ትግራይ፡ ‘ብልዕቲ ክልቲኡ ጾታ ሒዘ ብምውላደይ ተነጺለን ተዓሚጸን’

ጓል 28 ዓመት ንግስቲ ኣሰፋ፡ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት፡ ብስድራ ቤታ ይኹን ሕብረተሰብ ከባቢኣ ተነጺላን ተጐዲኣን እያ።

ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝዓረፈ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ከኣ ብሰንኪ ጐረባብታ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኰይና።

ንግስቲ ኣሰፋ፡ ንኣፈጣጥራኣ ክትገልጽ እንከላ፡ ወርሓዊ ጽግያት ከምዘይመጽኣ፡ ኣጥባታ እውን መሊአን ከም ዘይዓበያ፡ ተኽለ ሰብነታ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ምዃኑን ከም ሰባ ከምእትቑነን ግን ከኣ ኣካላዊ ድልዳለ ከም ዝጐድላ ትዛረብ።

እቲ ብ2011 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ብሕክምና ዝተኣልየላ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ምስ ሰብነታ ከም ዘይዓበየ ትዛረብ።

“ሰባት ኣብ ዘይግቡእ ቦታ ክሕዙኒ፡ ከሳቕዩኒ ስለ ዝፍትኑ ተገሊለን ሰጊአን’የ ክነብር ጸኒሐ። ገዛይ’ውን ሰዓት 11፡00 (ሰዓት ሓሙሽተ ብፈረንጂ) እየ ዝዓጽዎ። ብጸርፍን ምንሻውን ስነ-ኣእምሮይ ተሃስዩ ‘ዩ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

‘ኻንሾ ኻንሾ ይብሉኒ’

ንግስቲ ኣሰፋ፡ ጓል 13 ዓመት እንከላ እያ ካብ ስድርኣን መተዓብይታን ርሒቓ ኣብ ትግራይ ወረዳ እምባ ኣላጀ ከተማ ዓዲሾ ክትነብር ጸኒሓ።

ንሓዳር ዝሓጸዩዋ ሰባት፡ ንሽምግልና ጐረባብቲ ምስ ለኣኹ፡ ‘ንሳ ድኣ፡ ሕምምቲ እንድያ’ ኢሎም ክመልሱዎም እንከለው ቈልዓ ትሸዓተ ዓመት ከም ዝነበረት ትዝክር።

ኣብቲ ግዜ፡ ኣብ ትምህርታ ጸብለል ዝበለት ነይራ።

ብፍላይ ብዓውዲ ትምህርቲ ሒሳብ ንፍዕቲ ብምንባራ ወትሩ ብልጫ ትወስድ ምንባራ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ገሊጻ።

ብፍላይ ብቑጽሪ ንዝደኸማ መሓዙታ ደቂ ኣንስትዮ ትሕግዝ ብምንባራ፡ መምህራና፡ “መምህር ንግስቲ” ይብሉዋ ነይሮም።

‘ንግስቲ ንሕጸ ኣይትበቅዕን’ያ’ ዝብል ዘረባ ካብ ስድራ ቤቶም ዝሰምዑ መጓስይታ ቑልዑ ጐረባብቲ፡ ንግስቲ፡ “ኻንሾ ኻንሾ’ያ”፡ ፍርቃ ፍርቂ እያ እናበሉ፡ ክሓምዩዋ ትሰምዕ ነይራ።

ነቲ ኣብ ገዛን በረኻን ዝውጋዕ ሕሜታ ከኣ ተማሃሮ ኣብ ጸሊም ሰሌዳ ብምጽሓፍ የባጭውላ ነይሮም። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ክትንጸልን ክትሸማቐቕን ስለ ዝጀመረት፡ ካብቲ እትነብረሉ ጣብያ/ወረዳ ርሕቕ ናብ ዝበለ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ትምህርታ ክትቕጽል ፈቲና። እንተዀነ ኣብኡ እውን ሓምሻይ ክፍሊ ምስ በጽሐት ከተቋርጽ ተገዲዳ።

“ድሕሪኡ ምስ መሓዛ ኰነ ምስ ሰብ ክቐርብ ኣይክኣልኩን። ብሰንኪ እቲ ዝወርደኒ ጸርፊ፡ ንብረተይ ንዝወሰደለይ ዝዀነ ሰብ እኳ፡ እዚኣስ ናተይ እያ ኢለ ክማጐት ዘይክእል ኰይነ” ትብል።

ስድርኣ’ውን ነቲ ኣፈጣጥርኣ ከም ሓጢኣት ስለ ዝቘጸሩዎ፡ ንውላዶም ኣርሒቘም ማሕበረሰብ ንዝህቦምን ዝኸልኦምን ‘ክብሪ’ ክውንዘፉ መሪጾም።

“መዳሕንተይ እዩ ብኽብሪ ተቐቢሩ እምበር ንዓይሲ ቁሊሕ ዝበለኒ የብለይን” ብምባል ንብዙሕ ስነ-ልቦናዊ ሃሰያ ከም ዝተቓልዐት ተዛሪባ።

ንግስቲ ከኣ ካብ ቁልዕነታ ኣትሒዛ ክትንጸል ተገዲዳ። ሽዑ ጓል 13 ዓመት ነይራ።

ሰባት ክትሕከም ትኽእል እያ ክብሉ ትሰምዕ ብምንባራ፡ ከም ቅድሚ 15 ዓመታት ናብ መቐለ ከይዳ።

“እንታይ እየ ክኸውን ዝብል ከቢድ ሻቕሎት ስለዝነበረኒ፡ ንህይወተይ ባዕለይ ካብ ዘሕልፋ፡ መጥባሕቲ ክገብር እንተሞትኩ ይሓይሽ ብምባል ትዕድልተይ ክቕበል ናይ ሪፈራል ወረቐት ሒዘ ናብ ሕክምና ከይደ” ብምባል ሕክምናዊ መጥባሕቲ ክግበረላ ከም ዝወሰነት ገሊጻ።

‘ብጥቆማ ሰባት ጾታዊ ዓመጽ በጺሑኒ’

ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕትን ዓመጽን ኰይነን እየን።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ብዝተሳተፉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራት ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረጉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

ንግስቲ፡ ብ21 ሕዳር 2013/ ብፈረንጂ 2020 ዓ.ም ናብቲ እትነብረሉ ዓዲ ብዝኣተው ወተሃደራት ኢትዮጵያ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝዀነት ትዛረብ።

“ደቂ ዓደይ እዮም ጠቊሞምኒ፤ ሰብኣይ ዘይብለይ ክነሰይ ሰበይቲ ሚሊሻ’ያ ኢሎም ወተሃደራት ናብ ገዛይ ከምዝመጽኡ ገይሮም። እቶም ወተሃደራት ‘ሰብኣይኪ ኣምጽኢ’ ይብሉኒ፤ ኣነ ግን ናይ ማህጸን ጸገም ስለ ዘለኒ ሰብኣይ የብለይን ይብሎም”።

ንግስቲ፡ ብሰንኪ እቲ ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ኵነታታ ሓዳር ኣይገበረትን።

“ድሕሪኡ፡ ዓለባይ ቀሊዖም፡ ‘ብካራ’ዶ ክንቀዶ?’ እናበሉ ከባጭው፡ ኣፍ ብረት ከእትውለይ ክፍርኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሰለስተ ኰይኖም ብመቐመጫይ ተጋሲሶምኒ። ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ መቐመጫይ ንደገ ተገልቢጡ እዩ ጸኒሑ። እቲ ናይ ሽንትን ቀልቀልን መስመር ብሓደ ስለ ዝዀነ ሽንቲ ምቁጽጻር ኣብዩኒ፡ መግሊ እዩ ዝፈስስ ነይሩ” ትብል።

ብሳዕቤኑ ከኣ ሽንቲ ክትቈጻጸር ከም እትጽገም፡ ሽንቲ ክመጽኣ እንከሎ ድማ ብስሪንጋ ብምምጻይ ከተወግዶ ከም እትፍትን ሓቢራትና።

“እቲ ሕብረተሰብ ስለ ዝስከፈኒ፡ ብወተሃደራት ጥራይ ዘይኰነ ብመጻምደተን እውን ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ’ዶ? ዝብል ብምምሕዳር ክጽናዕ ኣለዎ ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ እቶም ጣብያ ኣጽንዑኒ ምስ በልኵዎም፡ ‘እንታይ ሃልዩኪ’ዩ ክትዕመጺ ኢሎም’ ኣጋፊዖምኒ” ክትብል ትኸስስ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ነብሰ ቅትለት ክትፍጽም ከም ዝሓሰበት ብምግላጽ፡ ብተደራራቢ ጸገማት ንከቢድ ስነ-ልቦናውን ኣካላውን ስምብራት ተቓሊዓ ከም እትርከብ ተዛሪባ።

“ሕብረተሰብና፡ ኣይኰነን ንኸማይ ዝበለ ፍጡር፡ ስንክልና ዓይኒ፡ ኢድን እግርን ንዘለዎ ሰብ’ኳ ‘ኣንታ ቈራይ’ እንድዩ ዝብሎ?” ብምባል ንዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ኵነታት ከም ጉድኣት ኣካል ክትቘጽሮ ከም ዝተገደደት እያ ትገልጽ።

“ንስኺ፡ ንቡርን ኣብ ካልኦት’ውን ዘጋጠመን ኣፈጣጥራ’ዩ ትብልኒ ኣለኺ እምበር፡ ኣነስ ኣይመስለንን። ናይ እማን ሓጢኣተኛ ግዲ’የ? እየ ዝብል። ኣብ ትግራይ ቈልዓ ምውላድ’ዩ ቁም ነገር ዘለዎ ዝመስሎ እምበር፡ ደው ዝበለ ሰብ ቁም ነገር ኣለዎ’ዩ ኢሉ ዝኣምን ሰብ የለን” ብምባል ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ድሑር ግንዛበታት ዘሕድሮ ጽልዋ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝዀነ ትዛረብ።

ሰባት ብኸመይ ክልቲኡ ጾታ ሒዞም ይውለዱ?

ውሑዳት ሰባት፡ ናይ ክልቲኡ ጾታ ብልዕቲ ሒዞም ክውለዱ ይኽእሉ’ዮም።

ዶ/ር ሃሌ ተካ፡ ኣብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል መቐለ ተሓባባሪ ፕሮፌሰርን ስፔሻሊስት ሕክምና ጥንስን ሕማማት ማህጸንን እዩ።

ብተፈጥሮ ወይ ጾታ ኣብ ምድቓል [ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ወይ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ ኣብ ዝግበር] ምትሕውዋስ ዘርኢ ጓል ኣንስተይቲን ወዲ ተባዕታይን ድማ ጾታ ይውሰን ይብል።

ዶ/ር ሃሌ፡ መጀመርታ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ኤክስ-ኤክስ ክሮሞዞም (XX) ክህልወን እንከሎ፡ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኤክስ-ዋይ (XY) ክሮሞዞማት ከም ዝህልዎም የረድእ።

ኤክስ ወዲ ተባዕታይን ኤክስ ጓል ኣንስተይቲን እንትዳቐል ‘ኤክስ-ኤክስ’ ዝሓዘ ድቂ ይፍጠር። ክሮሞዞም ዋይ ወዲ ተባዕታይ ምስ ክሮሞዞም ኤክስ ጓል ምስ ዝዳቐል ድማ ‘ኤክስ-ዋይ’ ዝሓዘ ድቂ ይፍጠር።

ኣብ ዋይ ክሮሞዞም ዝርከብ፡ ኤስ-ኣር-ዋይ (SRY) ዝተባህለ ጂን ኣብ ደቂ ሰባት ይኹን ካልኦት መጥወብቲ እንስሳት ጾታ ዝውስን ይኸውን።

እዚ ማለት ‘ኤስ-ኣር-ዋይ’ እንትህሉ ዝፍጠር ዕሸል ወዲ ተባዕታይ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኣብ ዘይህልወሉ ዝፍጠር ዕሸል ጓል-ኣንስተይቲ ይኸውን።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ “ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ንምዃን ዝውስን ነገር ኣብ ዋይ ክሮሞዞም ዝርከብ ኤስ-ኣር-ዋይ ዝተባህለ ጂን እዩ” ክብል ዶ/ር ሃሌ የረድእ።

እዚ ብቐሊሉ ንምርዳእ፡ ኤክኤስ ዝሓዘ ድቂ ጀነቲካዊ ጾታኡ ጓል ኣንስተይቲ እንትብሃል ኤክስዋይ ዝሓዘ ድቂ ድማ ጀነቲካዊ ጾታኡ ወዲ ተባዕታይ ይብሃል።

እዚ ጀነቲካዊ ምውሳን ስርዓተ-ጾታ ክሳብ ሻብዓይ ሰሙን ዘሎ ዝውሰን ኰይኑ፡ ድሕሪ ሻብዓይ ሰሙን እቲ ድቂ ዝህሉ ምውሳን ጾታ ኣካላዊ [ፎኖፒክስ] ከም ዝብሃል ይሕብር።

“ጀነቲካዊ ጾታ ዝብሃል፡ ካብ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ማህደር እንቋቑሖ ዝወጽአት እንቋቑሖ ዝሓዘቶ ኤክስ ኤክስን ካብ ወዲ ተባዕታይ ዝወጽአ ኤክስዋይን ዘለዎ ዘርኢ ካብ ሓዲኦም እንትዳቐሉ ዝፍጠር ጀነቲካዊ ወይ ተፈጥሮኣዊ ጾታ ይብሃል” ይብል።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ዘርኢ ክልቲኡ ጾታ ሒዞም ዝውለዱ ሰባት፡ ሕውስዋስ ክሮሞዞማት ክልቲኡ ጾታ ሒዞም ክውለዱ እንከለው ዘጋጥም ምዃኑ ዶ/ር ሃሌ ኣረዲኡ።

እዚ ማለት ዋህዮታት ፍረ ነብሲ ኤክስ ዋይ፡ ማህደር እንቋቑሖ ክኣ ኤክስ ኤክስ ይህልዎም ማለት እዩ።

“እዚኦም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ኣብ ዝዀነ ከረጢት ተሓዋዊሶም ዝርከቡ እንተዀይኖም ሓሓሊፉ ከኣ፡ ሓደ ፍረነብስን ሓደ ማህደር እንቋቑሖን፡ ነንበይኖም ክህልው ይኽእሉ። ስለዚ ኣብ ደገ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ብልዕቲ ይህልዎም፤ ናይ ወዲ ተባዕታይ ከኣ ይህልዎም። ኣብቲ ንዘርኢ ዝውስኑ ከኣ ሓንቲ ማህደር እንቋቑሖ ኣብ ውሽጢ ከብዲ ትህሉ፡ ኣብ ደገ ድማ ፍረነብሲ ወዲ ተባዕታይ ይህልዎም” ክብል እቲ ክኢላ ገሊጹ።

ማህደር እንቋቑሖ ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ከብዲ እዩ ዝርከብ። ስለዚ እቶም ኣካላት ብኣግባር ብማዕረ ዓብዮም እዚ ወዲ’ዩ ወይ ጓል እያ ዘይክብሃሉ ይኽእሉ’ዮም።

ስለዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዋህዮታት ፍረ ነብሲን ማህደር እንቋቑሖን ኣብ ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ከረጢት ብሓባር ተሓዋዊሶም ዝርከቡ እንተዀይኖም፡ ከምኡ’ውን ዓርሶም ዝኽኣሉ ዝማዕበሉ ሆርሞናት ስለ ዘይብሎም፡ ብዝህሉ መጠን ሆርሞናት ምውሓድ ወይ ምዝባዕ፡ ክልቲኡ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ኰይኖም ክፍጠሩ ይኽእሉ ማለት እዩ።

ሓደ ዕሸል፡ ክውለድ እንከሎ ዘዛብዕ ዓይነት ጾታ [ናይ ክልቲኡ ኣካል] እንትህልዎ፡ እቲ ዘዋልድ ክኢላ ጥዕና ኣብ ጾታ እቲ ዕሸል ምሉእ ንምሉእ ክውስን ከም ዘይክእልን፡ ንስድራ ብምምኻር ስነ-ልቦናዊ ምኽሪ ብምርካብ ዝስመዖኦምን ዝደልዩዎን ጾታ ንክህልዎም ከምዝውስኑ ከም ዝግበርን ዶ/ር ሃሌ የረድእ።

“መራብሒ ኣካል ( ብልዕቲ ደቂ ሰባት) ዝብሃል ኣብ ደገ ጥራይ ዝርአ ኣይኰነን። ንኣብነት ወዲ ተባዕታይ ኣብ ደገ ብልዕቲ ሃልዩዎ ኣብ ውሽጢ ከኣ ብኣልትራሳውንድ ወይ ካልኦት ምስሊ ዘርእዩ መሳርሒታት ክርአ እንከሎ፡ ቈልዓ ዝዓብየሉ ማህጸን ክህልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ቤተ ሰብ ብምዝርራብ እንታይ ኰይኑ ይዕበ ዝብል ምውሳን ይክኣል እዩ”።

ምስ ዓበዩ ድማ፡ ጾታ ክውስኑ ይኽእሉ።

እቲ ውሳነ፡ ወዲ ተባዕታይ ኰይኑ ይዕበ ዝብል እንተዀይኑ እቶም ደቂ ኣንስትዮ ዘምስሉ [ንኣብነት ሆርሞን ኦቫሪ ወይ ማህደር እንቋቑሖ] ዋህዮታት ብመጥባሕቲ ክወጽኡ ኣለዎም።

ዶ/ር ሃሌ ከም ዝብሎ እንተዀይኑ ግን፡ ኣብ ደገ ዝርአ መራብሒ ኣካል ኣይኰነን ናይ ሓደ ወዲ ሰብ ጸታ ዝውስን።

“እቲ ብደገ እንሪኦ ብልዕቲ ዝመስል ጥራይ ስለ ዘወገድካ እቲ ሰብ ናብ ወዲ ይዓቢ ማለት ኣይኰነን፤ ናይ ወዲ ተባዕታይ ደጋዊ ኵነታት ዝውስኑ እቲ ኣብ ደገ ብዓይኒ እንሪኦ ናይ ወዲ ተባዕታይ ብልዕቲ ኣይኰኑን። እቶም ሆርሞን ዘመንጭዩ’ዮም ዝወስኑ። ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ሆርሞን ዘፍሪ ቴስቲስ’ዩ ዝብሃል- ከረጢት ፍረነብሲ። ጓል ኰይና ንክትዓቢ ድልየት እንተሃልዩካ እዚ ክውገድ ኣለዎ”።

እቲ ደጋዊ ዝርአ ጥራይ ድማ፡ ጠቕላላ ናይቲ ስርዓት ምርባሕ ወዲሰብ ክቕየር ኣይክእልን።

ድሕረት ዝዓናቐፎ ባህጊ ንግስቲ

ሕጂ ንግስቲ፡ ሰባት ኣብ ዘይግቡእ ቦታታት ክተናኽፉዋ ስለ ዝፍትኑ፣ ብመቐመጭኣ ዝተዓመጸት እናበሉ ስለዘባጭውላ ውሕስነት ኣይስምዓን።

ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ብረት ዝሓዙ ብምዃኖምን ልዑል ስግኣት ጸጥታ ብምህላውን ከኣ ብቐሊሉ ግዳይ ካልእ ዓመጻት ከይትኸውን ትሰግእ።

“ሕዚ ብፍርሒ ማዕጾ ገዛይ’ኳ ሰዓት 11፡00/ ሰዓት ሓሙሽተ ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ እየ ዝዓጽዎ። [እንተተኻኢሉ] ዝዀነ ሰብ ከም ድላዩ ኣብ ዘይጸርፈካ፡ ግዝኡ ኣብ ስራሕ ዘሕልፍ ሰብ ኣብ ዝነብረሉ፡ ኣብ እትራኸበሉ ሰዓት ሰላምታ እምበር ስነ ኣእምሮ ሰብ ዘይነክእ ነገራት ዘይዛረብ ሕብረተሰብ ኣብ ዝርከቦ ከባቢ ክነብር ይምነ፤ ማዕጾኡ ሰብ ክነቕሎ ዘይኽእል ገዛ ክህልወኒ ከኣ ይደሊ” ትብል።

ንግስቲ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ማሕበራዊ ርክባ ኣዝዩ ከም ዘንቈልቈለ ገሊጻ።

” ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ገዛ ተዀርምየ እየ ዘሕልፎ!” እትብል እዛ ውልቀሰብ፡ ሓሓሊፉ ግዜኣ ኣብ ከባቢኣ ጥሪት ምስ ዝጓስዩ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ከም እተሕልፎ ትዛረብ።

“ዘስሕቐኒ ሰብ ስለ ዘደሊ፤ ንሳቶም ከኣ ብዛዕባ ከምዚታት ዝፈልጡዎ ነገር ስለ ዘይብሎም ንኣእምሮይ ዝጐድእ ዘረባ ስለ ዘየምጽኡለይ፡ ምስኦም ክጻወት ይመርጽ” ትብል።

እዛ ብትምህርታ ንፍዕቲ ዝነበረት ንግስቲ፡ ከም ኣጀማምራይ እንተዝዀነለይ ነይሩ ሓንቲ ካብቶም ናብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ ኣትዮም ዝሓሸ ዕድል ትምህርቲ ዝረኽቡ ቈልዑ ትግራይ እየ ምዀንኩ ነይረ ብምባል ብሓዘን ኣዕሊላትና።

“8ይ ክፍሊ እንተዝበጽሕ ቀላሚኖ ክኣቱ’የ ዝብል ግምት ነይሩኒ። ተማሂረ ድማ ጕድኣት ኣካልን ደቂ ኣንስትዮን እታ ኣነ ዝሓልፋ ዘለኹ መከራ ንከይርእዩን ብሞያ ዘገልግለሉ ዓቕሚ ክፈጥር ባህጊ ነይሩኒ”

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×