“ዋይዋይታ ናይቶም መቃብራት“ ደራሲ ካሊል ጀብራን!! ተራኺ ሜሮን ዳኒኤል

እቲ ኣሚር ማለት ንጉስ ናብቲ ቤት ፍርዲ ኣትዩ ኣብ ማእከል ዝነበረ ኮፍ መበሊ ምስ ሓዘ ብየማኑን
ጸጋሙን ኣብታ ሃገር ኣለዉ ዝተባህሉ ሊቃውንቲ ኮፍ በሉ። ጠበንጃ ዝዓጠቁ ወትሃደራት ብተጠንቀቅ
ደው ኢሎም ነበሩ። እቶም ኣብቲ መጋባእያ ዝነበሩ ሰባት ብኣኽብሮት ተንሲኦም ነቲ ኣሚር ኢድ ነስእሉ።
ካብ ኣኦኢንቲ እቲ ኣሚር ኣብ መንፈሶም ሽበራ ኣብ ውሽጦም ድማ ፍርሒ ዘመንጩ ሓደ ሓይሊ ይፍልፍል
ነበረ። እቲ መጋባእያ ስርዓቱ ሒዙ እቲ ዳኛ ፍርዲ ክህብ ምስ ተቃረበ እቲ ኣሚር ኢዱ ንላዕሊ ሓፍ
ብምባል “ነቶም ገበነኛታት ሓደ ብሓደ ኣቅርብዎም እሞ ዝፈጸምዎ ገበናት ሓደ ብሓደ ንገሩኒ።” ብምባል
ብዓይታ ትእዛዝ ሃበ። ማዕጾ እቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘፍርሕ ኣራዊት ኣፉ ወለል ኢሉ ተኸፍተ። ካብቲ
ዘይርአ ጸልማት ክፋል እቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ድምጺ እግሪን ይ ሓዚን ሓጸልጸልን ተሓዊሱ ዝወጽእ
ዝነበረ ናይ ዋይዋይታን ብኽያትን ድምጺ ካልእ ድምጺ ፈጢሩ ይስማዕ ነበረ። ዕዱማት እቲ ቤት ፍርዲ
እቶም ናይ ሞት ግዳያት ዝኾኑ እሱራት ካብቲ ኣሰቃቂ ጉድጓድ ወጺኦም ንክሪኡ ብሃንቀውታ ይጽበዩ
ነበሩ። ድሕሪ ገለ ህሞት ክልተ ዕጡቃት ወተሃደራት ንሓደ ኢዱ ንድሕሪት ዝተኣስረ መንእሰይ ሒዞም
መጹ። ኣብቲ ጸዋግ ገጹ ጽንዓት መንፈሱን ናይ ልቡ ሓይልን ይንበብ። ኣብ ማእከል እቲ ቤት ፍርዲ ደው
ከም ዝብል ምስ ገበርዎ እቶም ወተሃደራት ብድሕሪኡ ገለ ውሑዳት ስጉምቲ ብምርሓቅ ብተጠንቀቅ ደው
በሉ። እቲ ኣሚር ንነዊሕ ጊዜ ኣፍጢጡ ድሕሪ ምጥማቱ “እዚ ሰብ እንታይ ገበን እዩ ፈጺሙ?” ክብል
ሓተተ። ሓደ ካብቶም ኣኽበርቲ ሕጊ “ቀታል ሰብ እዩ። ትማሊ ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ኣከባቢ ንክሳድ ሓደ
ስርሑ ዝሰርህ ዝነበረ ናይ ኣሚር መኮነን ቆሪጹ ደርብይዎ። ኣብ ዝተታሕዘሉ ግዜ ድማ ብደም
ዝተጨማለቀ ጉራዴ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ።” በለ። እቲ ኣሚር ብሕርቃን ተቃጸለ “ነዚ ሰብ ናብቲ ጸልማት
ቤት ማእሰርቲ መሊስኩም ውሰድዎ እሞ ብረጉድ ሰንሰለት እሰርዎ። ጽባሕ ኣንጊህኩም በታ ንሱ
ዝተጠቅመላ ጉራዴ ርእሱ ቁረጽዎ እሞ ናኣራዊት ሃብዎ። ንፋስ ነቲ ናቱ ሽታ ናብ ስድራቤቱ መታን ከብጽሖ
ንሬስኡ ኣብቲ ጫካ ደርብይዎ።” በሎም። እቲ መንእሰይ ተመሊሱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክውሰድ እንከሎ
ኣብ ንኡስ ዕድመ ዝርከብ ቆልዓ ብምንባሩ ሰባት ብዓይኒ ሓዘን ኣፋነዉዎ። እቶም ወተሃደራት ንሓንቲ
ዝተደወነ ጽቡቅ መልክዕ ዝነበራ መንእሰይ ሒዞም ዳግማይ ናብቲ ቤት ፍርዲ መጹ። እታ ሰበይቲ ገጻ
ዓዝዒዙ እዩ። ኣብቲ ዝዓዝዓዘ ገጻ ናይ ጭኮናን ቅሬታን ምልክት ይርአ። ኣዒንታ ብንብዓት ተርኪሱ እዩ። በቲ
ዝወረዳ መከራ ርእሳ ንታሕቲ ደፊኣ ነበረት። እቲ ኣሚር ነዛ ሰበይቲ ምስ ረኣየ “እዛ ኣብ ጥቃ ሬሳ
እትቅመጥ እትመልስ ሰብነታ ዝተመናንሀ ሰበይቲ ኸ እንታይ እያ ጌራ?” ብምባል ብዓውታ ሓተተ። ሓደ
ካብቶም ወተሃደራት “ዘማዊት እያ። ትማሊ ምሸት ሰብኣያ ኣብ ሕቅፎ ካልእ ሰብኣይ ኣትያ ረኺብዋ።
ኣፍቃሪኣ እኳ እንተምለጠ ሰብኣያ ግን ንሳ ናብ ቅድሚ ሕጊ ንክትቀርብ ኣሕሊፉ ሂብዋ።” በለ። ድንግርግር
ኢልዋ ገጻ ቅንዕ ምስ ኣበለት እቲ ኣሚር ረኣያ እሞ ትእዛዝ ሃበ “መሊስኩም ናብቲ ጸልማ ክፍሊ ውሰድዋ
እሞ በቲ ዝፈጸመቶ ጌጋ ነቲ ዝበከለቶ መደቀሲኣ ንክትዝክር ኣብ ናይ እሾኽ ዓራት ኣደቂስኩም እሰርዋ።
ኣብታ ዝተሰዓመትላ ግዜ ዝተሰምዓ ደስ ዘብል ስሞዒት ንክትዝክር ድማ ሓሞት ዝተሓወሶ መስተ ከም
ትሰቲ ገበሩ። ንግሆ ምስ ወግሐ ጥራይ ነብሳ ጌርኩም ኣብ መሬት እንዳጎተትኩም ብእምኒ ቀጥቅጥዋ።
ነቲ ልስሉስ ናይ ሰውነታ ስጋ ተዃሉ ይተሓጎስሉ። ኣዕጽምታ ውን ይበጣጥስዎ።” ተመሊሳ ናብቲ ጸልማት
ቤት ማእሰርቲ ክትከይድ እንከላ ሰባት ብፍርዲ እቲ ኣሚርን ብዕድላን ኣዝዮም ብምሕዛን ብርህራሄ
ተመልከትዋ። ቀጺሎም እቶም ወተሃደራት ብርኩ ዘንቀጥቅጥ ንፋስ ሰሜን ዘወዛውዞ ዝመስል ሓዘን
ዝመልኦ ሰብኣይ ሒዞም መጹ። ዓቅሚ ኣልቦ ሕማም ዘጥቅዖን ኣዝዩ ዝፈርሐን ይመስል። መከራ ዝበዝሖ
ምስኪን ድኻ እዩ። እቲ ኣሚር ዕግርግር እንዳበሎ ኣፍጢጡ ረኣዮ እሞ “እዚ ካብ ምዉታን ንላዕሊ ካብ
ህሉዋት ንታሕቲ ዝኾነ ዘጽልእ ሰብኣይ ከ እንታይ እዩ ጌሩ?’’ ክብል ሓተት። ሓደ ካብቶም ዋርድያታት “ናብ
ውሽጢ እቲ ገዳም ኣትዩ ቅዱሳን ጽዋኣት ድሕሪ ምስራቁ ነቲ ዝሰረቆ ንስብረት ኣብ ትሕቲ ክዳኑ ምስ
ሓብኦ እቶም መነኮሳት ኢድከ ፈንጂ ዝሓዝዎ ሌባ እዩ።’ ክብል መልሲ ሃበ። እቲ ኣሚር ከም ክንፋ
ዝተጎድአት ክትበርር ዘይትኽእል ዝጠመየት ንስሪ ጌሩ ረኣዮ እሞ “ናብቲ ዝጸንሖ ጸልማት ክፍሊ
መሊስኩም ውሰድዎ። ንግሆ ምስ ኮነ ናብ ዓቢ ገረብ ወሲድኩም ነተን ዝሰረቃ ኣእዳዉ ቆሪጽኩም እቲ
ዝተረፈ ሰውነቱ ብንፋስን ዝናብን መታን ክበታተን ኣብ መንጎ ሰማይን መሬትን ኣብቲ ገረብ
ኣንጠልጥልዎ።” በሎም። ናብታ ጸልማት ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ሰባት ከምዚ ዓይነት
ድኹምን ብሕማም ዝተጠላቀየ ሰብን ናይ ቤት መቅደስ ጽዋእ ክሰርቅ ሲ እንታይ ዝበለ ድፍረት እዩ ዘለዎ
እንዳበሉ ነሓድሕዶም ኣሕሾኽሸኹ። እቲ መጋባእያ ተዛዘመ እሞ እቲ ኣሚር ብሰበስልጣንን ኣማኸርቱን…

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

×