እታ ሃገር ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ጥቅምቲ ልዑል መጠን ዘለዎ
ዝናብ ትረክብ። ካብ ሕዳር ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ ብሓፈሻ ደረቅ ወቅቲ እዩ።
ሃገራዊ ባንዴራ ሜክሲኮ ቀጠልያ፡ጻዕዳን ቀይሕን ሕብርታት ዝሓዘ ክኸውን እንከሎ እቲ ቀጠልያ ተስፋን ናጽነትን
ይውክል። ጻዕዳ ናይ ንጽህናን ሃይማኖትን ምልክት እዩ። ቀይሕ ድማ መዘከርታ እቶም ሃገራውያን ጀጋኑ ዝኸፈልዎ
ደም የመልክት። እታ ኣብ ማእከል ዝተቀመጠት ንስሪ ድማ ነቲ ጥንታዊ ናይ ኣስቴክ ኢምፓየር ማእከል ንዝኾነት
ቲኖክቲት ላንድ ናይ ሕጂ ሜክሲኮ ሲቲ ጥንታዊ ምልክት ኣስቴክ እያ።
ሜክሲኮ ቅድሚ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ዓመታት ዝጀመረ ሃብታምን ሕልኽልኽ ዝበለ ታሪኽን ዘለዋ ሃገር እያ።
ንተወሳኺ ኣብዛ ታሕቲ ዘላ ቪድዮ ተዓዘቡ….