
ቤት ፍርዲ ሴኡል ኣብ ልዕሊ እቲ ተኣጊዱ ዘሎ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዮል ብ3 ታሕሳስ ወተሃደራዊ ሕጊ ንምትግባር ብዝገበሮ ፈተነ ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣውጺእሉ።
እዚ ትእዛዝ ዝወጸ፡ እቲ ብኽሲ ናዕብን ክድዓትን ሓያሎ መርመራታት ዝገጥሞ ዘሎ ዩን፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ንሕቶ ንኽቐርብ ዝቐረበሉ ሰለስተ ጻውዒት ዕሽሽ ድሕሪ ምባሉ’ዩ።
ሰንበት ምሸት፡ መርመርቲ ንዩን ብናዕብን ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃምን ተኸሲሱ ትእዛዝ ማእሰርቲ ክወጽኣሉ ዝሓተቱ ኮይኖም እዚ ስጕምቲ እዚ ጠበቓኡ “ዘይሕጋዊ” ክብል ገሊጽዎ።
ደቡብ ኮርያ ካብቲ ንሓጺር እዋን ዝጸንሐ ኣዋጅ ወተሃደራዊ ሕጊ ንደሓር ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ትርከብ ሃገር ኰይና ዩንን ተካኢኡን ክልቲኦም ብባይቶ ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም።
ዩን ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ መጀመርታ ኣብ ስልጣኑ እንከሎ ማእሰርቲ ዘጋጠሞ መራሒ’ዩ።
መርመርቲ ነቲ ትእዛዝ ንምፍጻም ክሳብ 6 ጥሪ ግዜ ኣለዎም፤ ንኽናዋሕ ድማ ክሓቱ ይኽእሉ።
መርመርቲ ብጕጅለ ጸጥታኡን ሰልፈኛታትን ክፈሽሉ ስለዝኽእሉ ግን ነቲ ትእዛዝ ክፍጽምዎ ይኽእሉ ድዮም ኣይክእሉን ንጹር ኣይኰነን።
ኣገልግሎት ጸጥታ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ መርመርቲ ናብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ናብ ናይ ብሕቲ መንበሪ ዩንን ብምእታው ብቤት ፍርዲ ዝጸደቐ ፍተሻ ከይገብሩ ዓጊትዎም ነይሩ።
ትማሊ ሰኑይ ጕጅለ ሕጊ ዩን፡ ወተሃደራዊ ሕጊ ምእዋጅ ሕገ መንግስታዊ መሰል እቲ ፕረዚደንት ስለዝዀነ፡ መርመርቲ ክኣስርዎ ስልጣን ከምዘይብሎም ገሊጾም።
ዩን ኣቐዲሙ ንውሳነ ወተሃደራዊ ሕጊ ምእዋጅ ዝተኸላኸለ ኰይኑ “ክሳብ መወዳእታ ክቃለስ” ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ – ዋላ’ኳ ካብ ሕጋውን ፖለቲካውን ሓላፍነቱ ከምዘይርሕቕ እውን እንተገለጸ።
ጠበቓኡ ዩን ጋፕ-ገን፡ ዩን ነቶም ኣቐዲሞም ዝተገብሩ ሰለስተ ጻውዒት ዘየኽበረሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ “ሕጋዊ ስክፍታታት” ምዃኑ ገሊጹ።
ዩን ዝርከበሉ ቦታ ብወግዒ ዝፍለጥ’ኳ እንተዘይኰነ ካብታ ሃገር ንኸይወጽእ ግን ተኣጊዱ’ሎ።
ኣባላት ባይቶ ደቡብ ኮርያ ካብ ስልጣኑ ክእለ ድሕሪ ምድማጾም ካብ 14 ታሕሳስ ጀሚሩ ካብ ፕረዚደንታዊ ስርሑ ተኣጊዱ ዝርከብ ኰይኑ ጠቕሊሉ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝኽእል ግን ብሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ቀጻሊ እንተዀይኑ ጥራይ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ትሽዓተ ኣባላት ዝሓቘፈ ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርዲ ሽዱሽተ ዳያኑ ጥራይ እዮም ዘለዉ። እዚ ማለት ሓደ ዳይና ነቲ ዝቐረበ ክእሲ ነጺግዎ ኣሎ ማለት ዩን ካብ ስልጣኑ ካብ ምውጋድ ናይ ምድሓን ተኽእሎ ኣለዎ ማለት እዩ።
ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶ፡ ምሕጻይ ሰለስተ ተወሰኽቲ ዳያኑ፡ ዩን ካብ ስልጣኑ ናይ ምእላይ ተኽእሎኡ ክዓቢ ተስፋ ገይሮም’ኳ እንተነበሩ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ግን እማመኦም ብቀዳማይ ሚኒስተር ሃን ዳክ-ሱ ቅቡል ከይኰነ ተሪፉ’ዩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ተቓወምቲ ነቲ ዩን ካብ ስርሑ ምስ ተኣገደ ግዝያዊ መራሒ ኰይኑ ዝቐጸለ ሃን ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ኣድሚጾም።
ሕጂ ድማ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ግዝያዊ ፕረዚደንትን ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ሚኒስተር ፋይናንስ ቾይ ሳንግ-ሞክ’ውን ከምኡ ክገብሩ ምዃኖም የፈራርሑ ኣለዉ።