ልቢ ዘንጠልጥል ናይ’ቲ ሓላሚ ዮሴፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኽ!! ካብ ባርነት ናብ ንግስነት !!

እቲ ስሙ እግዚኣብሄር ቀይርሉ እስራኤል ተባሂሉ ዝተጸውዐ ያቆብ 12 ኣወዳት ነበርዎ። ነዞም ደቁ ካብ 4 ኣንስቲ እዩ ወሊድዎም። ካብዘን ኣንስቲ እተን ክልተ ኣንስቱ ክኾና እንከለዋ እተን ክልተ ድማ ናይ ኣንስቱ ኣገልገልቲ ነበራ። ዮሴፍ ድማ ያቆብ ኣብ እርጋኑን ካብታ ኣዝዩ ዝፈትዋ ራሄል ዝተባህለት ሰበይቱ ዝወለዶ ወዱ ነበረ። ኣብ ምድረ ከንኣን ድማይነብሩ ነበሩ። ዮሴፍ ወዲ 17 ዓመት እንከሎ ካብተን ባላን ዘለፋን ዝተባህላ ኣንስቲ ኣቡኡ ዝተወልዱ ኣሕዋቱ ናይ ኣቡኡ መጓሰ ይሕሉ ነበረ። ያቆብ ንዮሴፍ ኣብ ግዜ እርጋኑ ዝወለዱ ወዱ ስለዝነበረ ካብ ኩሎም ደቁ ኣብሊጹ ይፈትዎ ነበረ። ኣሕዋቱ ኣቡኦም ንሓዎም ካብኦም ንላዕሊ ኣብሊጹ ከም ዝፈትዎ ምስ ረኣዩ ንዮሴፍ ጸልእዎ። ብጽቡቅ መልሓስ ውን ክዛረብዎ ኣይከኣሉን። ዮሴፍ ሕልሚ ሓለመ እሞ ነሕዋቱ ብዛዕባ ሕልሙ ምስ ነገሮም ዝገደደ ጸልእዎ። ዮሴፍ “ኩላንታ ኣብዚ ሕርሻና እንዳእቲ ንኣስር ነበርና። ካብ ኩለን እንዳእቲ ግን ናተይ ብሃንደበት ትኽ ኢላ ደው በለት እሞ እቲ ናትኩም እንዳእቲ ኣብ ዙርያ እታ ናተይ ብምኽባብ ነታ ናተይ እንዳእቲ ሰገዳላ።” ክብል ዮሴፍ ሕልሙ ነሕዋቱ ነገሮም። ኣሕዋቱ ብሕርቃን ለከ ኣብ ልዕሌና ክትነግስ ኢኻ ትሓስብ ዘለኻ ነዓና ንምግዛእ ድዩ ድሌትካ ብምባል በቲ ዝሓለሞ ሕልሚ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ንላዕሊ ጸልእዎ። ዮሴፍ እንደገና ካልእ ሕልሚ ሓለመ ነሕዋቱ ድማ “እንሆ ሕጂ  ውን ካልእ ሕልሚ ሓለምኩ ጸሓይን ወርሕን 12 ከዋኽብትን ክሰግዱለይ ረኣኹ።” ክብል ነገሮም። ሕልሙ ነቡኡን ነሕዋቱን ኣብ ዝነገረሉ ግዜ ኣቡኡ “እዚ ዝረኣኻዮ ሕልሚ እንታይ እዩ? ኣነን ኣዲኻን የሕዋትካን ናይ ብሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ተንበርኪኽና ክንሰግደልካ ዲና?” ክብል ገሰጾ። ኣሕዋቱ ቀንእሉ ኣቡኡ ግን ነዚ ጉዳይ ኣብ ልቡ ሓዞ። ድሕሪ እዚ ኣሕዋት ዮሴፍ ናይ ኣቡኦም ኣጣልን ኣባጊዕን ንምጉሳይ ናብ ከባቢ ሰኪም ተጓዕዙ እሞ ያቆብ ንወዱ ዮሴፍ “ኣሕዋትካ ነተን ጥሪት ሒዞም ናብ ሰኪም ከይዶም ኣለዉ እሞ ተንስእ ናብኦም ክልእከካ።” በሎ። ዮሴፍ ድማ “ይኹን እሺ’’ በሎ። ያቆብ ድማ “ናብቲ ዘለዉዎ ኪድ  እተን ጥሪት ከመይ ከም ዘለዋ ርኢኻ ምጻእ እሞ ኩነታቶም ንገረኒ።” በሎ። ዮሴፍ ኣብ ሰኪም በጺሑ ኣብቲ ጎልጎል ናብዝን ናብትን ክብል እንከሎ ሓደ ሰብ ረኸቦ እሞ “እንታይ ትደሊ ኣለካ?” ክብል ሓተቶ። ዮሴፍ ድማ “ነሕዋተይ ይደሊ ኣለኹ። እተን መጓሰ ኣበይ ከም ዝገበርወን ክትነግረኒ ዶ ትኽእል።” በሎ። ካብዚ ከይዶም እዮም። ናብ ዶታየን ንኺድ ከበሃሃሉ ከለዉ ሰሚዐዮም ነይረ።” በሎ እሞ ዮሴፍ ኣሕዋቱ ክደሊ ከደ። ኣብ ጥቃ ዶታየን ምስ በጽሐ ነሕዋቱ ረኸቦም። ኣሕዋቱ ዮሴፍ ብርሑቅ ክመጽእ እንከሎ ረኣይዎ እሞ ናብቲ ዝነበርዎ ቦታ ቅድሚ ምብጽሑ ንክቀትልዎ ተማኸሩ። “ እዚ ሓላሚ መጺኡ ንዑ ንቅተሎ እሞ ኣብዚ ጉድጓድ ንደርብዮ… ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ጠውቑ!!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×