
ዝበዝሑ ቆልዑ ብኣልጀብራን ፍዚክስን ክሓስቡ ከለዉ ናይ ዱባይ ቆልዑ ግን በየነይቲ መኪና ጌርና ኢና ናብ ትምህርቲ ንኸይድ ኢሎም እዮም ዝጭነቑ.ናብ ማልዲቭስ ዶ ወይስ ናብተን ንውንነን ደሴታት ክንከይድ ኢሎም እዮም ዝሓስቡ.እቶም ዝውንንዎም ኣፍራስ ካብ ሰብ ዝሓሸ ሂወት እዮም ዘሕልፉ.
ሎማዓልቲ ነቶም ኣብ ዱባይ ዘለው ቆልዑ ክንሪኦም ኢና.
ራሺድ ቤልሃሳ (ማኒ ኪክስ )
ራሺድ ሓደ ካብቶም ኣብ ዱባይ ዘለው ንኣሽቱ ሚልዮነራት እዩ.ንዕኡ ወጻኢታተይ ዓቂበ እየ ዝኸይድ እንተ ኢልካዮ ብዛዕባ ገለ ሻምፓ ትዛረብ ዘለኻ እዩ ዝመስሎ.ምኽንያቱ ንሱ ገንዘብ ምቁጣብ ዝብል ኣምር ኣይፈልጥንዩ.ንሱ ዝደለዮ ነገር ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ኣለዎ.እቲ ሃብታም ዝኾነ ኣቡኡ ሳፊድ ኣሕመድ ቤልሃሳ ኣብ 2001 ኣብ ህንጻ ዝነጥፍ ሳፊ ቤላስ ዝብሃል ኩባንያ ከፈተ.እዚ ኩባንያ ምስ ግዜ እናዓበየ ክኸይድ ከሎ ኣብዚ ግዜዚ ድማ 50 ዘምሓድሮም ኩባንያታትን 10000 ሰራሕተኛታትን ኣለዎ.ራሺድ ድማ በዚ ናይ ኣቡኡ ሃብቲ ጌሩ ናይ ሃብታማት ናብራ ክነብር ክኢሉ ኣሎ
እቲ ናይ ሶሻል ሜድያ ጉዕዞኡ ወዲ 11ዓመት ከሎ እዩ ጀሚሩ.ኣብ 2013 ኣብ ኢንስታግራም ሃብቱ ዘርእዩ ቪድዮታት ክዝርግሕ ጀመረ.ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ማኒ ኪክስ ትብል ናይ ዩትዩብ ቻነል ከፈተ.ኣብቲ ግዜ ኣብ ኢንስታግራም 2 ሚልዮን ተኸታተልቲ ክህልውዎ ከለዉ ኣብ ዩትዩብ ከኣ 3ሚልዮን ሳብስክራይበርስ ኣለውዎ. ኣብቲ ኣብ ዩትዩብ ዘሎ ቪድዮታት ኣዝዮም ክቡራት ነገራት እናገዝአ ከሎ እዩ ዝርአ.ዋጋ ናይቶም ዝውንኖም ጫማታት 1ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ እዩ ዝግመት. ዝበዝሑ ካብኦም ብውሑድ ቁጽሪ ዝተሰርሑ ክቡራት ጫማታት እዮም.ራሺድ ድማ ንዕኦም ኣብ ሓደ ዓቢ ክፍሊ ሰሪዑ ኣቐመጦም.ሓደ ካብቶም ፍሉያት ጫማታቱ
እቲ ብማይክል ጆርዳን ዝተፍረመ ናይ 2004 ኤር ጆርዳን
እዩ.ናይኪ ኤርዩዝቱ ሬድ ዝዓይነቱ ጫማውን ኣለዎ.እዚ ጫማ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብ15000 ዶላርዩ ክሽየጥ ጸኒሑ.ራሺድ ግን ጫማታት ጥራይ ዘይኮነ መካይን ምእካብ ውን ይፈቱ እዩ.ኣብ 2017 ወዲ 15ዓመት ምስ ኮነ ከም ህያብ ሓንቲ ፌራሪ ኤፍ ትወልፍ ቤርንሌታ ዝዓይነታ መኪና ተዋህበቶ.እዛ መኪና ብልዊስ ቪታን ተሸፊና እያ መጽያ.ይኹንምበር ራሺድ ኣብቲ ግዜ ወዲ 15 ዓመት ስለዝነበረ ነታ መኪና ኣብ ጽርግያ ክዝውራ ኣይክእልንዩ ኔሩ.ዋጋ ናይዛ መኪና 319,900 ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ.ራሺድ ግን ኣብታ ዝቐጸለት ዓመት ብ 190000 ዶላር ሸጣ.ቅድሚኡ ኣብ 2016 ካዲላስ ኤስ ክለይድ ተዋህበቶ.እቲ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ዋጋ ናይታ መኪና 91950 ዶላርዩ ኔሩ.ራሺድ ማይ መኪና ባይተንት ምስ ኣውጽአ ሓዳሽ ሮልስሮይስ ጎስት ገዝአ.እዛ ክብርቲ ዝኾነት መኪና ብ311,900 ዶላርያ ትሽየጥ.ራሺድ ግን ጫማን መኪናን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ውልቂ ነፈርቲውን ይፈቱዩ.ኣብ 2017 30000 ከፊሉ ኣብ ኢማራት ኤርባስ 380 ተሰቕለ.እዛ ትኬት ዓባይ ቲቪን ናብ ዓራት ዝቕየር ሳሎንን ቀረበትሉ.ራሺድ ኣብ 2021 ነቲ ናይ ቦክሲንግ ጸወታ ክዳሎ ኢሉ ምስቲ ንፕሮሾው ዝመስረተ ክላይመንት ኦብሪር ተራኸበ.ንሱ ናይ ኣፍ መሕለዊ ኣብ ምስራሕ እዩ ዝነጥፍ.እቲ ዝተሓተ ዋጋ ናይቲ ዝሰርሖ መከላኸሊ ድማ 10000 ዶላርዩ ዝበጽሕ.እታ ራሺድ ዝገበራ ብ18 ካራት ኣልማዝ ዝተሰርሐት ናይ ኣፍ መከላኸሊ ድማ ንኽትስራሕ 50000ዶላር ወድኤት.



