
ኣብዛ ናይ ሎማዓልቲ ቪድዮ ነቶም ብፖሎቲከናታት ዝፍጸሙ ገለ ገለ ገበናት ክንሪኦም ኢና.ኣብ ታሕሳስ 2019 ሓደ ኣብ ዊሊንተን እንዳ ኤሌትሮኒክስ ዝነበሮ ሰብ ሓንቲ ዋናኣ ከይወሰዳ ነዊሕ ዝተቀመጠት ላፕቶፕ ነበረቶ.ገንዘብ ክኽፈል ስለዝደለየ ከኣ ንመንነት ናይ ዓሚሉ ክፈልጥ ኢሉ ነቲ ኣብታ ውሽጢ ላፕቶፕ ዝነበረ ዳታ ፈተሾ.ምስ ፖሎቲካ ዝተሓሓዙ ብዙሓት ስእልታት ዶኩመንታትን ኢመይላትን ረኸበ.እቶም ዶኩመንታትን ኢመይላትን እቲ ወዲ ጆባይደን ዝኾነ ሃንተር ባይደን ምስ ቻይናን ዩክረይንን ውዕላት ይገብር ከምዝነበረ እዮም ዘርእዩ ኔሮም.ዋላኮ እዛ ላፕቶፕ ናይ ሃንተር ባይደን ተኾነት እቲ ኣብቲ ግዜ ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ጆ ባይደን ውን ኢዱ ከምዝሓወሰ ዘርእዩ መርትዖታት ነበሩ. ሃንተር ብናይ ስድርኡ ጽልዋ ጌሩ ፋይናንሳዊ ረብሓ ረኸበ.እዚ ዓይነት ተግባር ከኣ ኢንልፍልወንስ pedling ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ.ኣብ ዝበዝሑ ክፋል ናይቶም ኢመይላት ዘቢግ ጋይ ትብል ሓረግ ኣላ.እዛ ስም ሳጋ ናይቲ ምክትል ፕረዚደንት ዝኾነ ጆባይደን እያ ኔራ.እቶም ዶኩመንትታት ንሱ ብሰንክቶም ዘይተገልጹ ተግባራት ብመገዲ ሃንተር ባይደን 5ሚልዮን ዶላር ከምዝተኸፍለ እዮም ዘርእዩ ኔሮም.ሃንተር ከኣ ምስናይ ወጻኢ ሃገራ ት ኩባንያታት ውዕል ይገብር ነበረ.ቅድሚ ናይ ሩስያን ዩክረይንን ውግእ ምውልዑ ምስተን ኣብ ዩክረይን ዝነበራ ናይ ጸዓት ኢንዱስትሪታት ውዕል ገበረ.ዋላኮ እዚ ሓበሬታ ካብ ዝወጽእ ነዊሕ ጌሩ እንተሎ ብድልዱል መርትዖ ክድገፍ ግን ኣይተኻእለን ኣሎ.እቲ ነቶም ውዕላት ዘካይዶም ዝነበረ ሃንተር ግልጺ ብዘይኮነ መገዲ ሚልዮናት ዶላራት ከሰበ.ጆ ባይደን ድማ እቶም ወዱ ዘካይዶም ዝነበረ ውዕላት ከም ዝፈልጦምን ቸክ ይገብሮም ከምዝነበረን እዩ ዝገልጽ.ብመሰረትቲ ኣብ 2018 ዝወጸ ናይ ሃንተርን ናይ ጆባይደንን ናይ ተሌፎን ዝርርብ ጆው ንወዱ ካብ ዝኾነ ናይ መንግስቲ ፈተሻ የድሕኖ ከምዝነበረ እዩ ዘርኢ.ጆባይደን ምስ ናይ ሩስያን ካዛኪስታንን ኦሊጋርክስ ርክብ ጌሩ ንወዱ ሚልዮናት ዶላራት ሃቦ.ኣብ 2017 ሃንተር ባይደንን ሓደ ምስ CFC ትብሃል ናይ ቻይና ኩባንያ ዝሰርሕ መሳርሕቱን ምስ CFC ኮይኖም ኣታዊታት ናይ ምምቓል መደብ ኣውጽኡ. እዛ ናይ ጸዓት ኩባንያ ምስናይ ቻይና ዴሳዊ ውድብ ጽቡቕ
ዝምድና እዩ ኔርዋ.ጆባይደን ከኣ 10% ናይቲ ኣታዊ ክወስድ ተመደበ.ፕረዚደንት ናይ ኣሜሪካ ከሎ ምስታ ንቻይና ትመርሕ ናይ ቻይና ዴሳዊት ውድብ ርክብ መስረተ.እዚ ጥራይ ዘይኮነ ንወዱ ብናይ ኣመሪካውያን ገንዘብ ጌሩ ናብ 15 ሃገራት ክሰዶ ከኣለ.ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ እቲ ብሉጽ ነጋዳይ ዝመስል ሃንተር ባይደን ጽሉልን ተጠቃሚ ድራግን እዩ ኔሩ.ብተወሳኺ ምስ ሓንቲ ኣብ ምብራቕ ኤሮጳ ኮይና ደቀንስትዮ ጨውያ ናብ ምንዝርና ተእቱ ጉጅለ ውን ርክብ ነበሮ.እተን ንጆባይደን ዝድግፋ ዝነበራ ናይ ሶሻል ሜድያ ፕላትፎርምታት ድማ ጆ ባይደን ቅድሚ ፕረዚደንት ኮይኑ ምምራጹ ነቲ ናይ ሃንተር ዜና ናብ ህዝቢ ከይወጽእ ብዙሕ ጸዓራ.እቲ ዛንታ ናብ ህዝቢ ተዝወጽእ ኔሩ ጆባይደን ፕረዚደንት ኮይኑ ክምረጽ ኣይምተኻእለን.ድሕሪኡ ዘኒውዮርክ ታይምስ ነቲ ናይ ሃንተር ዜና ምስ ኣውጻቶ ሰራሕተኛታት ትዊተር ቫይራል ከይወጽእ ብዙሕ ጸዓሩ.እቲ መጀመርያ ዝገበርዎ ነገር ከኣ ናይ ኒውዮርክ ታይምስ ትዊተር ኣካውንት ምዕጻውዩ
ኔሩ.ሪፓብልካንስ ድማ ካብዚ ተበጊሶም እቶም ንትዊተር ዘካይዱ ሰባት ዲሞክራትስ እዮም ኢሎም ሓሰቡ.ኢሎን ማስክ ንትዊተር ምስ ገዝኣ ነቲ ሓቂ ክፈልጦ ከኣለ. ትራምፕ ፕረዚደንት ከሎ መንግስትን FBI ን ንትዊተር ንናይ ሃንተር ባይደን ዛንታ ሳንሱር ክገብር ሚልዮናት ዶላራት ይኸፍልዎ ነበሩ.እዚ ግን ኣብ ትዊተር ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩለን ናይ ሶሻል ሚድያ ፕላትፎርምታት ውንዩ
ዝካየድ ኔሩ.ማርክ ዛከርበርግ FBI ናብ ቤትጽሕፈቶም መጽዮም ነቲ ሩስያ ኣብ 2016 ኣብ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ዝገበርዎ ምትእትታው ንፍትሾ ስለዘለና ጥንቁቓት ኩኑ በልዎም.FBI ን ኩለን ናይ ሶሻል ሜድያ ፕላትፎርምታትን ነቲ ኣብ ቅዋም ዘሎ ቀዳማይ ሕጊ ረሲዐን ንጆባይደን ይከላኸላሉ ነበራ.ሃንተር ዋላኮ ብገለ ገበናት ተተኸሰ ክሳብ ሕጂ ግን ብናጻ ይንቀሳቐስ ኣሎ.ሕጂ ካብዚ ፖሎቲካዊ ገበን ወጺና ንናይ ሎርድ ኤድዊን ግሬቭል ጃና ሂወት ክንርኢ ኢና.ጃና ንእሽተይ ከሎ ከም ኣቡኡ ክኸውን
እዩ ዝደሊ ኔሩ.ኣቡኡ ባሮን ኣባል ባይቶ ናይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ እዩ ኔሩ.ጃና ከኣ ናብ ዩንቨርስቲ ኦፍ ካምብሪጅ ከይዱ ሕጊ ተማሂሩ ከም ኣቡኡ ጠበቓ ኮነ. ብሰንኪዚ ከኣ ኣብ 1970 ከም ለይበር ኮይኑ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ተመርጸ.ኣባል ባይቶ ኮይኑ ድማ ን29 ዓመት ጸንሐ.ሓዳር መስሪቱውን 3 ቆልዑ ወለደ.ጎኒጎኒ ዚ ነቲ ናይ ሕጊ ትምህርቱ ኣዕብዩ ኣማኻሪ ናይ መንግስቲ ክኸውን ከኣለ.በቲ ኣይሁዳዊ መንነቱ ውን ኣዝዩ ይኾርዕ ነበረ.ኣብ 1997 ኣብቲ ዝለዓለ ሃውስ ኦፍ ሎርድስ ክጽምበር ከሎ እቲ ዕዉት ፖሎቲካዊ ጉዕዝኡ ድማ ክሳብ 2015 ቀጸለ.ንሱ ብሰንክቲ ኣብ ፖሎቲካ ዝነበሮ ተራ ብህዝብን ብመንግስትን ይፍቶ ነበረ.ተኾነ ግን ንሱ ከምቲ ኩሉግዜ ዝመስሎ ንጹህ ኣይኮነን ኔሩ.ዘ ክራውን ፕሮሲኩሽን ሰርቪስ ኣብ 2013 ሎርድ ጃና ብናይ ቆልዑ ምዕማጽ ገበን ከምዝኽሰስ ገለጸ.ቅድሚኡ ውን ኣብ 1955 ብተመሳሳሊ ገበን ተኸሲሱ ነበረ.ካብ 50ታት ክሳብ 80ታት 30 ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ኣወዳት ዓሚጽካ ተባሂሉ እዩ ተኸሲሱ.ንሱ ግን ከመይ ጌሩ እዩ ካብ ገበን ኣምሊጡ ናብ ስልጣን ክድይብ ዝኸኣለ? ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ተኸታተሉ…