
ኣ ብመስከረም 2009 ሬሳታት ፓስተር ግሪጎሪ ዌልስሃም፡ ኣገልጋሊት ካሮላይን ኬሪን ወዲ 23 ዓመት
ጀረምይ ሃርፐርን ኣብቲ ኣብ ማሳቹሰት ዝርክውብ ህዱእ ማያት ዘለዎ ሩባ ፎልብሮክ ተረኽበ። መርመራ
ምስ ተኻየደ እቲ ነዚ ኹሉ ሞት ዝስዓበ መርበብ ቅንኢ ክሕደትን ብሕትውናን ክቃላዕ ከኣለ። ኣብ 2009
እቲ ብጥቡቅ ዝተተሓሓዘ ሕብረተሰብ ነበርቲ ፎልብሮክ ቅድሚኡ ርእይዎ ዘይፈልጥ ኣብ ፍቅርንን
እምነትን ሞትን ዝተሞርኮሰ ዘሰንብድ ኣጋጣሚ ተፈጥሮ። 12 መስከረም 2009 ሰዓት 7፡30 ንግሆ
ክልተ ገፈፍቲ ዓሳ ከምቲ ልሙድ ዓሳ ንክገፉ ናብ ሩባ ፋልብሮክ ማሰቹሰት ኣምርሑ። እዞም ናይ ነዊሕ
እዋን የዕሩኽ ኣብታ ልምድቲ በግራብ ዝተሸፈነት ቦትኦም ኮፍ ብምባል ንክገፉ ምድላዋት ገበሩ።
መሳርሒታቶም ክዝርግሑ ምስ ጀመሩ ግን ሓደ ዘይንቡር ነገር ተዓዘቡ። መጀመርታ ሓደ ብሩህ ሕብሪ
ዘለዎ ጨርቂ ኣብ ጥቃ እቲ ሻምብቆታት ረኣዩ። ሓዲኦም ዝተደርበየ ጨርቂ መሲልዎ እኳ እንተነበረ እቲ
ካልኣይ ከረጋግጽ ኢሉ ናብቲ ቦታ ጽግዕ ምስ በለ ግን ብስንባደ ኣብ ዘለዎ ደረቀ። እቲ ጸብለል ኢሉ
ዝነበረ ቁልቁል ኣፉ ዝትደፍአ ሬሳ ሰብ እዩ ኔሩ። ብስንባደ ሸበድበድ እንዳበለ ሂወት እንተለዎ ንከረጋግጽ
ስሒቡ ኣውጽኦ እንተኾነ ሂወት ዝበሃል ኣይነበሮን። ነቲ ካልኣዩ ንክሕግዞ ብዓውታ ጸውዖ። እቲ ካልኣዩ
ናብቲ ቦታ ምስ በጽሐ ንሱ ውን ካልእ ክልተ ሬሳታት ረኣየ። እቶም ሰለስተ ሬሳታት ናይ ሰንበቶም ብጽፉፍ
ኣገባብ ክዳውንቶም ተኸዲኖም ነበሩ። እቶም ሰብኡት በቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ነገር ብስንባደ ኣብ
ዘለዉዎ ደሪቆም ነቲ ዝኾነ ክርድኡ ተጸገሙ። እቶም ገፈፍቲ ስንባደኦም ኣወጊዶም ናብ ክፍሊ ህጹጽ
ረዲኤት ብዘንቀጥቅጣ ዝነበራ ኣእዳው ደወሉ። ኣባላት ፖሊስ ናብ ቦታ ፍጻሜ ክሳብ ዝበጽሑ እቲ ወረ
ኣብታ ንእሽተይ ከተማ ስለዝተላብዐ ሰባት ኣብቲ ቦታ ተኣኪቦም ጸንሕዎም። እቲ ከም መዘናግዕን
መጠመቅን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ህዱእ ገማግም ሩባ ሕጂ ብዘፍርሕ ፍጻሜ ተመልአ። እቶም ናይ
መጀመርታ ዝመጹ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ሬሳ ብጥንቃቀ ካብቲ ማይ ኣውጽእዎ። ነፍሲ ወከፍ ምውጻእ ኣዝዩ
ረባሺ ዝርዝር ሒዛ ትወጽእ ነበረት። ኣእዳው እቶም ግዳያት ብመግፈፊ ገመድ ብጽኑዕ ተኣሲሩ ነበረ። እዚ
ድማ ኣብ ጉብቦ ኢዶም ተሓርሒሩ ብምእታው ዓሙቅ ቀዳድ ፈጢሩ ነበረ። ኣፎም ብዕኹላል ጨርቂ
ተዓቢሱ በቲ ዝሰተይዎ ማይ ጠስጢሱ ነበረ። እቶም ግዳያት ፓስተር ግሪጎሪ ዊልተም፡ ኣገልጋሊት
ካሮላይን ኬሪን ጀረሚ ሃርፐርን ከም ዝኾኑ ተረጋገጸ። ሰለስቲኦም ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ንጡፍ ተሳትፎ
ዝነበሮምን ኣብቲ ሕብረተሰብ ናይቲ ከባቢ ድማ በቲ ዝነበሮም ዘይክማህ ተወፋይነት ይፍለጡ ነበሩ።
ሞቶም ኣብታ ሓድነትን እምነትን እምነኩርናዕ መዓልታዊ ሂወታ ዝኾነት ንእሽተይ ከተማ ኣዝዩ ከቢድ
ራዕዲ ፈጠረ። እቲ ኣብ መወዳእታ 40ታት ዕድሚኡ ዝርከብ ዝነበረ ፓስተር ግሪጎሪ በቲ ህዱእን
ጥዑምን ድምጹን በቲ ዘካይዶ መሳጢ መደባትን ዝፍላጥ ፓስተር እዩ ኔሩ። እቲ ሬሳ ኣብ ናይ ሬሳ
ፌስታል ምስ ኣተወ ኣብ መንጎ እቲ እኩብ ህዝቢ ምጉርምራም ተሰምዐ። እቶም ንሂወት ብዙሓት ሰባት
ክቅይር ዝረኣይዎ ሰባት ሕጂ ኩሉ ተኣልዩ ሬሳ ኮይኑ ክዕዘቡ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻመ ኮኖም። እታ ናይ
ኣገልገልቲ ጋውና ተኸዲና ዝነበረት ካሮላይን ፔሪ ቀጺላ ዝተረኽበት ሬሳ ነበረት። እቲ ኩሉ ግዜ ብጽፉፍ
ተመሺጡ ዝወርድ ዝነበረ ነዊሕ ጸጉሪ ርእሳ ሕጂ ናብ ገጻ ወሪዱ ብገመድ ተኣሲሩ ነበረ። እዛ ኣደ ክልተ
ቆልዑን ንጥፍቲ ኣባል እቲ ቤተክርስትያንን ዝነበረ ካሮላይን በቲ ዝነበራ ትጉህነትን ርህራሀን እያ ትፍለጥ
ኔራ። ሬስኣ ንላዕሊ ምስ ወጸ እቲ ጎነጽ ዝተሓወሶ ኣማውትኣ ነቲ ሂወታ ቅድሚ ምሕላፋ ዝነበረ ኣሰቃቂ
ኩነት ዝገልጽ ነበረ። ምግሩምራም እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ዓው በለ። ከመይ ኢሉ ንሓደ ቅኑዕ ሰብ
ከምዚ ዓየንት በደል ይወርዶ። ኣብ መወዳእታ እቲ ሂወት ኣልቦ ዝነበረ ኣካላት ጀረሚ ሃርፐር ካብቲ ማይ
ተገፊፉ ወጸ። እዚ ወዲ 23 ዓመት ኣብቲ ቤተክርስትያን ዝዓቢ ዝነበረ ኮኾብ እዩ ኔሩ። እቲ ሂወት ኣልቦ
ኣካላቱ ኣብቲ ኩሉ ግዜ ብኹርዓት ዝለብሶ መጠመቂ ጋውን እንከሎ ከም ዝሞተ ምስ ተራእየ ገለ
ካብቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ብዓውታ ክበኽዩ ጀመሩ። ፖሊስ ተወሰኽቲ ጭብጥታት ንምርካብ ነቲ
ከባቢ ክፍትሹ እንከለዉ ኣባላት መርመራ ድማ ንቦታ ፍጻሜ ብጥንቃቀ ስእልታት ክወስዱን ሳምፕላት
ክእክቡን ንኹሉ ደቀቅቲ ዝርዝራት ከይተረፈ ክምዝግቡን ወዓሉ። ናይቶም ግዳያት ናይ ስርዓት
ክዳውንቶም ተቀዳዲዱ ነበረ። እዚ ድማ ኣቃትልኦም ሓይሊ ዝተሓወሶ ከም ዝነበረ ዘርኢ ነበረ። እቲ
ኣእዳዎም ኣሲሩ ዝነበረ መግፈፊ ገመድ ቁስሊ ጥራይ ዘይኮነስ ጎነጽ ዝየሓወሶ ቃልሲ ከም ዝሓለፉ ውን
ይምስክር ነበረ። እቲ ኣብ ኣፎም ተወቲፉ ዝነበረ ጨርቂ ውን ነቲ ድምጾም ንከይስማዕ ዝተገበረ ጭካነ
ዘርኢ ነበረ። ኣብ 14 ምስከረም ክፍሊ መርመራ ንጉዳይ እቲ ቅትለት ኣመልኪቱ ሓበሬታ ውጽአ። እቲ
ቅትለት ከምቲ ዝጠርጠሮ ሕማቅ ኣጋጣሚ ዘስዓቦ ሓደጋ ወይ ውን ኣብ ግዜ ስርዓተ ጥምቀት ዘጋጠመ…