ኣዝዮም ረበሽቲ ቦታታት ዓለም!!

ኣብ ናይ ሞንታክ ገምገም ባሕሪ ሓንቲ ካብ 1981 ሒዛ ዝተዓጽወት ወትሃደራዊት መዓስከር ኣላ.ተኮነግን ኣብ ትሕቲቲ መዓስከር መንግስትን ሳይንቲስትታትን ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ናይ ኣእምሮ ምቁጽጻር መርመራ ከምዝገብሩ ዝገልጽ ወረታት ኣሎ.መንግስቲ ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ ኮይኑ ምስጢራዊ መርመራታት የካይድ ኣሎ.ኣብዛ ናይ ሎምዓልቲ ቪድዮ ከኣ ብዛዕባዞም ምስጢራውያን መርመራታት ክንድህስስስ ኢና.ነቶም መንግስቲ ክንፈልጦም ዘይደልየና መዓስከራት ክንሪኦም
ኢና.
ካምፕ ሂሮ.
እታ ነትፍሊክስ ትርአ ስትረንጀር ቲንግስ ትብል ፊልም ብዛዕባ ሓንቲ ብኣእምሮኣ ጌራ ዝደለየቶ ነገር ተንቀሳቅስ ጋልያ.እዛ ፊልም ዋላኮ ሳይንሳዊት ልብወለድ ተኾነት በቲ ኣብ ሞንታክ ዘሎ ነገር ተደሪኻ እያ ግን ተሰሪሓ. መንግስቲ ኣብ ሞንታክ ኣብ ግዜ ካልኣይ ኩናት ዓለም ወራር ከይመጾ ኢሉ ካምፕ ሂሮ ዝብሃል ወትሃደራዊ መዓስከር ሃነጸ.እቲ ውግእ ምስ ተወድአ ከኣ ንናይ ሶቨት ሚሳይላት ዝጸናጸን ሳተላይት ተተኽለሉ.ገለ ኣብጥቓ ቲ ቦታ ዝነብሩ ሰባት ግን መንግስቲ ኣብ ኣብኡ ናይ ኣእምሮ መርመራታት ከምዝገብርዮም ዝገልጹ.እዚ መርመራ ሞንታክ ፕሮጀክት ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ.እዞም ሰባት ወሲኾም መንግስቲ ነዚ ፕሮጀክት ብጀርመናውያን ሳይንቲስት ጌሩ ከምዘካይዶ እዮም ዝሕብሩ.ነቶም ኣብቲ
ከባቢ ዘለዉ ቆልዑ ጨውዩ መርመራ ይገብር.እዚ ክልሰ ሓሳብ ካብ ሓንቲ ዘ ሞንታክ ፕሮጀክት ትብል መጽሓፍዩ መጽዩ.እቲ ኮንስፓይረሲ ትዮሪስት ዝኾነ ፕሬስቶን ኒኮላስ ኣብ 1992 ጸሓፋ.እቶም ኣብ ሞንታክ ዝቕመጡ ሰባት ከኣ ገለ ኣብቲ መጽሓፍ ዘሎ ነገር ሓቂ ከምዝኾነን ንሶም
ውን ቆልዑ ከለዉ ግዳይ ናይቲ መርመራ ኮይኖም ከም ዝነበሩ ገለጹ.ጆው ሎፍሬኖን ጀይምስ ብሩስን ኣብ ልዕሊኦም ናይ ኤለትርሲቲ ሬድዮ ማዕበልን ኣእምሮ ዘዘምብል ነገራትን ከምዝተፈተነ ገለጹ.እቶም ሳይንቲስት
ንሓንጎሎም ሓጺቦም ልዕለ ሰብኣዊ ሓይሊ ክህብዎም ፈተኑ.እዞም ፈተነታት ብርግጽ ከም ዝተዓወቱ ኣይፍለጥን
እዩ.ብዙሓት ኣካታዕቲ ክልሰሓሳባት ዘቕርቡ ሰባት ግን እቲ መርመራ መንግስቲ ነቲ መዓስከር ክሳብ 1981 ከም ዝቐጸለ እዮም ዝሕብሩ.መንግስቲ እቲ መዓስከር ምስ ተዓጽወ ንግዝኣት ኒውዮርክ ኣብቲ ከባቢ ፓርክ ክሰርሕ ኣፍቀደሉ.ብመሰረት እቲ ውዕል እቲ ግዝኣት ነቲ ከባቢ ጥራይ ዘይኮነ ንኹሉቲ ኣብቲ ካምፕ ዘሎ ህንጻታት ውን ስለዝውንኖ.እቲ መንግስቲ መርመራ ምግባር ደው ኣየበለን ክኸውን ይኽእልዩ.ኣብዚ ሕጂ ግዜ
ኣብ ካምፕ ሂሮ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾኑ ናይ ሳተላይት ድሻት ብኮንክሪት ዝተዓጽወ ገለርያታትን ኣለዎ.ገለ ሰባት ግን ኣብቲ ቦታ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ዝጥቀመሉ ናይ ትሕቲ መሬት ላባራቶሪ ከምዘሎ እዮም ዝዛረቡ.እዚ ክልሰሓሳብ ኣብ 2008 ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ሓደ ምስጢራዊ ፍጡር ምስ ተረኽበ ዓለምለኻዊ ኣድህቦ ረኸበ.ኮንስፓይረሲ ትዮሪስትስ እዚ ሞንታ ሞንስተር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍጡር ብመንግስቲ ከምዝተሰርሐ ገለጹ.እቶም ናይ ውሽጢ ዓዲ ሳይንቲስት ግን እቲ ሞንታክ ሞንስተር ዝብሃል ፍጡር ሬሳ ናይ ሓደ ኣብ ባሕሪ ዝሞተ ራኩን ከምዝኾነ ገለጹ.
ክሊማ ምቑጽጻር.
እዚ ኣብ ኣላስካ ዝርከብ ኤችአይአይኣርፒ ሪሰርች ስቴሽን
ሓደ ዓቢ ሬድዮ ዘምሓላልፍ ትራንዝሚተር ኣለዎ.
እዚ ትራንዝሚተር ሓያል ስለዝኾነ እቶም ካብኡ ዝወጹ ናይ ሬድዮ ማዕበላት ንክቢ ኣዮን የሙቆ.ሳይንቲስት ድማ ካብዚ ተበጊሶም እቲ ክቢ ኣዮን ነቲ ካብ ጽሓይ ዝመጽእ ሙቐት ከመይ ጌሩ ከምዝቕበሎ ይርድኡ.ገለ ሰባት ግን እዚ ሓሶት ከምዝኾነን መንግስቲ ከኣ በቲ ትራንዝሚተር ጌሩ ክሊማ ተቖጻጺሩ ናብ ካልእ ክፋል ናይ ዓለም ባህርያዊ ሓደጋ ከምዝሰድድ እዮም ዝገልጹ.እቲ ኣምሓዳሪ ናይ ሚኒሶታ ዝነበረ ጀሲ ቬንቱራ ኣብ 2009 ሓንቲ ኮንስፓይረሲ ትዮሪ ትብል መደብ ዘርግሐ.ኣብቲ መዓስከር ከኣ ናይ ክሊማ ምቁጽጻር መርመራ ከም ዝግበር ሓበረ.ሁጉ ቻቨዝ ሀይቲ ኣብ 2010 ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ዓነወት ኣሜሪካ እያ ነቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብ ኤችአይአይኣርፒ ጌራ ፈንያቶ በለ.እቲ ኣብ 1998 ገዛኢ ናይ ሚኒሶታ ዝነበረ ቬንቱራ ኣብ 70ታት ናይ WWF ረስለር እዩ ኔሩ.ስለዚ ካብ ኣተሞስፈሪካዊ ሳይንስ ንላዕሊ ናይ ረስሊን ምንቅስቓሳት
እዩ ዝፈልጥ.ብተወሳኺ ሁጎ ቻቨዝ ውን ጸላኢ ኣሜሪካ ዝነበረ መራሒ እዩ ኔሩ.ካንሰር ውን ብሰንኪ ኣሜሪካ ከም ዝሓመመ እዩ ዝገልጽ ኔሩ… ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ጠውቑ…

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×