እዚ ቀጺልና ንርእዮ ታሪኽ ናይ ሓደ ሃዋርድ ዝተባህለ ሰብ ናብ ገሃንምን መንግስተ ሰማይን ኣትዩ ንሰይጣን ፊት ንፊት ዝረኣየን መንፈሳውያን ልምምዳት ውን ዝረኣየ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ሂወቱ ክፈልጦ ዘለዎ ናይ ሂወት መምርሒ ዘርኢ ጠቃሚ ቩድዮ እዩ።
ስመይ ሃዋርድ ፒትማን ይበሃል። ኣብ ስርሐይ ብዙሕ ዝተመስከረለይ መኮነን ፖሊስ እየ ኔረ። ንስርሐይ ኣዝዩ
ብዙሕ ግዜ እየ ሰሪሐሉ። ኣብዚ ሞያ ከለኹ እየ ድማ ኣብ ሂወተይ ክርስዖ ዘይክእል ትምህርቲ ዝወሰድክሉ ጉዳይ ዝተፈጥረ። ዕለቱ 14 ነሓሰ እዩ ኔሩ። ልክዕ ከምቲ ካልእ መዓልታት ምስ ምሉእ ጥዕናይ ነበርኩ። ዝኾነ ዓይነት ናይ ሕማም ስምዒት ውን ኣይነበረንን። ብንግህኡ ተንሲኤ ስርሐይ ምጽፋፍ እየ ዝፈቱ። እታ ሰሙን ናይ ምርጫ ሰሙን ስለዝነበረት ከም መኮነን ፖሊስ መጠን ብዙሕ ስራሕ ይጽበየኒ ነበረ። ኣብታ ዕለት ምስ ባንክታት ብዛዕባ እቲ ምርጫ ናይ ምዝርራብ ቆጸራ ስለዝንነአብረኒ ንግሆ ቁርሰይ ከይበላዕኩ ክቅብ ገዛ ወጻኹ። መኪናይ ኣልዒለ ናብ ባንክ በጻሕኩ። ኣብኡ ድሕሪ ምብጽሐይ ጓል ሓፍተይ ኣብኡ ትሰርሕ ስለዝነበረት ጌና ክኣቱ ከለኹ ምስ ረኣየትኒ ካብ ኮፍ መበሊኣ ተንሲኣ ሰላም ክትብለኒ ናባይ ገጻ መጸት። ብሓደ ኢዳ ናይቲ ባንክ ማዕጾ ሒዛ ነቲ ሓደ ኢዳ ድማ ንሰላምታ ናባይ ገጻ ሰደደቶ። ኣብታ ሰዓት ግን ዘይተጸበኽዎ ዘገርም ነገር ተፈጥረ። ጌና ኣእጋረይ ኣብ ማዕጾ ምስ በጽሐ ኣብራኸይ ራዕራዕ ክብለኒ ጀመረ። ኣብዚ ሰዓት እየ ናብ መሬት ዝወደቅኩ። ኣዝየ ሰንበድኩ ምኽንያቱ ቅድሚ ገለ ደቃይቅ ምስ ምሉእ ጥዕናይ እየ ኔረ። ሕጂ ግን ብሃብደበት ምሉእ። ዓቅመይ ሰኣንኩ። በቲ ብስንባደ ዝተመልአ። ልበይ ንድሕሪት ገጸይ ቁሊሕ በልኩ። ኣብኡ ከለኹ ድማ እቲ ኣኼባ ከም ዝተቋረጸ ንጓል ሓፍተይ ነገርክዋ። ዘወር ኢለ ናብ መኪናይ ብምእታው ኮፍ በልኩ። መላእ ሰውነተይ። ምእዛዝ ኣበየኒ። ኣብታ ህሞት ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ይኽእል ኔረ እየ ግን ናብ ገዛይ ምኻድ መረጽኩ። መኪናይ ኣልዓልኩ እሞ ክኸይድ። ጀመርኩ። ተኾነ ግን እቲ ሕማም እንዳበርትዓኒ ከደ። ንገዛይ ክበጽሕ ቁሩብ ምስ ተረፈኒ ድማ መኪናይ ደው ኣበልኩ። ኣብ መኪናይ ኮፍ ኢለ ከለኹ ከምዛ ኣየር ናብታ መኪና ዘይኣቱ ዘሎ ትንፋስ ክሓጽረኒ ጀመረ። እታ ተኸዲነያ ዝነበርኩ ረቃቅ ክዳን ከይተረፈ ኣዝያ ክትዕፍነኒ ጀመረት። ኣብ መንጎ እዚ ህርመት ልበይ ኣዝዩ ይደክም ከም ዘሎ ተፈለጠኒ። ብዝተኻእለኒ መጠን ነብሰይ ኣረጋጊኤ ቀስ ኢለ ከስተንፍስ ፈተንኩ። ብረሃጽ ክሕጸብ ጀመርኩ። ኣብ መንጎ ሂወትን ሞትን ተቀርቂረ ትንፋሰይ እንዳተቆራረጸ መኪናይ ዘዊረ ከድኩ። ኣብ ኣፍደገ ገዛይ ደው ምስ በልኩ ናብ ውሽጢ ገዛ ክኣቱ ኣዝየ ተሸገርኩ። ብኽንደይ ጻዕሪ ካብ መኪናይ ወሪደ ፍሒኽ እንዳበልኩ ንገዛይ ኣተኹ። ኣብ መሬት ተጋዲመ ሰብ ክጽውዕ ጀመርኩ። ወለሓደ ሰብ ኣብ ገዛ ኣይነበረን። በዓልቲ ቤተይ ኮነ ደቀይ ወለሓደ ኣብ ገዛ ኣይነበረን። ብዙሕ ከይጸንሐት በዓልቲ ቤተይ መጸት ኣብ መሬት ወዲቀ ምስ ረኣየትኒ ኣዝያ ሰንበደት። ብክንደይ ጻዕሪ ተሰኪማ ናብ መኪና ወሰደትኒ። ኣዝያ ሰንቢዳ ስለዝነበረት ከም ጽልልቲ መኪና ብፍጥነት እንዳመርሐት ናብ ሆስፒታል ወሰደትኒ። ሆስፒታል ምስ በጻሕና መኪና ከፊተ ክወርድ ምስ ፈተንኩ ኣካላተይ ጠሊሙኒ ቁልቁል ኣፈይ ወደቅኩ። እቶም ሓካይም ከካብ ዝነበርዎ እንዳጎየዩ መጹ። ኣብታ ዝረኣዩኒ እዋን ሃለዋተይ ከም ዘጥፋእኩ ተገንዘቡ።
ንተወሳኺ ኣብዛ ታሕቲ ዘላ ቪድዮ ተዓዘቡ….