
ሶቨት ሕብረት ኣብ 1949 ኣቶሚካዊ ቦምብ ንመጀመርያ ግዜ ፈተነት.ዓለም ድማ በቲ ፈተነ ሰምበደት.ዋላኮ ኣሜሪካን ሶቨት ሕብረትን ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ሓቢረን ተተዋግኣ ብሕቡእ ግን ኒኩለራዊ ኣጽዋር ክውንና ይጽዕራ ነበራ.እታ ነቲ ኣጽዋር ኣቐዲማ ዝወነነቶ ኣሜሪካ ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳክን ኒኩለር ፈነወት. ሶቨታውያን ግን ነቲ ኣጽዋር ድሕሪ 4ዓመት እዮም ወኒኖሞ.ብኸምዚ ከኣ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝሑል ኩናት ጀመረ.ሩስያውያን ግን ብኸመይ መገዲ እዮም ኣብ ሓጺር እዋን ነዚ ንኽስራሕ ልዑል ቴክኖሎጂ ዝሓትት ኣጽዋር ክሰርሕዎ ክኢሎም.ሰለይቲ ናይ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ናይ ኣቶሚካዊ ቦምብ ፕሮግራማት ሰሪቖም ናብ ሞስኮ ይሰድዎ ነበሩ.ኣብ ማእከልዚ ኩሉ ከኣ ሓንቲ ሶንያ ትብሃል ጋልያ ኔራ.ንሳ ሓንቲ ካብቶም ዝበለጹ ናይ ቀይሕ ሰራዊት ሰላይት እያ ኔራ.ሕጂ ከኣ ናብ ህዝቢ ዝተቓልዑ ዶኩመንትታት ነቶም ሶንያ ትገብሮም ዝነበረት ስርሓትን ብሰንኪ ዓለም ከመይ ኢላ ናብ ዝሑል ኩናት ከምዝኣተወትን ኣግሂዱ ኣሎ.ብሪጣንያ
ንኣመሪካ ጸገም ከምዘጋጠመ ሓበረታ.እቲ ዝተኸስተ ዕንወት ዓቢ እዩ ኔሩ.እዛ ዛንታ ናይታ ኣቶሚክ ቦምብ ዝሰረቐት ሰላይትያ.
መንግስቲ ሩስያ ኣብ 2000 ንኦርሱላ ቨርተን ብሰንክቲ ኣብ ግዜ ሶቨት ሕብረት ዝገበረቶ ናይ ስለያ ስራሕ ናይ ክብሪ ሜዳል ሸለማ.እዛ ኣብ በርሊን ኣብ 1917 ዝተወልደት ኦርሱላ ኣብ ታሪኽ ሩስያ ዓቢ ተራ እያ ተጻዊታ
እዛ ካብ ሃብታማት ኣይሁዳውያን ስድራ ዝተወልደት ኦርሱላ ሓንቲ ካብቶም ዝበለጹ ሩስያውያን ሰለይቲ እያ ኔራ.ናይ ኣሜሪካን ናይ ብሪጣንያን ምስጢራዊ ናይ ኣቶሚካዊ ቦምብ መደብ ናብ መራሕቲ ሩስያ ኣረከበቶ.
እዛ ሶንያ ተባሂላ ትጽዋዕ ኦርሱላ ነቲ ናይ ስለያ ስርሓ ን30 ዓመት ሓብኣቶ.ደቃ ከኣ ክሳብ ዝዓብዩ ኣዲኦም ሰላይት ከም ዝነበረት ኣይፈልጡን እዮም ኔሮም.
በርሊን ጀርመን 1921.
ኦርሱላ ከቸንስኪ ምስ ስድራኣን ኣሕዋታን ኣብቲ ኣብ ሺላትዚ ዝርከብ ዓቢ ገዛ ትቕመጥ ነበረት.እቶም ኣይሁዳውያን ዝኾኑ ስድራኣ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ኤሮጳ ሱር ዝተክል ዝነበረ ኮሚኒዝም እዮም ዝድግፉ ኔሮም. እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ጀርመን ኣብቲ ግዜ ብፋሺዝም
ትምራሕ ስለዝነበረት እዩ.
Peter ብሩተን.
(ወዲ ሶንያ )ኣደይ ካብ ግዜ ንእስነታ ኣትሒዛ ኮሚኒስት እያ ኔራ.መዓስ ኢኺ ኮሚኒስት ኮንኪ ኢለ ክሓታ ከለኹ ከኣ, ክውለድ ከለኹ እየ ኮይነ ኢላ ትምልሰለይ ነበረት.
እታ በላሕ ዝነበረት ኦርሱላ ጋል 17 ዓመት ምስኮነት ምስ
ናይ መንእሰያት ናይ ኮሚኒስት ማሕበር ተጸምበረት.ነቶም
ብለኒን ዝወጹ ዝነበሩ ጽሑፋት እናምበበት ኣብቲ ጉጅለ ዓቢ ተራ ክትጻወት ጀመረት.ተኾነ ግን እታ ተድንቓ ዝነበረት ሃገረ ሩስያ ድሕሪ ቀዳማይ ኩናት ዓለም ኣብ ጥርጣረ ዘእቱ ነገራት ክትገብር ጀመረት.እቶም ነታ ሃገር ዝመርሕዋ ዝነበረ ቦልሽቪክስ ቃሎም ኣየኽብሩን እዮም ኔሮም.ሶንያ ምስቲ ናይ መጻኢ ሰብኣያ ሮልፍ ሃምበርገር ኣብታ ናይ መንእሰያት ማሕበርያ ተላልያ.ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ምስ ተመርዓወቶ ከኣ ኣርክቴክት ስለዝነበረ ምስኡ ሓቢራ ናብ ሻንግሃይ ከደት.ይኹንምበር ኣብ ሻንግሃይ ኣብ 1930ታት ኮሚኒስት ክትከውን ከቢድዩ ኔሩ.እታ ከተማ ድሕሪ ቀዳማይ ኩናት ዓለም ምዕብልቲ እያ ኔራ. ኤሮጳውያን መንእሰያት ከኣ ነዓኣ ከም ሓንቲ ናይ ምዕባለን ናይ ዘመናውነትን ከተማ ጌሮምዮም ዝርኢዋ ኔሮም.መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ኮሚኒዝም ወራር ምስ ጀመረ እቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኮሚኒስት ናብ ርሑቕ ቦታታት ከይዶም ተኣኪቦም ሰራዊት መስረቱ.እታ ኣብ ጀርመን ኣባል ናይቲ ውድብ ዝነበረት ኦርሱላ ከኣ ብዝከኣላ መገዲ ክትሕግዝ ደለየት.ምስ ሓንቲ ኣግነስስ መድሊ ትብሃል ኮሚኒዝም ትድግፍ ኣመሪካዊት ጋዜጠኛ ድማ ርክብ መስረተት.ክልቲአን ኣዝየን ምስ ተቐራረባ ኣግነስ ንኦርሱላ ኣብ ዘ ኢሮፕያን ኮሎንያል ሶሻል ሲን ኣእተወታ.ድሕሪኡ ኦርሱላ በዚ ጉጅለ ጌራ ምስቲ ናይ ሶቨት ሰላዪ ዝኾነ ሪቻርድ ሶጋ ተላለየት.እቲ ጀርመናዊ ዝነበረ ሪቻርድ ከም ጋዜጠኛ ተመሲሉ ከም ናይ ሶቨት ሰላዪ ኮይኑ ይሰርሕ ነበረ.ከይጸንሐ ከኣ ሓደ ካብቶም ውጽኢታውያንን ጸለውትን ናይቲ ግዜ ሰለይቲ ኮነ.ኦርሱላ ንቻይናውያን ክትሕግዝ ከምትደሊ ምስ ፈለጠ ድማ ምስ ፖሎቲከኛታትን ነጋዶን ኣብ ገዛኺ ኮይነ ኣኼባ ክገብርየ በላ.ኦርሱላ ከኣ ብኸምዚ መገዲ ጌራ ናብ ናይ ስለያ ዓለም ኣተወት.ነቲ ሪቻርድ ዝሰደላ ዝነበረ ዶኩመንታትን ኣጽዋርን ከኣ ትሕልዎ ነበረት.ንሱ ነቲ ጃፓናውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ ምንቅስቓስ ተኸታቲሉ ሓበሬታ ናብ ሶቨት ሕብረት የምሓላልፍ ነበረ.ኦርሱላ ድማ ነቲ ናይ ሶቨት ስነ ሓሳብ ክትፈትዎ ጀመረት.ዋላ ንወዳ ማይክል ኣብ 1930 ምስ ወለደቶ ምስ ሪቻርድ ምስራሕ ግን ደው ኣየበለትን.ሪቻርድ ሶጋ ኣብ 1934 በቲ ተወፋይነታ ስለ ዝተደነቐ ናብ ሞስኮ ከይዳ ምስላይ ክትምሃር ዕድል ፈጠረላ…. ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ቪድዮ ዘሎ ሊንክ ተኸታተሉ…



