
ኣብታ ጸጥታ ዝዓሰላ ምሸት ኣብቲ ኣብ ጫፍ ከተማ ሱዕዲ ዓረብ ዝርከብ መንበሪ ገዛውቲ ምስጢራዊ
ውሽምነት ሓሞን ሰይቲ ወድን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብምኻዱ መወዳእትኡ ናብ ክትሰምዖ ዘሸቁርር ዘሕዝን
ዛንታ ተቀየረ። እቲ ኣብ ሓደ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ዝጀመረ ርክብ ሰይቲ ወድን ሓሞን ቀስ ብቀስ ናብ
ጎነጻዊ ንስሓ ብምድያብ ሂወት ሓደ ሰብ ክወስድ እንከሎ ሂወት ካኦት ብዙሓት ሰባት ድማ በታተነ። ኣብ
2008 ሂወት ሰሚራ ብደገ ኮይኑ ንዝዕዘብ ኣዝዩ ምዕሩግ ይመስል ነበረ። ሰሚራ ጓል 28 ዓመት
መንእሰይ ኮይና ምስ ክልተ ደቃን በዓል ቤታ ፈይሰልን ኣብ ሪያድ ትቅመጥ ነበረት። ገዝኦም ምዕብል
ዝበለን ምቹእን ኮይኑ ነቲ ሓቢሮም ዝሃነጽዎ ናብራ ዘንጸባርቅ እዩ። ፈይሰል ዕዉት ነጋዳይን ኣብቲ
ሕብረትሰብ ድማ ጽቡቅ ተቀባልነት ዝነበሮን ክኸውን እንከሎ ብስራሕ ምኽንያት ደጋጊሙ ናብ ዝተፈላለየ
ቦታታት ዝንቀሳቀስ ነጋዲ ነበረ። ንሰሚራን ነተን ክልተ ደቁን እኹል ትሩፍ ብምቅራብ ካብ ሰብ ንከይደልያ
ኩሉ ዝከኣሎ ይገብር ነበረ። እንተኾነ ኣንጻር እቲ ዝነበረ ነገራዊ ዕጋበት ኣብ ሓዳሮም ስምዒታዊ
ምርሕሓቅ እንዳዓበየ ይመጽእ ነበረ። ሰሚራ ንፈይሰል ክትምርዓዎ እንከላ ጓል 20 ዓመት ነበረት። ልክዕ
ከምቲ ኩሉ ባህላዊ መርዓታት ድማ መርዕኦም ብስድራቤት ዝተገብረ ነበረ። ኣብቲ መጀምርታ ዓመታት
ሓዳሮም ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእን ምክብባርን ዝተሞርኮሰ ነበረ። ግዜ እንዳሓለፈ ስ ከደ ግን እቲ ኣብ
ሞንጉኦም ዝነበረ ስምዒት እንዳዘሓለ ክመጽእ ጀመረ። እቲ ኣብ ስርሑ ኣዝዩ ዘተኩር ዝነበረ ፈይሰል ምስ
ግዜ እንዳረሓቀ መጸ። ኣብቲ ገዛ ዘይምህላዉ ካብ መዓልታት ናብ ሰሙናት ክሰጋገር ጀመረ። ወላ ኣብ ገዛ
ኣብ ዝህልወሉ እዋን ውን ግዜኡ ኣብ ስርሑ ተጸሚዱ የሕልፎ ነበረ። ሰሚራ ንኹሉ ናይታ ስድራ ሓለፍነት
ተሰከመቶ ንደቆም ድማ ከም ኣቦን ኣደን ክትኮነለን ጀመረት። ወላ እኳ ንሃይማኖታዊ ሓላፍነታ ክትስከሞ
ትፍትን እንተነበረት ኣብ ልባ ግን ከቢድ ጽምዋ ነበራ። ሰሚራ ኣብ ሃይማኖታ ኣዝያ ግድስቲ ብምንባራ ነቲ
ብሃይማኖታን ብባህላን ዝተዋህባ ሓላፍነት ውፍይቲ እያ ኔራ። ኩሉ ግዜ ገዝኣን ደቃን ኣመሓዲራ ገዝኣ
ስሩዕ ሂወት ንክህልዎ ትጽዕር ነበረት። እንተኾነ ነቲ ኣብ ልባ ዝዓቢ ዝነበረ ብሕትውና ንክትጻወሮ ዓቅሚ
ክሓጽራ ጀመረ። ካብ ፋይናንሳዊ ውሕስነት ንላዕሊ ስምዒታዊ ርክብን ምርድዳእን ክህልዋ ክትምነ
ጀመረት። ሓንሳብ ሓንሳብ ኣብ ጸልማት በይና ኮፍ ብምባል ነቲ ቅድሚ ኣብ ከምዚ ስራሕ ምእታዉ
ዝነበሮም ሂወት ብናፍቆት እንዳዘከረት መዓይ ይምለስ ይኸውን ብምባል ኮፍ ኢላ ንፈይሰል ክትጽበዮ
ተምሲ ነበረት። ኣብ ከምዚ ዓይነት ጽምዋ ዝመልኦ ኩነታት እንከላ ድማ እያ ኣብ 2008 ምስ ኣሚር
ሓሙኣ ኣብ ዓሙቅ ስሕበት ዝሰጠመት። ኣሚር ኣብቲ ስድራ ጥራይ ዘኮነስ ኣብ መላእ እቲ ከባቢ ኣዝዩ
ጸላዊን ዝተኸብረን ሰብ እዩ ኔሩ። ኣብ መጀመርታ 60ታት ዕድሚኡ ዝነበረን ኩሉ ግዜ ተሪር ዘረባ
ዝዛረብን ሰብኣይ ነበረ። ዘይከም እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ስርሑ ተጸሚዱ ሰሚራ እንታይ ትከውን ኣላ ክዕዘብ
ዘይክእል ዝነበረ ፈይሰል ኣሚር ግን ንኩነታት ሰሚራ ተዓዘቦ። ወላ እኳ ኣፉ ከፊቱ ኣይዛረበሉ ነቲ ኣብ
መንጎ ወዱን ሰሚራን ዝነበረ ምርሕሓቅ ግን ከስተውዕለሉ ከኣለ። ኣሚር ንሰሚራ ኩሉ ግዜ ለዋህን
ሓላይን ኮይኑ ኣብ ግዜ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ድማ ኩሉ ዘለዎ ምኽርን ብልሕን ይልግሰሎም ነበረ።
በዒንቱ ሰሚራ ሞዴል ናይ ንፍዕቲ ሰበይቲ እያ። ኣዝያ እምንቲ፡ ዓቃልን ሓላይትን። ወላ ፋይሰል ንነዊሕ
እዋናት ኣብ ዝገሰሉ ሓዳራ ሰጥ ኣቢላ ትጸንሕ ብምንባራ ኣዝዩ የድንቃ ነበረ። ኣብ መጀመርታ ዝርርቦም
ከም ኩሉ ስድራቤታዊ ዝርርብ ካብቲ ንቡር ዘይወጸ ነበረ። ግዜ እንዳሓለፈ ምስ ከደ ግን ኣንፈት ዝርርቦም
ክቀያየር ጀመረ። ኣሚር ንሰሚራ ከዘራርበሉ ዝኽእል ዕድላትን ግዜን ክደሊ ጀመረ። ኣብ ግዜ ስድራቤታዊ
ምትእኽካብ ውን ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ጎና የሕልፎ ነበረ። ኣቃልቦ ሰባት ንከይስሕብ ኣዝዩ ይጥንቀቅ ነበረ።
እንተኾነ ኣብ ሞንጉኦም ዘይተዘራረብሉ ጉዳይ ነበረ። ኣብ ሞንጉኦም ካብ ክልቲኦም ደፊሩ ክዛረበሉ
ዘይከኣለ ስሕበት ነበረ። ኣብ መጀመርታ 2008 እቲ ኣብ ሞንጉኦም ዝነበረ ርክብ ካብ ስድራቤታዊ ናብ
ሓደ ሓደገኛ ርክብ ክቅየር ጀመረ። እቲ ኣብ ግዜ ስድራቤታዊ ድራራት ዝቀያየርዎ ዝነበሩ ናይ ዓይኒ
ምጥምማት እንዳነውሐ መጸ ዕላሎም ድማ ብኡ መጠን ዝያዳ ውልቃዊ ዕላላት ተቀየረ። ኣሚር ኣዒንቲ
ሰሚራ ክውድሳ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ይደምቃ ከም ዝነበራ ኣስተውዓለ። ክዘራረቡ እንከለዉ ውን ካብቲ
ካልእ እዋን ንላዕሊ እትቀርቦ ኣስተውዓለላ። እታ ብፈይሰል ናይ ምንጻል ስምዒት ዝስምዓ ዝነበረ ሰሚራ
ብናይ ኣሚር ኣድህቦ ምቾት ክስምዓ ጀመረ። እቲ ካብ ፈይሰል ዘይረኸበቶ ምርዳእ ካብ ኣሚር ክትረኽቦ
ጀመረት። ብዓቅሊ ጽን ኢሉ ይሰምዓን ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘለዋ ከም ዝስምዓ ክገብርን ጀመረ። ኣሚር
ኣንጻር እቲ ኣብቲ ስድራ ዝነበሮ ቦታን ሓላፍነትን ነቲ ዝፈታተኖ ዝነበረ ስምዒት ክጻወር ኣይከለን። ድኹም
ጎኒ ሰሚራ ብምስትውዓል ድማ ነቲ ኩነታት ናብ ጥቅሙ ክቅይሮ ጀመረ…