ሰለስተ ኣዝዮም ሓደገኛታት እሱራት ካብ ሓደ ኣዝዩ ጽንኩር ሓለዋ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ዝኾነ ኣሰር ማለት
ዝተፋሕረ ጉድጓድ ወይ ዝተሃርመ ፖሊስ ዘይብሉ ሽታ ማይኮይኖም ጠፍኡ። ን6 ኣዋርሕ ዝኣክል ካብቲ ናይታ ሃገር
ዝጸንከረ ቤተ ማእሰርቲ ንምውጻእ መደባቶም ከጻፍፉ እዮም ጸኒሖም። ቀንዲ መራሒ ናይዚ ስርሒት ሓደ
ኢራናዊ ኣሜሪካዊ መንነት ዘለዎ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝውንን ሰብ ኮይኑ ንሱ ኣዝዩ ሓደገኛን ጠዋርን ባህርያት ዘለዎ
ኮይኑ ንዝኾነ ሰብ ኣእሚኑ ኣብ ናቱ መስመር ንከእትዎ ውን ዘይሽገር ዓይነት ሰብ እዩ። እቲ ናይ ህድማ መደብ ኣዝዩ
ደፍረት ዝተሓወሶን ክእመን ዘይከኣልን እዩ። ብኣንሶላ፡መጋዝን ሓንቲ ተሌፎንን ብምጥቃም ድማ ነቲ ዘይከውን
ዝመስል ክዉን ክገብርዎ ከኣሉ።
እዚ ቦታ ዝኾነ ሰብ ክሃድመሉ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዘይእመነሉ ዓይነት ማእሰርቲ እዩ። እዚ ቦታ ሙሉእ ብምሉእ
ብ5 ፊት ዝንውሓቱ ሓጹር ዝተኸበ ኮይኑ ነቶም ናይ ዝኸፍአ ዝኸፍኡ እሱራት ተባሂሉ ዝተሰርሐ ድማ እዩ። ኣብ
ውሽጡ ልዕሊ 60 እሱራት ዝሕዝ ክፍልታት ይውንን።ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ እዞም እሱራት ኣብ ደቂቅ ምክትታት
ናይቶም ጋርድታትን ኣባላት ፖሊስን እዩ። ዝኾነ መሕብኢ ቦታ ወይ ጽምው ዝበለ ቦታ ንዝበዝሑ ካብኦም ድማ
መውጽኢ ዝበሃል ቦታ የለን። ንሆሲን ኖሪ እዚ ዕድል ካብቲ ንሕልፈት ዝተፈርደሉ ፍርዲ ንከምልጥ ሓንትን ናይ
መወዳእታን ዕድሉ ነበረት።
ታሪኽ ኖሪ ነዊሕ ቅድሚ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኦሬንጅ ካንትሪ ምምጽኡ እዩ ዝጅምር። ንሱ ካብ ኢራንያውያን
ስደተኛታት ኣብ ፍሬስኖ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ንሱ ግርማ መጎስ ዘለዎን ኣዝዩ በሊሕን ሰብ እኳ እንተነበረ ኩሉ ግዜ
ግን ሕግታት ክጥሕስ ደስ ይብሎ ነበረ። ኖሪ ንሕጊ ዝምእዘዝ ዓይነት ሰብ ኣይነበረን። ድሕሪ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ብሰሪ
እዚ ባህርያቱ ምስጓጉ ድማ ሂወቱ ሕልኽላኽ ዝመልኦ ክኸውን ጀመረ። ኣብ 2012 ገበናት ኖሪ ምዕረ እቲ
ኣሰንበድቲ ሙዃኖም ጭካነ ዝተመልኡ ውን ነበሩ። ንሓደ ወናኒ መሸጣ ማሪዋና ጨወዮ እሞ ናብ ርሕቅ ዝበለ ቦታ
ወሲዱ ዝበዝሕ ሰብ ብክግምቶ ዘይክእል ኣገባብ ኣሳቀዮን ኣካላቱ ኣጉደሎን። ዝኾነ ጥርጣረ ዘይነበሮ ገበን እዩ ኔሩ።
ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እንተደኣ ኣትዩ ደጊሙ ንደገ ክወጽእ ዘይሕሰብ እዩ። ኖሪ ግን ብቀሊሉ ኢዱ ዝህብ ዓይነት ሰብ
ኣይነበረን። ናብቲ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ከረኻኽብሉ ዘይክእሉ ቦታ ናብ ኢራን ተሰወረ። ኣብኡ ድማ ንክልተ ዓመታት
ተሓቢኡ ጸንሐ። ተኾነ ግን ሕጊ ንናይ ቀደም ሰበይቱ መጻወድያ ብምጥቃም ናብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣቱ ገበሮ።
ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ድማ ናብቲ ኣዝዩ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ደቂ ተባዕትዮ ኦሬንጅ ካውንቲ ከም ዝኣቱ
ተገብረ። ንዝበዝሑ ሰባት ጉዳይ ኖሪ ኣብዚ ዘብቅዐ እዩ መሲልዎን ንዕኡ ግን እዚ መጀመሪ ናይ ዝቅጽል መደቡ እዩ
ኔሩ። እታ ዝበለጸት ዕድሉ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምብጽሑ ክሃድም ከም ዝኾነ ኣጸቢቁ ይርድኦ ነበረ። እቲ
ንሱ ዝኣተወሉ ቤት ማእሰርቲ ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣዝዩ ኣሸጋርን ሓደገኛን ባህሪ ዘለዎም ሰባት ዝእሰርሉ ቦታ እዩ
ኔሩ። ካብታ ኣብ መደቀሲኡ ሞዱል ኤፍ ዝኣተወላ ህሞት ጀሚሩ ድማ ኣእሙሮ ኖሪ ኣብ ስራሕ ተጸምደ። ኣብ
ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ድማ ንደገ ክወጸሉ ዝኽእል መንገዲ ሃሰስ ክብል ጀመረ። ኣብቲ ዝነበሮ ቦታ ነፍሲ
ወከፍ ምንቅስቃስ ርእይቲ ዝኾነት ደቃቅ ውን ትኹን ድምጺ ውን ኣብ ኮሮድዩ እቲ ገዛ መቃልሕ ትገብር ስለዝነበረ
ካብዚ ንምህዳም ፈጺሙ ዘይሕሰብ ነገር ነበረ። ተኾነ ኖሪ ካልእ ዝኾነ ሰብ ከስተውዕለሉ ዘይከኣለ ነገር
ኣስተውዓለ። ድሕሪ እቲ መዕቆሪ ማያት መእተዊ ንፋስ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዓይኒ ርግቢ ዝዓይነቱ ነዃላት ከም ዘሎ
ኣስተውዓለ። ንዝካልኦት እሱራት ፍሉይ ነገር ኣይነበረን ንኖሪ ግን እታ እንኮ መህደሚት መንገዲ ሙዃና ተረድኣቶ።
ንተወሳኺ ኣብዛ ታሕቲ ዘላ ቪድዮ ተዓዘቡ….