ብንእሽትኡ ንገዳም ዝተዋህበ ክመውት እንከሎ ግን ኣገልጋሊ ሰይጣን ኮይኑ ሂወቱ ዝዛዘሞ ሪቲንገር

ኣባላት ሓደ ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት ኣሜሪካ ነቶም ኣብ ካንዳር ዝተሓብኡ ዕቱቃት ጣሊባን ንምድምሳስ ፍሉይ
ተልእኾ ተዋሂብዎ ኣብ ካንዳር ኣብ ዝርከብ እንባታት ንክሃጅም ተዳልዩ ነበረ። ተኾነ ግን ናብ ዝኣተዉዎ ዘይፍለጥ
ድምጾም ጠፍአ። ኣብ መደበር ሓይሊ ኣየር ካቡልን ባርግሃምን ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ድሕነት እቶም ኣሰሮም
ዝጠፍአ ኣባላት እቲ ፍሉይ ሰራዊት ኣዝዩ ኣተሓሳሰቦም።

እዝዚኣ ሕሓድሽ ኣርእስትቲ ኢይያ


እቶም ካብ ኣሜሪካ ቤት ጽሕፈት ፔንታጎን ብዛዕባ ድሕነት እቶም ጠፊኦም ዝነበሩ ሰራዊት ቅልጡፍ ጸብጻብ
ክሰዱ ዝተነግሮም እዞም ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ነዚ ከጻሪ ዝኽእል ሓደ
ሓይሊ ኣቆሙ። እቶም ኣብ ክልተ ሄሊኮፕተራት ተጻዒኖም ናብቲ ስርሒት ዝተበገሱ ኣባላት ኮማንዶ ማሪን ናብቲ
እቶም ወተሃደራት ጠፊኦምሉ ዝበሃል ዘሎ ቦታ ብምምራሕ ነቲ ተቀቲሎም ድዮም ወይስ ብጣሊባን እዮም
ተማሪኾም ንዝብል ሕቶ ንክምልሱ ተበገሱ። እቲ ጎቦታት ዝበዝሖ ግዝኣት ካንዳሂር ቅድሚ 30 ዓመታት ኣብ
ትሕቲ እቶም ሓያላት ተዋጋእቲ ሙጃሂዲን ነበረ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኣብ ትሕቲ ጣሊባንን ኣልቃዒዳን
ብምእታዉ እቶም ነቶም ዝጠፍኡ ኣባላቶም ንምርላብ ዝተሰዱ ኣባላት ኮማንዶ ዝኾኑ ወተሃደራት ካብ
ሄሊኮፕተራቶም ወሪዶም ብጉጅለ ብሙዃን ስርሒቶም ጀመሩ። ኣብቶም ከም ሰንሰለት ዝተተሓሓዙ ኣኽራናት
ካንዳር ብጉጅለ ቆይሞም ዝወረዱ ኣባላት ኮማንዶ ማሪን ኣብቲ ብዘይካ እቲ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ነጊሱ ዝነበረ ጸጥታ
ዝርብሽ ዝነፍስ ንፋስ ካልእ ዝኾነ ሂወት ዘለዎ ዝነብሮ ዘይመስል ከባቢ M14 ጠበንጅኦምን ስናይፐር ሽጉጦምን
ተሰኪሞም ብንቅሓትን ጥንቃቀን ዳህሳሶም ከካይዱ ጀመሩ። እቶም ኣባላት ኮማንዶ ማሪን ኣብዚ ጫፍ እዚ
ሂወታዊ ክነብሮ ኢልካ ዘይሕሰብ ጎቦ እዞም ኩሎም ጠፊኦም ዝበሃሉ ዘለዉ ብጾቶም እንታይ ክገብሩ እዮም
ወጺኦም ዝብል ሕቶ ኣብ ርእሲ ኩሎም ይኩሕኩሕ ነበረ። ናይቶም ኮማንዶ ምክትል ኣዛዚ ዝኾነ ምክትል ሓለቃ
ሚእቲ ዳኒኤል ኤል ማሪዮ ንበይኑ ንቅድሚት ቀቀዲሙ እንዳኸደ ነቲ ኣብቲ ኣኽራን ዝነበረ ቆጥቋጣት እንዳፈተሸ
ይምርሽ ነበረ። እቶም ንሰዓታት ዝኾነ ዓይነት ፍንጪ ዘይረኸቡ ኮማንዶ ተረጋጊኦም ዳህሳሶም ቀጸሉ።
ምክትል ሓለቃ ሚእቲ ዳኒኤል ኤል ማሪዮ ንበይኑ ናብቲ ኹርባ ገጹ ምስ ተጸግዐ ፈቀድኡ ቅድዳድ ወትሃደራዊ
ክዳን ወታህደራት ኣሜሪካ ፈቀድኡ ዝተደርበየ ቁርጽራጽ ሽጋራ ከምኡ ውን ናይ ጠይት ቃልሃታት ተደራብዩ
ረኸበ። ናብቶም ብድሕሪኡ ዝተረፉ ብጾቱ ምስ ተጠውየ ብርሑቅ ናይ ፍርቂ ወርሒ ቅርጺ ሒዞም ክስዕብዎ ረኣየ።
ብሕሳብ ተዋሒጡ ካብኦም ርሒቁ ንበይኑ ምጉዓዙ ቀጸለ። ናብቲ ኹርባ ገጹ እንዳቀረበ ምስ ከደ ወተሃደራት
ኣሜሪካ ኣብ ግዜ ስርሒት ዝጥቀምሉ ዝተፈላለየ ነገራት ተደራብዩ ረኣየ። ስጉምቱ ቀጸለ። ኣብ እግሪ እቲ ኩርባ
ናብ ዝነበረ መእተዊ ናይ በዓቲ ተመልከተ። ንብጾቱ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ነጊሩ ናብቲ ኹርባ ገጾም ብቅልጡፍ
ንክመጹ ብምሕባር ነቲ ኹርባ ምዛሩ ቀጸለ።
ኣብ ኣፍደገ መእተዊ እቲ በዓቲ ምስ በጽሐ ስናይፐሩ ብምንጽጻር “ሰብ ኣሎ?” ክብል ሓተተ። መልሲ ኣይነበረን።
ናብቲ በዓቲ ገጹ ምስ ተጸግዐ ኣብ ኣፍደጊኡ ማይ ዝመልአ ጉድጓድ ረኣየ። ንውሽጢ ገጹ ምስ ተመልከተ
ወተሃደራዊ ክዳን ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ሓደ ተደርዲሩ ረኣየ። ብቅልጡፍ ናብኡ ምስ ከደ ንብጾቱ ናብኡ ንክመጹ
ሓበሮም። ብጥንቃቀ ናብ ውሽጢ ብምእታው ነቲ ተደርዲሩ ዝነበረ ወተሃደራዊ ክዳን ሰራዊት ኣሜሪካ ክፍትሾ
ጀመረ። ኩሉ ደም ተጸያይቁ ረኸቦ። እቶም ደሃይ ዘጥፍኡ ንፍሉይ ስርሒት ዝተላእኩ ወተሃደራት ተኸዲኖሞ
ዝነበሩ ክዳን ሙዃኑ ኣረጋገጸ። ኣብቲ ግዜ ኩሎም ናብቲ ዳህሳስ ዝተላእኩ ኮማንዶ ናብቲ በዓቲ ገጾም ይጽግዑ
ነበሩ። ምክትል ሓለቃ ሚእቲ ዳኒኤል ኤል ማርዮ ናብቲ በዓቲ ኣተወ። እቶም ዝተረፉ ክፕማንዶ ውን ናብቲ በዓቲ
ይጽግዑ እኳ እንተነበሩ እቲ ፍርስራስ ኣእማን ግን ከልኪልዎም ነበረ። ብተጠንቀቅ ቦቦትኦም ብምሓዝ ንቅድሚት
የምርሑ ነበሩ። ሃንደበት ግን ብስንባደ ኣንፈቶም ዘጥፍአ ዘፍርሕ ኣውያት ሰምዑ። ሽዑ ነቲ ካብ ውሽጢ እቲ በዓቲ
ብስንባደ እግሩ ናብ ዝመርሖ ዝሃድም ዝነበረ ምክትል ሓለቃ ሚእቲ ዳኒኤል ኤል ማርዮ ረኣይዎ። ሽዑ ካብቲ በዓቲ
ሓደ ቁመቱ ብውሕዱ 12 ወይ 13 ጫማ ዝኸውን ቀይሕ ጭሕሚ ዘለዎ እቲ ነዊሕ ጸጉሩ ንመንኩቡ ዝሸፈነ ኣዝዩ
ገዚፍን ዘፍርሕን ፍጡር ንሓለቃ ሚእቲ ዳኒኤል ተኸቲሉ ምስ መጸ ራዕዲ ኣተዎም። እዚ ኣራዊት ዝመስል ግዙፍ
ፍጥረት ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ቀስቲ ናብቲ ብፍርሒ ናብ ብጾቱ ዝሃድም ዝነበረ ዳኒኤል ወርወሮ። እቲ ግዙፍን
ዘፍርሕን ፍጡር ክስጉም እንከሎ ንመሬት ምንቅጥቃጥ ከም ዝተላዕለ የንቀሳቅሶ ነበረ። ሓደ ካብቶም ብስንባደ
ተዓኒዶም ዝነበሩ ወተሃደራት ብድፍረት ሽጉጡ ናብዚ ግዙፍ ፍጥረት ብምንጽጻር እንዳተኮሰ ናብቲ ተሃሪሙ
ወዲቁ ዝነበረ ዳኒኤል ገጹ ኣምርሐ እሞ ኣንፈት እቲ ፍጡር ውን ናብኡ ኣበለ። እዚ ትርኢት ድማ እዩ ንኹሎም
ኣባላት እቲ ሰራዊት ናብ ቀልቦም ዝመለሶም ክብል ሓደ ካብቶም ኣብዚ ስርሒት ዝተሳተፈ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ
ኣባል ኮማንዶ ነቲ ሓቂ ኣቃልዖ።

ንተወሳኺ ኣብዛ ታሕቲ ዘላ ቪድዮ ተዓዘቡ….

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×