ንሰይቲ ዓሚሉ ዘፍቀረ ናይ ወሊድ ሓኪምን ዘሐዝን መወዳእትኡን

ሙሉእ ስማ ኤስታዶስ ዩኒዶስ መሄካኖስ ወይ ድማ ሕቡራት ግዝኣት ሜክሲካውያን ብዝብል ስም እትፍለጥ
ሜክሲኮ ብተወለድቲ እታ ሃገርን ተዛረብቲ ስፓንሽን መሄኮ ተባሂላ ትጽዋዕ። እዛ ብስፍሓታ ካብ ዓለም ኣብ መበል
14 ደረጃ እትስራዕ ሜክሲኮ 1.96 ሚልየን ስኴር ኪሜ ስፍሓት ኣለዋ። እዚ ማለት ኢትዮጵያ ሶማሊያን ኤርትራን
ብሓደ ተሓዊሰን ብዘለወን ስፍሓት ዝዓቢ እዩ። ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሰሜን ኣሜሪካ እትርከብ ሜክሲኮ ብሰሜን ምስ
ዩናይትድ ስተይት ኦፍ ኣሜሪካ፡ ብምዕራብን ደቡብን ምስ ፓስፊክ ውቅያኖስ፡ ብደቡባዊ ምብራቅ ምስ በሊዝን
ጓቲምማላን፡ ብምብራቅ ምስ ባሕሪ ካሪብያን ትዳወብ። እዚ መለት ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ሜክሲኮ ኣካል
ሰሜን ኣሜሪካ ተጌራ ትውሰድ ክትከውን እንከላ ኣብ ምድሪ ግን ኣካል ናይቲ ሰፊሕ ባህሊ ዝውንን ላቲን ኣሜሪካ
እያ። በዚ ድማ እዮም ሜክሲካውያን ላቲና ተባሂሎም ምስ በዓል ብራዚል፡ካሪቢያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን
ዝምደቡ። ሰፊሕ ምድረበዳታት፡ልሙዓት ጫካታትን ሰንሰለታውያን ኣኽራናትን ነዊሕ ገማግም ባሕሪ ሓዊስካ እታ
ሃገር በቲ ዘለዋ ዝተፈላለየ። ጽባቀ መሬታ እያ እትፍለጥ። ብሓፈሻ ጂኦግራፊ ሜክሲኮ ኣብ ኣርባዕተ ቀንዲ ክፋላት
ክምቀል ይከኣል። ፕላቶ ሜክሲኮ፡ሰንሰለታውያን ኣኽራናት ሴራ ማድሬ፡ ሜዳታት ገማግም ባሕርን ርእሰ ምድሪ
ዩካታን ይበሃሉ። እቲ ኣብ ማእከላይ ክፋል እታ ሃገር ዝርከብ ፕላቶ። ሜክሲኮ ደጋ ኩነታት ኣየር ዘለዎ ኣከባቢ እዩ።
ከም በዓል ሜክሲኮ ሲቲን ጓደላ ሃራን ዝኣመሰላ። ዓበይቲ ከተማታት ኣብዚ ከባቢ ይርከባ። ሰንሰለታውያን
ኣኽራናት ሴራ ማትሬ፡ ናይ ሴራ ማትሬ ኦክሳይ ደንታል፡ ሴራማትሬ ምብራቅን ሴራማትሬ ዴል ዞልን ኣብ ገማግም
ባሕራ ዝተዘርግሑን ጽቡቅ ትርኢት ዘለዎም ከባቢታት እዮም። እቶም ኣብ ገማግም ሰለማዊ ውቅያኖስ ዝርከቡ
ናይ ገማግም ባሕሪ ሜዳታታ ሙቀት ዘለዎ ኩነታት ኣየርን ብሕርሻዊ ፍርያምነቶምን ይፍለጡ። ካብቲ ኣብ
ሰሜናዊ ክፋል ዝርከብ ደረቅ ምድረበዳታት ጀሚርካ ክሳብ እቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዝርከብ ልሙዕ ጫካታታ ኩነታት
ኣየር ሜክሲኮ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝተፈላለየ እዩ። እታ ሃገር ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ጥቅምቲ ልዑል መጠን ዘለዎ
ዝናብ ትረክብ። ካብ ሕዳር ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ ብሓፈሻ ደረቅ ወቅቲ እዩ።
ሃገራዊ ባንዴራ ሜክሲኮ ቀጠልያ፡ጻዕዳን ቀይሕን ሕብርታት ዝሓዘ ክኸውን እንከሎ እቲ ቀጠልያ ተስፋን ናጽነትን
ይውክል። ጻዕዳ ናይ ንጽህናን ሃይማኖትን ምልክት እዩ። ቀይሕ ድማ መዘከርታ እቶም ሃገራውያን ጀጋኑ ዝኸፈልዎ
ደም የመልክት። እታ ኣብ ማእከል ዝተቀመጠት ንስሪ ድማ ነቲ ጥንታዊ ናይ ኣስቴክ ኢምፓየር ማእከል ንዝኾነት
ቲኖክቲት ላንድ ናይ ሕጂ ሜክሲኮ ሲቲ ጥንታዊ ምልክት ኣስቴክ እያ።
ሜክሲኮ ቅድሚ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ዓመታት ዝጀመረ ሃብታምን ሕልኽልኽ ዝበለ ታሪኽን ዘለዋ ሃገር እያ።

ንተወሳኺ ኣብዛ ታሕቲ ዘላ ቪድዮ ተዓዘቡ….

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×