
ኣብ ቀዳማይ ሚእቲ ክፍለዘመን ነቲ ዓቢ መንግስቲ ሮማ ዝመርሐ ንጉስ እዩ። ጌና ኣብ ንእስነቱ ናብ
ንግስነት ንክመጽእ ኣዲኡ ብዙሕ ተንኮላት ኣቀናቢራ እያ። ንናይ ቀረባ ቤተሰባ ዝኾነ ሓወቡኣ
ብምምርዓው መሪዛ ቀቲላቶ እያ ትበሃል። ነቲኢ ናብ ወንበር ዝመጸ ወዳ ድማ ብድሕሪት ኮይና ምጥውዋይ
ዘይኮአስ ኣብ ቀድሚት ኮይና እያ ትመርሖ ኔራ። እዚ መንእሰይ ንጉስ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጸለን ናይ
መጀመርታ ዓመታት ንዝሰፍሕ ሽግራት ህዝቢ ዘቃልል ኣዋጃት ብምውጽኡ ተፈታዊ ንጉስ ክኸውን ከኣለ።
ጸኒሑ ግን ምስ ኣዲኡ ኣብ ስልጣን ዘይምስምማዕ ስለዝተፈጥረ ንስልጣን ክብል ነዲኡ ድሕሪ ምቅታሉ
እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ መንነቱ መሉእ ብሙሉእ ተቀየረ። ንከተማ ሮማ ውን ን6 መዓልታት ዝቀጸለ
ሓዊ ከም ትባራዕ ጌሩ ህዝቢ ክበኪ ንሱ ግን ይደርፍ ነበረ ውን ይበሃለሉ እዩ። ንሰዓብቲ ክርስትያን
ምኽንያት ብምግባር ከም ጥዋፍ ዘንደደ ንጉስ ውን እዩ። ነታ ናብ ሓሙኽሽቲ ዝቀየራ ሮማ ከም ብሓድሽ
ንምህናጽ ሃገር ዘኽሰረን ቤተ ክርስትያናት ዘዕነወን እዩ ውን ይበሃለሉ። መሳፍንቱ መከራ በዚሑና ኢሎም
ናይ ቅትለት ፈተነ ምስ ኣቀናበሩ ምስጢር ልሒኹዎም ጌና እንከሎ ንዝበዝሑ ኣጥፊእዎም እዩ። ካብ
ቁልዕነቱ ጀሚሩ ዝመሃሮን ፈላስፋ ኣማኻሪኡን ውን ካብዚ ኣይተረፈን። ኣንጻሩ ናዕቢ በዚሑ ካብ ውሽጡ
ውን ተቋውሞ ተላዒልዎ ከሓዲ ሃገር ስለዝተባህለ ነብሱ ባዕሉ ኣጥፍአ። እተን 13 ዓመታት ንግስነቱ ግን
ንሮም ናይ መከራ ግዜ ከም ዝነበራ ብዙሓት ይሰማምዑ። ንጉስ ኔሮ።
ኣብ መጀመርታ ዘመን ዓመተ ምህረት እዩ ኣብታ ኣብ ጥቃ ሮማ ትርከብ ከተማ ኣንቴም ተወሊዱ።
ወለዱ ዘውጹሉ ናይ ቁልዕነት ስሙ ሉስየስ ዶሚትየስ ኣሄኖባርበስ ይበሃል። ልክዕ ከም ናይ ወዶም ታሪኽ
ወለዱ ውን ዘገርም ዛንታ ዝበዝሖ እዩ። ናይ ኣቡኡ ሕጽር ስለዝብል ንዕኡ ከነቀድም። ኣቡኡ አግናየዎስ
ካብ ሓረግ ዘርኢ መሳፍንቲ ሮም ዝመጸ እዩ። ዶሚትየስ ኣብ ዝተወልደሉ ዘምን ኣባል ቤት ምኽሪ ሮም
ጥራይ ዘይኮነስ ልዕል ዝበለ ሽመት ካብ ዝነበሮም ኣባላት እዩ ኔሩ። ኣካቢ ናይቲ ምኽሪ ቤት ክሳብ
ሙዃን በጺሑ ነበረ። ንታሪኽ እዛ ስድራ ዝጸሃፈ ሰንቲዮስ ነአግናየዎስ መደናገርን ጨካንን ክብል እዩ
ዝገልጾ። ኣብ ፖለቲካ ብኸምዚ ዝግለጽ እዙ ኣቦ ንገዛ ውን ብዙሕ ዘይምችእ ተጌሩ እዩ ዝውረየሉ። ኣዝዩ
መስተ የብዝሕ ብምንባሩ ከው ኢሉ ሰኺሩ ብምምጻእ ጸገም ስድራ ይከውን ኔሩ ይበሃለሉ። ወዱ
ዶሚትየስ ኣብ ዝተወልደሉ ግዜ ሕጉስ ኣይነበረን። ናይዚ መርትዖ ድማ ኣብ ማእከል እኩብ ሰብ ካብ
ማህጸን ግሪፒና ዝውለድ ጥዑይ ኣይክኸውንን እዩ ኢሉ ምዝራቡ ነበረ። እቲ ኣቦ ኣብ ሎሊ ወዱ ሕጉስ
ዘይሙዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ ስጉምቲ እውን ወሲዱ እዩ ይበሃል። ብስኹሩ ሰረገላ ፈረስ እንዳጋለበ ንወዱ
ገጭዩ ክቀትሎ ከም ዝፈተነ ይንገረሉ። ግን ክዕወት ብዘይምኽኣሉ እቲ ቆልዓ ብሂወት ተረፈ። ኣብ ፖለቲካ
ውን እቲ ኣዝዩ ሕማቅ ተንኮላቱ ተጋሊጹ ኣብ ወንበር ንጉስ ቲቤርያስ ተኸሲሱ ምቅራቡ ኣይተረፎን።
ብክሕደት ሃገር ብምንዝርናን ናይ ጉቦ ገንዘብ ብምቅባልን ተኸሲሱ ነበረ። ካብቲ ብሰንኪ እቲ ክሲ
ዝጽበዮ ዝነበረ ናይ ሞት ፍርዲ ንስክላ ተረፈ። ምኽንያቱ እቲ ፍርዱ ንክህቦ ዝጽበዮ ዝነበረ ንጉስ
ቲቤርያስ ኣቀዲሙ ብምዕራፉ ነበረ። እዚ ካብ ሞት ዝተረፈ ኣቦ ኣብ ገዛ ነቲ ቤት እንዳበጽበጸ ኣብ ደገ
ውን ንፖለቲካ እንዳሓመሰ ንክቅጽል ዝተፈቅደሉ ኣይመስልን ነበረ። ብሰንኪ ብዝሒ ደም ሃንደበት ወዲቁ
ዓረፈ። እቲ ዘይፈትዎን ጌና ብህጻኑ ውን ክቀትሎን ዝፈተነ ዶሚትየስ ወዱ ጌና ኣብ 3 ዓመቱ ወደ ኣዲኡ
ጥራይ ኮነ።
ኣደ ኣግሪፒና ኣብ መንነት ዶሚትየስ ዓቢ ተጽዕኖ ነበራ። ናይዚ ምኽንያት ጌና ወዲ 3 ዓመት እንከሎ
ንበይና ስለዘዕበየቶ ኣይነበረን። ኣግሪፒና ሓረግ ዘርኣ ካብ ንጉሳዊ ስድራቤት ሮም ዝመጽእ እዩ። እቲ ነታ
ዓባይ ሮም መስሪትዋ ዝበሃል ቄሳር ኣጉስቶስ እነሓጎኣ ነበረ። ንበዓል ቤታ ናብ ሞት ዘብጽሕ ክሲ ከሲሱ
ናብ ፍርዲ ዘቅረቦ ንጉስ ቲበርየስ ክሳብ ዝመውት ኣብ ዝነበረ ውሑዳት ግዜያት እተን ሰብኣያ
ዘይነበረለን ውሑዳት ግዜያት ብኡፎይታ እያ ኣሕሊፋተን። እቲ ኣቦ ካብ ናይ ጉራዴ ሞት እኳ እንተተረፈ
እቲ ዝፈትዎ ዝነበረ መስተ ግን ናብ ተፈጥሮኣዊ ሞት ኣምርሖ። በትሪ መቅጻዕቲ መንግስቲ ውን ኣብቲ
ዝቀጸለ ንጉስ ውን እንተኾነ ነታ ስድራ ኣይመሓራን። ኣብ ዘመን ንግስነት እቲ ጨካን ንጉስ ካሊጉላ እቲ ናይ
መቅጻዕቲ በትሪ ኣብ ዝባን ኣግሪፒንያ ዓረፈ። እቲ ዘገርም ግን ንጉስ ካሊጉላ ንእሽተይ ሓዋ ምንባሩ እዩ።
እቲ ንጉስ ንወበሩ ቀናእ ነበረ እሞ ንሓፍቱ ናብ ጉዕዞ ሰደዳ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ሓፍቱ ንስልጣን ኢላ
ንከይትምለስ ነበረ ይብሉ ጸሓፍቲ ታሪክ። ዶሚትየስ ድማ ብሓትንኡ ንክዓቢ እቲ ንጉስ ውሳኔ
ኣመሓላለፈ። ይኹን እምበር ኣብ ታሪኽ ሮም ካብቶም ኣዝዮም ጨካናት ነገስታት ካብ ዝበሃሉ ሓደ ዝኾነ
ካሊጉላ ኣብ ወንበሩ ንብዙሕ ዓመታት ክጸንሕ ኣይከኣለን። ብናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ክብሪ ሓለውቲ ተቀትለ።
እዚ ድማ ዶሚትየስ ምስ ኣዲኡ ዳግማይ ንክራኸቡ ዕድል ፈጠረ።
ኣግሪፒና ናይ መጀመርታ ሰብኣያ ድሕሪ ሙሟቱ ካልኣይ ሰብኣይ ተመርዕያ ከም ዝነበረት ይንገር። እቲ
ናብ ስደት ዝለኣኻ ንጉስ ካሊጉላ ድሕሪ ሙሟቱ ናብ ሮማ ምስ ተመልሰት ኣገዳስነት ሆሲንየስ ኣይተራእያን
ይብሉ ጸሓፍቲ ታሪኽ። በዚ ከኣ መሪዛ ከም ዝቀተለቶ ይንገረላ። ናይዚ ምኽንያት ልክዕ ከምቲ ሓዋ
ሰጊእዎ ዝነበረ እታ ሰበይቲ ነቲ ናይ ሮማ ወነብር ንግስነት ካብ ዝነበራ ጽምኣት ዝተበገሰ ከም ዝኾነ
ይንገር። ኣግሪፒና ሓረግ ዘርኢ ነገስታት ሮም እኳ እንተነበራ ወንበር ንግስነት ግን ነወዳት ጥራይ
ስለዝነበረ እቲ ትደልዮ ነገር ክትረኽቦ ከም ዘይትኽእል ትፈልጥ ነበረት። ግን ዝኾነ ሜላ ተጠቂማ ናብ
ወንበር ክትመጽእ ዝወሰነት ነበረት። ንሰብኣያ ብመርዚ ድሕሪ ምቅታላ ናብቲ ናይቲ ዘመን ዝነበረ ንጉስ
ክላውድዮስ ገጻ ኣበለት።ንጉስ ክላውድዮስ ኣብ ወንበር ሮም ኣብ ዝነገሰሉ ዘመን እታ ካልአይቲ ሰበይቱ
ዝነበረት ሚስ ኣሊና ንግስቲ ኮይና ነበረት። ኦክታቪያ ትበሃል ጓልን ብሪታኒካስ ወድን ነበርዎም። ይኹን
እምበር ንጉስ ክላውዲዮስ እታ ንጉስ መንዚራ ብዝብል ክሲ ንሞት ፈረዳ። ኣብዚ ጉዳይ ኣግሪፒና ኢድ
ኣለዋ ክብሉ ይገልጹ ጸሓፍቲ ታሪኽ። ምኽንያቱ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ንጉስ ነታ ብናይ ድሕሪት ማዕጾ
እንዳኣተወት እተሐጉሶ ዝነበረት ኣግሪፒና እምቢ ንክብል ኣይከኣለን። ናብ ወንበር ንምምጻእ እቲ ንጉስ ነጻ
ክከውን ስለዝነበሮ በዚ ድማ ኣግሪፒና ጸወታኣ ከም ዝተጻወተት ይሕበር። እታ ንግስቲ ምስ ተቀትለት
ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣግሪፒና ምስቲ ንጉስ ተመርዕያ ናብቲ ቤተ መንግስቲ ምእታዋ ናይዚ
መረጋገጺ ሙዃኑ ይግለጽ። እቲ ዘገርም ንጉስ ክላውድየስ ሓወቦ ኣግሪፒና ሙዃኑ እዩ።
እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ንጉስ ክላውድየስ ወላ እኳ ክሳብ ናይ ሓወቦ ዝኣክል ናይ ቀረባ ዝምድና
እንተነበሮም ነቲ ናይ ኣግሪፒና ናይ ጎራሓት ተጽዕኖ ምጽዋር ብምስኣኑ ነታ ዝነበረት ሰበይቱ ብሞት ቀጺዑ
ተመርዓዋ። ሓዋ ንጉስ ካሊጉ ዝፈርሖ ዝነበረ ጉዳይ ኮይኑ ብኣዝዩ ዝተሓላለኸ ተንኮላትን ብደም
ብዝተሓጽበ ኢድን ኣግሪፒና ንወንበር ቤተ መንግስቲ ሮማ በቅዐት። ብርግጽ ወንበር ቤተ መንግስቲ ሮማ
ነወዳት ብምንባሩ ኣግሪፒና ነቲ ወነብር ብወዳ ጥራይ ክትዝውሮ ከም ትኽእል ኣጠፍኣን። ወዳ ዶሚትየስ
ናብ ወነብር ንመጽእ ድማ መንገዲ ክትጸርግ ጀመረት። ናይቲ ዘመን ብሉጻት ካብ ዝበሃሉ ፈለሳፋታት
ኣማኸርትን ሓደ ዝኾነ ሴኒካን ከም መምህር ቆጸረትሉ። ጸኒሓ ድማ ንጉስ ክላውድየስ ንወዳ ብስሙ ከም
ዝጽዋዕ ብምግባር ንመንገዳ ጽቡቅ ጌራ ጸረገቶ። ንጉስ ክላውድዮስ ወላ እኳ ብሪታኒካስ ዝተባህለ ውላድ
እንተነበሮ ዕድሚኡ ጌና 14 ዘይመልአ ነበረ። ነቲ ኣብቲ እዋን 14 ዓመት መሊኡ ዝነበረ ዶሚትየስ ወደይ
ምባሉ ኣብ ልዕሊ እዪ ንጉስ ዝኾነ ምስ ዘጋጥም ወራሲ ወንበር ሙዃኑ መረጋገጺ ኮነ። ኣግሪፒና በዚ
ከይተሓጽረት ንጓል ንጉስ ኦክታቪያ ንወዳ ከም ትምርዖ ብምግባር እቲ ወንበር ዝያዳ ከም ዝመቻቻእ
ገበረት። ኣብዚ ዘመን እያ እምበኣር ኔሮክላውድየስ ቄሳርድሩሰስ ጀርማኒከስ ዝብል ናይቲ ወንበር ናይ
ወራስነት ስም ዝወጾ። እታ ንኹሉ ነገር ዘመቻችአት ኣግሪፒና ንጉስ ክላውድየስ ኣብቲ ዝበልዖ ዝነበረ
መግቢ መርዚ ሓዊሳ ቀቲላቶ ይበሃል። ዶሚትየስ ውን ኣብ 17 ዓመቱ ደም ተንኮላት ኣዲኡ ንጉስ ኔሮ
ተባሂሉ ኣብ ወንበር ንግስነት ሮማ ተቀመጠ።
ኔሮ ወላ እኳ ንጉስ ተባሂሉ ኣብ ወንበር ይምጻእ እምበር ጽላሎት ኣዲኡ ኣብ ምምሕዳሩ ዝበዝሐ ኢድ
ነበሮ። ኣብ ሳንቲም እታ ሃገር እኳ ምስሊ ኣዲኡ ማዕረ ማዕሪኡ ተሃቲሙ ንክወጽእ በቅዐ። በዚ ኔሮ ሕጉስ
ኣይነበረን። ዝገደደ ድማ እቲ ኣዲኡ ንስልጣን ኢላ ምስ ጓል ሰብኣይ ኣዲኡ ዘእተወቶ ሓዳር ፍቅሪ
ሰኣነሉ። ለይትታቱ ድማ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ምሕላፍ ኣብ ጎደናታት ሮም ምስቲ መተዓብይቱን
ናይ ክብሪ ዓጃቢኡን ዝኾነ ብሩስ ብሙዃን ከሕልፎ ጀመረ። እቲ ዘገርም ድማ እቲ ብምሸት ዝዘናግዕዎ
ንዝረኸብዎ ሰብ ብምቅጥቃጥን ብምቅታልን ኮነ። ነበርቲ ሮም ነቲ ብለይቲ ዝወርዶም ዝነበረ
ምቅጥቃጥን ምቅታልን ፈሪሖም እታ ከተማ ወራሪ ከም ዝኣተዋ ኣብ ለይቲ ጭር ትብል ነበረት። እቲ
ንህዝቢ ክከላኸልን ከመሓድርን ኣብ ዙፋን ዝተቀመጠ ሰብ ንህዝቡ ከጋፍዕን ክቀትልን ብምጅማሩ
ወለሃደ ኣፉዝኸፍት ሰብ ኣይተረኽበን። ካብኡ ሓሊፉ ውን ነታ ቅድም ባርያ ዝነበረት እሞ ናጽነታ ዝረኸበት
ክላውድያ ኣክቴን ብውሽምና ሒዙ ይዓብድ ከም ዘሎ ምስ ተወርየ ምስ ኣዲኡ ተቀሓሓረ። ኣዲኡ ምስ
ኦክታቪያ ብምውጋን ምስ ኔሮ ክትሟጎት ጀመረት። ነዚ ግን ኔሮንን ኣማኻሪኡ ሴኔካን ክቅበልዎ
ኣይከኣሉን። ነዚ ዘወግድሉ መንገዲ ድማ ክደልዩ ጀመሩ። ናይ ወጻኢ ልኡኻን ንምቅባል ናብ ናይ ንጉስ
ሕልፍኚ ኣብ ዝኣተዉሉ ግዜ እቲ ፈላስፋ መምህሩን ኣማኻሪኡን ዝኾነ ሴኔካ ፕሮቶኮል ኣየፍቅድን እዩ
ብምባል ከልከለን። ኣዲኡ ናብ ወዳ ጥርዓን እኳ እንተቅረበት ነዚ ሕጊ ዘውጽእን ዝጽድቅን ሴኔካ እዩ