ካብ ተናባዪ ጎደና ናብ ሚልዮነር!! ዘደንቕን ብድሆታት ዝዓብለሎን ታሪኽ ዓወት ቻርለስ ቻፕሊን!!

ግዚኡ 1952 እዩ ቻርለስ ቻፕሊን ኣብታ ዓባይ መርከብ ንግስቲ ኤልሳቤት ተሳፊሩ ነታ ላይምላይት እትብል ሓዳስ ፊልሙ ንከርኢ ናብ ለንደን የምርሕ ነበረ። ኣብቲ ግዜ ቻርለስ ካብ ኣኽባር ሕጊ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብታ ሽዑ እዋን ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ተቀባልነት ከም ዘይብሉ ዝገልጽ ናይ ቴለግራም መልአኽቲ ተቀቢሉ ነበረ። እቲ ናይታ ሃገር ኣዝዩ ህቡብን ጽቡቅ ተቀባልነትን ዝነበሮ ሰብ ስደተኛ ኮነ።ሂወት ቻርለስ ቻፕሊን ካብ ፊልም ዝሓይስ ኣይነበረን። ኣብ ኦርፋን ዓብዩ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ህቡብን ጽቡቅ ተቀባልነትን ዘለዎን ሃብታም ሰብን ክኸውን በቂዑ እዩ። ግን ጸልማት ክፋል ሂወት ውን ኔርዎ እዩ። ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ የታልል ብምንባሩን ናብ ኮሚኒዝም ዝንባለ ስለዝነበሮ ውን ብጀይ ኤድጋር ሆቨር መርመራ ተኻይድሉ ነበረ። እዚ ድማ እተን ናይ መወዳእታ ዘመን ሂወቱ ኣብ ስደት ንከሕልፎ ኣገዲድዎ እዩ።    ዘኽታም ቻርለስ ቻፕሊን ሂወቱ ካብ ግዜ ህጻንነቱ ጀሚርካ ብሽግርን ጻዕርን ዝተመልአ እዩ ኔሩ። እዚ ድማ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣለዉ ዝበሃሉ ሂወቶም ካብ ኣዝዩ ዘሕዝን ናብ ናይ ሃብታም ሂወት ካብ ዝቀየሩ ሰባት መሳጢ ይገብሮ።እቲ ኣብ 1889 ኣብቲ ረሳሕ ጎደናታት ለንደን ዝተወልደ ቻርለስ ቻፕሊን ኣቡኡ ሰር ቻርለስ ጌና ኣፉ ከየጽረየ ብህጻንነቱ ካብዛ ኦኣለም ብሞት ክፍለ እንከሎ እታ ዘይዕዉት ናይ መድረኽ ስራሕ ዝነበራ ኣዲኡ ሃና ቻፕሊን ብዘይ ገንዘብ ክትተርፍ ተግደደት። ንቻርለስን ንዓቢ ሓዉ ሲድኒን ድማ ብኣዝዩ ድኽነት ዝመልኦ ሂወት ብዙሕ ከይተገደሰት እያ ኣዕቢያቶም። ቻርለስ ጌና ኣብ ሻብዓይ ዓመቱ እዩ ኣብ መዕቆቢ ድኻታት ክኣቱ ተገዲዱ። ወላ እኳ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ነዲኡ ክርእያ ይኽእል እንተነበረ ካብ ሓደ መዕቆቢ ድኻታት ናብ ካልእ ይከላበት ነበረ። ቻርለስ ወዲ 9 ዓመት ምስ ኮነ ኣዲኡ ሃና ናብ ናይ ኣእሙሮ ሕሙማን ዝእለይሉ ማእከል ኣተወት። ኣብቲ ምዕቆቢ ድኻታት እንዳሰርሐን ነታ ናይ ኣእሙሮ ሕማም ዘለዋ ኣዲኡ እንዳኣለየን ቻርለስ ኣብ ትርፊ ግዚኡ ኣብ መድረኽ ክዋሳእ ጀመረ። ግን ዝንባሊኡ ኣብ ደርፊ ዘይኮነስ ኣብቲ ሽዑ እዋን ፍቱው እንዳኾነ ዝመጽእ ዝነበረ ናይ መድረኽ ኮሜዲታት እዩ ኔሩ። ሓደ እዋን ህቡብ ናይ መድረኽ ተዋሳኣይ ንክኸውን ድማ ሕልሚ ኣሕደረ። ንቻርለስ ኮሜዲ ማለት ካብቲ መዓልታዊ ሂወቱ ዝኾነ ዘጨንቅ ናብራ መህደሚ እዩ ኔሩ። ንሱን ሲድኒ ሓዉን ሂወቶም መዓልታዊ ስራሕ እንዳሰርሑ ይኣልዩ ነበሩ። ወዲ 14 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ ኣዲኡ ኣዝያ ሓሚማ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ቻርለስ ናብ ትያትር ዝምህር ዌስት ኢንድ ለንደን ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ተመዝገበ። እቲ ማናጀር ነቲ ናይ ቻርለስ ተውህቦ ተረድኦ እሞ ናይ መጀመርታ ናይ መድረኽ ስርሑ ከም ኣከፋፋሊ ጋዜጣ ኮይኑ ክሰርሕ ተዋህቦ። እቲ ምርኢት ኣብ ሓምለ 1903 እኳ እንተተኸፍተ ዕዉት ብዘይምንባሩ ግን ኣብ ክልተ ሰሙኑ እዩ ክዕጾ ክኢሉ። ተኾነ ግን ናይ ኮሜዲ ክእለት ቻርለስ ንበይኑ ጸብለል ብምባል ካብ ተዓዘብቲ ብዙሕ ኣድናቆት ተቀበለ። ሓዊ ቻርለስ ሲድኒ ከም ተዋሳኣይ ኮይኑ ጽቡቅ ስራሕ ረኸበ እሞ ኣብ 1906 ናብ ካምፓኒ ኮሜዲ ፍሬድ ካርሎስ ብቅልጡፍ ኮኾብ ተዋሳኣይ ናይቲ ካምፓኒ ክኸውን በቅዐ። ሲድኒ ሓዉ ቻርለስ ኣብቲ ካምፓኒ ናይ ክልተ ሰሙን ናይ መፈተኒ ዕድል ክወሃቦ ንፍረድ ሓተቶ። ኣብታ ዝገበራ ቀዳመይቲ ፈተነ ቻርለስ ክዕወት ከኣለ እሞ ሙሉእ ውዕል ተፈራረመ… ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ሊንክ ተለታተሉ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×