ቤላቤለው ‘ዮም ዝተባህሉ እንተኾነ ግን ብርግጽ ሓቂ ዝኾኑ 20 ዓበይቲ ምስጢራውያን ፍጻመታት!!

ንሎሚ 20 ካብቶም ኣዝዮም ዘገርሙ ገሊኦም ውን ሓሶት ዝመስሉ ጸኒሖም ሓቂ ከም ዝኾኑ ዝተረጋገጸሎም 20 ናይ ውዲት ክልሰ ሓሳባት ክንርኢ ኢና። መበል 20 ሰብ መዚ ናዚ ንሂትለር ክቀትልዎ ፈቲኖም። ኣብ ግዜ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንኣዶልፍ ሂትለር ንምቅታል ብዙሕ ፈተነታት ተኻይዱ ኔሩ እዩ። እታ ካብዚ ኩሉ ህብብቲ ዝኾነት ብኦፐሬሽን ቫልከሪ ወይ ውን ትዌንቲዝ ኦፍ ጁላይ ፕሎት ተባሂሉ ትፍለጥ ፈተነ እያ። ኣባላት ናይ ጀርመንስ ረዚዝስታንስ ዝተባህለ ጉጅለ ሂትለር ናብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘ ዎልፍስ ምብጻሕ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ናይ ቦምብ መጻወድያ ኣዳለዉሉ። ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ጀርመን ችላውስ ቮን ክላስፈንጀር ነታ ቦምብ ብዕዉት ኣገባብ ከጻውዳ እንከሎ ንመራሒ ናዚ ክትቀትሎ ግን ኣከኣለትን እቲ ስርሒት ፍሹል ነበረ። እቲ ካልእ ክፋል ናይቲ ትልሚ እቲ ዲክታተር መራሒ ኣብ ዘየለወሉ እዋን ንመርሒነቱ ምቁጽጻር ነበረ። እንተኾነ እቲ ሽርሒ ጌና ኣብ መደብ እንከሎ ስለዝፈሸለ ኩሎም ሃንደስቱ ብሰፊሕ ከም ዝቅንጸሉ ተገብረ። ነዚ ፍሹል ስርሒት ብሰፊሑ ትገልጽ ዘ ቫልከሪ ትብል ፊልም ውን ተሰሪሓ ንረኽባ። ቁጽሪ 19 ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ገይ ቦምብ ኣማዕቢሉ። ንሓደ ኣብ ምዝሓል ዝርከብ ሰራዊት ኣብ ክንዲ ኣዕናዊ ተባራዒ ምፍናው ከመይ ጌርካ ሙሉእ ብሙሉእ ተዕንዎ ንዝብል ሕቶ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ሓደ ዘይተሓስበ ኣማራጺ እዮም ኣምጺኦም። ተመራመርቲ ካብ ቀታሊ ቦምብ ምፍናው ሓደ ብናይ ፌረሞን ሕውስዋስ ዝመልአ ዘይተጓዳኢ ቦም ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት መቀናቅንታ ክድርብዩ እዮም ሓሲቦም። እዚ ቦምብ ወላ እኳ ኣብ ዓውደ ኲናት እንተዘይወዓለ ወተሃደራት ኣብ ክንዲ ዝታኾሱ ንሓድሕዶም ብግብረ ስጋ ከም ዝደላለዩን ኣድህብኦም ከም ዝሰሓቡን ዝገብር እዩ ኔሩ። ቁጽሪ 18 ስርሒት ሜኑ። ውግእ ቬትናም ነተን ኣብ ደቡባዊ ምብራቅ ኤስያ ዝርከባ ከም በዓል ካምቦድያ ዝኣመሰላ ሃገራት ጸልይወን እዩ። ወተሃደራት ሰሜን ቬትናም ኣብ ግዜ እቲ ኲናት ንምብራቃዊ ክፋል ካምቢድያ ከም ቀረብ መዓስከራት ይጥቀምሉ ነበሩ። እዚ ተግባራት ኣሜሪካ ንገለ ክፋል ካምቦድያ ንክትድብድቦ ዘገድድ ነበረ። ካብ 1969 ክሳብ 1970 ድማ እዚ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ምስ ቬትናም ዝዳወብ ክፋል ካምቦድያ ብኸቢድ ቀጸለ እሞ ንኹሉ እቲ ከባቢ ከመዛብሎ ከኣለ። እዚ ተግባራት ኣዝዩ ኣካታዒ ነበረ ምኽንያቱ ካምቦዳውያን ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ዘይብሎም ብሙዃኖምን ብተወሳኺ እዚ ስርሒት ብምስጢር ይካየድ ብምንባሩን ኣብ ልቢ ካምቦዳውያን ዓቢ በሰላ ክፈጥር እዩ ክኢሉ። ነዚ ብዕምቆት ትገልጽ ኣብ 2000 ዓም ብ ዲክላስፊኬሽን ዘርእስታ ፊልም ተሰሪሓ ነበረት። ቁጽሪ 17 ኣሜሪካ ምስ ቅድም ሳይንቲስት ናዚ ዝነበረ ሰብ ሰሪሓ። ወላ እኳ ሓይልታት ኪዳን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ስዒረን እንተወጻን ንኹሎም እቶም ናይ ናዚ ገበነኛታት ኲናት ናብ ፍርዲ ከም ዝቀርቡ ይግበራን ኣሜሪካ ግን ጀርመናውያን ተመራመርቲ ኣብ ስራሕ ካብ ምውዓል ኣይተቆጠበትን። እዞም ምሁራን ጸኒሖም ኣብ ምምዕባል መደባት ጠፈር ኣሜሪካን ኣብ ግዜ ዝሑል ኲናት ዓለም ካልኦት ወተሃደራውያን ምምሕያሻትን ዘይነዓቅ ተራ ተጻዊቶም እዮም። ዝበዝሑ ካብዚኦም ምስ ናዚ ኣዝዩ ጥቡቅ ዝኾነ ዝምድን ደገፍን ዝነበሮምን ብሙዃኖም ነዚ ጉዳይ ኣካታዒ ይገብሮ። ሕብረት ሶቭየት ውን ነቲ ናይ ድሕረ ኲናት ምምሕያሽ ሓይሎም ናይ ምምዕባል መደቦም ተመሳሳሊ ሜላ እዮም ተጠቂሞም። ብናይ ኣሜሪካ ወገን ቨርነር ቮን ብሮን ኣብ ሞደርን ሮከሪን ስፐይስ ትራቨልን ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ሰባት ክኸውን ክኢሉ እዩ። ቁጽሪ 16 ውዲት ዕልዋ ቢዝነስ። እቲ ብውዲት ቢዝነስ ዝፈለጥ ስርሒት ንፕረዚደንት ፍራንክሊን ዲ ሩዝቨልት ንምዕላው ዝሓለነ ውዲት እዩ ኔሩ። እዚ ጉዳያ ኣዝዩ እከይ ዝመልኦ ውዴት እኳ እንተነበረ ክሳብ እቲ ጥሮተኛ ጀነራል ስሜዲ ባትለር ቃለ ኑዛዜ ሂቡ ዘቃልዖ ብስቱር ተታሒዙ ነበረ። ባትለር እቲ መበል 32 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ብጡረተኛታት ወተሃደራት ዝቆመ ጉጅለ ብምምስራት ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ ከም ዝተኣዘዘ እዩ ዝገልጽ። ወላ እኳ እዚ ጀነራል ነዚ ጉዳይ እንተቃልዖ ብዙሓት ወገናት ግን ብዛዕባ ሓቅነት እዚ ጉዳይ ክተኣማመኑ ኣይከኣሉን። ኣቦ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ፕረስኮት ቡሽ ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ከም ዘለዎ እዩ ዝንገረሉ። እንተኽዕነ ነዚ ዘረጋግጽ ጭቡጥ መርትዖ የለን። እታ ዴቪድ ኦ ሩሰል ትብል ፊልም ነዚ ስርሒት ብልቢ ወለዳዊ መልክዑ ትገልጾ ፊልም እያ።

 ቁጽሪ 15 ስኑዕ ቃለ እምነት ኲናት ጋልፍ

ኲናት ጋልፍ ብቅሉዕ ወራር ዒራቅ ኣብ ልዕሊ ክውየት ዝጀመረ ኲናት እዩ። ኣሜሪካ ዝተፈላለየ ምኽንያት ብምጥቃም ኣብዚ ኲናት ኢዳ ከተእቱ ክኢላ እያ። ሓደ ካብዚ ምኽንያታታ ቃል ምስክር ናይ ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ነበረ። እዛ መንእሰይ ናየራ ትበሃል ኮይና እቲ ዘቅረበቶ ዕሸላት ካብ ኢንኲቤተር ወጺኦም ይድርበዩ ኣለዉ ዝብል ቃለ እምነት ንዜጋታት ኣሜሪካ ኣብ ምእማን ጽቡቅ ተራ ክጻወት እንከሎ ኣሜሪካ ናብቲ ኲናት ንክትጽንበር ድማ ዓቢ ምኽንያት ኮና። እዚ ታሪኽ ንፕረዚደንት ጆርጅ ዳብሊው ቡሽን ካልኦት ወተሃደራውያን ኣካላትን ዓቢ መበገሲ ነጥቢ ክኾኖም ከኣለ። እዚ ግን ጸኒሑ ሓሶት ሙዃኑ ተፈልጠ ምኽንያቱ ናዪራ ጓል ኣምባሳደር ኩውየት ኣብ ኣሜሪካ ሙዃና ተቃልዐ። ዝኾነ ዓይነት ገበን ዘይረኣየት ኣብ ርእሲ ሙዃና ኣብቲ ግዜ ውን ኣብ ኩውየት ከም ዘይነበረት ተረጋገጸ።

 ቁጽሪ 15 መጽናዕቲ ታስኪኢ

ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካን ሜዲሲን ኣዝዮም ዘፍርሑ ገጻት ኣብ ታስኪኢ ኢንስቲቱሽን ኣልባማ ተፈጥረ። ሓደ ምርምራዊ መጽናዕቲ ንጸለምቲ ኣሜሪካውያን ነጻ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ንክህቦም ንሳቶም ድማ ኣብ ሓደ ምስጢራዊን ዘይስነምግባራውን ምጽናዕቲ ንክሳተፉ ዝዕድም ነበረ። እዚ መጽናዕቲ ንገለ ካብቶም ተሳተፍቲ እቲ ምደብ ሕማም ፍንጣጣ ከም ዘለዎም ብምሕባእ ብስቱር ክከታተሎም ወሰነ። ካብ መላእ ጥዕናውያን ኣካላት ኣሜሪካ ዝተዋጽኡ ተመራመርቲ ንሕማም ፍንጣጣ ብዘይ ዝኾነ ሕክምና ስቅ ኢልካ ምስ ትርእዮ ክስዕብ ዝኽእል ነገር ንምዕዛብ ነቶም ልኹፋት ኣባላት እዚ መጽናዕቲ ብዘይ ሕክምና ስቅ ኢሎም ክከታተልዎም ጀመሩ። እቲ ግዜ ፐንስሊን ነዚ ሕማም ከሕዊ ዝኽእል መድሃኒት ከም ዝኾነ ብሰፊሑ ክእመነሉ ዝጀመረ ግዜ እዩ ኔሩ። እዚ ጉዳይ ብመዲካላዊ ኮሚኒቲ ዝተፈጸመ ዘይተጋነነ ነገር ኣብ ርእሲ ሙዃኑ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሄልዝ ስይስተም ናይታ ሃገር ውን እምነት ከም ዘጥፍእ ጌሩዎ እዩ። ንሰባት ከም መመርመሪ ሳይንሳዊ ፈተነ ምጥቃም ዘይስነምግባራዊ ኣብ ርእሲ ሙዃኑ ዘይሰብኣዊ ውን እዩ ክብል ሓደ ካብቶም በዚ ጉዳይ ዝተጠቅዑ ወገናት ይገልጽ።

ቁጽሪ 13 ስርሒት ኮንዶር

 ኣብዛ ነጥቢ ሲኣይኤ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካ ደቡብ ኣሜሪካ ኣጽዩ ሰፊሕን ጸላውን ተራ ከም ዝነበሮ ክንርኢ ንኽእል። ስርሒት ኮንዶር ነቶም ዲክታተር መራሕቲ  ከም በዓል ኣርጀንቲናን ቺለን ዝኣመሰላ ሃገራት  ብምድጋፍ ዝተገብረ ንቅርጺ መሬት እዘን ሃገራት ሙሉእ ብሙሉእ ዝቀየረ ስርሒት እዩ። ኣሜሪካ ንዕልዋ መንግስቲ ዝተፈላለያ ሃገራት እዛ ኣህጉር ብፋይናንሳዊ መዳይ ትድግፍ ነበረት። እቲ ብትካላት ስለያ ኣሜሪካ ዝተፈጸመ ተግባራት ኣብ ልዕሊ እዘን ሃገራት ክምለስ ዘይከኣል ዕንወት እዩ ኣስዒቡ ሂወት ኣሽሓት ሰባት ድማ ጠፊኡ። ፕረዚደንት ቢንክሊንተን ብዛዕባ እዚ ስርሒት ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት እዩ ኣቃሊዑ። ናይዚ ስርሒት ጽልዋ ኣብተን ዝበጽሐን ሃገራት ክሳብ ሎሚ ጽልውኡ ይቅጽል ኣሎ።

ቁጽሪ 12 ቦሂሚያን ግሮቭ

ብዛዕባ ምስጢራዊ ማሕበረሰብን ካንትሪ ክለብን ብሕቡእ እንዳተራኸቡ ናይ ዓለምና ዕጫ ዝውስንሉ ምስጢራዊ ርክባት ከም ዘካይዱ ዝገልጽ ወረ ብብዝሒ ይስምማዕ እዩ። ኣብ ጉዳይ ቦሂሚያን ግሮቭ እዚ ወረ ሓቂ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ዝበዝሑ ሓያላትን ጸለውትን ኣሜሪካውያን ሰባት ናይ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ካሊፎርንያ ክለብ ብስቱር ይራኸቡ ነበሩ። እቲ ቦታ ንከም በዓል ሮናልድ ሬገንን ሪቻርድ ኒክሰንን ካልኦት ሃብታማት ንነገድትን ዝኣመሰሉ ሰባት ዝተሓዝአ እዩ ኔሩ። ሓደ ካብ መምርሒታቶም ምጉዳያት ዓለም ኣብ ኣፍደገ ገዲፍካ ምእታው ዝብል እዩ ኔሩ። በንጻሩ ዝኾነ ጭብጢ ገዲፎም ውን ኣይወጹን ነበሩ። ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ፕሮጀክት ማንሃተን ዘተኮረ ዝተፈላለየ ኣኼባታት የካይዱ ነበሩ። ዝተፈላለዩ ፕረዚደንትታት ኣሜሪካ ኣብዚ ኣኼባ ይሳተፉ ብምንባሮም ነዚ ጉዳይ ከም ዝጋነንን ዝተፈላለየ ወረታት ከም ዝንዛሕን ጌርዎ እዩ።

ቁጽሪ 11 FBI ንጆን ለኒን ከም ዝሰለዮ

ጆን ለኒን ኣብ 70ታት ናብ ኣሜሪካ ምስ ገዓዘ ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቲ ትካል ስለያ FBI እዩ ኣትዩ። ንሱ ፖለቲካዊ እምነት ኣካታዒ  ኣርእስቲ ከም ዝኾነ ብግልጺ ብምዝራቡ መራሕቲ ኣሜሪካ ነቲ ዝቅጽል ፕረዚደንታዊ ምርጫ ጽልዋ ከየምጽኣሉ ሰግኡ። እቲ ለኒን ቱር ከካይድ እዩ ዝብል ዘረባታት ብብዝሒ ክስማዕ ምስ ጀመረ ነቶም ነኣሽቱ ናይ ሊበራል መረጽቲ ጽልዋ ከይምጸሎም ብምስጋእ ጀይ ኤድጋር ሁቨር ብቅርበት ክከታተሎ ጀመረ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን እዚ ስነጥበባዊ ኣብ ግዜ ጻንሖቱ ናይ ምጥራዝ ምፍርራሓት ይመጾ ነበረ። ኣብቲ ናይ 1972 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሪፓፕሊካን ሪቻርድ ኒክሰን ተዓወተ። እንተኾነ እቲ ነቲ ደራፋይ ካብቲ ሃገር ንምስጓግ ዝካየድ ዝነበረ ፈተነታት ግን ደው ኣይበለን። ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ብFBI ዝተሳጎገ ሰብ ንሱ ጥራይ ኣይነበረን ብዙሓት ዜጋታትን ፖለቲካውያን ጉጅለታትን ብትዕዝብቲ FBI ተጨናኒቆም እዮም።

  ቁጽሪ 10 ናይ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ትምባኾታት ዓቢ ሓሶት

ምትካኽ ናይ ሳንቡእ ካንሰርን ካልኦት ዝተፈላለዩ ጥዕናዊ ጸገማትን ከኸትል ይኽእል። ተመራመርቲ ነዚ ኣብ 1950ታት ሙሉእ ብሙሉእ እዮም ኣረጋጊጾሞ። እንተኾነ ህዝባዊ ርእይቶታት ንዓመታት በቲ ዝውረ ዝነበረ ተቃራኒ ርእይቶታትን ሓሳባትን ክጽሎ ጸኒሑ እዩ። ገለ ገለ ሰባት እዘን ኣፍረይቲ ትምባኾ ዝኾና ትካላት ነዚ ሓቂ ኮነ ኢለን ይጸቅጥኦን ንህዝቢ ከእምና ውን ዝተፈላለየ ወፍርታት የካይዳ ኣለዋ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። ጸኒሑ ከም ዝተረጋገጸ ድማ እዚ ሓቂ ኮይኑ ጸንሐ። እተን ኣለዋ ዝበሃላ ዓበይቲ ናይ ትንባኾ ካምፓኒታት ሓቢረን ሓደ በርክሼክ ዝበሃል ወፍሪ ብምክያድ ንኹሉ እቲ ብተመራመርቲ ዝግለጽ ዝነበረ ጥዕናዊ ጸገማት ኣካታዒ ከም ዝኸውንን ብህዝቢ ተቀባልነት ንክስእንን ክሰርሓ ጀመራ። ምትካኽ ካንሰርን ከምዘምጽእን ኒኮቲን ድማ ወልፊ ከም ዘኸትልን ኣጸቢቀን ይፈልጣ ነበራ። እንተኾነ ሽጋራ ዘይጓዳእ ክገብርኦ ፍቃደኛታት ኣይነበራን ምኽንያቱ መኽሰበን ካብ ወልፊ ዓማዊለን እዩ ኔሩ።

ቁጽሪ 9 ስለያ FBI ኣብ ልዕሊ ገለ ፖለቲካውያን ኣክቲቪስት ጉጅለታት

እቶም ኣብ ፖለቲካዊ ተቋውሞን ካልእ ናይ ኣክቲቪስት ምንቅስቃስን ዝሳተፉ ሰባት ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቲ ዘለዉ ስለዝመስሎም ይፈርሑ እዮም ክፈርሑ ውን ይግብኦም እዩ። ምኽንያቱ እዚ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጥም ዝነበረ ንድሕሪ ሕጂ ውን ከጋጥም ዝኽእል ነገር ስለዝኾነ። ካብ መወዳእታ 50ታት ክሳብ መጀመርታ 70ታት FBI ኣብ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋውያን ምክትታል መራሕቲ ተቋውሞ፡ ጸለውቲ ሰባትን ካልኦት የስግኡ እዮም ዝበሎም ጉጅለታትን ይሳተፍ ነበረ። እዚ ካብ ምንቅስቃስ ንናጽነት ፡ ሲቪል ራይትስ ሙቭመንት ክሳብ ፈሚኒስት ሙቭመንት ዝዝርጋሕ ነበረ።  ንስጥበበኛ ጆን ሊነን ከይተረፉ ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቲ ብምእታው ይከታተልዎ ነበሩ። እዚ ብኮ ኢንተል ዝፍለጥ ፕሮግራም ኣብ 1971 ክብተን እንከሎ ካልኦት ንዕኡ ዝመስሉ መደባት ውን ተፈጢሮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እዩ ዝግመት።

ቁጽሪ 8 ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ

ኣብ 1919 ፕረዚደንት ዉድሮክ ብወቅዒ ልቢ ተጠቅዐ። እዚ ድማ ካብ ዓራት ከም ዘይትስእን ብከፊሉ ፓራላይዝን ከም ዝኸውን ገበሮ። ንልዕሊ ዓመት ድማ በዓልቲ ቤቱ ኤዲዝ ነታ ሃገር ኣብ ምምራሕ ተሓጋገዘቶ። ኣብ ኩሉ ስራሕ ባዕላ እንዳተዋፈረት ንሱ ስማዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ቀጸለ። እዚ ናታ ሓገዝ ብኣዝዩ ልዑል ምስጢር ክተሓዝ እንከሎ ንሳ ውን ክሳብ ዕለተ ሞታ ብዛዕባ ተሳታፍነታ ንከይትዛረብ እያ ወሲና።

ቁጽሪ 7 ጋንታ ዋይት ሶክስ ኣብ ዎርልድ ሲሪየስ

 እዞም ብዋይት ሶክስ ዝፍለጡ ናይ ቺካጎ ጋንታ ስፖርት ን87 ዓመታት ዝቀጸለ ኣብ ዎርልድ ሲሪየስ ናይ ዓወት ድርቂ እዩ ከጋጥሞም ጸኒሑ። እንተኾነ በቲ ዝነበሮም ሕማቅ ዕድል ጥራይ ኣይኮኑን ዝፍለጡ ኔሮም። ኣብ 1917 እዛ ጋንታ ክትዕወት እንከላ ኣብ ጋንትኣ ድማ ነቲ ንፉዕ ተጻውታይ ሾለስ ጆ ጃክሰን ጸንበረቶ። እንተኾነ እቲ ኣብ 1919 ዝናፈስ ዝነብረ ወረታት እታ ጋንታ ከም ዝተዓረየት ዝገልጽ እዩ ኔሩ። እታ ጋንታ ግን ኣብታ ዓመት ክትዕወት ኣይከኣለትን እቲ ወረ ድማ ናብታ ትቅጽል ዝነበረት ዓመት ተሰጋገረ። እንተኾነ ኣብ መንጎ ሓደ ዓቢ ነገር ተፈጥረ። 8 ኣባላት እዛ ጋንታ ወላ ነቲ ቀንዲ ተራ ዝነበሮ ጃክሰን ምስ ካልእ ጋንታ ነታ ናቶም ጋንታ ኮነ ኢሎም ንከስዕሩ ኣምሳያኡ ድማ ገንዘብ ክወስዱ  ከም ዝተሰማምዑ ጭብጢ ተረኽቦም። እንተኾነ ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኮይኖም ስለዘይረኸቦም ብናጻ ተለቁ።

 ቁጽሪ 6 ምሽፍፋን ሮዝዌል

ኣብ ግዜ ሃጋይ 1947 ሓደ እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ነገር ናብ ምድሪ ኣብ ሮዝዌል ኒው ሜክሲኮ ወደቀ። ብዙሓት ወገናት ናይ ዩፎ ስፐይስ ክራፍት ከም ዝወደቀት ይኣምኑ። እቲ ብሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ዝወጸ እቲ ዝወደቀ ነገር ናይ ኣየር ፍሕኛ ከም ዝኾነ ዘረድእ መግለጺ ነቲ ኩነታት ነዳዲ እዩ ወሲኽሉ። እቶም ነዚ ናይ ዩፎ ክልሰ ሓሳብ ዘቅርቡ ዝነበሩ ሰባት ግን ትኽክል ነበሩ። ምኽንያቱ ዝኾነ ናይ ኣየር ፍሕኛ ወይ ካልእ ዝወደቀ ነገር ኣይነበረን። እቲ ጉዳይ ውን ተሸፋፊኑ እዩ ሓሊፉ። እንተኾነ ናይ ዩፎ ስፐይስ ሺፕ ውን ኣይነበረትን። እቲ ነገር ብፕሮጀክት ማጉል ዝተሰደ ልዑል ብራኸ ዝኸይድ ኣየር ዝመልአ ፍሕኛ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝግመት። እዚ ፕሮጀክት ፍሕኛ ብምዝርጋሕ  ፈተነ ማዕበላት ድምጺ ኣቶሚክ ቦምብ ሶቭየት ኣብ ምስላይ ይሰርሕ። ኣብ ግዜ ዝሑል ኲናይ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብግልጺ ክዛረብ ፍቃደኛ ኣይነበረን።

  ቁጽሪ 5 ሳይንቶሎጂስትስ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ሰሊኾሞ

 ቤተክርስትያን ሳይንቶሎጂ (ኣብ ሳይንስ ዝኣምን ሃይማኖት) ኣብ ሃይማኖቶም ንዝመጾም ዝኾነ ዓይነት ወቀሳ ፈጺሞም ዘይጻወሩ ነበሩ። ኣብ ልዕሊ ህቡባት ሰባት ዓቢ ጽልዋ ኣለዎም። እንተኾነ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ውን ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎም ዝገልጹ ስነሓሳባት ብብዝሒ ይስምዑ እዮም። ሳይንቶሎጂስትስ ብርግጽ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ዓብሊሎሞ እዮም። ኣብ 1970ታት ብውሕዱ 5 ሽሕ ኣባላት ናይዚ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ መንግስታውያን ትካላትን ውልቃውያን ትካላትን ስለያ አካይዱ ነበሩ። ሰይቲ መስራቲ እዚ ሃይማኖት ዝኾነት ሜሪ ሱ ገበነኛ ኮይና ስለዝተረኽበት ናብ ቤት ማእሰርቲ ተላእከት። እዚ ስልኳ ኣብ ታሪኽ መግስቲ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ስልኳ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ይርከብ። ቀንዲ  ዕላምኡ ድማ ነዚ ሃይማኖት ዘጥቅዕ ዝኮነ ነገር ምዕናው እዩ ኔሩ።

ቁጽሪ 4 ዘ ዋተር ጌት ስካንዳል

እቲ ካብ ኩሉ ፖለቲካዊ ውዲታት ተፈላጢ ዝኾነ ብዘ ዋተር ጌት ስካንዳል ዝፍለጥ ውዲት ክካየድ እንከሎ ፈጺሙ ክፍጠር እዩ ተባሂሉ ዘይተሓስበሉ  እዩ ኔሩ። እዚ ጉዳይ ምምሕዳር ሪፓፕሊካን ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን ናብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዶሞክራቲክ ናሽናል ኮሚተ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብስልኪ ክጸናጸን ምስ ጀመረ እዩ ተፈጢሩ። ዕላምኦም ኣብቲ ዝቅጽል ራብዓይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተቀናቃናይ ኒክሰን መን ክኸውን ከም ዝኽእል ንምፍላጥ ነበረ። ምትሓዝ ናይቶም ፈጸምቲ እዚ ጉዳይ ንኒክሰንን ምምሕዳሩን ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎም ኢድ ንክሽፍኑ ከም ዝጓየዩ እዩ ጌርዎም። እንተኾነ ጸኒሖም ዝወጹ ጭብጥታትን ዝለሓኾ ሓበሬታታትን ነዚ ጉዳይ ኣብነት ፖለቲካዊ ውርደት ከም ዝኸውን ጌርዎ እዩ። እዚ ድማ ኒክሰን ካብ መዝነቱ ብፍቃዱ ከም ዝወርድ ገበረ።

 ቁጽሪ 3 መንግስቲ ይስልየካ ኣሎ

 ንዓመታት ቀንዲ ማሕለኻ ናይ ሕንጊዳትን ኣለምቲ ውዲት ሰባትን ኮይኑ ዝጸንሐ ፍርሒ መንግስቲ ይከታተለና ኣሎ ዝብል እምነት እዩ። እዚ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ጌጋ ኣይኮነን። ምስ ምምጻእ ምዕቡላት ሞባይላትን ኢንተርነትን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ መጠኑ ዝሓለፈ ቁጽጽር ኣለዎ። ድሕሪ ፍጻመ 11 መስከረም ምምሕዳር ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ኣብ ልዕሊ ናይ ወጽእን ዜጋታቱን ልዑል ምክትታል ክግበር እዩ ጸዊዑ። ካብቲ ሽዑ እዋን ጀሚሩ ድማ ዝኾነ ኣብ ኦንላይን ዝገበርካዮ ነገር፡ ኢመይልካ፡ ሜታ ዳታ፡ ናይ ጽሑፍ መልአኽትታትን ካልኦትን ከም ዝኽዘን ክኸውን ጀመረ።  ኤድዋርድ ስኖውደን ነዚ ጉዳይን ካልኦት መግስትታት ዘካይድዎ ስለያን ሙሉእ ብሙሉእ ኣቃሊዕዎ ይርከብ።

ቁጽሪ 2 ናይ ሓሶት ምኽንያት ንኲናት

ኣብ ሓምለ 1964 USS ማዶክስ ናብተን ናብ ጉልፍ ቶነን ዝጽግዓ ዝነበራ 3 መራኽብ ውግእ ሰሜን ቬትናም  ናይ መጠንቀቅታ ተዂሲ ከፈተ። ድሕሪ እቲ ዝተኸፍተ ተዂሲ እተን መራኽብ ሰለስቲኤን ጠሓላ። ድሕሪ 2 መዓልቲ ዝተኻየደ ጸብጻብ ናይቲ ብዘ ጋልፍ ኦፍ ቶነንት ዝፍለጥ ካልኣይ መጥቃዕቲ ንፕረዚደንት ሊንደን ቢ ጆንሰን ኣብ ልዕሊ ቬትናም ካልእ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንክውሰድ ከም ዝውስን ገበሮ። ንዓመታት ሰባት ነዚ ቅኑዕ ምኽንያት ድዩ ኢሎም ክሓቱሉ እዮም ጸኒሖም። ጸኒሑ ከም ዝተረጋገጸ ግን እቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ብጌጋ ዝመጸ ሓበሬታ ዝሰዓበ ከም ዝኾነ ተፈልጠ።

ቁጽሪ 1 CIA ኣእሙሮ ናይ ምቁጽጻር ፈተነታት ኣካይዶም

ሓደ ዓቢ መንግስታዊ ናይ ስለያ ትካል ኣብ ልዕሊ ሰባት ኣእሙሮ ናይ ምቁጽጻር ፈተነ ኣካይዱ ክበሃል ምስ ንሰምዕ ሳይንስ ፊክሽን ክመስለና ይኽእል እዩ ግን ናይ ብሓቂ ዘጋጠመ ነገር እዩ። ኣብ 1970ታት ሓደ ብፕሮጀክት ኤም ከይ ኣልትራ ዝፍለጥ ናይ CIA ንጥፈታት ከም ዘሎ ተቃልዐ። እዚ ፕሮጀክት ምስጢራዊ ፕሮጀክት ኮይኑ ንግዳያቱ ድራግ ብምሃብ ኣሳቂኻ ንኩነታት ኣእምሩኦም ብምጽናዕ እዩ ዝካየድ ኔሩ። እዞም መጽናዕትታት ኣብ ልዕሊ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምስጢራውያን መአረሚ ቦታታት ተኣሲሮም ዝነበሩ እሱራትን ከምኡ ውን ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ሆስፒታላትን ቤት ማእሰርትታትን ኣሜሪካ እዮም ዝካየዱ ኔሮም። CIA ብተወሳኺ ካልእ ኣዝዩ ጭካነ ዝመልኦ ኤለክትሮ ምንፍርፋራዊ መጽናዕታት ኣብ ሞንትሪዮ ካናዳ የካይድ ነበረ። ግዳያት ኤም ከይ ኣልትራ ከም በዓል ኬን ኪን ኣላን ጊልስበርግ ይርከብዎም። እዚ መጽናዕቲ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዘሰቅቁ ክከውን እንከሎ ጌና ዘይፈለጥናዮም ካልኦት ኣሰቀቅቲ መጽናዕትታት ክህልዉ ውን ተኽእሎ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×