
ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ሕጽር ዝበለት ጓል 29 ማሊጅያዊት መንእሰይ ማክያቶ ክትሰቲ ናብ ሓደ ካፈ ኣተወት። ማናጀር እቲ ካፈ ወዲ 26 ዓመት ማራኺ ምአንእሰይ ነበረ። እቲ መንእሰይ ናብ ማሊጅያ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ሲንጋፖር ሞዴል ስእሊ ነበረ። እታ መንእሰይ ብቁመና እቲ ማናጀር ከይተሳሕበት ኣይተረፈትን። ምኽንያቱ ደጋጊማ ትርእዮ ነበረት። እቲ ማናጀር ኣብቲ ካፈ ዘወርወር እንዳበለ እንከሎ እታ መንእሰይ ትጥምቶ ነበረት እሞ ንሱ ውን ሃንደበት ናብኣ ኣብ ዝጠመተሉ እዋን ዓይኒ ንዓይኒ ተጋጨዉ። እቲ ማናጀር ልቡ ብቅልጡፍ ክትሃርም ጀመረት። እታ ኣብቲ ካፈ ዝረኣያ መንእሰይ ብቅልጡፍ ቀልቡ ማረኸቶ። ሕጽር ዝበለት ምልክዕቲ መንእሰይ እያ። ብኹሉ ነገራ ተማረኸ። ቅርብ ኢሉ ድማ ተላለያ። ምርኻብ ቀጸሉ ምርኻቦም እንዳዓሞቀ ምስ ከደ ኣብ ዓሙቅ ፍቅሪ ክጥሕሉ ግዜ ኣይወሰደሎምን። እዚ ኹሉ ክኸውን እንከሎ እቲ መንእሰይ ሂወት ምስ መን ከም ዘራኸበቶን ብፍቅሪ ከም ዘቋረነቶን ዝፈለጦ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ምድርና ካብ ዝተራእዩ ብሉጻት ፍቅራውያን ታሪኻት ይነብር ከም ዘሎ ክርደኣሉ ዝኽእል ናይ ትንቢት ክእለት ኣይነበሮን። ከም ዝኾነ መንእሰይ ፍቅሪ ዘስተማቅር ዝነበረ እዩ መሲልዎ። እንተኾነ ኣጀማምርኦም እምበር እታ ዘፍቀራ ሰብ ከም ዝኾነ ካልእ ተራ ሰብ ኣይነበረትን። ትኽክለኛ መንነታ ርክቦም ካብ ፍቅሪ ሓሊፉ ብሓደ ንክነብሩ ክሓስብሉ ኣብ ዝጀመርሉ ሰሙን ነበረ። መርዓ ብዘይፍቃድ ስድራቤት ዝኸውን ነገር ኣይኮነን። ንመርዓ ምስ ወሰኑ ምስ ስድራቤተይ ከላሌካ ብምባል ንገዝኣ ሒዛቶ ከደት። ዝኸዶ ገዛን ዝተላለዮም ስድራቤትን ግን ሓደ ስደተኛ መንእሰይ ኣሽንኳይ ዶ ብግህዶስ ብሕልሙ ውን ይኸውን እዩ ኢሉ ዘይግምቶ ነበረ። እታ መንእሰይ እታ እንኮ ውላድ ንጉስ ማሊጅያ ሱልጣን ኢብራሂም ልእልት ቱንኳ ሚና ኮይና ተረኽበት። እቲ መንእሰይ ኣዝዩ ሰንበደ። እንተኾነ እቲ ካልእ ዘሰንብድ ዜና ግን ጌና ኣይሰምዖን ኔሩ። ኣቡኣ ንጉስ ጥራይ ኣይነበረን ወናኒ 5.7 ቢልዮን ዶላር ቱጃር ነበረ። በዚ ተገሪሙ ከየብቅዐ ካልእ ነገር ተወሰኾ እታ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዝደለያ እዋን ዝረኽባ ከም ልቡ ዝቆጽራ ዝነበረት ኣፍቃሪቱ ዓበይቲ ቢዝነሳት እተንቀሳቅስ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከባ 5 ዝሃብተማ ደቂ ኣንስትዮ እታ ቀዳመይቲ ዝሃብተመት ከም ዝኾነት ሰምዐ።
እቲ ስደተኛ መንእሰይ ኣብ ሂወቱ እንታይ ይካየድ ከም ዝነበረ ንምርዳእ ኮፍ ኢሉ ክሕሳብ ነበሮ። ኣፍቃሪቱ ግን ሓሲባ ወዲኣ እያ። ኣብ ሂወታ ትምነዮ ዝነበረት ንጹህ ፍቅሪ እዩ ኔሩ። ንሱ ድማ ኣብ ኢዳ ኣእትያቶ ነበረት። እዚ ግን ከምቲ ኣብ ፊልም ንርእዮ እምነቱ ንምፍታሽ ድኻ ኮይና ቀሪባቶ ወይ ካልእ ዘይኮነስ ብንጹህ ፍቅሪ ቀሪባቶ ነበረት። እዛ ልእልቲ ኣብ ዓለምና ካብ ንርእየን ሃብታማት ግን ከኣ ፍሉይ ባህሪ ዘለውን ውሑዳት ደቂ ኣንስዮ ሓንቲ ነበረት። ዕድሚኣ ሙሉእ ልእልቲ ናይታ ሃገር ከም ዝኾነት ከይተረድኣ ንእስነታ ኣብ ስራሕ ዘሕለፈት ጓላንስተይቲ እያ። ልእልቲ ጓል ቢልዮነርን እንከላ ምስ ንእስነት ተሓዊሱ ዝኽዕነ ናይ ትዕቢት ባህሪ ኣይፈጠረላን። ኣብ ክንድኡስ ብስራሕ ተጸሚዳ ንሳ ባዕላ ቢልዮነር ክትከውን ዝበቅዐት ልእልቲ እያ። ልእልቲ ኮይንካ በሽቀጥቀጥ ምባል ተፈጥሮኣዊ ዘይምብሽቃጥ ድማ ከምዚ ናይዛ ልእልቲ መዛረቢ ይገብረካ ማለት እዩ። ዓበይቲ ናይ ዓለምና ሰባት ኢዳ ንምስዓም ምሬት ዝስዕሙላ፡ ኣብዛ ምድሪ ውሑዳት ጥራይ ዝተዓደልዎ ክብርን ገንዘብን ዝተዓደለት ሰብ ብደረጃ ልእልቲ ሚና ትሕትን ተራ ሂወትን ትነብር ሰብ ክትከውን ትኽእል እያ ኢሉ ዝጽበ የለን። ኣብ 1986 እያ ተወሊዳ። ኣብ መንጎ 6 ኣወዳት ኣተወልደት ብምንባራ ኣብ መንጎ ምቾትን ሕንቃቀን እንዳተቀባበሉላ ኣብ ናይ ቤተ መንግስቲ ሂወት ብፍሉይ ምክንኻን እያ ዓብያ። ናይ ማሊጅያ ነዳዲ፡ ቱሪዝምን ሪል እስተይት ቢዝነስን ዘንቀሳቅስ ኣቡኣ ድማ ነታ እንኮ ጓሉ ፍሉይ ፍቅሪ ከም ዘለዎ እዩ ዝንገር። በዚ ከኣ ሂወታ ካብቲ ዝበሃለሉ ንላዕሊ ብምቾት ዝመልአ ነበረ። ትምህርታ ኣብቲ ኣብ ሲንጋፖር ዝርከብ ፍሉጥ ዓለምለኻዊ ናይ ኣውስትራሊያ ቤት ትምህርቲ ክኸውን እንከሎ ብኤኮኖሚክስ ድማ ተመረቀት። ድሕሪ ትምህርታ ምዝዛማ ወንበር ኣቡኣ ተቀቢላ ነቲ ትካላት ናይ ምእዛዝ ሙሉእ መሰል ነበራ። ኩሉ ስራሓ ሙሉእ ብሙሉእ ገዲፋ ንዓለም እንዳዞረት ወላ ትዘናጋዕ ደኺማ እንተዘይገዲፋቶ ካዝና ኣቡኣ ኩሉ ግዜ ክፉት ነበረ። ኣብ መበል 21 ዓመታ ሉቪንስ ዘ ሮያል ኣርት ኦፍ ቢውቲ ዝተሰምየ ናታ ናይ ኮስመቲክስ ትካል ከፈተት። ኣብቲ ትካል ከም ዲዛይነር ምናጀርን ሞዴልን ኮይና ነቲ ነዊሕ ናይ ስራሕ ውዕሎኣ ብስራሕ እተሕልፍ ሰብ ኮነት። ቢዝነሳ እንዳዓበየ ናይ ስፓ፡ መጸባበቂ ጸጉሪ ርእስን ካልእ ናይ ሻምፖ ፍርያት ዘፍርዩ ብዙሓት ትካላት ኣፍረየት። ናይ ከይኤፍሲ ጨንፈር ብምኽፋት ውን ናብ ናይ ሬስቶራንት ንግዲ ተጸንበረት። ኣሰር እግሪ ኣቡኣ ብምኽታል ኣብ REDTONE ዝተሰምየ ዓቢ ናይ ተሌፎን ትካል ብርኪ ብምእታው መሻርኽቲ ካብ ሙዃን ሓሊፋ ካብ 2018 ጀሚራ ሊቀ ወንበር ናይቲ ቦርድ ኮይና ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ። እቲ ምዱብ ሂወታ ቀሊል እዩ። ልክዕ ከም ኣዲኣ ስእሊ ምስኣል ተፍቱ እያ። ፈረስ ምግላብ ጉያን ደስ ይብላ እዩ። ጉዕዞ ሂወት እዛ ልእልቲ በቲ ቤተ መንግስቲ ከም ዝተኣገደን ነዛ ልእልቲ ግን ደስ እዩ ዝብላ። ስራሕ ስራሕ ክትብል ንውልቃዊ ሂወታ ብምርስዓ ነቡኣ ደስ ይብሎ ኣይነበረን። ሓዳር ንክትምስርት ኩሉ ዝከኣሎ ጌሩ እዩ። ካብ ጓሉ ግን ኣወንታዊ መልሲ ኣይረኸበን። በዚ ድማ ንጓሉ ዝኸውን ጎበዝ ኣብ ምድላይ ኣተወ። እቲ ዝደለዮ ንክረክብ ብዙሕ ኣይተሸገረን። ድሌት ጓሉ ብዘይምርድኡ ግን ክዕወት ኣይከኣለን። ንክብሪ ስድራቤቱ ዝምጥን ሰብ ዝበልዎ ንጉሳዊ ደም ዘለዎን ደቂ ሃብታማትን ኣብ ቅድሚ ጓሎም ሰርዑዎም። ጓሉ ግን ብሓደ ካብኦም ውን ኣይተመሰጠትን። ዕድሚኣ 29 ዓመት በጺሑ ነበረ። ኣብ መንጎ እዚ ድማ እዩ ልባ ብማናጀር ናይቲ ካፈ ዝተረትዐት። ንሳ ውን እቲ ትምነዮ ዝነበረት ንጹህ ፍቅሪ ብምርካባ ደስታኣ ወሰን ኣይነበሮን። ኣፍቃሪኣ ደኒስ ቨርባስ ይበሃል። ካብ ኣምስተርዳም 25 ኪሜ ርሒቃ ኣብ ትርከብ ሊስ ዝተባህለት ንእሽተይ ከተማ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ትምህርቱ ምስ ወድአ ኣብ ጋንታ ኩዕሶ ኔዘርላንድ ንክጽንበር ፈቲኑ ክዕወት ኣይከኣለን። በዚ ከኣ ኣብቲ ናይ ሲንጋፖር ክለብ ኩዕሶ እግሪ ከም ናይ ማርኬቲንግ ማናጀር ስራሕ ምስ ረኸበ ዓይኑ ከይሓሰየ ናብ ሲንጋፖር ኣምርሐ። ኣብ ሲንጋፖር እንከሎ እቲ ናይ ማሊጅያ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ጄድየስ ናይ ስራሕ መወዓውዒ ረኣየ። ተወዳዲሩ ድማ ሓለፈ ናይታ ክለብ ናይ ስቶርን ካፈን ማናጀር ኮይኑ ክሰርሕ ጀመረ። ሂወት ግን መወዳእታኻ ኣብዚ ካፈ ኣይኮነን ብምባል ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ጎኒ ቱጃራትን ልኡላትን ኣቀመጠቶ። እቲ ቤተ መንስግርቲ ግን ልክዕ ከምቲ ካፈ ኢዱ ዘርጊሑ ኣይተቀበሎን። ብፍላይ ድማ ነቲ ብልዑል ሕንቃቀ ዘዕበያ ኣቡኣ እታ እንኮ ጓሉ ንሓደ ስደተኛ ሰራሕተኛ ካፈ ክምርዓው እየ ምባላ ፈጺኡ ክወሓተሉ ኣየከኣለን። ኣቦ ብምዃኑ ጓሉ ንዘይፈልጦ ሰብ ኣሕሊፉ ክህብ ከበዶ። እንታይ ደልዩ ከም ዝቀረባ ውን ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን። በዚ ከኣ ንጓሉ ከየሕዘነ ነቲ መንእሰይ ካብ ጓሉ ከርሕቀሉ ዝኽእል ሜላ መሃዝ። ሓደ ዘእምን ምኽንያት ረኸበ ንሱ ድማ ሃይማኖት ነበረ። እቲ መንእሰይ ክርስትያን ነበረ እታ ልእልቲ ግን ተከታልሊት እምነት እስልምና ነበረት። በዚ ድማ ሃይማኖትካ ከይቀየርካ ንጓለይ ኣይህበካን እየ በሎ። ልክዕ ከምታ ልእልቲ ደኒስ ውን ኣብ ዓሚቅ ፍቅሪ ኣትዩ ነበረ እሞ ብዘይምምታእ ሃይማኖቱ ቀየረ። ደኒስ ቨርባስ መሓመድ ዓብዱላህ ኮነ። ኣቡኣ ግን ሕጂ ውን ኣይኣመኖን። ካልእ ፈተና ድማ ኣዳለወ። ጓለይ ክህበካ እንተኾይነ ሓደ ውዕል ምስ ትፍርም እዩ በሎ። እቲ ኩንትራክት ደኒስ ናብቲ ንጉሳዊ ስድራቤት ንከይጽንበር ዝኽልክል ነበረ። ምናልባት ውን ስልጣኑ ንክምንጥሎ ካብ ኔዘርላንድስ ዝተላእከ መሰናኽል ከይመሰሎ ኣይተረፈን። ደኒስ ግን ምስ ስልታን እቲ ንጉስ ጉዳይ ስለዘይነበሮ ብዘይምምታእ ፈረመ። ካብታ ስድራቤት ዝኾነ ዝደልዮ ነገር የብለይን ክብል ተሰማሚዑ ፈረመ። እዚ ስደተኛ መንእሰይ ንልቢ እታ ልእልቲ ብፍቅሪ ንልቢ እቲ ንጉስ ድማ…