
ዘ ሮክ ሓደ ካብቶም ኣብ ረስሊንግን ተዋስኦን ልዑል ስምን ዝናን ዘትረፉ ሰባትዩ.WWE ድማ ኤሌክትሪክ ፋይንድ ኢሉ እዩ ዝጽውዖ.ሮክ ሸፋሽፍቲ ዓይኑ ኣልዕል ከብሎ ኮሎ እቶም ደገፍቲ ልዑል ድምጺ እዮም ዘስምዑ.
ኩሉ ዝትንክፎ ነገር ናብ ወርቂ ዝቕየር እዩ ዝመስል.ንሱ ኣብ ረስሊንግ ተዋስኦን ንግድን ብዙሕ ዓወታት ተጎናጸፈ. ይኹን እምበር ብዙሓት ሰባት ነቶም ድወይን ጆንሰን ዘሕልፎም ጸገማት ኣይፈልጥዎምን እዮም.ሮክ ካብቲ ንሕና ንፈልጦ ፍሽኽ ዝብል ጠባይ ወጻኢ ብዙሓት ጸላእቲ ፈጢሩ እዩ.
እቶም ክንዲ ናይ ሮክ ዝኸውን ዓወት ዝተጎናጸፉ ረስለርስ
ውሑዳትዮም.ሮክ ኣብ ረስሊንግ ምስ ተዓወተ ናብ ሆሊዉድ ከይዱ ዓቢ ኮኮብ ክኸውን ከኣለ.ገለ ካብቶም ዝተጎናጸፎም ዓወታትን ክብርታትን ከኣ 10 ግዜ ናይ WWE ቻምፕዮንን,እቲ ዝለዓለ ዶሞዝ ዝኽፈል ተዋሳኣይን እዮም.እቲ ህቡብነቱ ኣዝዩ ስለዝዓበየ ገለ ሰባት ኣብ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ክሳተፍ ኣለዎ ክብሉ ጀመሩ.ዘ ሮክ ባዕሉውን ናይ ሕጹይነት ጠለብ መጽይዎ ከምዝነበረ ገሊጹ ነበረ.
ስድርኡ ከኣዮም ነቲ ናብ ዓወት ዝወስድ መገዲ ጸሪጎምሉ
ኣብሓግኡ ፒተርን ኣቡኡ ሮኪ ጆንሰንን ረስሊንግ ዝጻወቱ ሰባትዮም ኔሮም.ድወይን ግን ምስኦም ጽቡቕ ዝብሃል ርክብ ኣይነበሮን.
ዘ ሮክ -ኣነ ምስ ኣቦይ ሕልኽልኽ ዝበለ ሂወትዩ ኔርኒ.እቲ ኣብ ሞንጎና ዝነበረ ናይ ኣቦን ወድን ፍቕሪ ትርር ዝበለ እዩ ኔሩ.
ሮኪ ረስለር ስለዝነበረ እታ ስድራ ብዘይ ምቁራጽ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ትግዕዝ ነበረት.ንሶም ብጠቕላላ ኣብ 14 ስተይትስ ተቐመጡ.ድወይን ምስ ኣዲኡ ኮይኑ ንቑሩብ ግዜ ኣብ ኒውዝላንድ ምስ ተቐመጠ,ምስ ስድርኡ
ኮይኑ ናብ ሃዋይ ገዓዘ.ስፖርት ንድወይን ሓዊስካ ኣብታ ስድራ ልዑል ተራ እዩ ተጻዊቱ.ኣቡኡ ቀዳመ ሰምበት ንግሆ ንግሆ እናተስአ ኣካላዊ ምንቅስቓስ የስርሖ ነበረ.
ወዲ 5ዓመት ከሎ ውን ናብ ጂም ይወስዶ ነበረ.ድወይን ብዘይካ ስፖርት ምስራሕ ኣብ ውድድራት ውን ይሳተፍ ነበረ.ሮኪ ጆንሰን ኣብ ወዱ ዲሲፕሊን ክተክል ይደሊ ነበረ.እዚ ከኣ ጽዒርካ ብምስራሕ ከምዝርከብ እዩ ዝኣምን ኔሩ.እቲ ኣብ ሞንጎ ድወይንን ኣቡኡን ዝነበረ ርክብ ከኣ ሕማቕ እዩ ኔሩ.ድወይን ዋላኮ ጽዒሩ ተሰርሐ ኣቡኡ ግን እቲ ዝግብኦ ኣፍልጦ ኣይህቦንዩ ኔሩ.ተኾነ ግን
እቶም ድሒሩ ምስ ዓበየ ዝተጎናጸፎም ዓወታት ብሰንክቲ ን ኣቡኡ ከእምን ኢሉ ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕርታት እዮም መጽዮም.ንሶም ብሓባር ኮይኖም ናብ ናይ ረስሊንግ ጸወታ ክኸዱ ከለዉ ኣቡኡ ክብረት ባዕልኻ ኢኻ ተጥርዮ ኢሉ ይዛረቦ ነበረ.ድወይን ካብቲ ግዜቲ ኣትሒዙ ንግሆ እናተስአ ስፖርት ይሰርሕ.መዓልታዊ ድማ ሰዓት 4 እዩ ዝትስእ.ሮኪ ጆንሰን ውን ባዕሉ ሕማቕ ናይ ንእስነት ግዜ እዩ ኣሕሊፉ.ነታ ስድርኡ ዘድልያ ነገር ክቕርበላ ከኣ ይሽገር ነበረ.እቲ ረስሊንግ እናተጻወተ ዘምጽኦ ዝነበረ ገንዘብ ድማ እኹል ኣይነበረን.ብዙሕ ናብ ገዛ ይመጽእ ስለዘይነበረ ውን እቲ ምስ ወዱን ሰበይቱን ዝነበሮ ርክብ ተበላሸወ.ሮኪ ጆንሰን ከምቲ ዝበዝሑ ረስለርስ ዝገብርዎ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱ ዘመወ.እቲ ምስ ልዋን ክሬል ዝነበሮ ፍቅራዊ ርክብ ን25 ዓመታት ቀጸለ.ልዋን ኣብቲ ምስ ስታር መጋዜን ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ ከምዚ ኢላ ተዛረበት.ድዌይን ነቡኡ ብዙሕ ይሪኦ ስለዘይነበረ ከቢድ ናይ ንእስነት ግዜ ከሕልፍ ተገደደ.ኣቡኡ ናብ ገዛ ከይመጸ 12 ወይ 14 መዓልታት ይገብር ነበረ.ድወይን ከኣ በዚ ምኽንያት ኩሉግዜ እዩ ዝጉሂ ኔሩ.ኣቡኡ ይዝሙ ከምዘሎ ምስ ፈለጠ ድማ ናባይ ደዊሉ ካብ ኣቦይ ርሓቒ በለኒ.ድወይን ስድርኡ ምስ ተፋትሑ ምስ ኣዲኡ ኮይኑ ናብ ሃዋይ ገዓዘ.እቲ ኣብኡ ዝነበረ ሂወት ከኣ ከቢድዩ ኔሩ.ገዝኦምን እታ ሓንቲ መኪንኦምን ከኣ ተወስዳ.ኣብዚ ህሞት ክልቲኦም ብብዝሒ ክበኣሱ ጀመሩ.ድሕሪኡ ሓንቲ
ነቲ ወዲ 15 ዓመት ዝነበረ ድወይን ንኹሉ ግዜ ትጸልዎ ፍጻሜ ኣጋጠመት.ኣዲኡ ነብሳ ከተጥፍእ ፈተነት. ድወይን ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ናይታ መኪና ከሎ ነታ መኪና ኣብ ሃይወይ ደው ኣቢላ ማዕጾ ከፊታ ወጽያ ናብተን ዝመጻ ዝነበራ መካይን ከደት.ተኾነ ግን ድወይን ቀልጢፉ ስለዝሰሓባ ክትድሕን ከኣለት.ንሱ ነቶም ኣብ ገዝኡ ዝነበሩ ጸገማት ኣብ ልዕሊ ደቂ ቤት ትምህርቱ ከውጽኦም ጀመረ.ብጠቕላላ ውን ካብ ቤትትምህርቲ 4 ግዜ ተሰጎገ.ኩሉግዜ ኣብቶም ዝኣትዎም ዝነበረ ሓደስቲ ቤት ትምህርትታት ይበኣስ ነበረ.ድወይን ብኸምዚ መገዲ ጥራይ ክብረት ዝረክብ ይመስሎ ነበረ.ሳንቲም ምቁጻር ስለዘሰልቸዎ ድማ ዝገበረ ጌሩ ገንዘብ ከምጽእ ወሰነ.እታ እንኮ ዝተራእየቶ መገዲ ከኣ ምስታ ኣብ ሃዋይ ትንቀሳቐስ ዝነበረት ዊኪ ትብሃል ጋንግ ምጽምባር እያ ኔራ.ምስቶም ጋንግ ኮይኑ ድማ ክቡራት ክዳውንትን ስልማትን ሰረቐ.ትሕቲ ዕድመ ስለዝነበረ ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክእሰር ኣይከኣለን.ንሻምናይ ግዜ ምስ ተኣስረ ግን ከምዚ ኢለ ክቕጽል ኣይክእልን እየ ኢሉ ሓሰበ….



