምን ካልኦትን ናይዛ እመቤት ነበር ምቾት ኣብተን ናይታ ሃገር ኣዴታትን ህጻናትን ሽማግለታትን መንግስቲ ዘውርዶ ዘየቋርጽ ግፍዒ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ምግላጹ ስዒቡ ሓደ ግዜ ብቋንቋታት እንግሊሽ ፈረንሳ ጥልያን ስፓኒሽን ፖርቹጊስን ተተርጒሙ ዝተዘርግሐ ኣብ ምድረበዳ ዘላ ጽግረዳ ብዝብል ኣርእሳቲ ብዛዕባ ኣስማ ኣልእሳድ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ካብ በይነ መረብ ተወገደ። ብክልቲኦም መጻምዲ ዓለምለኻዊ ናይ ጉዕዞ ወፍሪ ተኸፍተ።

  ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ሂወት ከባቢ ፍርቂ ሚልዮን ዝጽግዑ ሰባት ዝቀዘፈ ክከውን እንከሎ በሽር ኣልእሳድ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከሚካላዊ መሳርሒ ኲናት ተጠቂሙብምባል ንዝቀረበሉ ክሲ “ንስኹም ከም ተውርይሉ ዓይነት ኣረሜን ከም ዘይኮነ ብዛዕባ ሰብኣየይ ክዛረብ ይፈቱ። መራኸቢ ብዙሃን ምዕራባውያን ከም ዝገልጽዎ ዘለዉ ህልቂት ኣብ ሶርያ እንተዝፍጸም ኔሩ ኩሉ ህዝቢ ሶርያ ሃሊቁ እዛ ሃገር ባዶ ምኾነት ኔራ።” ብምባል መልሲ ብምሃባ ነዋርሕ ብምዕራባውያን መራኸቢ ብዙሃን ከም ሕሱም ተጨፍጨፈት። ኣስማ ኣል ኣሳድ ንሓደ መደበር ተለቪጅን ኣብ ዝሃበቶ ቃለ መሕተት “በዓል ቤተይ ፕረዚደንት ህዝቢ ሶርያ እዩ። ኣነ ውን በዓልቲ ቤቱ እየ። ሓደ ሓደ ዲፕሎማት ምዕራባውያን ሃገራት ብኲናት ካብ ትሕመስ ሃገር ንክወጽእን ኣብ ሃገሮም መጸግዒ ክህቡኒ ፍቃደኛታት ከም ዝኾነ ይገልጹለይ እዮም። መልሰይ ኣነ እግዚኣብሄር እንተሓጊዙኒ ክሳብ መወዳእታ ሂወተይ ኣብ ጎኒ በዓል ቤተይ ፕረዚደንት ኣልኣሳድ ደው ከም ዝብል ክትፈልጡ እየ ዝደሊ። ስለቲ ግብጃኹምን ሕሳብኩምን የመስግነኩም ኢለ ይምልሰሎም።” ክትብል ነቲ ዝቀረበላ ዕድል ከምዘይተቀበለቶ ትዛረብ። እዛ ብእመቤትነት ሶርያ ን24 ዓመታት ዝጸንሀት  ኣስማ ቅድሚ 2 ዓመት ብዝሓዛ ናይ ደምን ኣንጉዕን ካንሰር ሕክምና ክትገብር ናብ ሞስኮ ኣምሪሓ እንከላ እዩ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ን24 ንመንግስቲ ሶርያ ንምእላይ ግንባር ፈጢሮም ዝጸንሑ ናይ ሶርያ ተቃለስቲ ግስጋሲኦም ናብ ደማስቆ ዝጀመሩ። ኣብዘን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ ኣብ ሞስኮን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝርከቡ ናይ ካንሰር ሕክምና ዝወሃቦም ሆስፒታላት ናይካንሰር ሕማማ ክትዋጋእ ዝጸንሀት ኣስማ ኣቡኣን ኣዲኣን እንዳተቀያየሩ ክከናኽንዋ ከም ዝጸንሑ ናይ እንግሊዝ ተለቪጅን ገሊጹ።

 ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ነበር ብሽር ኣልእሳድ ናይ ጉዕዞን ንብረትን እገዳ ተጌርሉ ነበረ። ልክዕ ከም ኣሜሪካ እንግሊዝን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶርያ ዝተፈላለዩ እገዳታት ኣንበረ። ኣብ 2021 ናይ እንግሊዝ ሜትሮ ፖሊታን ፖሊስ ንኣስማ ኣልኣሳድ ምስ ሽበራውነት ብዝተሓሓዝ ክሲ ክምስርተላን ነቲ ናይ እንግሊዝ ዜግነታ ክስርዝ ዘኽእል መርመራ ከፊቱ ነበረ። ካብዚ ዝተላዕለ ኣስማ ኣልእሳድ ብፍርሒ ዝኣክል ከምልባ ንከይትንቀሳቀስ ዓገታ። ኣብቲ ግዜ ኣብ ሶርያ ምስ ካንሰር ዝተተሓሓዘ ናይ ኤኤምኤል መጠን ፈውሲ ካብ 20% ንታሕቲ ጽቡቅ ዘይኮነ ናይ ሚትዮሽን ጉዳያት ኣተኲሩ ዝሰርሕ ዝነበረ መጽናዕቲ ሕክምና ካንሰር ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ተጎድአ። ኣብ 2022 ካንሰር ኣብ ዓረባዊ ዓለም ዝተባህለ መጽሓፍ ከም ዝገለጾ ኣብ ሶርያ በቲ ዝነበረ ቅልጡፍ ዕብየት ሕክምና ካንሰርን ተስፋ ዝህብ ስጉምትን ይረአይ እኳ እንተነበረ ሕጽረት መድሃኒታትን ቀረብ ፍሉይ መሳርሒ ሕክምናን እቲ ዝተቀስቀሰ ኲናት ተወሲኽዎ ተቋረጸ። ነዚ ስዒቡ ናይ ኣዝማ ሕማማ ብምግዳዱ ናብ ሞስኮ ቅድሚ ምምርሓ ኣብ ኢማራት ዓረብ ብርክት ንዝበለ ሰሙናት ኣብ ትሕቲ ሕክምና ጸንሐት። ንፍንጭታት ደይሊ ቴለግራፍ ሓዊስካ ኣብሞስኮ ኣብቲ ፍሉጥ ሃልድስትሪት ሆስፒታል ንኣስማ ኣልእሳድን እቲ ብሓዘን ዝተዶቅሰ ኣቡኣ ይከናኸና ከም ዝነበረ ምርኣዮም ብርክት ዝበሉ ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን የረድኡ። ቅድሚ ገለ ሳምንታት ብቀጥታ ምስታ ስድራቤት ዝተዘራረበ ምንጪ ድማ “ኣስማ ትመውት ኣላ!” ኢሉ። እታ ምስ ዝኾነ ሰብ ንከይትራኸብ ዝተኸልከለት ኣስማ ኣልኣሳድ ኣብ ሃንቲ ክፍሊ ንበይና ተገሊላ ከም ትርከብ ኣብ መስኮ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት እንግሊዝ ንደይሊ ቴለግራም ሓቢሮም። ንስድራቤት ኣሳድ ቀረባ ዝኾነትን ስመይ ከይጥቀስ ብምባል ምስ ደይሊ ተለግራም ዝተዘራረበት ምንጪ “ኣስማ ናብ ለንደን ተመሊሳ ኣብኡ ሕክምና ክትከታተል ኣለዋ። እንተዘይኮይኑ ግን ሂወታ ንሓደጋ ዝተጋለጸ እዩ። ኣብ ዝመጽእ ውሑዳት ሰሙናት ብሂወት ናይ ምጽናሕ ዕድላ 50% ክኸውን እዩ። ስለዚ ናይ ግድን ሰብኣያ ፈቲሓ ካብ ሩስያ ወጺኣ ናብ ለንደን ብምካድ ሕክምና ክትገብር ምድላያ ናይ ሂወትን ሞትን ጉዳይ እዩ።” ክትብል ትሕብር።   

   

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×