ምንጻፍ ማይ ኤፍራጠስን ጤቅሮስን ምልክት መወዳእታ ዓለም’ዶ ሕጽረት ዝስተ ማይ ባቢሎን?  

ናይ መወዳእት ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፈ ኣቡቀለምሲስን ታኦሎግስን ብዝብሉ ንረኣይነቱ ዝድርቡ መጸውዒ ኣስማት ዝፍለጥ ወንጌላዊ ቅዱስ የውሃንስ ኣብ መጽሓፍ ራኢ ምዕራፍ 9 ፍቅዲ 14 ከምኡ ውን ኣብ ምዕራፍ 16 ፍቅዲ 12 ከምዚ ዝብል ትንቢታት ኣስፊሩ ንረኽቦ “እቲ ሻድሻይ መልኣኽ ውን መለኸት ነፍሐ ካብተን ኣርባዕተ ቀርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘለዎ ሻድሳይ መልኣኽ ነቶም ኣብቲ ዓቢ ሩባ ኤፍራጠስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መልኣኽቲ ፍትሓዮም ዝብሎ ድምጺ ሰማዕኩ። እቶም ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን ዝተዳለዉ ኣርባዕተ መልኣኽቲ ንሲሶ ሰብ ምእንቲ ክቀትሉ ተፈትሑ።”  “እቲ ሳድሳይ ውን ጽዋእ ኣብቲ ዓቢ ሩባ ኤፍራጠስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቅ ጸሓይ ዝመጹ ነገስታት ድማ መገዲ ምእንቲ ክዳለወሎም እቲ ማይ ነጸፈ።”

   ኣብዘን ዝሓለፋ በርክት ዝበላ ዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ እቲ ብዕጥቂ ካብ ዝተኻየዱ ግጭታት፡ ወረራታን ደም ምፍሳስ ዝተሓወሶም ኲናት ምሕላፋ እንሆ ባቢሎን እዛ ናይ ሎሚ ዒራቅ ዘይተለምደ ሓደጋ ኣብ ቅድሚኣ መጺዋ ክብሉ ይገልጹ ንማሕበረ ቁጠባ እታ ሃገር ዘጽንዑ ምሁራን። እቲ ሓደጋ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ግጭታት ንላዕሊ ንብዙሓት ሰባት ክጸሉ ዝኽእል ሙዃኑ ዘፍርሕ ይገብሮ። ዒራቅ ወላ እኳ እቶም ክልተ ናይ ዓለምና ዝዓበዩ ወሓይዛት ብምእከላ ኣቋሪጾም ዝፈሱ እንተኾኑ እቲ ብቅልጡፍ ፍጥነት እንዳጎደለ ዝመጽእ ዘሎ መጠን ዝስተ ማያ ግን ንዝመጽእ 10 ዓመታት ህላውነታ ኣብ ሓደጋ ዝወድቅ ሙዃኑ ናይ መዘኻኸሪ ደወል ካብ ሕጂ ይድውል ይርከብ።

   ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና ካብ ዝተዋህቦም ሳይንሳዊ ትርጉም ጥራይ ዘይኮነስ ሃይማኖታዊ ትንታነ ካብ ዝተዋህቦም ኣርእስትታት ሓደ እቲ መጠን ምፍሳስ ማይ እቶም ዓበይቲ ሩባታት ኤፍራጠስን ጤግሮስ ይንዳጎደለ ይኸይድ ምህላዉ ዝገልጽ ጉዳይ እዩ። ናይዚ ውጽኢት ድማ ነቲ እዞም ክልተ ሩባታት ኣብ ደቡባዊ ዒራቅ ተጋጢሞም ዝፈጠርዎ ሳልሳይ ሩባ ሻት ኣል ኣረብ ብርኡይ ከንቆቁሎ ክኢሉ እዩ። ሻት ኣል ኣረብ ድማ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ምንጪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ዒራቅ ዩ። ከም ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ዝጥቀስ እቲ ቱርኪ ኣብ መተሓላለፊ ሩባ ጤቅሮስ ዝሃነጸቶም ብርክት ዝበሉ ናይ ግድብ ፕሮጀክትታት እዮም። እዞም ፕሮጀክትታት ንመጠን ማይ ናይዚ ሩባ ናብ ዒራቅ ቅድሚ ምእታዉ ብዓቢ ከም ዝጎድል ጌርዎ እዩ። ኤፍራተስ ውን ካብ ላዕለዋይ ኣኽራናዊ ቦታታት ቱርኪ ተበጊሱ ብቱርኪ ኣቢሉ ኣብ ታሕቲ ንመሬት ሶርያን ዒራቅን ብምሕላፍ ምስ ሩባ ጤቅሮስ ዝጽንበር ብሙዃኑ ንተመሳሳሊ ሃደጋ ተቃሊዑ ይርከብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መጠን ማይ ሩባ ኤፍራጠስ ብሓደገኛ ክበሃል ዝከላ መጠን ከንቆልቁል እንከሎ ሙሉእ ብሙሉእ ክደርቅ እዩ ተባሂሉ ካብ ዝስጋእ ዓመታት ተቆጺሩ ይርከብ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ መፍትሒ ክርከበሉ ኣይተኻእለን። ነዞም በዚ መጠን ዝኸዱ ዘለዉ ሩባታት እቲ ካተን ዓደንቲ ነዳዲ ትካላት ዝወጽእ ጎሓፍ ናብኦም ብምፍሳስ ነቲ ናይ ዒራቅ ቀንዲ ምንጪ ዝስተ ማይ ኮይኑ ዘሎ ብሕብረት እዞም ክልተ ሩባታት ዝቆመ ሻት ኣል ኣረብ ከይበከሎ ኣይተረፈን። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ምንጪ ቁጠባ ዒራቅ ነዳዲ ብሙዃኑ መንግስቲ ነዘን ትካላት ዝኾነ ሕጊ ኣውጺኡ ንከይክልክለን ኣሸጋሪ ኮይንዎ ይርከብ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ ዒራቅ ነዳዲ ናይ ምውጻእ ስራሕ እንዳዓበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ኣቅርቦት ጽሩይ ዝስተ ማይ ህዝቢ ዒራቅ ድማ ሓደገኛ ናብ ዝበሃል ደረጃ ይወርድ ኣሎ ማለት እዩ። ምኽንያቱ እዘን ናይ ነዳዲ ኩባንያታት ነቲ ካብ ከርሲ ምድሪ ዘውጽእዎ ነዳዲ ናብ ላዕሊ ፈንቂሎም ንምውጻእ ኣብ ዘካይድዎ መስርሕ ንመድፍኢ ዝኸውን ልዑል መጠን ማይ የድልዮም ብሙዃኑ እዩ። መግስቲ ዒራቅ እዘን ኩባንያታት ነዚ ተግባር ኣድላዩ ዝኾነ ማይ ካብ ናይ ባሕሪ ማይ ንክጥቀማ ሕጊ ኣውጺኡ ይርከብ። እዘን ኩባንያታት ግን ነዚ ዕሽሽ ብምባል ካብቲ ኣብ ጥቅአን ዝርከብ ንሂወት ህዝቢ ኣድላዩ ዝኾነ ንጹህ ዝስተ ማይ ካብ ዝርከብዎም ሩባታት ምጥቃም ከም ምርጭአን ክገብርኦ ተራእየን እየን። እዘን ኩባንያታት ነዚ ዝገብራ እቲ ናይ ባሕሪ ማይ ንምምጻእ ዘሎ ወጻኢታትን ነቲ ማይ ንምጽራይ ዘድሊ መስርሕን ኣብ ሕሳብ ብምእታው እየን። እዚ ድማ ንቀረብ ማይ ናይቲ ከባቢ ብርኡይ ንከንቆቁል ምኽንያት ኮነ። ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ ንሓደ በርሚል ነዳዲ ንምውጻእ ክልተ በርሚል ማይ ከትጥቀም ናይ ግድን ይከውን። እዚ ማለት ብሚልዮን ዝቁጸር በርሚል ነዳዲ ንምውጻእ ብኡ መተን ብሚልዮናት ዝቁጸር ንጹህ ዝስተ ማይ ኣብዚ መስርሕ ይውዕል ማለት እዩ። ህዝቢ እቲ ከባቢ ነዚ ተቋዊሙ ንከይለኦኣል ድማ ሕጊ እታ ሃገርንን ፖሊስን ነዚ ጉዳይ ብሕጊ ሒዝዎ ከም ዘሎ እዩ ዝሕበሮ። ኣብ መንጎ ኤፍራጠስን ጤቅሮስን ዘሎመሬት ኣዝዩ ልሙዕ ዝበሃል እዩ። እቲ ኣከባቢ ርኽበት ስልጣነ ደቂ ሰብ ከም ዝኾነ ውን ይንገረሉ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰሪ ሕጸረት ንመስኖ ዝኸውን ማይ ኣብ ሕርሻ ዒራቅ ዓቢ ጽልዋ ፈጢሩ ይርከብ። ብፍላይ ድማ መጠን ማይ ናይቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከብ ሻት ኣል ኣረብ እንዳጎደለ ምምጽኡ ነቲ ኣብቲ ከባብቢ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ሂወት ዝፈጠሮ ተጽዕኖ ንናይ እቲ ህዝቢ ማሕበረ ቁጦባዊ ቅልውላው ኣመሳቂልዎ ይርከብ። መርኣያ ናይዚ ባስራ ተባሂላ እትፍለጥ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ሩባ ሻት ኣል ኣረብ ተሞርኲሳ ዝተደኮነት ከተማ እያ። እታ ኣብ ሓደ እዋን ናይ ዒራቅ ቬንስ ተባሂላ ትፈለጥ ዝነበረት እዛ ከተማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሕማቅ ናይ ማይ ሽግር እንዳተሳቀየት ትርከብ። ኣብታ ከተማ ዘለዉ ፈሰስትን ጎሓፋትን ንመሕለፍ ቱቦታታት ኣበላሽዮም ንትርኢታ ካብ ምብልሻው ሓሊፎም ንነበርታ ክሳብ ጠንቂ ናይ ጥዕና ሽግር ክሳብ ሙዃን ኣብቂዖማ እዮም። ነቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዜጋታት ዝተበከለ ማይ ንክሰትዩ ዝተገደድሉ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ስዒቡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ተዓቊቦም ነበሩ። እዚ ነገር ኣብ መላእ ዒራቅ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ እዛ ከተማ ዝርከባ ዓድታት ዓቢ ዘይምርግጋእ ንክፍጠር ምኽንያት ኮይኑ ሓሊፉ ነበረ።

   እዛ ባቢሎናዊት ዒራቅ ምንጪ ማያታ በዚ ጥራይ ዘኮነን ዝደርቅ ዘሎ ሰማያት ውን ዝተቀየመላ እዩ ዝመስል። ጠቅላላ መጠን ዝናብ እታ ሃገር ብልዑል ብምጉዳሉ ኣብ ኩነታት ኣየራ ብዝተፈጥረ ለውጢ ብልዑል ካብ ዝተሃስያ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ ሓንቲ እያ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ቤ ምኽሪ ዒራቃውያን ስደተኛታት ኖርወይ ግዚያዊ ዳይረክተር ኣንቶኒ ሊሊኪ ኩነታት ኣየር ዒራቅ ኣሽንኳይ ዶ ሰሪሕካስ ኮፍ ኢልካ ንክትነብረሉ ውን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ይኸውን ኣሎ ዝብል መግለጺ ብምውጽኡ እታ ሃገር ነቶም ተሰዲዶም ኣብ ትሕቲ ዑቅባ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንዝነብሩ ዜጋታት ከይተረፈ ሓደገኛ ሙዃና ገሊጹ ነበረ። ብርግጽ ውን ኣብ ዒራቅ ዘሎ ማእከላ መተን ሙቀት ብምውሳኹ እታ ሀግር ንናብራ ኣሸጋሪት ካብ ምግባራ ሓሊፉ ነቲ ካብ ሩባታትን ወሓይዛትን ዝርከብ ምንጪ ጽሩይ ዝስተ ማያ ብሃፋ ንክጠፍእ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ። ነቲ ኣብ ሩባታት ዘሎ ትሑት መጠን ዝስተ ማይ ንቁጣብ ብምባል ማይ ካብ ዝናብ ዝጽበዩ ሓረስቶት ድማ ኣብ ናይ ሕርሻ ሂወቶም ካልእ መከራ የምጸሎም ኣሎ። እዚ ዜጋታት ናብ ባህላዊ ናይ መስኖ መነግዲ ንክጥቀሙ ኣገዲዱ ይርከብ። 

   እዚ እንዳኾነ ኣብ 2021 ንዒራቅ ብዘጋተማ ደርቂ እቲ ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኻ ካብ ዝተራእዩ ድርቅታት እቲ ዝዓበየ ኮይኑ ምምዝጋቡ እታ ሃገር ዘላቶ ናይ ማይ ሽግር ሃደገኛነት ዘርኢ እዩ። መጠን ቀረብ ማይ በዚ መልክዕ እንዳንቆቆለ ምኻዱ ዝፈጥሮ ናይ ሃብቲ ምሽማው ብዝተፈላለዩ ማሕበረሰብ ዘይምርድዳእን ግጭትን የምጽእ ኣሎ። ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ውን ናብ ዝኸፍአ ናይ ኦጥቂ ግጭት ከምርሕ ከም ዝኽእል ይዝረበሉ ኣሎ። ሕቡራት መንግስታት ዓለም  ምስ መንግስቲ ዒራቅ ብሙዃን ሕጽረት ማይ ንምግታእ ይሰርሕ ከም ዘሎ ይንገር። ኣብ ከተማታት ብርክት ዝበላ መጻረይቲ ማይ ትካላት ተተኺለን በማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰባት ተጠቀምቲ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንክኾኑ ከም ዝበቅዑ ይንገር። እንተኾነ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሓቂ ግን እቲ ሽግር ዕለት ዕለት ሱር እንዳሰደደ ይከይድ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።  መግስቲ እቲ ዝተረፈ ሃብቲ ማይ ንምሕላው ምስቶም ኣብ ናይ ነዳዲ ኢንዱስትሪ ዘለዉ ኣካላት ንክዘራረብን ንኣጠቃቅማ ማይ ብዝምልከት ናይ ኦሊሲ ምምሕያሽ ንክገብር እኳ እንተተሓተ ዝሰመረሉ ግን ኣይመስልን። ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ኣከባብያውን ጂኦፖለቲካውን መፍትሒ ተሓዋዊስዎ ዝርከብ ብሙዃኑ እዩ ይብሉ ምሁራን እዚ ዓውዲ። ድሕነት ጸዓትን ምቁጽጻር ነዳድን ንጂኦፖለቲካዊ ግጭት ማእክላይ ምብራቅ ምኽንያታት ክኸውን ጸኒሑ እዩ። ናይዚ ቀጠና ሽግር ግን ካብዚ ሓሊፉ ናይ ማይ ሽግር ውን ኣካቲቱ እዩ ዝርከብ። ጤቅሮስን ኤፍራጠስን ኣብ ዝኣመሰሉ ዶባት ዝሳገሩ ሩባታት ኮነ ቁልፊ ኣብ ዝኾኑ ገማግም ባሕርታት ብፍላይ ኣብ ወሽመጥ ዓረብን ገማግም ባሕሪ ሆርሙዜን ዝርከብ ናይ ማይ ምቁጽጻር ነጠቃቅምኡን ዝርግሕኡን ንሃገራት ማእከላይ ብምብራቅ ቀንድን ስትራተጂካዊ ነጥብን ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ናይ ማይ ፖለቲካ ምስ ጂኦፖለቲካ ኣወዳዲርካ ክርአ እንከሎ ምስ ሓይልን ውሕስነት መግብን ብቀረባ ዝተኣሳሰረ ከም ሙዃኑ መጠን ነዘን ጉጅለታት ብጽልኢ ዝጠላልፈሉ መጠን ሰፊሕ እዩ። እቲ በብግዚኡ ዝርአ ምቅይያር ኩነታት ኣየር ዘምጽኦ ጽልዋ ኣብ ሃገራት ናይ ማይ፡ መግብን ጸዓትን ብዝምልከት መንገድታት ንክራከቡ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ዝርአይ። ኣንጻር እዚ ምፍሳስ ስርዓተ ሩባታ ጤግሮስን ኤፍራጠስን ማሽሬቅ ዝተባህለ ምብራቃዊ ክፋል ዓረባዊ ዓለም ንናይ ማይ ፖለቲካ ዝሽፍን ኮይኑ ምርካቡ ሃገራት ንክፋጠጣሉ ምኽንያት ኮይኑወን እዩ። ብቁጽሪ ምስ ዝቅመጥ ካብ 880 ሽሕ ኪሎሜተር ስኲር ዘይንእስ ስፍሓት ዘለዎ 6 ሃገራት ዘቋርጽ መሬት ብዞም ክልተ ሩባታት ዝተሸፈነ እዩ ማለት እዩ። እዞም ሩባታት መበገሲኦም ካብ ቱርኪ እዩ።  ብምብራቅ ኣናቶልያ፡ ሶርያን ዒራቅን ሓሊፉ ኣብ መወዳእታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቅ ዒራቅ ይውድእ። እዞም ሩባታት ብተፈጥርኦም ናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይ ናይ ምፍሳስ ምሕደራ ዝፈተሩ ክኾኑ ከለዉ ንናይቲ ከባቢ ቁጠባን ንነብርትን መነባበሪ ኮይኖም እዮም። ከባቢ 60 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ኣብ ሩባ ኤፍራጠስ ጥራይ ሂወቶም ተመርኲሶም ከም ዝነበሩ ክግመት እንከሎ እዚ ድማ እቲ ሩባ ምስ ዝደርቅ ኣዝዩ ዓቢ ናይ ድሕነት ሕቶ ንክፍጠር ምኽንያታት ሃደ ከም ዝኸውን ይገብሮ።

 ክሳብ ሕጂ ግድባት ምስኖታትን ዝኾነ ነተቃቅማ እዞም ሩባታት ዝምልከት መደባት ብሓደ ወገን ጥራይ ዝካየዱ ብሙዃኖም ተፈጥርኣዊ ሃብቲ ናብ ናይ ምጽናት ሜዳ ኣዳሪጉ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ቱርኪ ሰለስተ ርብዒ ዝኸውን ናይዚ ሩባ ማይ ዝምንጭወሉ ንናይ ጸዓት ድሌታታ ንምምላእ ንቄጥሮስን ኤፍራጠስን ከም ልባ ክትጥቀመሎም ጸኒሓ እያ። እዚ ከይኣክል ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ሩባ ቄጥሮስ ዝሃነጸቶ ኢሊሱ ዝተሰምየ ናይ ሃይድሮ ኤለትሪክ ግድብ ግን ብዘይተለምደ መልክዑ ካብ ዒራቅን ሶርያን ጂኦፖለቲካዊ ዕግርግር ኣልዒሉላ እዩ። ክልቲኤን ሃገራት ንህንጸት እዚ ግድብ ደው ንምባል ዓለምለኻዊ ሕግን ዲፕሎማስያዊ መገድን ብምጥቃም ተጽዕኖ ንምሕዳር ብዙሕ ክጽዕራ ኣዘን ዝሓለፋ ዓመታት ትራእየን እየን። ካብ 1975 ጀሚሩ ናይ ቱርኪ ዝተፈላለየ ናይ ግድብን መመንጨዊ ሓይሊ ኤለትሪክን ህንጸት ፕሮጀክትታት ናይ ዒራቅን ናይ ክልቲኡ ሩባባት መጠን ማይ ብ80% ኣጉዲልዎ እዩ። እዚ ናይ ኢሊሱ ግድብ ድማ ነቲ ናብ ዒራቅ ዝኣቱ መጠን ማይ ሩባ ኤፍራጠስ ብ56% ዘጉድል ከም ዝኸውን ክግመት እንከሎ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ነቶም ብሕርሻ ዝናበሩ ዜጋታት ዒራቅ ኣብ ቀጥታዊ ሓደጋ ከም ዘእቱ ይንገር። ተመራመርቲ ከም ዝገልጽዎ እዚ ብሙዃኑ ጥራይ ክሳብ ደቡባዊ ዒራቅ ዝበጽሕ ምድረበዳነት ንከስፋሕፍሕ ምኽንያት ክኸውን እዩ። ከምዚ ዓይነት ህልውና ዝውክል ክቶ ክለዓለሉ ዝጸንሐ ግድብ ኢሊሱ ግን ብናይ ቱርኪ ኣነ በሃልነት ኣብ ግንቦት 2020 እቲ ህንጸት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምስ በጽሐ ዒራቅ ካብ ኣንካራ ወርሓዊ ዝኾነ መጠን ማይ ንክልቀቀላ ናብ ምምሕጻን ኣተወት። እንተኾነ መልሲ ቱርካውያን መጠን ዝልቀቅ ማይ ንናይ ዜጋታት ቀረብ ማይ  ኣኺሉ ነቶም ብመስኖ ዘልምዑ ሓረስቶት ዘይበቅዕ ሙዃኑ ዘረድእ ነበረ። እዚ መልሲ ንዒራቃውያን ድቦላ ክኸውን እንከሎ ኣብ 2021 ቱርኪ ብዝበለቶ መሰረት ንዒራቅ ካብ ጤግሮስን ኤፍራጠስን ፍትሓዊ ዝኾነ መጠን ማይ ንክትለቅቅ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ተኻእለ። እንተኾነ እቲ ስምምዕ ብዘገድድን ኣሳርን ውዕል ክእሰር ብዘይምኽኣሉ ዕዉት ከይኮነ ጸንሐ። ኣብ ዝመጽእ  ግዜያት ግን ንዒራቅ ኢራን ቱርክን ሶርያን ካብኡ ሓሊፉ ውን ንእሽተይ ክፋል ኤፍራጠስ ዝበጽሐን ከም በዓል ሱዕዲ ዓረብን ዮርዳኖስን ዘጠቃለለ በዓል ብዙሕ ወገን ናይ ማይ ስምምዕ ምፍርራም ግዴታ ዝኾነሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ ዝብሉ ወገናት ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። እዚ ምስ ዝኸውን ኣብቲ ከባቢ በዓል መሰል ኮይንካ ንክትወጽእ ዝካየድ ውድድር ኣወንታዊ ናብ ዝኾነ መድረኽ ንክቅየር ተስፋ ይህልዎ እዩ ኢሎም ተስፋ ዝገብሩ ዒራቃውያን ብዙሓት እዮም።

   ኣብዚ ከነስተውዕለሉ ዘለና ካልእ ነጥቢ ውን ኣሎ። ቱርኪ ንግድብ ኢሊሱ ክትሃንጾ እንከላ ፍሉይ መመንጨዊ ሃይድሮ ኤለትሪክ ንምህናጽ ኢላ ከም ዘይኮነት እዩ። ኣብ ጥሪ 2022 ናይ ኩነታት ኣየር ለውጢ ምስ ተፈጥረ መጠን ዝናብ ጤግሮስ ብልዑል ጎዲሉናይቲ ግድብ መዐቀኒ ማይ ትሕቲ 500 ሜተር ኲብ ምውራዱ ይጥቀስ። በዚ ምኽንያት እቲ ግድብ ንምምንጫው ሃይድሮ ኤለትሪክ ብገምጋም ካብ ዘመንጭዎ መተን ሓይሊ ካብ ፍርቂ ዝንእስ ሙዃኑ ስዒቡ ንናይ ቱርኪ ሓይሊ ፍጆታ ዘለዎ ኣበርክቶ ኣብዚ ኣትዩ ከይተባህለ ተረፈ። ቱርኪ ንግድብ ኢሊሱ ዝሃንጸትሉ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ጸዓት ወይ ማይ ድሕነታ ንምርግጋጽ ዘይኮነስ ብጎረባብታ ዒራቅን ሶርያን ውጽኢታዊ ጂኦፖለቲካዊ ተጽዕኖ ንምፍጣር ዓቢ መሳርሒ ኮይኑ ንከገልግላ እዩ። ኮይኑ ድማ ኣሽንኳይ ዶ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ድሌት ተወሲኽዎ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርአ ናይ ኩነታት ኣየር ለውጢ ዘለዎ ጽልዋ ንባዕሉ ኣብ ከባቢ ጤግሮስን ኤፍራጠስን ዘሎ ሕጽረት ማይ ንምግዳድ እኹል ምኽንያት ኮይኑ እዩ። እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርአ ልዑል መጠን ሙቀት ምስ ዓለማዊ መጠን ሙቀት ምስ ዝርአ ብዕጽፊ እንዳወሰኸ ምስ ምኻዱ ተተሓሒዙ ንመተን ምህፋፉ ልዕል ኣቢልዎ እዩ። እዚ ድማ ነቶም ሂወቶም ኣብ ህላወ እቲ ማይ ዝተመርኮሰ ዜጋታት ተወሳኺ ፈተና ፈጢሩ ይርከብ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ 10 ዓመታት ካልኣይ እዩ ዝተባህለ ትሑት መጠን ዝናብ ስዒቡ መተን ፍሰት ሩባ ጤግሮስ ብ29% ናይ ኤፍራጠስ ድማ ብ73% ጎዲሉ። እዚ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዘመን መጠን ፍሰት ሩባ ኤፍራጠስን ጤግሮስን ብቀደም ተከተል ብ30ን 60ን ሚእታዊት ከም ዝጎድሉ ትንቢት ኮይኑ ንክቅመጥ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። ፍሰት እዚ ማይ በዚ መተን እንዳጎደለ ከይሱ ማለት ድማ ናይ ዒራቅ ምርቲ ሕርሻ ናብ ባዶ እንዳተጸግዐ ከይዱ ማለት እዩ። ነዚ እቲ ኣቀድም ኣቢልና ዝጠቀስናዮ ናይ ዓመተ 2022 ዓም ናይ ጤግሮስ መተን ፍሰት ብ29% ናይ ኤፍራተስ ድማ ብ73% ምቅናሱ ስዒቡ ፍርያት ስርናይ ዒራቅ በ40% ምንቁልቋሉ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። እዚ እንተኾይኑ ድማ እታ ሃገር ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ እኽሊ ና ሃገራት ጽግዕተኛ ናይ ሙዃኑ ዕድል ይሰፍሕ። እዚ ድማ ኣብ ግዜ ኲናት ይኩሬን ከም ዝተራእየ ብዂናት ወይ ብድርቂ ምኽንያት ንዝመጹ ናይ ዋጋ ናህርታት ተቃላዒት ከም ትኸውን ይገብራ ማለት እዩ።

   ኣብዚ ዞባ ለውጢ ኩነታት ኣየር ክፉት ናይ ምዃን ሰበብ ካልእ ማሕበራዊ ዘይምርግጋእ ምፍጣሩ ውን ይንገር ኣሎ። ሓደ ሓደ ተንተንቲ ናይ ሶርያ ዕግርግርን ንዕኡ ተከቲሉ ዝመጸ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተራእየ ኲናት ሓድሕድ ምስቲ ኣብቲኢ ከባቢ ዝተራእየ ሕጽረት ማይ ተተሓሓዚ እዩ ይብሉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×