
ኣብ ቀዳማይ ሚእቲ ክፍለዘመን ነቲ ዓቢ መንግስቲ ሮማ ዝመርሐ ንጉስ እዩ። ጌና ኣብ ንእስነቱ ናብ
ንግስነት ንክመጽእ ኣዲኡ ብዙሕ ተንኮላት ኣቀናቢራ እያ። ንናይ ቀረባ ቤተሰባ ዝኾነ ሓወቡኣ
ብምምርዓው መሪዛ ቀቲላቶ እያ ትበሃል። ነቲኢ ናብ ወንበር ዝመጸ ወዳ ድማ ብድሕሪት ኮይና ምጥውዋይ
ዘይኮአስ ኣብ ቀድሚት ኮይና እያ ትመርሖ ኔራ። እዚ መንእሰይ ንጉስ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጸለን ናይ
መጀመርታ ዓመታት ንዝሰፍሕ ሽግራት ህዝቢ ዘቃልል ኣዋጃት ብምውጽኡ ተፈታዊ ንጉስ ክኸውን ከኣለ።
ጸኒሑ ግን ምስ ኣዲኡ ኣብ ስልጣን ዘይምስምማዕ ስለዝተፈጥረ ንስልጣን ክብል ነዲኡ ድሕሪ ምቅታሉ
እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ መንነቱ መሉእ ብሙሉእ ተቀየረ። ንከተማ ሮማ ውን ን6 መዓልታት ዝቀጸለ
ሓዊ ከም ትባራዕ ጌሩ ህዝቢ ክበኪ ንሱ ግን ይደርፍ ነበረ ውን ይበሃለሉ እዩ። ንሰዓብቲ ክርስትያን
ምኽንያት ብምግባር ከም ጥዋፍ ዘንደደ ንጉስ ውን እዩ። ነታ ናብ ሓሙኽሽቲ ዝቀየራ ሮማ ከም ብሓድሽ
ንምህናጽ ሃገር ዘኽሰረን ቤተ ክርስትያናት ዘዕነወን እዩ ውን ይበሃለሉ። መሳፍንቱ መከራ በዚሑና ኢሎም
ናይ ቅትለት ፈተነ ምስ ኣቀናበሩ ምስጢር ልሒኹዎም ጌና እንከሎ ንዝበዝሑ ኣጥፊእዎም እዩ። ካብ
ቁልዕነቱ ጀሚሩ ዝመሃሮን ፈላስፋ ኣማኻሪኡን ውን ካብዚ ኣይተረፈን። ኣንጻሩ ናዕቢ በዚሑ ካብ ውሽጡ
ውን ተቋውሞ ተላዒልዎ ከሓዲ ሃገር ስለዝተባህለ ነብሱ ባዕሉ ኣጥፍአ። እተን 13 ዓመታት ንግስነቱ ግን
ንሮም ናይ መከራ ግዜ ከም ዝነበራ ብዙሓት ይሰማምዑ። ንጉስ ኔሮ።
ኣብ መጀመርታ ዘመን ዓመተ ምህረት እዩ ኣብታ ኣብ ጥቃ ሮማ ትርከብ ከተማ ኣንቴም ተወሊዱ።
ወለዱ ዘውጹሉ ናይ ቁልዕነት ስሙ ሉስየስ ዶሚትየስ ኣሄኖባርበስ ይበሃል። ልክዕ ከም ናይ ወዶም ታሪኽ
ወለዱ ውን ዘገርም ዛንታ ዝበዝሖ እዩ። ናይ ኣቡኡ ሕጽር ስለዝብል ንዕኡ ከነቀድም። ኣቡኡ አግናየዎስ
ካብ ሓረግ ዘርኢ መሳፍንቲ ሮም ዝመጸ እዩ። ዶሚትየስ ኣብ ዝተወልደሉ ዘምን ኣባል ቤት ምኽሪ ሮም
ጥራይ ዘይኮነስ ልዕል ዝበለ ሽመት ካብ ዝነበሮም ኣባላት እዩ ኔሩ። ኣካቢ ናይቲ ምኽሪ ቤት ክሳብ
ሙዃን በጺሑ ነበረ። ንታሪኽ እዛ ስድራ ዝጸሃፈ ሰንቲዮስ ነአግናየዎስ መደናገርን ጨካንን ክብል እዩ
ዝገልጾ። ኣብ ፖለቲካ ብኸምዚ ዝግለጽ እዙ ኣቦ ንገዛ ውን ብዙሕ ዘይምችእ ተጌሩ እዩ ዝውረየሉ። ኣዝዩ
መስተ የብዝሕ ብምንባሩ ከው ኢሉ ሰኺሩ ብምምጻእ ጸገም ስድራ ይከውን ኔሩ ይበሃለሉ። ወዱ
ዶሚትየስ ኣብ ዝተወልደሉ ግዜ ሕጉስ ኣይነበረን። ናይዚ መርትዖ ድማ ኣብ ማእከል እኩብ ሰብ ካብ
ማህጸን ግሪፒና ዝውለድ ጥዑይ ኣይክኸውንን እዩ ኢሉ ምዝራቡ ነበረ። እቲ ኣቦ ኣብ ሎሊ ወዱ ሕጉስ
ዘይሙዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ ስጉምቲ እውን ወሲዱ እዩ ይበሃል። ብስኹሩ ሰረገላ ፈረስ እንዳጋለበ ንወዱ
ገጭዩ ክቀትሎ ከም ዝፈተነ ይንገረሉ። ግን ክዕወት ብዘይምኽኣሉ እቲ ቆልዓ ብሂወት ተረፈ። ኣብ ፖለቲካ
ውን እቲ ኣዝዩ ሕማቅ ተንኮላቱ ተጋሊጹ ኣብ ወንበር ንጉስ ቲቤርያስ ተኸሲሱ ምቅራቡ ኣይተረፎን።
ብክሕደት ሃገር ብምንዝርናን ናይ ጉቦ ገንዘብ ብምቅባልን ተኸሲሱ ነበረ። ካብቲ ብሰንኪ እቲ ክሲ
ዝጽበዮ ዝነበረ ናይ ሞት ፍርዲ ንስክላ ተረፈ። ምኽንያቱ እቲ ፍርዱ ንክህቦ ዝጽበዮ ዝነበረ ንጉስ
ቲቤርያስ ኣቀዲሙ ብምዕራፉ ነበረ። እዚ ካብ ሞት ዝተረፈ ኣቦ ኣብ ገዛ ነቲ ቤት እንዳበጽበጸ ኣብ ደገ
ውን ንፖለቲካ እንዳሓመሰ ንክቅጽል ዝተፈቅደሉ ኣይመስልን ነበረ። ብሰንኪ ብዝሒ ደም ሃንደበት ወዲቁ
ዓረፈ። እቲ ዘይፈትዎን ጌና ብህጻኑ ውን ክቀትሎን ዝፈተነ ዶሚትየስ ወዱ ጌና ኣብ 3 ዓመቱ ወደ ኣዲኡ
ጥራይ ኮነ።
ኣደ ኣግሪፒና ኣብ መንነት ዶሚትየስ ዓቢ ተጽዕኖ ነበራ። ናይዚ ምኽንያት ጌና ወዲ 3 ዓመት እንከሎ
ንበይና ስለዘዕበየቶ ኣይነበረን። ኣግሪፒና ሓረግ ዘርኣ ካብ ንጉሳዊ ስድራቤት ሮም ዝመጽእ እዩ። እቲ ነታ
ዓባይ ሮም መስሪትዋ ዝበሃል ቄሳር ኣጉስቶስ እነሓጎኣ ነበረ። ንበዓል ቤታ ናብ ሞት ዘብጽሕ ክሲ ከሲሱ
ናብ ፍርዲ ዘቅረቦ ንጉስ ቲበርየስ ክሳብ ዝመውት ኣብ ዝነበረ ውሑዳት ግዜያት እተን ሰብኣያ
ዘይነበረለን ውሑዳት ግዜያት ብኡፎይታ እያ ኣሕሊፋተን። እቲ ኣቦ ካብ ናይ ጉራዴ ሞት እኳ እንተተረፈ
እቲ ዝፈትዎ ዝነበረ መስተ ግን ናብ ተፈጥሮኣዊ ሞት ኣምርሖ። በትሪ መቅጻዕቲ መንግስቲ ውን ኣብቲ
ዝቀጸለ ንጉስ ውን እንተኾነ ነታ ስድራ ኣይመሓራን። ኣብ ዘመን ንግስነት እቲ ጨካን ንጉስ ካሊጉላ እቲ ናይ
መቅጻዕቲ በትሪ ኣብ ዝባን ኣግሪፒንያ ዓረፈ። እቲ ዘገርም ግን ንጉስ ካሊጉላ ንእሽተይ ሓዋ ምንባሩ እዩ።
እቲ ንጉስ ንወበሩ ቀናእ ነበረ እሞ ንሓፍቱ ናብ ጉዕዞ ሰደዳ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ሓፍቱ ንስልጣን ኢላ
ንከይትምለስ ነበረ ይብሉ ጸሓፍቲ ታሪክ። ዶሚትየስ ድማ ብሓትንኡ ንክዓቢ እቲ ንጉስ ውሳኔ
ኣመሓላለፈ። ይኹን እምበር ኣብ ታሪኽ ሮም ካብቶም ኣዝዮም ጨካናት ነገስታት ካብ ዝበሃሉ ሓደ ዝኾነ
ካሊጉላ ኣብ ወንበሩ ንብዙሕ ዓመታት ክጸንሕ ኣይከኣለን። ብናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ክብሪ ሓለውቲ ተቀትለ።