ኣብ ፊልም ፍሉጣት ጠባያት ቫይኪንግስን ዘደንቕ ታሪኾምን

እቲ ንነዊሕ ዓመት ከም በዓል ቤትኪ እትፈልጥዮ ሰብ ብምስጢር መራሒ ናይ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣለዉ
ዝበሃሉ ሓደገኛታት ጉጅለታት ኮይኑ እንተዝጸንሕ እንታይ ምተሰምዓኪ?
ሒማ ናይቲ ኣዝዩ ጨካን ኣቡ በካር ኣል ባግዳዲ ሳጋ ኣል ዱሉሚ ውን እዚ ዕጫ እዩ ጎኒፍዋ። ታሪኻ ኣዝዩ
ዘስካሕክሕ እዩ። ኣብቲ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ድማ ነቲ ዘስካሕክሕ ሓቂ እያ ኣቃሊዓቶ። እቲ ዘስካሕክሕ ዝህባ
ዝነበረ መፈራርሒ፡ እቲ ጸሊም ምስጢራት ሓዳራን እቲ ዝሃደመትሉ ሕማቅ ሂወታን ንኹሉ ኣቃልዐቶ። ብዛዕባ
ምስጢራቱ እንታይ እያ ኣቃሊዓ? ስዒብና ንርእዮ ክኸውን እዩ። መጀመርታ ግን ኣመጻጽኣ ሳጋ ኣል ዱሊሚን
ቅድሚ መርዓ ዝነበረ ሂወታን ክንርኢ ኢና።
ሳጋ ኣል ዱሊሚ ካብ ሓንቲ ኣኽራሪት ሃይማኖት እስልምና ሱኒ ዝኾነት ስድራ ኣብ ዒራቅ እያ ተወሊዳ። ኣቡኣ
ኢብራሂም ደሊ ኣብ ምምሕዳር መሪሕነት ሳዳም ሑሴን ጽቡቅ ዝኾነ ሓላፍነት ዝነበሮ ኮይኑ እዚ ድማ ንሳጋ ሓደ
ሓደ ሓለፋታት ንክትረክብን ብኡ መጠን ድማ ኣብ ዓቃባውን ፖለቲካዊ ጽልዋ ዘለዎ ከባቢ ከም ትዓቢ ገበረ። እዚ
ከምዚ ዓይነት ከባቢ ድማ ክብሪ ስድራቤትን ማሕበረሰብን ብኣዝዩ ልዑል መጠን ዝኽበረሉ ከም ሙዃኑ መጠን
ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ጸቃጢ ባህሪ ኣለዎ። ከምተን ካልኦት መዘናታታ መጻኢን ሓዳርን ሳጋ ውን ብደቂ ተባዕትዮ
ኣባላት ስድራቤታ ተወሲኑ እዩ ዓብያ። ናይ መጀመርታ ሰብኣያ ልክዕ ከምቶ ካልኦት ናይቲ ግዜ መንእሰያት ኣባል ናይ
ሓደ ካብቶም ናይ ዕግርግር ጉጅለታ ነበረ። እዚ ስሙ ክትጠቅሶ ዘይትደሊ ሰብኣያ ንጡፍ ኣባል ኣልቃዒዳ እዩ ኔሩ።
ሳዳም ሑሴን ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ እታ ሃገር ብብዝሒ ሽበራውያን ጉጅለታት ከተዕለቅልቅ ግዜ
ኣይወሰደላን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ በዓል ቤታ ኣብ ናይ ስነሓሳባውን ወተሃድራውን ዕግርግራት ክሳተፍ
ዝጀመረ። ኣባል ናይዚ ጥሩፍ ጉጅለ ኮይኑ ኣብ ግንባር ቀደም ተሰሊፉ እንዳተዋግአ እንከሎ ድማ ብዘሕዝን መንገዲ
ሂወቱ ሰኣነ። ምስ ኣባላት ጸጥታ ዒራቅ ኣብ ዝገበርዎ ውግእ ድማ ሂወቱ ሓለፈት። እዚ ኩነት ግን እቲ ምስ ጥሩፋት
ወገናት ዝነበራ ርክብ ዝቆርጽ ኣይነበረን። ከም ሰይቲ ሓርበኛ መጠን እቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝነበራ ጸቅጢ ቀሊል
ኣይነበረን። እዚ ድማ ናብቲ ዝቀጸለ ምዕራፍ ሂወታ ኣሰጋገራ። ኣብ ዝበዝሕ ክፋል ዓለምና መበለት ሙዃን ኣብ
ሕብረተሰብ ኣዝዩ ተነቃፊ ቦታ ከም ዝህልወካ ዝገብር እዩ። ጽልዋ ሕብረተሰብ ሳጋ ድማ ነዚ መሊሱ ከም ዝኸብድ
ይገብሮ። ድሕሪ ሞት ኣቡኣ ስድራቤት ሳጋ ብፍላይ ድማ ኣቡኣ ነዚ ናይ መበለትነት ግዜኣ ከም መሰጋገሪ ወይ ውን
ናይ ዳግመ ምምላስ ግዜ ጌሩ ኣይወሰዶን እኳ ድኣ ዳግማይ ንክትምርዖ ዝተፈጥረላ ዕድል ጌሮም ወሰድዎ።
ማሕበረሰባዊ ጸቅጢ ኣብ ባህላውያን ዒራቃውያን ስድራቤታ ኣዝዩ ገዚፍ እዩ። ኣብዚ ሕብረተሰብ መርዓ ማለት
ንምዕቃብ ክብሪ እቲ ስድራ ወይ ድማ ንምሕያል ዝምድና ክልተ ስድራቤታት ዝግበር ነገር እዩ። ሓንቲ ንእሽተይ
እሞ ድማ ካብ ሓያላት ስድራቤት ዝተወልደት መበለት ንነዊሕ ግዜ ዳጋማይ ከይተመርዓወት ክትጸንሕ ዘይሕሰብ
ነገር እዩ። ኣብ ናይ ከም በዓል ሳጋ ዓቃባውያን ተኸተልቲ ሃይማኖት ሱኒ እስላምና ዝኾና ስድራቤታት ድማ ውሳኔ
መርዓ ኣብ ኢድ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት እቲ ስድራ እዩ ዝሕጸር። ድሕሪ ናይ 9 ኣዋርሕ ጥራይ መበለት ሙዃን
ስድራቤትን ኣቦን ሳጋ ካልኣ መርዓ ቆጸሩ። ኣብዚ ግዜ እቲ መርዓዊ ብመንገዲ ኣቡኣ ዝመጸ ክኸውን እንከሎ ምሁርን
ኣብ ሃይማኖት እንስልማና ድማ ዕሙቅ ፍልጠትን ዘለዎ ኮይኑ ስሙ ሂሻም መሃመድ ይበሃል። ብደግ ንዝርኢ ሂሻም
ነመጻጽኣን ፖለቲካውን ድሕረባይታ ሳጋ ኣወዳዲርካ ንዓኣ ዝኸውን ሰብ እዩ ኔሩ። ንሱ ምሁር፡ ኣብ ሃይማኖቱ
ኣኽራሪን ጥጡሕ ናብራ ዝነበሮ ሰብ እዩ። ኣብቲ ግዜ ሳጋ እዚ ዘብለጭልጭ ደጋዊ ትርኢት ዝኾነ ሕቡእ ነገር
ከይህልዎ ሰጊኣ ነበረት። ሌላ ሳጋን ሃሺምን ብፍቅሪ ዘይኮነስ ብስድራቤታዊ ግዴታ እዩ ኔሩ። ሳጋ ኣብዚ መርዓ ኣዝዩ
ውሱን ተራ እዩ ኔርዋ። ኣቡኣ እቲ ጉዳይ ቅኑዕ እዩ ኢሉ ስለዝኣመነ የተግብሮ ኔሩ።

ንተወሳኺ ኣብዛ ታሕቲ ዘላ ቪድዮ ተዓዘቡ….

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×