
እዚ ታሪክ ብ19 ሓምለ 2023 ዝተፈጸመ እዩ። ሓደ ምስ ስድራ ቤቱ ዝነብር ሰብኣይ ነበረ ። ወትሩ ንጉሆ ንግሆ ድማ
ጓል ሓዉ ናብ ስርሑ ቝርሲ ተምጽኣሉ ነበረት ይኹን እምበር በታ መዓልቲ እታ ጓል ሓዉ ኣብቲ ልሙድ ግዜ ንሓወቦኣ
ኣይከደቶን ። እዚ ዘተሓሳሰቦ ሓወቦኣ ንሰበይቱ ብምድዋል ጓል ሓዉ ናበይ ከም ዝከደት ሓተታ ሰበይቱ ድማ እታ ቆልዓ
ባኒ ኽትገዝእ ኢላ ምስ ወጸት ከም ዘይተምእዚልሰት ነገረቶ።ኣብ ፈለማ እቲ ሓወቦኣ እትፈልጦ ሰብ ረኪባ ወይ ኣብ
መገዲ ምስ ገለ ቘልዑ ኽትጻወት ደው ኢላ ክትከውን ትኽእል እያ ኢሉ ሓሰበ። ግዜ ምስ ከደ ግና ሻቕሎቱ እናዓበየ ከደ
ድሕሪኡ ከኣ ናብ ቤቱ ተመሊሱ ንበዓልቲ ቤቱ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ኽሓትታ ወሰነ ። ይኹን እምበር ናብ ቤቱ ኣብ
ዝኸደሉ እዋን ኣዝዩ ዘሰንብድ ነገር ረኸበ ዋላ ሓደ ሰብ ክጽበዮ ወይ ክሓስቦ ዘይከኣል ነገር። እዚ ዛንታ ኣብ ግብጺ ሻት
ጋርባ ኣብ እትብሃል ዓዲ ኮይኑ ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ሰለስተ ደቆም ይነብሩ ነበሩ ።እቲ በዅሪ ወዶም ፋሬስ እታ
ማእከለይቲ ጓሎም ካማር እቲ ዝነኣሰ ወዶም ድማ መሓመድ ይበሃሉ ነበሩ። ወለድን ደቆምን ጽቡቅ ህይወት ይነብሩ
ነበሩ። ሓደ እዋን ግን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ፀገማት ክፍጠር ጀመረ። ነቲ ነገራቶም ክፈትሕዎ ስለ ዘይከኣሉ
እቲ ዝበለጸ መፍትሒ ምፍልላይ ምዃኑ ወሰኑ። ድሕሪ ፍትሕ እቲ ኣቦ ንደቁን ንሰበይቱን ንመነባብሮኦም ዘድሊ
ወጻኢታት ምእንቲ ኺሽፍን ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍል ግዴታ ነበሮ። ድሕሪ ቅሩብ እዋን ግን እቲ ኣቦ ገንዘብ ከም ዘይብሉን
ነቶም ቈልዑ ንመነባብሮኦም ዘድሊ ወጻኢታት ክኸፍል ከም ዘይክእል ሓበረ። እታ ኣደ ውን ምሉእ ብምሉእ ንበይና
ከተዕብዮም ብቑዕ ስራሕ ከም ዘይብላን ከም ዘይትኽእልን ተማጐተት። እቲ ኣቦ ድማ ነቶም ሰለስተ ውሉዳት ኣብቲ
ኣዲኡ እትነብረሉ ዝነበረት ገዛ ሓዲጋቶም ኽትኸይድ ከም እትኽእል ነገራ ።
ዓባዮም ድማ ከም ትከናኸኖምን ወላዲት እቶም ቈልዑ ድማ ኣብ ዝደለየቶ ግዜ ክትበጽሖምን ከም ትክእል ዘድሊ
ዘበለ ክንክን ከም ዝግበረሎም ከተረጋግጽን ነቶም ቈልዑ ድማ ካብ ምብጻሕ ወይ ካብ ምርኣይ ከም ዘይዓግታ
ኣረጋገጸላ ።እዚ ብኣረኣእያ እቲ ኣቦ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ መፍትሒ እዩ ነይሩ ።እታ ኣደ ነቶም ቈልዑ ኣዘውቲራ
ምስኦም ግዜ ኸተሕልፍን ዘድልዮም ዘበለ ነገራት ኸተማልእን ፍቓደኛ ኰነት ። ዓባዮም ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ስለ
ዝነበረት ፡ ንበይና ሰለስተ ውሉዳት( ቖልዑት) ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ምሉእ ብምሉእ ክትዋጻእ ኣይከእለትን ። እቶም
ነቲ ኣቦ ዝፈልጥዎ ሰባት ንደቁ ኣዝዩ ዘፍቅር ሰብ ከም ዝዀነ እዮም ዝገልጹ ። ይኹን እምበር ምስ ካማር ጓሉ
ድልዱል ርክብ ነበሮ ። ንካማር ፈጺሙ ዝኣዘዘቶ ነገር ኣይነጽጎን ነይሩ ። እምበሺ ደኣ ንዕኡ ከም ትእዛዛት እዩ ነይሩ ።
ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ ኣቦ እንደገና ክምርዖ ወሰነ ።ነዲኡ ብዛዕባ መደባቱ ምስ ነገራ ንሳ ዉን ብጽቡቅ ተቐበለቶ። ኣብ
ህይወቱ ዝደለዮ ነገር ክገብር ከም ዝኽእል ነገረቶ። ቀጺላ እዲኡ ከምዚ በለት ቅድሚ ምምርዓውካ ግን ንሰለስተ ደቅካ
ኣብ ገዛ ምስይ ክቕመጡ ሙዃኖምን። እታ ሓዳስ ሰበይትካ ነቶም ቆልዑ ከም እተፍቕሮምን ከም እትከናኸኖምን
ክኣምን የጸግመኒ እዩ በለት ። እቶም ቆልዑ ካባይ ክትወስዶም ኣይፍቀደልካን እየ በለቶ እቲ ኣቦ ነቲ ሓሳብ
ኣይተቓወሞን ። ኣብ ሓደ ናይ ስድራ ቤት ኣፓርታማ ይነብሩ ስለ ዝነበሩ እቶም ቈልዑ ካብኡ ከም ዘይርሕቁ ሓሰበ
።ኩሉ ጊዜ ድማ ኣዘውቲሩ ክበጽሖምን መዓልቲዊ ክርእዮምን ሓሳቡ ነበረ ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዓባዮም ነቶም ቈልዑ
ብፍቕርን ብውዕዉዕ ስምዒትን እያ ኸቢባቶም ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኵሎም ወገናት በቲ ኩነታታ ዕጉባት እዮም ነይሮም ።
እዚ ግን መጀመርታ ናይቲ ጸኒሑ ዘሰንብድን ዘይተጸበይዎ ነገር ዘስዕብን ዛንታ እዩ ነይሩ ።እታ ኣቦ ኽምርዓዋ ዝወሰነ ጓል
ሜርኤል ሑሴኒ ዝስማ ኣብቲ እዋን እቲ ጓል 21 ዓመት ከላ ድማ እያ ተመርዕያ ። ማያር ቅድሚ እቲ መርዓ ኣቦ ካማር
ክሰማምዓሉ ዘለዎ ኵነታት ኣዳልያ ነበረት ። ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ሓዳር ዝነበረ ናይ ቀደም ኣቝሑ ኣብ ዘለዎ ገዛ
ፈጺማ ከም ዘይትነብርን ሓድሽ ኣቝሑ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ሓበረቶ።ኣቦ ካማር ድማ ንዅሉ እቲ ዝተሓተቶ ነገራት
ተሰማምዐ ፡ ንዅሉ እቲ ዝተኣዘዞ ነገራት ድማ ፈጸሞ።ኣብዚ ክፋል እዚ ዛንታ ጐሊሑ ዝርአ ነገር እቲ ኣቦ ኣቐዲሙ
ብሰንኪ ቊጠባዊ ጸገማት ንሰለስቲኦም ደቁን ንኣዲኦም ክኣልይ ከም ዘይክእል ይዛረብ ምንባሩ እዩ ። ሕጂ ግን ምሉእ
ብምሉእ ሓድሽ ገዛ ኣስሪሑ ሓድሽ ናብራ ጀመረ ። ነዚ ግን ንሕጂ ንግደፎ። ማያር ኣቦ ካማርን ተመርዓዉ ናብራኦም
እውን ጽቡቕ ይመስል ነበረ። እቶም ሰብ ሓዳር ኣዝዮም ሕጐሳት ነበሩ ፣ እቲ ዝያዳ ዘጸናንዖም ከኣ ደቂ ሰብኣያ
ምስኦም ዘይኮኑስ ምስ ዓባዩም ይነብሩ ስለ ዝነብሩ እዩ። ኣደ ካማራ ነቶም ሰለስተ ደቃ ንምድጋፍ ዝኣክል ገንዘብ
ንምርካብ ዝከእላ ዝዀነ ይኹን ስራሕ ክትረክብ ፈተነት: ነቲ ሰብኣያ ንደቃ ንምትራፍ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ምኽኒት ድማ
ነጸገቶ ።ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣደ ካማር ካብ ሓንቲ ንእሽቶን ትሑት መነባብሮ ስድራ ስለዝመጸት ብዙሕ ደገፍ
ኣይነበራን። እቲ ዝረከበቶ ስራሕ ኣይኮነን ንሰለስተ ቆልዑት ከተናብይ ይትረፍ ዳርጋ ብዘይ ክፍሊት እዩ ኔሩ ክብሃል
ይከኣል ። ንሳ ግን ንደቃ ዘድልዮም ንምምላእ ለይትን መዓልትን ከይተሓለለት ትዓዪ ነበረት ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቦኦም
ዘየድልዮም ነገራት ግን የማልኣሎም እኳ እንተ ነበረ ። ኣዲኦም ግን ብጻዕሪ ጥራይ ዘይኰነስ ብገንዘብ እውን
ኽትኣልዮም ሓላፍነት ዘለዋ ኮይኑ ተሰመዓ። ምሳታቶም ትነብር ስለ ዘይነበረት መዓልታዊ ዝበለጸ መገዲ ኢላ
ዝኣመነትሉ እትህቦም ንብረታዊ ሓገዝ እዩ ነይሩ ። ኣቦኦም ካብ ዝምርዓዉ ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን ድማ
ዓባዪም ነቶም ቆልዑ ሃንደበት ሞተት። ሞታ ኣዝዩ ኣሰምበደም ነቲ ዝመስረትዎ ሓዳር ውን ከይትንከፍ ወይ ከየበላሽዎ
ፈረሑ። በዚ ምኽንያት እዚ ካመርን ክልተ ኣሕዋታን ምስ ኣቦኦምን ሓዳስ ሰበይቱ ኣብ ሓንቲ ብጽቡቅ እተሰርሐት
ኣፓርትማ ክግዕዙ ተገደዱ ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ንውሉዳቱ ክጐድእ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን ። እቲ
ገዛ ባዕሉ ሰለስተ ደርቢ ነበሮ ታሕተዋይ ክፋል እቲ ቤት ኣብ ክልተ ዝተመቕለ ኮይኑ ዓባዮም ቅድሚ ሙማተን
ኣሞኦም ምስ ደቃን ሰብኣያን ዝሓዙዋ እዩ። እቲ ካልኣይ ደርቢ ከኣ ሓወቦ ካማርን ሰበይቱን ይሕዝ ነበረ ። እቲ ሳልሳይ
ደርቢ ኣቦ ካማር ድሕሪ ሞት ዓባዮም ምስ ማያር ይቕመጦ ነበረ ። እቶም ቈልዑ ምስ ኣቦኦምን ማያርን ካብ ባይታ ናብ
ሳልሳይ ደርቢ ገዓዙ ። ኣብ ፈለማ ማያር ነቶም ቈልዑ ብጽቡቕ ተቐበለቶም ብዙሕ እውን ኣፍቀረቶም ። ኵሎም
ኣባላት እታ ስድራ ቤት ነገራት ብልዝብን ብሰላምን ይኸይድ ከም ዘሎ ኰይኑ ተሰምዖም ። ኰይኑ ግና ካብቲ ኣብ
ውሽጣ ዝተሓብአ ክፋእ ኣብ ልዕሊ እቶም ቈልዑ ፍሽኽታን ለውሃት ዝመልኦ ምንቅስቓስ ተርኢ ነበረት። እቲ ጸኒሑ
ዝነጸረ ነገር ማያር ነቶም ቆልዑ ኣብ ቅድሚ ስድራ ቤቶም ጥራይ ክንክን ትህቦም ከም ዝነበረት ዉሽጣ ግን ብጽልእን
ሕስደናን ዝመልአ ከም ዝነበረ እዩ። ማያር ነቶም ሰለስተ ቆልዑ ትጸልኦም እኳ እንተ ነበረት ጽልኣ ግን ብፍላይ ነታ
ማእከላይት ጓል ናብ ካማር ዘተኰረ እዩ ነይሩ ። ማያር ንካማር በኣቦኣ ፍልይትን ሞገስን ዘለዋን ድምጻን ኣዘራርባን
ናይ ወላዲታ ዝወሰደት ስለ
ዝነበረት እዚ ነገር ንማያ የቅነኣ ነበረ። ማያር ንካማር ክትጥምታ ከላ ኣደ ደቂ ሰብኣያ ከም ዝረኣየት ኮይኑ ይስምዓ
ነበረ። ጸኒሑ ድማ ማያር ቀዳማይ ውላዳ ከም ዝጠነሰት ፈለጠት። ኣደ ክትከውን ስለ ዝቐረበት ነቶም ቈልዑ ድማ
ዝያዳ ክንክን ክትገብረሎምን ፡እቲ ጥንሲ ድማ ንልባ ከለስልሶ እኳ እንተ ተገበአ። ግን ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣተሓሕዛ
ማያር ኣብ ልዕሊ እቶም ቘልዑ ካብቲ ዝነበሮ ኣዝዮ ገደደ። ካብቲ ንማየር ዝነበራ ተንኰል ዘጕልሕ ሓደ ፍጻመ ከኣ
ከምዚ ዝስዕብ’ዩ ኔሩ። ሓደ ንግሆ ማያር ኣቦ ካማርን ሓወቦኣን ንስራሕ ምስ ኸዱ፡ ማያር ካማር ኣብ ቅድሚኣ ደው
ኢላ ምስ ረኣየታ ብዘይ ወልሓደ ምኽንያት ገረፈታ።
ኰይኑ ግና እቲ ማያር ዝገበረቶ ነገር በዚ ኣየብቀዐን ። ንካማር ምስኣ ናብቲ ኣብ ከተመኦም ዝርከብ መደበር ባቡር
ክትወስዳ ወሰነት። ኣብ ጥቓ እቲ መደበር ባቡር ኮፍ ኢላ ክትጽበን ባቡር ተሰቂላ ናብ ርሑቕ ቦታ እትኸይድን ኣዘዘታ።
ደፊራ ናብ ቤታ እንተ ተመሊሳ ንሓወቦኣ ወይ ንኣቦኣ እንተ ነጊራቶ ከኣ ህይወታ ከም ተሕልፋ ኣፈረራሓታ ።፡ማያር
ንካማር ተፈራርሓ ጥራያ ኣይኮነትን ኔራ ናይ በሓቂ ኣብቲ መደበር ባቡር ገዲፋታ ከደት ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ዋላ ሓንቲ
ከም ዘይትፈልጥ መሲላ ናብ ቤታ ተመልሰት ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እታ ምስኪን ካማር ኣብቲ መደብር ባቡር
ተደናጊራ ኮፍ በለት: እንታይ ከም ትገብር እውን ሓርበታ ። ኣብ መንጎ ክልተ ፍርሒ ተቐርቀረት ትእዛዝ ማያር ኣኽቢራ
ናብ ሓንቲ ባቡር ምስቃል ወይስ ናብ ገዛ ተመሊሳ ንሓወቦኣን ኣቦኣን ሓቂ ምዝራብ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ማያር
ከይትቐትላ ድማ ፈርሐት ።እቲ ሓወቦ ንደቁን ንደቂ ሓዉን ዝኸውን ምቁር ካራሜላ ኼምጽእ ልማድ ነበሮ ። ንደቁ
ምቁር ካራሜላ ብማዕረ ዓደሎም ድሕሪኡ ከኣ ናብ ኣፓርታማ ሓዉ ደዪቡ ማዕጾ ዃሕኵሐ ነታ ሰበይቲ (ማያር)
ካማርን ኣሕዋታን ክትጽውዖም ሓተታ። ይኹን እምበር እታ ሰበይቲ ካማር ኣበይ ከም ዘላ ዋላ ሓንቲ ከም
ዘይትፈልጥን እታ ቆልዓ ካብ ቤት ምስ ወጸት ናበይ ከም ዝኸደት ከም ዘይትፈልጥን ዋላ ሓንቲ ደሃይ ከም ዘይብላን
ነገረቶ። እቲ ሓወቦ ከኣ ተገረመ ። ሕቶ ድማ ኣቕረበላ ሓንቲ ጓል 8 ዓመት ቈልዓ ብዘይፍላጥኪ ካብ ገዛ ብኸመይ
ክትወጽእ ትኽእል ? ከመይ ጌርኪ ኢኺ ከአ ካብ ገዛ ከም ዝጐደለት ኽትግንዘቢ ዘይከኣልኪ ? እታ ሰበይቲ ከኣ
መለሰትሉ ካብ ድቃሰይ ምስ ተበራበርኩን ካማር ኣብ ገዛ ኣይነብረትን ። ድሕሪኡ ድማ ብንዕቀት ወሰከት፡ ጓል ሓዉካ
ብብቲ ዝከደቶ ኪድ በለቶ ።እቲ ሓወቦ ብኡንብኡ በቲ ማየር ዘርኣየቶ ቃናን ኣዘራርባን ተጠራጠረ ። ካማር ኣበይ ከም
ዘላ ብልክዕ ከም እትፈልጥ ድማ ርግጸኛ ነበረ ። ድሕሪኡ እታ ሰበይቲ ነቲ ሓወቦ ከምዚ እንዳበለት ተዛረበቶ
ስለምንታይ ነቲ መደበር ባቡር ዘይትፍትሽዎ ምናልባት ከይረኣኩማ ኣብ ባቡር ተሰቒላ ሃዲማ ትኸውን በለቶም።
እቲ ሓወቦ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ፍርሒ ተሰምዖ ።እቲ ሓወቦ ድማ ማየር ብርግጽ ትዛረብ ከም ዝነበረት ኣረጋገጸ
ናብቲ መደበር ባቡር ተቐላጢፉ ከደ ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ንካማር ረኸባ ኣብኡ ኮፍ ኢል ብዘይ ምቁራጽ ክትበኪ ጸናሓቶ
ብፍርሒ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎዋን ብኸመይ ናብ ቤታ ከም እትምለስ ኣይትፈልጥን ነበረት። ካማር ሓወቦኣ ኣብ
ዝረኣየትሉ ህሞት ናብ ሕቝፉ ጐይያ ብምምጻእ ኣጥቢቓ ሓቘፈቶ እቲ ሓዎቦ ድማ ኣጆኪ ብምባል ኣረጋግኣ።
ብሰላም ድማ ናብ ቤታ መለሳ ይኹን እምበር እዚ ነገር ነቲ ኣኮ ኣተሓሳሰቦ ምስ ሓዉ ኮፍ ብምባል ከምዚ ዝኣመሰለ
ተግባር ናይ ማያር ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ነገሮ ።ማያር ነቲ ዝተባህለ
ጸኒሑ እቲ ሓዎቦ ንኣቦ ካማር ንሱን ሰበይቱን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንማያር ነቶም ቈልዑ ኺትሃርሞም ከም
ዝሰምዑን ኣብ ሓደ እዋን ሰበይቱ ጣልቃ ከም ዝኣተወት ጠቀሰ ማያር ኣብቲ ግዜ እቲ ንተግባራታ ንምክዋል
እቶም ቈልዑ ጠባዮም ንምቍጽጻሩ ኣጸጋሚን ኣሸጋርን ስለ ዝኮነ እምበር ንሳ ከም ደቃ ከም ትሪኦም ሓበረት። ማያር
ብግቡእ ተዕብዮም ከም ዘላን ዋላ ሓደ እውን ነቲ እትጥቐመሉ ሜላታት ክነቕፎ መሰል ከም ዘይብሉ ገለጸት ። ኣቦ
ካማር እዚ ነገር ነቲ ሓዎቦ እኳ እንተ ኣጨነቖ ብዛዕባ ማያር ግና ዋላ ሓንቲ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣይነበሮን ። ምሉእ
ብምሉእ ይኣምናን ንተግባራታ ከኣ ከም ናይ ኣደ ገይሩ ይርእዮን ነበረ ።ሓንቲ ኣደ ንደቃ ኣድላዪ እንተ ኰይኑ
ኽትግስጾም ትኽእል እያ ብማባል መለሰ : እቲ ኣኮ ግን ነቲ ወትሩ ኣብ ኣካላት ደቅኻ ዝርአ ስምብራት ብኸመይ ትገልጾ
ብፍላይ ከኣ ናይ ካማር ዝብል ሕቶ ሓተቶ። እቲ ኣቦ ድማ ብዛዕባ እቲ ስምብራት ከም ዝሓተታን ንሳ ዝበለቶ ድማ
እቶም ቈልዑ ንሓድሕዶም ሓርፋፍ ጸወታ ከም ዝጻወቱ ጠንቂ ናይቲ ስንብራት ድማ ንሱ ምዃኑን ነገረቶ ።ኣብታ
ጊዜ እቲኣ እቲ ኣኮ እዚ ሓሳብ ዘየእምንን ምኳኑን ኣቦ ካማር ሰበይቱ ንፍዕቲ ሰበይቲ ከም ዘይኰነትን ክትፈትሓ
ዝሓሸ መፍትሒ ምዃኑ ነገሮ ።ይኹን እምበር ፡ ኣቦ ካማር ነቲ ሓዉ ዝሃቦ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ነጸጎ ።ንኻልኣይ ግዜ
ሓዳረይ ከባላሽው። ሰባት ዝዀነት ትኹን ሰበይቲ ምሳይ ክትነብር ወይ ክትጻወረኒ ከም ዘይትኽእል ክዛረቡ ትደልዮም
ዲኻ ? እንደገና እንተ ተፋታሕኩ ሰባት እቲ ጸገም ናተይ ኢሎም ከም ዝሓስቡ ፍሉጥ እዩ። ብዘይካዚ ማየር ጥንስቲ
ስለ ዘላ በዅሪ ጓልና ውን ኽትወልድ ስለ ዝቐረበት ካብኣ ክፍለ ኣይሓሰበን’የ በለ። እቲ ዘሕዝን ግን ኣቦ ካማር ንዅሉ
እቲ ማያር ንደቁ ዝገበረቶም ነገር ዕሽሽ ህይወት ክቅጽል መረጸ ።መያር ድማ በዓል ቤታ ንተግባራታ ዕሽሽ ይብሎን
ጠባያታ ይድግፎን ከም ዝነበረ ምስ ፈለጠት፡ ትገበሮ ተግባር ዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዘይሓትታ ገይራ ክትሓስብ
ጀመረት። ሽዑ እቲ ሓወቦ ንኣቦ ካማር ካልእ ምኽሪ ኣቅረበሉ እቶም ቈልዑ ተመሊሶም ምስ ኣዲኦም ክነብሩ ዝብል
ሓሳብ ኣቕረበ። ኣቦ ካማር ነዚ ሓሳብ እዚ ኣትሪሩ ተቓወሞ ኣዲኦም እንደገና ከም እተመርዓወትን ካማር ድማ ምስ
ሰብኣይ ኣደ ክትዓቢ ዘስግእ ከም ዝኮነ ተዛረበ። እቲ ኣኮ መሊሱ ካልእ ሓሳብ ኣቕረበ ፋሪስን ሙሓመድን ምስ ኣዲኦም
ክነብሩ። ካማር ድማ ምሳይን ምስ ሰበይተይን ክትነብርን ድሕሪ ሕጂ ንዓኣ ክኣልን ክናብያን ሙኳኑ ገለጸ።ን ሓዉ ድማ
ን ካማር ኣብ ዝደለኻዮ እዋን ክትርእያን ምስኣ ጊዜ ኸተሕልፍ ትኽእል ኢኻ በሎ። እቲ እኮ ወሰከ ሓደ ነገር ግን
ኸነጽረልካ ካማር ንስካ ገዛ እንተዘይሃሊካ ናብቲ ናይ ማያር ኣፓርታማ ክትከይድ ኣይፍቀዳን እዩ ምኽንያቱ
ማያር ክትገብሮ ትክእል ነገራት ክንከላኸለል ስለ ዘይንኽእል እቲ ኣቦ እዚ ዝበለጸ መፍትሒ ምዃኑ ተሰማምዐ ። ካማር
ድማ ምስ ሓወቦኣን ደቆቁን ገዓዘት። ኣቦኣ ምስታ ጸኒሓ በዅሪ ጓሎም ዝወለደት ማያር ይነብር ነበረ። ካማር ናብቲ
ሓዳስ ቤታ ምስ ከደት ሓወቦኣ ከም ዉላዱ እዩ ዝሕዛ ነይሩ ሰበይቱ ከኣ ካብ ደቃ ንላዕሊ እያ ትከናከና ኔራ ደቂ ኣኩኣ
ገና ናእሽቱ ስለ ዝነበሩ ንካማር ከም ዓባይ ሓፍቶም ገይሮም እዮም ዝርእይዋ። ካማር እታ ሰበይቲ ኣቦኣ ዘከተለቶ
ኣካላዊ ማህሰይቲን ንሰዓታት ኣብ ጸልማት ክፍሊ ዓጽያታ ትከዶ ዝነበረ ግዜያት ምሉእ ብምሉእ ረሲዓቶ ነበረት ።
ኣብቲ እዋን እቲ ሰበይቱ ብዛዕባ ሕማቕ ተግባራት ካማርን እቶም ክልተ ካልኦት ደቁን ምምራር ስለ ዘቋረጸት ኣዝዩ
ተሓጐሰ።ዅነታታ ካማር በብመዓልቱ ተመሓየሸ ቀስ ብቐስ ድማ ነታ ቀደም ዝፈልጣ ዝነበረ ቆልዓ ተመልሰት።ካማር
ውን
ምስ ሓወቦኣ ምቕማጣ ዝበለጸ መፍትሒ ከም ዝዀነ ኣመነ። ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካማር ምስ ሓወቦኣን ሰበይቱን
ብሰላም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 18 ሓምለ 2023 ምሸት ኵሉ ነገር ተቐየረ ኣብታ ምሸት እቲኣ ፡ ኣቦኣ ካብ ስራሑ
ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ። ካማር ንሓወቦኣ ናብ ኣፓርታማ ናይ ኣቦኣ ብምኻድ ምስኡ ግዜ ኸተሕልፍን ምስ ሓብታ
ኽትጻወትን ፍቓድ ሓተተቶ ።
ኣቦኣ ኣብ ቤት ስለ ዝነበረ ፡ሓወቦኣ ተሰማምዐ ። ካማር ምስ ሓብታ ንምጽዋትን ግዜኣ
ኣብ ኣፓርታማ ኣቦኣ ምሕላፍን ባህ በላ ። ማያር እታ ሰበይቲ ኣብኡ ንዅሉ ትዕዘብ ነበረት ዋላ እኳ በቲ ተግባራ
ሕጉስቲ እንተ ዘይነበረት ነቲ ኩነታት ግና ዕሽሽ በለቶ ።ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቦ ካማር ዘድልያ ነገር እንተ ኣልዩ ወይገለ
ነገር ክትበልዕ እንተ ደልያ ሓተታ ። ካማር ንኣቦኣ ብታሕጓስ ኑቴላ ክገዝኣላ ሓተተቶ ። ኣቦኣ ከይዶንገየ ብኡብኡ
ጥርሙዝ ኑቴላ ዓዲጉ ናብ ካማር ተመለሰ ።ካማር ኣቦኣ ዝገዛኣላ ጥርሙዝ ኑቴላ ብታሓጐስ ሒዛ ናብ ኣፓርታማ
ሓወቦኣ ከደት ይኹን እምበር ማያር ነቲ ካማር ዘቕረበቶ ጠለብ ኣቦኣ ንኑቴላ ንምዕዳግ ለይቲ ስለ ዝወጸ ክትቅበሎ
ኣይከኣለትን ።ማያር ሰብኣያ ካብ ስራሕ ናብ ቤት ድሕሪ ምምላሳ ዝዀነ ይኹን ጠለብ ኣይሰምዓን ነበረ እዚ
ቐናእነታን ቂምን ኣሕደረላ እቲ ካማር ትገብሮ ኣላ ኢላ ዝኣመነትሉ በለጻን ምዝመዛን ኸተቋርጾ ድማ ወሰነት ።ንግሆ
19 ሓምለ 2023 ሰይቲ ኣኮኣ ን ካማር ኣበራበረታ ባኒ ንምዕዳግ ክትከይድ ድማ ሓተተታ ። ካማር ብዙሕ ግዜ ንቤት
ሓወቦኣን ቤት ኣቦኣን ባኒ ትገዝእ ስለ ዝነበረት በታ ንግሆ እቲኣ ካማር ክዳና ተኸዲና ኣብ መገዲ ምእንቲ ገንዘባ
ከይጠፍኣ ኩሉ ጊዜ ትሕዛ ንእሽቶ ቦርሳኣ ተሰኪማ ባኒ ገዚኣ ናብ ቤታ ተመልሰት ።ኣብታ ጊዜ እቲኣ ማያር እታ
ሰበይቲ ኣቦኣ ኣብ ጥቓ መስኰት ደው ኢላ ንካማር ክትድይብ ረኣየታ ብምልክት ቃል ከየውጸአት ድማ ጸዋዓታ ካማር
ከኣ ነቲ ምልክት ተረዲእዋ ስለ ዝነበረ። ናብ ላዕሊ ቅድሚ ምደይባ ንስድራ ሓወቦኣ ኢላ ዝዓደገቶ ባኒ ምስ ቦርሳ
ገንዘባ ኣብ ኣፓርታማ ኣኮኣ ሓዲጋቶ ደየበት። ድሕሪኡ ነቲ ናይ ኣቦኣን ሰበይቲ ኣቦኣን ባኒ ኣልዒላ እንታይ ከም
ዝደለየታ ክትርኢ ደየበት ። ካማር ማዕጾ ምስ ዃሕኵሐት ሰበይቲ ኣቦኣ ከፈተቶ ። ካማር ነቲ ባኒ ኣቀቢላ ንታሕቲ ገጻ
ክትከይድ እያ ሓሲባ ። ይኹን እምበር ናብ ውሽጢ ዝኣተወትላ እዋን እታ ሰበይቲ ኣቦኣ ድማ ድሮ ተዳልያ ነበረት ። ኣብ
ሓደ ዓለባ ነገር ዝኮነ ኬሚካላዊ መድሃኒት ጠቅሊላ ንካማር በቲ ጨርቂ ገይራ ኣፋን ኣፍንጫኣን ቀልጢፋ ብምሓዝ
ካማር ሃለዋታ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ እተጥፍእ ተዓፈነታ።ካማር ሃለዋታ ከም ዘጥፍአት ኣረጋገጸት። መየር ቅድሚ
ካማር ምምጻኣ ኵሉ ነገራት ኣዳልያ ነበረት ፣ ኣብቲ ባይታ ኣንሶላ ዘርግሐት ካራን ናይ ኵሉ እቲ ነቲ ዘስካሕክሕ ገበን
ንኽትፍጽም ዘድልያ ናውትን ኣዳልያ ነበረት።መርመራታት ጸኒሑ ከም ዘራጋገጾ ካማር ብመድሃኒት ምስ ተዓፈነት
ኣብ ኣፍ ልባ ብዙሕ ናይ መውጋእቲ ቍስሊ ከም ዝወረዳን ጐረሮኣ እውን ካብ ሓደ ሸነኽ ናብ ካልእ ሸነኽ ከም
ተጠብሐን ኣረጋገጸ።እቲ ጉዳይ ባኒ ድሕሪ ምዕዳጋ ክትምለስ ከላ ከም ዘጋጠመን ንሳ መሳዅቲ ከፊታ ነቲ ገዛ ንፋስ ከት
እትወሉ እንዳ ፈተነት። ንካማር ኣብ ቅድሚኣ ምስ ረኣየት ናይ ሕርቃን ስምዒት ኣብ ውሽጣ ተላዕለ እቲ ጠንቂ ድማ
እታ ድሮ ምሸት ንኣቦኣ ንኑቴላ ክገዝኣላ ስለ ዝለመነቶ ንሱ ድማ ንዓኣ ክገዝኣላ ኢሉ ካብ ቤት ስለ ዝወጸን እዚ ከኣ
ንማያር ኣብ ውሽጣ ቁጠዐ ከም ዘሕደረላ ገለጸት። ናብታ እዚ ዘስካሕክሕ ገበን ኣብ ልዕሊ ካማር ዝተፈጸመላ ምልስ
እንተ ኢልና። ማያር እቲኣ ኣብ ጐድና ደው ኢላ ኮላ ብመስኮት ንካማር ሓንቲ ቃል ኸይዛረባት ብምልክት ናብኣ
ክትመጽእ ሰብ ዉን ከይሰምዓ ኣመልከተትላ ካማር ነዚ ከይተረደኣ ናብኣ ከደትይኹን እምበር እቲ ማያር ዝበለቶ ምስ
ክውንነት ዝጋጮ እዩ ነይሩ ምክንያቱ መፈንተቲ ዝከዉን chemical ኣድላያ ከም ዝነበረት እዚ ድማ በቀሊሉ ከም
ዘይርክርብን እዚ ኩሉ ፍጻሜ መያር ከም ዝበለቶ ኣግጣሚ ዘይኮነስ ኮነ ኢልካን ዝተሓሰበሉን ሙኳኑ ገምገሙ። ፖሊስ
ኣቀዲማ ክትቐትላ ከምዝፈተነት ወይ ድማ ኣጋጣሚ ትጸበ ክምዝነበረት እቲ ኩሉ መርትዖታት ካራ ፕላስቲክ ኣካላታ
ቆራሪጽካ ምውጋድን ብ እኩብ ድምር ዝተሓሰበሉ ነገር ሙኳኑ ኣረጋገጹ።
መየር ቅድሚ ሕጂ ንካማር ናብ መደብር ባቡር ብምውሳድ ከተጥፍኣ ከም ዝፈተነት ሓተትዋ መየር ነዚ ብምንጻግ
ካማር ከም ዝሃደመትን ንሳ ከም ዘይወሰደታ ገለጸት እንተኮነ እቲ ሓወቦኣን ኣቦ ካማርን ከም ትሕሱ ዘላን ንካማር ናብ
መደበር ባቡር ከም ዝወሰደታን ኣረጋገጹ።ፖሊስ ሕትኦም ቀጸሉ መያር ደማ ንሳ ከም ሓንቲ መልኣኽ ካማር ከኣ ወላ
እኳ ቆልዓ እንተ ኮነት ከም ሓንቲ ንእሽተይ ሰይጣን ጌራ ገለጸታ ቀጺሎም እቶም። ፖሊስ ጠንቂ ጽልኣ እንታይ ከም
ዝነበረን ን ካማር ድማ ንምንታይ ክትቀትላ ከም ዝወሰነት ሓተትዋ
መያር ምስኦም ቅንዕቲ ኮነት ከምዚ ድማ በለት
ካማር ነዲኣ ትመስል ከምዝነበረት ኩሉ ግዜ ድማ ናይ በዓል ቤተይ ቀዳመይቲ ሰበይቲ ተዘኻኽረኒን በዓል ቤተይ ንካማር
ዘለዎ ፍቕሪን ኩሉ ድሌታታን ከምዝፈጸመን ክሳብ ሕጂ ድማ ነታ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ከምዘፍቅራን ኣብ ካማር ንእሽቶ
ምስሊ ናታ ከምዝረኣያ ተዛረብት ።ሬሳ ካማር ኣበይ ክትገበሮ ከም ዝመደበት ሓተትዋ ንሳ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ
ኣካላት ኣብ ፕላስቲክ ከተቐምጦን ኣብ እንዳ ጐሓፍ ክትድርብዮን ከም ዝሓሰበት ሓበረት። ከምዝሃደመትን ካብቲ ግዜ
እቲ ንደሓር ከኣ ኣበይ ከም ዘላ ከም ዘይፈለጠት ከተምስል መደበት ።መየር ንዅሉ እቲ ናብ ቤት ፍርዲ እተወስደቶ
ተናዘዘት ካብ መወዳእታ 2023 ክሳዕ 3ይ መጋቢት 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን ፍርዳ ቀጸለ ።እቲ ፍርዲ ድማ ቀጸለ ኣብቲ
እዋን ማያር ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ እትኣትወሉ ዝነበረት እዋን ንኣቦ ካማር ደብዳበታት ክትህቦ ደጋጊማ ፈተነት ኣብ
መወዳእታኡ ነቲ ደብዳበታት ክትህቦ ከኣለት ይቕረ ኽብለላን ኣብ ክንዲ ናይ ሞት መቕጻእቲ ድማ ፍኹስ ዝበለ
ማእሰርቲ ክኾነላ ተማሕጸነት። ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝጸሓፈተን ደብዳበታት ፡ ጓለይን ንኣሕዋተይ ተኸናኸን ፡ ነብስኻ
ውን ተኸናኸን ኣብ ካልእ ደብዳበ ድማ ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ጽቡቕ ነገራት ኽዝክሮን ኣደ ጓሉ ምዃና ኺዝክርን
ሓተተቶ። ኣብ ሳልሳይ ደብዳበ ድማ ኣደይ ተዋሪዳ እያ ፡ ኣነ እውን ተዋሪደ እየ በለት ነፍሲ ወከፍ ደብዳበ ፡ ንኣቦ ካማር
እምንቲ ከም ዝዀነት ኸተእምኖ ከም ደለየት። ኵሉ እቲ ማያር ዝጸሓፈቶ ደብዳቤታት ንኣቦ ካማር ማለት ሰብኣያን
ነዲኣን ኣሕዋታን ጓላን ኣብ ኵሉ ከባቢኣን ዘሎ ሰብ ኣተኰረት። ንካማር ግና ጠቒሳታ ኣይትፈልጥን እያ። ኣብ ኵሉ
ደብዳቤታት በቲ ዝገበረቶ ነገር ይቕረታ ኣይሓተተትን ወይ ዝኾነ ጣዕሳ ኣይገለጸትን ኣብ ክንድኡ ኣብ ደብዳቤታታ
እንታይ ከምዘሕለፈት ተዛረበት፡ ኩሉ እቲ ትገብረኒ ዘለኻ ንካማር ንድሕሪት ስለ ዘይመልሳ ነዚ ፍርዲ ካብዚ ዝዓቢ
ኣይትግበሮ እንዳበለት። እቲ መጋባእያ ብ 2 መጋቢት 2024 ተከሳሲት ሜያር ኣል- ሑሴን ካብ 20 ታሕሳስ ክሳዕ 24
ታሕሳስ ኣብ ዘሎ መደብ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ክፍረድ ወሰነ ብ2 ታሕሳስ 2024 እቲ ናይ መወዳእታ ብይን ንሞት
ፈረዳ። እዚ ዛንታ ዘርኤና ነገር እንተሎ ቅንእን ነፍሰ ፍትወት ዘከትሎ
ሳዕቤን ገለ ኣዴታ ን ደቀን እምበር ን ካልኦት ሕጻናት ከምዘይ ርህርሃን ምስኪን ቕልዓ ካማር ምስ ወላዲታ እንተ ትነብር
እዚ ኩሉ ምተፈጥረ ዶ ሕቶ ነዓኩም።