ማኦ ዘዶንግ ውልቀ-መላኺ`ዶ ወይስ ሃዋርያ ምዕባለ?

እቲ ንቻይና ከምዝመስረታ ዝግለጽ ማኦ ዚዶንግ ነታ ብድኽነት ትሳቐ ዝነበረት ሃገሩ ናብ ሓንቲ ርእሰ ሓያላን ዝኾነት ሃገር ቀየራ.ቻይና ኣብ ትሕቲኡ ርኡይ ምምሕያሽን ለውጥን ኣመዝገበት.ተኾነ ግን እዚ ኩሉ ዝተገልጸ ዓወት
ብከቢድ ዋጋ እዩ መጽዩ.ማኦ ነቶም ፖሊሲታቱ ብፍርሕን ብራዕድን ብዕንወትን ጌሩ እዩ ኣብ ተግባር ዘውዕሎም ኔሩ.ንሓደ ምሉእ ናይ መንእሰያት ወለዶ ድማ ናብ ሓደ ቀታሊ ማሽን ቀየሮ.ነታ ሃገር ከኣ ንዕኡ ከምተምልኽ ጌሩ መስረታ.ብሰንኪ ፖሊሲታቱ ኣብ ናይ ዓለም ታሪኽ እቲ ዝኸፍአ ደርቂ ኣጋጠመ.ብሰንኪ ማኦ ካብ 40 ክሳብ 80 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ከምዝሞቱ እዩ ዝግለጽ.ገለ ሰባት ከም ጅግና ጌሮም ክሪእዎ ከለዉ ካልኦት ግን ከም ጮቃኒ ውልቀ መላኺ ጌሮምዮም ዝሪእዎ.
ናይ ማኦ ንእስነት.
ማኦ ኣብ ታሕሳስ 26 1893 ኣብታ ሁናን ተባሂላ ትጽዋዕ ናይ ቻይና ዞባ ተወልደ.ኣብቲ ግዜ ከኣ ከቢድ ፖሎቲካዊ ዕግርግር እዩ ኔሩ.እዚ ወቕቲ ናይ ሕፍረት ዘመን ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ ኔሩ.ጃፓንን ኤሮጳውያን ሃገራትን ኣብቲ ግዜ ንቻይና ወሪረን ዘመታኣ.ብተወሳኺ መሬት ክወስዳ ከለዋ ንዕአን ዝጥዕም ንግዳዊ ስምምዓት ውን ይገብራ ነበራ. ከም ውጽኢቱ ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ደርቂ ሕማምን ዕግርግርን ተስፋሕፍሐ.እቲ ንቻይና ካብ ዝመርሕ 250 ዓመት ኣቑጺሩ ዝነበረ ቺንግ ዳይናስቲ ድማ ክወድቕ ቀረበ.ማኦ ግን በዚ ከይተጸልወ ብጽቡቕ መገዲ ዓበየ. እቲ ሓረስታይ ዝኾነ ኣቡኡ ሃብታም ስለዝነበረ ብቐሊሉ ትምህርቱ ክከታተል ከኣለ.ንሱ ምምሃርን ምንባብን ይፈቱ
ነበረ.ተኾነ ግን ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ባህላዊ ክብርታትን ልምድታትን ይጸልእ ነበረ.ወዲ 14ዓመት ምስ ኮነ ከኣ ኣቡኡ ከመርዕዎ ስለዝፈተነ ካብ ናይ ስድርኡ ገዛ ወጸ.ንሱ ትምህርቱ ክከታተል ጥራይ እዩ ዝደሊ ኔሩ.ወዲ 18 ዓመት ምስ ኮነ ትምህርቱ ክከታተል ኢሉ ናብታ ቻንግሻ ትብሃል ዓባይ ከተማ ገዓዘ.እዛ ከተማ
ቀንዲ መሰሰኒ ናይ ተቓውሞ ንጥፈታት እያ ኔራ.ማኦ ከኣ እቶም ወረርቱ ዝኾኑ ሓይልታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቻይና ዘውርድዎ ዝነበሩ ወጽዓ ረኣዮ.ኣብ ፖሎቲካ ተገዳስነት ስለዝሓደሮ ድማ ምስ መማህርቱ ኮይኑ ኣብ ናይ ሰውራዊ ኣኼባታት ክሳተፍ ጀመረ.ኣብ 1911 ኣንጻር
ናይ ቻይና ንግስነት ተቓውሞ ምስጀመረ ድማ ምስቶም ናይ ተቓወምቲ ሰራዊት ተጸምበረ.ይኹን እምበር ኣብ ዝኾነ ውግእ ኣይተሳተፈን.እቲ ሰውራ ኣብ መወዳእታ ነቲ ንጉሳዊ ምምሕዳር ሰዓሮ.ተኾነ ግን ማኦን ካልኦት ሰባትን
በታ ሪፓብሊክ ኦፍ ቻይና ትብሃል ሓዳስ ሃገሮም ኣይተሓጎሱን ነበሩ.ዕግርግር ብልሽውናን ፍትሒ ኣልቦነትን ኣብ ትሕቲ እቲ ሓድሽ መንግስቲ ውን ቀጸሉ. መራሕቲ ውግእ ስልጣን ክሕዙ ከለዉ ማኦ ድማ መፍትሒ ዝኾነ ሓሳብ የናዲ ነበረ.ኣብ 1918 ናብ በይጂንግ ምስ ከደ ብገለ ሱር ነቀል ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ተጸልወ.ንኮሚኒዝም ድማ ብናይ ካርል ማርክስ መጽሓፍ ጌሩ ተላለዮ.ነቲ ቅድሚ ቁሩብ ግዜ ኣብ ሩስያ ለውጢ ዘምጽአ ለኒን ድማ የድንቖ ነበረ.ድሕሪኡ ቻይና ብኮሚንዝም ጥራይ እያ ክትሓብርን ካብ ውግእ ክትወጽእ ትኽእልን ኢሉ ሓሰበ.ዙርይኡ ብኮሚኒስት ዝኾኑ ሰባት ኣኽቢቡ ድማ ኣብቲ ምንቅስቓስ ቦታ ክሕዝ ጀመረ.ኣብ 1921 ከኣ ምስ ካልኦት ብጾቱ ኮይኑ ቻይኒዝ ኮሚኒስት ፓርቲ ወይ ሲሲፒ ዝብሃል ውድብ መስረተ. ብኸምዚ መገዲ ጌሩ ውን ሓይሊ ክረክብ ጀመረ.
ናይ ቻይና ውግእ ሕድሕድ.
ማኦ ንጡፍ ኣባል ናይ ሲሲፒ እዩ ኔሩ.ሰራሕተኛታት ክምልምል ከሎ ተቓውሞታት ይውድብን ማሕበራት  ይፈጥርን ነበረ.ንሱ ነታ ውድቡ ልዑል ደገፍ ንኽትረክብ ሓገዛ.እቶም ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት ዝኾኑ ሓረስቶት ድማ
ምሉእ ብምሉእ ይድግፍዎ ነበሩ.እንተኾነ ግን ከይጸንሐ ዕንወት መጸ.ሲሲፒ ምስሓደ ጎሚንግ ዳንግ ዝብሃል ዓቢ ሰውራዊ ውድብ ኪዳን መስሪቱ ነበረ.እዚ ውሳኔ ከኣ ከቢድ ዋጋ ከም ዝኸፍሉ ገበሮም.እቲ ናይ ጎሚንግ ዳንግ መራሒ ዝኾነ ቻንካይ ሼክ ድማ ኣንጻር ሲሲፒ ኮነ.
ኣብ ምያዝያ 12 1927 ከኣ ነቲ ናይ ሻንጋይ ጃምላዊ ህልቂት ጀመሮ.ንሱ ነቶም ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኮሚኒስት ክሃድኖምን ክቐትሎምን ጀመረ.እዚ ኣብ ሻንጋይ ዝጀመረ ዕግርግር ከይጸንሐ ናብ ኩሉ ክፋላት ናይታ ሃገር ኣስፋሕፍሐ.ኣሽሓት ዝኾኑ ኮሚኒስት ከኣ ከካብ ዝነበርዎ ተወሲዶም ይቕተሉ ነበሩ.ቻንካይ ሼክ ንቻይና ኣብ 1928 ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእትዋ ከኣለ. እቶም ብሂወት ዝተረፉ ማኦ ዘለዎም ኮሚኒስት ድማ ተሓብኡ.ሽዑ እቲ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ቻይና ውግእ ሕድሕድ ጀመረ.እቲ ጎነጽ ዘይፈቱ ዝነበረ ማኦ ድማ ብሰንክቲ ሰብ ዘህለቐ ውግእ ሕድሕድ ክጭክንን ክተርርን ከኣለ.ጎሚንግ ዳንግ ንሕስያ ዘይነበሮም ጨካናት ጸላእቲ እዮም ኔሮም.ኣብቶም ኮሚኒስት ዝበዝሕዎም ቦታታት እናኸዱ ከኣ ጃምላዊ ህልቂት ይፍጽሙ ነበሩ.እታ ካልኣይቲ ሰበይቱ ንማኦ ዝነበረት ጋል
ተቐትለት.እቲ ወዲ 4ዓመት ወዱ ድማ ሞተ.እቲ ከቢድ ግዜ ዘሕለፈ ማኦ ድማ ንሱ ውን ከምቶም ጸላእቱ ጨካን ክኸውን ጀመረ.መራሕቲ ኮሚኒስት ፓርቲ ኣብ መጀመርያ 1930ታት ነቶም ኣብ ውሽጦም ዝነበሩ ከዳዓት ከወግድዎም ጀመሩ.ማኦ ከኣ ነቶም የስግኡኒ እዮም ኢሉ
ዝሓሰቦም ሰባት የሳቕዮምን ይቀትሎምን ነበረ.
እቲ ነዊሕ ምረሻ.
ማኦ ኣብ 1934 ኣብ 40ታት ዕድመ ምስ ኣተወ ንሲሲፒ ኣብ ኢዱ ከእትወሉ ዝኽእል ዕድል ተፈጥረሉ.እቶም ኮሚኒስት ብጎሚንግ ዳንግ ተኸቢቦም ነበሩ.ብሰንክዚ ነቲ ቀንዲ መዋፈሪኦም ገዲፎም ንድሕሪት 5000 ኪሎ ሜተር ኣንሰሓቡ.እዚ ከኣ ነዊሕ ምረሻ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ
እቶም ኮሚኒስት ብሰንክቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተኸፍተ ውግእ ኣዝዮም ተዳኺሞም ነበሩ.እቲ ምኩር ዝነበረ ማኦ ድማ ነቶም ዝተረፉ ሓይልታት ናብ ውሑስ ቦታ ወሰዶም. ናይ ማኦ ሓይልታት ከንሳሕቡ ከለዉ ብኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝኾነ ቦታታት እዮም ዝሓልፉ ኔሮም.ብጠቕላላ ኣብ 200
ውግኣት ክሳተፉ ከለዉ ኣገደስቲ ዓወታት ውን ተጎናጸፉ. ማኦ እቲ ምንስሓብ ኣብ 1935 ምስ ተወድአ ብ ዘየከራኽር መገዲ መራሒ ናይታ ውድብ ኮነ.ነዚ ስልጣን ከኣ ኣብ 1943 ሓለቓ ኮይኑ ምስተመርጸ ሕጋዊ ገበሮ.
ናይ ኮሚኒስት ዓወት.
ናይ ጎሚንግ ዳንግ መራሒ ቻንካይ ሼክ ኮሚኒስት ኣብ ምጥፋእ ጥራይ ስለዘድሃበ ነቲ ካብ ምብራቕ ዝመጽእ ዝነበረ ስግኣት ኣየድሃበሉን.ጃፓናውያን ኣብ 1931 ነታ ናይ ቻይና ግዝኣት ዝኾነት manchuria ወሪሮም ተቆጻጸርዋ.ማኦ ከኣ ነዚ ዕድል ተጠቒሙ ጽልውኡ ከስፋሕፍሕ ከኣለ.ሓይልታት ኮሚኒስት ኣብ 1932 ኣብ ልዕሊ ጃፓን ውግእ ኣወጁ.ቻን ኣብ 1937 ህዝቡ ስለዝጸልኦ ምስ ማኦ ናይ ሰላም ስምምዕ ክገብር ተገደደ
ክልቲኦም ብሓባር ኮይኖም ኣንጻር ጃፓን ክቃለሱ ድማ ተሰማምዑ.እቲ ውግእ እናቐጸለ ከሎ ከኣ ናይ ኮሚንስታውያን ህቡብነት ወሰኸ.ማኦ ኣብቲ ጃፓን ኣብ 1945 ዝተሳዕረትሉ ግዜ 900000 ወትሃደራት ይእዝዝ ነበረ.ክጅምር ከሎ ግን 45000 ሰራዊት ጥራይ እዮም ኔሮሞ.በንጻሩ ናይ ቻንካይ ሼክ ሰራዊት ተዳኺሞምን ተዳሂሎምን ነበሩ.ናይ ቻይና ውግእ ሕድሕድ ኣብ 1945 ከምንደገና ምስ ጀመረ ድማ ከም ሕሱም ተቐጥቂጦም

ኣብ ሓጺር ግዜ ተሳዕሩ.ናይ ኮሚኒስት ሓይልታት ኣብ 1945 ዕዉታት ኮይኖም ስለዝወጹ ንቻይና ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽሮም ከእትውዋ ከኣሉ.ቻንካይ ሼክ ድማ ናብ ታይዋን ክሃድም ተገደደ.ጎሚንግ ዳንግ ከኣ ካብቲ ግዜቲ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ሓደ ካብቶም ዝሓየሉ ውድባት ኮይኑ
ይቕጽል ኣሎ.ማኦ ኣብ ጥቅምቲ 1 1949 ናብ መድረኽ ወጽዩ ፒፕልስ ሪፓብሊክ ኦፍ ቻይና ከም ዝተመስረተት ብወግዒ ኣወጀ.ነቲ ስልጣን ናይ ምቁጽጻር ሕልሙ ድማ ወዲ 55 ዓመት ምስኮነ ኣረጋገጾ.መራሒ ናይ 500 ሚልዮን ቻይናውያን ውን ኮነ.
እታ ኣብ ትሕቲ ማኦ ዝነበረት ቻይና.ማኦ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ንቻይና ከማዕብላን ነቶም ካብ ቀደም ዝነበሩ ልምድታት ከጥፍኦምን ደለየ.ኮሚኒስት ስልጣን ምስ ሓዙ 20% ካብቲ ህዝቢ ጥራይ እዩ ምንባብን ምጽሓፍን ዝኽእል ኔሩ.ብሰንክቲ ማኦ ዘተኣታተዎ ሓድሽ ኣሰራርሓ ግን ኣብ 1976, 70% ካብ ህዝቢ ቻይና ክጽሕፍን ከንብብን ከኣለ.እቲ ኣብ ገጠራት ዝነበረ ናይ ጥዕና ማእከላት ውን ተመሓየሸ.ብሰንክቲ ማኦ ዘተኣታተዎ ሓድሽ ለውጥታት ሞት ውሉድ ክቕንስ ከሎ ገምጋም ዕምሪ ናይ ሰባት ውን ወሰኸ.ደቀንስትዮ ከኣ ዝተምሓየሸ መሰላት ክረኽባ ከኣላ.ገለ ካብኡ ከኣ ናይ ፍትሕ መሰልን ዝተምሓየሸ ናይ ስራሕ ዕድላት ምርካብን እዩ ኔሩ
ማኦ ነቶም ብሓይሊ ዝግበሩ መራዓታት ውን ደው ኣበሎም.ዋላኮ ናይ ገለ ሰባት ሂወት ተተምሓየሸ ካልኦት ከቢድ ሂወት ከሕልፉ ዝተገደዱ ሰባት ግን ኔሮም እዮም. ማኦ ንተግባራትን ኣተሓሳስባን ናይ ህዝቡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእትዎ ፈተነ.ንሱ ብፕሮፖጋንዳ ሳንሱርን ሚድያን ጌሩ ንነብሱ ከም ጅግና መራሒ ጌሩ ኣቕረባ.እቶም ዝዝርግሖም ዝነበረ ጽሑፋቱ ንሱ ጌጋ ዘይፍጽም ሰብ ከምዝኾነ እዮም ዝገልጹ ኔሮም.ብስሙ ዝጽውዑ ህንጻታትን ቤትትምህርትታትን ውን ተሰርሑ.ማኦ ብስልጣኑ ጌሩ ምስ ብዙሓት ኣዋልድ ይገይሽን ይጎዓዝን
ነበረ.ንዝኾነ ንፖሊሲታቱ ዝነቅፍ ሰብ ድማ ይኣስርን የዋርድን ነበረ.ንካፒታሊዝም ዝድግፉ ሰባትን ንወነንቲ መሬት ዝኾኑ ሰባትን ድማ ከጥፍኦም ጀመረ.ከም ውጽኢቱ ሚልዮናት ዝኾኑ ሰባት ነብሶም ከጥፍኡን ናብ ሎግሃይ ዝብሃል ካምፕ ከይዶም ክሰርሑን ተገደዱ.ማኦ
ነቶም ኣብቲ ካምፕ ዝኣተዉ ሰባት ብሳይኮሎጂካዊ ሜላታት ጌሩ ሓሳባቶም ከምዝቕይሩ ገበሮም.ውልቃዊ ሓሳባት ብዙሕ ኣይድገፍን እዩ ኔሩ.ንሱ ነቶም ምሁራት ዝኾኑ ሰባት ከም ስግኣት ጌሩ ይሪኦም ነበረ.መነመን ከምዝኾኑ ክፈልጥ ኢሉ ከኣ,ለት አ ሃንድረድ ፍላወርስ ብሉም ዝብል ወፍሪ ጀሚሩ ህዝቢ መንግስቲ ንኽነቕፉ ኣተባብዐ.ኣብ ክውንነት ግን ዝኾነ ሓሳቡ ዝገልጽ ሰብ ይእሰር ነበረ.500000 ዝኾኑ ሰባት ድማ ኣብ መዓስከራት ተኣሲሮም ብሓይሊ ከም ዝሰርሑ ተገብረ. እቶም ክኢላታት ሰራሕተኛ ውን ኣብ ዓይኒ መንግስቲ ከይኣትዉ ኢሎም ምብልሓት ስለዝገደፉ ቁጠባ ናይታ ሃገር ክወድቕ ጀመረ.
እቲ ዝበለጸ ናብ ቅድሚት ዝወስድ ዝላ.
ማኦ ቻይና እቲ ዝግባኣ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦን ክብረትን ክትረክብ ኣለዋ በለ.ስልጣን ካብ ዝሕዝ ቁሩብ ምስገበረ ድማ ሰራዊቱ ኣብ ውግእ ኮርያ ከምዝሳተፉ ገበሩ. ሰራዊቱ ነታ ሓያል ዝኾነት ኣሜሪካ ደው ከብልዋ ከኣሉ. ዓለም ድማ ሰራዊት ቻይና ብቐሊሉ ክረኣዩ ከም ዘይብሎም ተረድአት.ኣብቲ ውግእ ሓደ ብቻይናውያን ዝድገፍ ናይ ሰሜን ኮርያ ዴሳዊ ሰልፊ ተመስረተ.ድሕሪኡ
ማኦ ምስ ሶቨት ሕብረት ርክብ ክምስርት ደለየ.ኣብ 1950 ከኣ ምስ ስታሊን ሳይኖ ሶቨት ትሪቲ ዝብሃል ውዕል
ገበረ.ማኦ ግን ዋላ እዚ ውዕል ከሎ ነቶም ካብ ሶቨት ሕብረት ዝመጽዎ ዝነበሩ ትእዛዛት ከተግብሮም ኣይደልን
እዩ ኔሩ.ንሱ ከም መሻርኽቲ እምበር ከም ተኣዛዛይ ኮይኑ ክርአ ኣይደልን እዩ ኔሩ.እቲ ንስታሊን ዝተክኦ ንኪታ ክሩስ ቸቭ ንሶቨት ሕብረት በቲ ዘይደልዮ መገዲ ክመርሓ ምስ ጀመረ ከኣ ነቲ ምስታ ሃገር ዝነበሮ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ደው ኣበሎ.ቻይና ብዘይ ናይ ካልኦት ሃገራት ድጋፍ ደው ክትብል ከም ትኽእል ድማ ኣረጋገጸ.ቻይና ኣብቲ ማኦ ኣብ 1976 ዝሞተሉ ግዜ ካብ ሓንቲ ዘይማዕበለት ድኻ ሃገር ናብ ሓንቲ ርእሰ ሓያላን ዝኾነት ሃገር ተቐየረት.እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኑክለራዊ ኣጽዋር ውን ክትውንን ከኣለት. ተኾነ ግን ማኦ እቶም ንቻይና ከማዕብል ኢሉ ዘተግብሮም ዝነበረ ፖሊሲታት ሂወት ሚልዮናት ሰባት ቀዚፎም እዮም.ንምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ሕርሻውን እንዳስትርያውን ፍርያምነት ክበልጸን ኢሉ ነቲ ንቕድሚት ዝግበር ዝላ ወይ ድማ ዘ ግረይት ሊፕ ፎርዋርድ ዝብል ወፍሪ ኣብ 1958 ጀመሮ.ይኹን እምበር እቲ ኣብ ቁጠባን ሕርሻን ዝነበሮ ፍልጠት ትሑትዩ ኔሩ.እቶም ትሕቲኡ ዝነበሩ መራሕቲ ግን ከይቀትሎም ስለዝፈርሑ ነቲ ሓሳባቱ ኣይነጸግዎን.እቶም ሚልዮናት ዝኾኑ ሓረስቶት ኣብ ኮሚንስ ዝብሃል ናይ ሓባር መሬት ከም ዝሓርሱ ተገብረ.ብሓባር ኮይኖም ይበልዑን ይሰትዩን ይድቅሱን ድማ ነበሩ.ማኦ ፍርያምነት ከዕቢ ኢሉ እዩ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ከተግብሮ ወሲኑ.ናይ ውልቂ መሬትን ጥሪትን ከኣ ብዘይ ካሕሳ ተወስዱ…

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×