ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተኣገደ መጽሓፈ ሄኖክ ብዛዕባ መንግስተ ሰማይ ዝብሎ ዘሰንብድ ምስክርነት.

ቅድሚ ነዊሕ እዋን፥ ዓቢ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ከይመጸ፡ ፍርዲ እቲ ልዑል ፈጣሪ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ከይወደቐ፡ ብኣምላኽ ዝተመርጸ ጻድቕ ሰብ ይነብር ነበረ። ስሙ ሄኖክ ወዲ ያሬድ ይበሃል። ለባምን ውሕሉልን እዩ ነይሩ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብሞገስ ይጥምቶ ነበረ። ኣምላኽ ንሄኖክ ምስጢራት ሰማይ ክርኢ ፈቒድሉ እዩ። ናይቲ ዝለዓለ መሕደሪ እግዚኣብሔርን ናይቲ ዓብን ዘይልወጥን መንግስቲ ኣምላኽን ምስክር ክኸውን ክኢሉ እዩ። ሄኖክ ንመደበራት መላእኽቲ ብብዙሕ ኣዒንቲ ርእይወን እዩ። ብርሃን እዘን መደበራት ካብ ጸሓይ ንላዕሊ ዝደምቕ እዩ ነይሩ። እቲ ማንም ክቐርቦ ዘይክእል ዝፋን እግዚኣብሄር፥ መወዳእታ ዘይብሉ ብርሃን ክበርህ ረኣየ። ስርዓት ፍጥረት፡ መልክዕ ሰማያውያን ፍጡራት፡ መዝሙር ኪሩቤል፡ ከምኡ’ውን ሰብ ርእይዎ ዘይፈልጥ ክብሪ ረኣየ። ሄኖክ ድሒሩ ነቲ ዝረኣዮ ኣብ ካልኣይ መጽሓፍ ሄኖክ (Second Book of Enoch) መዝጊብዎ እዩ፣ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ዓሰርተ ሰማያት ተዛሪቡ። ሄኖክ ከምዚ ኢሉ፤ ወዲ 165 ዓመት ከለኹ፡ ማቱሳላ (Methuselah) ዝተባህለ ወዲ ወለድኩ። ብድሕሪ እዚ፥ ንተወሳኺ 200 ዓመት ብህይወት ጸኒሐ። ብድምር፥ ጠቕላላ ዓመታት ህይወተይ 365 እዩ። ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ፥ ኣብ ገዛይ ንኸዕርፍ፡ ኣብ ዓራተይ ተደፊአ ነይረ፡ ጸኒሑ ድማ ድቃስ ወሰደኒ። ደቂሰ ከለኹ፥ ኣብ ልበይ ረበሻ ተሰምዓኒ። ኣብ ሕልመይ በኸኹ፡ ነቲ ምኽንያት ናይ ሓዘነይ ወይ እንታይ ከምዝኾንኩ ግን ክርድኣኒ ኣይከኣልኩን። ሽዑ ክልተ ሰባት ተራእዩኒ። ኣብ ምድሪ ካብ ዝረኣኹዎም ሰባት ዝዓበዩ እዮም ነይሮም። ገጾም ከም ጸሓይ ይበርቕ ነበረ፡ ኣዒንቶም ድማ ከም ሓዊ ይነዳ ነበራ። ካብ ከንፈሮም እውን ሓዊ ይወጽ ነበረ። ክዳውንቶም ሓምላይ፡ ኣኽናፎም ካብ ወርቂ ንላዕሊ ዝበርህ፡ ኣእዳዎም ድማ ካብ በረድ ዝጽዕዱ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ ዓራተይ ደው ኢሎም ብስመይ ጸውዑኒ። ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ ብንጹር ረኣኽዎም። ሰላም ኢለዮም ግን ፈሪሐ ነይረ፡ ብሰንኪ ፍርሒ ገጸይ ተቐየረ። ሽዑ ሓደ ካብኦም፡ ‘ሄኖክ ኣይትፍራሕ። ትብዓት ይሃልኻ። እቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ እዩ ናባኻ ልኢኽና። ሎሚ ምሳና ናብ ሰማይ ክትድይብ ኢኻ። ንደቅኻን ንቤተሰብካን፥ ንስኻ ምስ ከድካ ኣብ ምድሪ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ንገሮም። እግዚኣብሄር ናብኣታቶም ክሳዕ ዝመልሰካ፥ ሓደ እኳ ዝደልየካ ክህሉ የብሉን’ ኢሉ ተዛረበኒ። ቀልጢፈ ድማ ተኣዘዝኩ። ካብ ገዛይ ወጺአ፥ ንደቀይ ማቱሳላ (Methuselah): ረጂምን (Regim) ጋይዳድን (Gaidad) ጸዋዕክዎም። እቶም ሰባት ዝበልዎ ኩሉ ነገርክዎም። ኣነ ድማ ንደቀይ ከምዚ በልክዎም፡ ‘ደቀይ ስምዑኒ። ናበይ ከም ዝኸይድን እንታይ ከም ዘጋጥመኒን ኣይፈልጥን እየ። ኣነ ግና እዚ እብለኩም ኣሎኹ፡ ካብ ኣምላኽ ኣይትርሓቁ። ንሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ዋጋ ዘይብሎም ፍጡራት ኣይትስዓብዎም፣ ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም፣ እቶም ዘምልኹዎም እውን ከምኡ። እግዚኣብሄር ንኽትፈርህዎ ድልዱል ልቢ ይሃበኩም። ሕጂ ድማ ደቀይ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ክሳዕ ዝመልሰኒ ሓደ እኳ ክረኽበኒ ኣይፈትን።’ ምስ ደቀይ ምዝራብ ምስ ወዳእኩ፥ እቶም መላእኽቲ ወሰዱኒ። ብኣኽናፎም ተሰኪሞም ኣብ ደበናታት ቀዳመይቲ ሰማይ ኣቐመጡኒ። ኣብኡ ንኸባብየይ ምስጠመትኩ፥ ካብ ባሕርታት ምድሪ ዝዓቢ ዓቢ ባሕሪ ረኣኹ። እቶም መላእኽቲ ንገዛእቲ ከዋኽብትን ተራኦም ኣብ ሰማያትን ኣርኣዩኒ። ንከዋኽብቲ ብኣኽናፎም እናነፈሩን ኣብ መንገዶም እናተንቀሳቐሱን ዝመርሑ 200 መላእኽቲ ኣርእዮምኒ። ጸኒሐ፥ ነተን ብመላእኽቲ ዝሕለዋ መኽዘናት በረድ ረኣኹ። ደበናታት ረኣኹ፡ ከምኡ’ውን በየን ቦታ ከምዝወጹን ዝኣትዉን ርእየ። ከም ዘይቲ ኣውሊዕ ዝደምቕን ሕብሪ ኩሉ ዕምባባታት ምድሪ ዘለዎን መኽዘን በረኸት (storehouse of the dew) ረኣኹ። ብዙሓት መላእኽቲ ነዚ መኽዘን ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ እናኸፈቱን እናዓጸዉን ይሕልውዎ ነበሩ። ሽዑ፥ መላእኽቲ ናብ ካልእ መንግሰተ ሰማይ ወሰዱኒ። ኣብኡ ድማ ካብ ዝኾነ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ዝዓቢ ጸልማት ረኣኹ። እሱራት ተንጠልጢሎም፡ ነቲ ዓቢ ፍርዲ ክጽበዩ ረኣኹ። እዚኣቶም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ መላእኽቲ እዮም ነይሮም። ትእዛዛቱ ኣይተኣዘዙን፥ የግዳስ ንፍቓዶምን ነቲ ኣብ ሓምሻይ መንግስተ ሰማይ ተኣሲሩ ዝነበረ መስፍንን ዝኽተሉ እዮም ነይሮም። ምስ ረኣኽዎም ድማ ኣዝየ ደንጊጸ። ንሳቶም ድማ፡ ‘ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ምእንታና ጸልዩ’ በሉኒ። ኣነ ግና ‘ኣነ እውን መዋቲ ሰብ እየ። ከመይ ጌረ እየ ብዛዕባ መላእኽቲ ክጽሊ? ናበይ ከም ዝኸይድ ወይ እንታይ ከም ዘጋጥመኒ፡ ወይ መን ከም ዝጽልየለይ ኣይፈልጥን እየ’ ኢለ መለስክሎም። ብምቕጻል፥ እቶም መላእኽቲ ናብ መበል ሳልሳይ መንግስተ ሰማይ ወሰዱኒ። ኣብኡ ድማ ዓቢ ጽባቐ ዘለዎ ቦታ ረኣኹ። ጥዑም ዕምባባታትን ፍረታትን ዘለዎም ኣግራብ ርእየ። እቲ ኣብኡ ዝረኣኽዎ፥ ካብ ዝኾነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዝበልጽ እዩ። ኣብ ማእከል እቶም ኣግራብ፥ ኦም ህይወት (Tree of Life) ነበረት። እዛ ኦም፥ ጎይታ ናብ ገነት ምስ ኣተወ ዘዕረፈላ እያ። እታ ገረብ ኣዝያ ፍልይቲ እያ ነይራ። ከም ወርቂ (gold)፣ ቨርሚልዮንን (vermilion) ሓውን (fire) ትደምቕ ነበረት። ኵሉ ዓይነት ፍረ ይፈሪ ነበረ፣ ሱራ ድማ ኣብቲ ኣብ ጫፍ ምድሪ ዝነበረ ጅርዲን ነበረ። ገነት ንባዕላ ኣብ መንጎ ዝበላሸዉን ዘይበላሸዉን እዩ ነይሩ። ካብታ ቦታ እቲኣ ክልተ ማይ (springs) ወጸ፡ እቲ ሓደ መዓርን ጸባን፡ እቲ ካልኣይ ዘይትን ወይንን እዩ። ናብ ኣርባዕተ ሩባ ተፈላለዩ፡ ሽዑ ናብ ገነት ኤደን ፈሰሱ፡ ካብኡ ድማ ናብ ስግር ምድሪ ይውሕዙ ነበሩ። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ኦም ፍረ ኣውጽአ፡ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ድማ ተባረኸ። ሰለስተ ሚእቲ መላእኽቲ ነቲ ኣታኽልቲ ይሕልውዎ ነበሩ። ብዘይ ምቁራጽ ይዝምሩን ኩሉ ግዜ ንጎይታ የገልግሉን ነበሩ። ኣነ ድማ፡ ‘እዚ ቦታ ክንደይ ይጥዕም እዩ!’ በልኩ። እቶም መላእኽቲ ድማ፡ ‘ሄኖክ እዚ ቦታ ንጻድቃናት ዝተዳለወ እዩ። ማለት፥ ነቶም እናተሳቐዩ ኣብ እምነቶም ዝጸንዑ፡ ካብ ክፍኣት ዝርሕቑ፡ ብፍትሒ ዝፈርዱ፡ ንዝጠመዩ ዝምግቡ፡ ንዕሩቃት ዝለብሱ፡ ንዝወደቑ ዘልዕሉ፡ ንዘኽታማት ዝከናኸኑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዘይ ወቐሳ ዝመላለሱ ሰባት ዝተዳለወ እዩ። ንዓኣቶም እዚ ቦታ ከም ዘለኣለማዊ ውርሻ ተዓቂቡሎም ኣሎ’…