Bufeeri

Bufeeri

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተኣገደ መጽሓፈ ሄኖክ ብዛዕባ መንግስተ ሰማይ ዝብሎ ዘሰንብድ ምስክርነት.

ቅድሚ ነዊሕ እዋን፥ ዓቢ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ከይመጸ፡ ፍርዲ እቲ ልዑል ፈጣሪ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ከይወደቐ፡ ብኣምላኽ ዝተመርጸ ጻድቕ ሰብ ይነብር ነበረ።  ስሙ ሄኖክ ወዲ ያሬድ ይበሃል።  ለባምን ውሕሉልን እዩ ነይሩ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብሞገስ ይጥምቶ ነበረ።  ኣምላኽ ንሄኖክ ምስጢራት ሰማይ ክርኢ ፈቒድሉ እዩ።  ናይቲ ዝለዓለ መሕደሪ እግዚኣብሔርን ናይቲ ዓብን ዘይልወጥን መንግስቲ ኣምላኽን ምስክር ክኸውን ክኢሉ እዩ። ሄኖክ ንመደበራት መላእኽቲ ብብዙሕ ኣዒንቲ ርእይወን እዩ። ብርሃን እዘን መደበራት ካብ ጸሓይ ንላዕሊ ዝደምቕ እዩ ነይሩ።  እቲ ማንም ክቐርቦ ዘይክእል ዝፋን እግዚኣብሄር፥ መወዳእታ ዘይብሉ ብርሃን ክበርህ ረኣየ።  ስርዓት ፍጥረት፡ መልክዕ ሰማያውያን ፍጡራት፡ መዝሙር ኪሩቤል፡ ከምኡ’ውን ሰብ ርእይዎ ዘይፈልጥ ክብሪ ረኣየ።  ሄኖክ ድሒሩ ነቲ ዝረኣዮ ኣብ ካልኣይ መጽሓፍ ሄኖክ (Second Book of Enoch) መዝጊብዎ እዩ፣ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ዓሰርተ ሰማያት ተዛሪቡ። ሄኖክ ከምዚ ኢሉ፤ ወዲ 165 ዓመት ከለኹ፡ ማቱሳላ (Methuselah) ዝተባህለ ወዲ ወለድኩ። ብድሕሪ እዚ፥ ንተወሳኺ 200 ዓመት ብህይወት ጸኒሐ። ብድምር፥ ጠቕላላ ዓመታት ህይወተይ 365 እዩ። ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ፥ ኣብ ገዛይ ንኸዕርፍ፡ ኣብ ዓራተይ ተደፊአ ነይረ፡ ጸኒሑ ድማ ድቃስ ወሰደኒ። ደቂሰ ከለኹ፥ ኣብ ልበይ ረበሻ ተሰምዓኒ። ኣብ ሕልመይ በኸኹ፡ ነቲ ምኽንያት ናይ ሓዘነይ ወይ እንታይ ከምዝኾንኩ ግን ክርድኣኒ ኣይከኣልኩን። ሽዑ ክልተ ሰባት ተራእዩኒ።  ኣብ ምድሪ ካብ ዝረኣኹዎም ሰባት ዝዓበዩ እዮም ነይሮም።  ገጾም ከም ጸሓይ ይበርቕ ነበረ፡ ኣዒንቶም ድማ ከም ሓዊ ይነዳ ነበራ።  ካብ ከንፈሮም እውን ሓዊ ይወጽ ነበረ።  ክዳውንቶም ሓምላይ፡ ኣኽናፎም ካብ ወርቂ ንላዕሊ ዝበርህ፡ ኣእዳዎም ድማ ካብ በረድ ዝጽዕዱ እዩ ነይሩ።  ኣብ ርእሲ ዓራተይ ደው ኢሎም ብስመይ ጸውዑኒ። ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ ብንጹር ረኣኽዎም።  ሰላም ኢለዮም ግን ፈሪሐ ነይረ፡ ብሰንኪ ፍርሒ ገጸይ ተቐየረ።  ሽዑ ሓደ ካብኦም፡ ‘ሄኖክ ኣይትፍራሕ።  ትብዓት ይሃልኻ።  እቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ እዩ ናባኻ ልኢኽና።  ሎሚ ምሳና ናብ ሰማይ ክትድይብ ኢኻ።  ንደቅኻን ንቤተሰብካን፥ ንስኻ ምስ ከድካ ኣብ ምድሪ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ንገሮም።  እግዚኣብሄር ናብኣታቶም ክሳዕ ዝመልሰካ፥ ሓደ እኳ ዝደልየካ ክህሉ የብሉን’ ኢሉ ተዛረበኒ። ቀልጢፈ ድማ ተኣዘዝኩ።  ካብ ገዛይ ወጺአ፥ ንደቀይ ማቱሳላ (Methuselah): ረጂምን (Regim) ጋይዳድን (Gaidad) ጸዋዕክዎም።  እቶም ሰባት ዝበልዎ ኩሉ ነገርክዎም።  ኣነ ድማ ንደቀይ ከምዚ በልክዎም፡ ‘ደቀይ ስምዑኒ።  ናበይ ከም ዝኸይድን እንታይ ከም ዘጋጥመኒን ኣይፈልጥን እየ።  ኣነ ግና እዚ እብለኩም ኣሎኹ፡ ካብ ኣምላኽ ኣይትርሓቁ።  ንሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ዋጋ ዘይብሎም ፍጡራት ኣይትስዓብዎም፣ ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም፣ እቶም ዘምልኹዎም እውን ከምኡ።  እግዚኣብሄር ንኽትፈርህዎ ድልዱል ልቢ ይሃበኩም።  ሕጂ ድማ ደቀይ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ክሳዕ ዝመልሰኒ ሓደ እኳ ክረኽበኒ ኣይፈትን።’ ምስ ደቀይ ምዝራብ ምስ ወዳእኩ፥ እቶም መላእኽቲ ወሰዱኒ።  ብኣኽናፎም ተሰኪሞም ኣብ ደበናታት ቀዳመይቲ ሰማይ ኣቐመጡኒ።  ኣብኡ ንኸባብየይ ምስጠመትኩ፥ ካብ ባሕርታት ምድሪ ዝዓቢ ዓቢ ባሕሪ ረኣኹ።  እቶም መላእኽቲ ንገዛእቲ ከዋኽብትን ተራኦም ኣብ ሰማያትን ኣርኣዩኒ።  ንከዋኽብቲ ብኣኽናፎም እናነፈሩን ኣብ መንገዶም እናተንቀሳቐሱን ዝመርሑ 200 መላእኽቲ ኣርእዮምኒ። ጸኒሐ፥ ነተን ብመላእኽቲ ዝሕለዋ መኽዘናት በረድ ረኣኹ።  ደበናታት ረኣኹ፡ ከምኡ’ውን በየን ቦታ ከምዝወጹን ዝኣትዉን ርእየ።  ከም ዘይቲ ኣውሊዕ ዝደምቕን ሕብሪ ኩሉ ዕምባባታት ምድሪ ዘለዎን መኽዘን በረኸት (storehouse of the dew) ረኣኹ።  ብዙሓት መላእኽቲ ነዚ መኽዘን ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ እናኸፈቱን እናዓጸዉን ይሕልውዎ ነበሩ። ሽዑ፥ መላእኽቲ ናብ ካልእ መንግሰተ ሰማይ ወሰዱኒ።  ኣብኡ ድማ ካብ ዝኾነ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ዝዓቢ ጸልማት ረኣኹ።  እሱራት ተንጠልጢሎም፡ ነቲ ዓቢ ፍርዲ ክጽበዩ ረኣኹ።  እዚኣቶም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ መላእኽቲ እዮም ነይሮም።  ትእዛዛቱ ኣይተኣዘዙን፥ የግዳስ ንፍቓዶምን ነቲ ኣብ ሓምሻይ መንግስተ ሰማይ ተኣሲሩ ዝነበረ መስፍንን ዝኽተሉ እዮም ነይሮም።  ምስ ረኣኽዎም ድማ ኣዝየ ደንጊጸ።  ንሳቶም ድማ፡ ‘ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ምእንታና ጸልዩ’ በሉኒ። ኣነ ግና ‘ኣነ እውን መዋቲ ሰብ እየ።  ከመይ ጌረ እየ ብዛዕባ መላእኽቲ ክጽሊ?  ናበይ ከም ዝኸይድ ወይ እንታይ ከም ዘጋጥመኒ፡ ወይ መን ከም ዝጽልየለይ ኣይፈልጥን እየ’ ኢለ መለስክሎም። ብምቕጻል፥ እቶም መላእኽቲ ናብ መበል ሳልሳይ መንግስተ ሰማይ ወሰዱኒ።  ኣብኡ ድማ ዓቢ ጽባቐ ዘለዎ ቦታ ረኣኹ።  ጥዑም ዕምባባታትን ፍረታትን ዘለዎም ኣግራብ ርእየ። እቲ ኣብኡ ዝረኣኽዎ፥ ካብ ዝኾነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዝበልጽ እዩ።  ኣብ ማእከል እቶም ኣግራብ፥ ኦም ህይወት (Tree of Life) ነበረት። እዛ ኦም፥ ጎይታ ናብ ገነት ምስ ኣተወ ዘዕረፈላ እያ።  እታ ገረብ ኣዝያ ፍልይቲ እያ ነይራ።  ከም ወርቂ (gold)፣ ቨርሚልዮንን (vermilion) ሓውን (fire) ትደምቕ ነበረት።  ኵሉ ዓይነት ፍረ ይፈሪ ነበረ፣ ሱራ ድማ ኣብቲ ኣብ ጫፍ ምድሪ ዝነበረ ጅርዲን ነበረ።  ገነት ንባዕላ ኣብ መንጎ ዝበላሸዉን ዘይበላሸዉን እዩ ነይሩ። ካብታ ቦታ እቲኣ ክልተ ማይ (springs) ወጸ፡ እቲ ሓደ መዓርን ጸባን፡ እቲ ካልኣይ ዘይትን ወይንን እዩ።  ናብ ኣርባዕተ ሩባ ተፈላለዩ፡ ሽዑ ናብ ገነት ኤደን ፈሰሱ፡ ካብኡ ድማ ናብ ስግር ምድሪ ይውሕዙ ነበሩ።  ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ኦም ፍረ ኣውጽአ፡ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ድማ ተባረኸ።  ሰለስተ ሚእቲ  መላእኽቲ ነቲ ኣታኽልቲ ይሕልውዎ ነበሩ።  ብዘይ ምቁራጽ ይዝምሩን ኩሉ ግዜ ንጎይታ የገልግሉን ነበሩ። ኣነ ድማ፡ ‘እዚ ቦታ ክንደይ ይጥዕም እዩ!’ በልኩ። እቶም መላእኽቲ ድማ፡ ‘ሄኖክ እዚ ቦታ ንጻድቃናት ዝተዳለወ እዩ። ማለት፥ ነቶም እናተሳቐዩ ኣብ እምነቶም ዝጸንዑ፡ ካብ ክፍኣት ዝርሕቑ፡ ብፍትሒ ዝፈርዱ፡ ንዝጠመዩ ዝምግቡ፡ ንዕሩቃት ዝለብሱ፡ ንዝወደቑ ዘልዕሉ፡ ንዘኽታማት ዝከናኸኑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዘይ ወቐሳ ዝመላለሱ ሰባት ዝተዳለወ እዩ።  ንዓኣቶም እዚ ቦታ ከም ዘለኣለማዊ ውርሻ ተዓቂቡሎም ኣሎ’…

ጥርጡር ቀታሊ ቻርሊ ከርክ ንኣብኡ ድሕሪ ምንዛዙ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ

13 መስከረም 2025 ብቕትለት ዓቃባዊ ነጣፊ ቻርሊ ከርክ ዝተጠርጠረ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ነባሪ ዩታ ተኣሲሩ። ቻርሊ ከርክ ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ኣብ መድረኽ እናተዛረበ እንከሎ ብዝተተተኰሰ ጥይት እዩ ተቐቲሉ። ታይለር ሮቢንሰን ፖሊስ እታ ሃገር ን33 ሰዓታት…

ኢትዮጵያ ክትሃንጾ ትህቅን ዘላ መመንጨዊ ማእከል ንዩክሌር – እንታይ ንፈልጥ?

ኢትዮጵያ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ህንጸት መመንጨዊ ሓይሊ ንዩክሌር ክትጅምር ምዃና ቀዳማይ ምኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብ 4 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም [ግ] ኣፍሊጡ። እቲ፡ “ምስ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝመዓራረ” ዝተብሃለ መመንጨዊ ጸዓት ንዩክሌር፡ “ንሰላማዊ” ዕላማታት ጥራይ ክውዕል ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።…

ስለምንታይ ኣምላኽ ንኳኽ መሪጹ?

 40 መዓልታት ሓሊፉ። 40 ናይ ትጽቢት፣ ስቅታን ማእሰርትን መዓልታት።ምድሪ በቲ ብፍርዲ ሰማይ ዝተሰደ ማያት ተደፊና እታ ናይ መወዳእታ ተስፋ ወዲ ሰብ ዝነበረት መርከብ ኖህ ከኣ ኣብ ልዕሊ ማያት ጸብለል ትብል።ድሕሪ እዚ 40 መልታት ግን ኖህ በተን ዘንቀጥቅጣ ኣእዳዉ ፍኒስትራ ከፈተ…

ፊልም DUNE ስለምንታይ ዘይትርድኣካ?

እዛ ፊልም ቅድሚ ሕጂ ተከታታሊ ክፋላት ዘለዋ መጽሓፍ እትውንን ፊልም እያ።ድዩን ዝብል ፊልም ርኢኹሞ ወ ውን ብዛዕብኡ ሰሚዕኩም ትፈልጡ ኢኹም ኢለ ይሓስብ።እዛ ፊም ኣብ ምድረበዳ ብዛዕባ ዝነብሩ ሰባት ተርኢ ፊልም እያ።እዛ ፊልም ንክትርድኣ ቁሩብ ክብድ ትብል ዓይነት እያ ብሓጺሩ ግን ምስቲ ልብወለድ ኣተሓሒዘ ቁሩብ ብዛዕባ እዛ ፊልም ገለ ክብል እየ።ድዩን ፓርት ዋንን ቱን ኣብዚ ቀረባ ግዜ እየን ወጼን። ዘይረኣኹመን ተሃሊኹም ድሕሪ እዛ ቪድዮ ክትርእይወን ኢኹም ኢለ ተስፋ ይገብር። ንፊልም ድዩን ንምርዳእ መጀመርታ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ 4 ሕብረተሰብ ክንርዳእ ኣለና።እቲ ናይ መጀመርታ ፓዲሽያን ኢምፓየር ዝበሃል ክንርድኦ ኣለና።ፓዲሽያን ኢምፓየር ማለት ነዚ ዓቢ ዩኒቨርሲቲ ዝገዝእ ዓቢ መንግስቲ እዩ።ናይዚ መንግስቲ ናቱ ዝኽዕነ መራሒ ኣለዎ።ኣብታ ፊልም ውን ዘ ሞስት ፓወርፉል ኢምፓየር ኢን ዘ ዩኒቨርስ ኢሎም ክገልጽዎ ንሰምዕ። እቲ ዝሓየለ ሰብ ወይ መንግስቲ እዚ ንግስነት እዩ።ግን ኣብ ትሕቲ እዚ መንግስቲ ከኣ ዘ ግረይት ሃውስ ዝተባህል ካልኦት ዝተፈላለዩ ነጋውስ ኣለዉ።እዞም ዘ ግረይት ሃውስ ዝበሃሉ መንግስትታት ነናቶም ፕላኔት ዝገዝኡ መንግስትታት እዮም። ንኣብነት ንምድሪ ዝገዝኣ ሓደ ሃውዝ ኣሎ፣ ንማርስ ዝገዝኣ ንግስነት ውን ኣሎ ከምኡ እንዳበለ ይቅጽል። ንሓንቲ ፕላኔት ንበይና ዝገዝኣ ዘ ግረይት ሃውዝ ተባሂሎምይጽውዑ። ኣብቲ መጽሓፍቲ ዝተፈላለዩ ሃውዝ ወይ ግዝኣት ከም ዘአዉ ዝገልጽ እኳ እንተኾነ ኣብዛ ፊልም ግን 2 ንግስነት ወይ ሃውዝ ጥራይ ኢና ንርኢ። እቲ ናይ መጀመርታ ኣትሬድየስ ዝተባህለ ሃውዝ እዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ሃርኮናን ዝበሃል ግዝኣት እዩ። እታ ፊልም እንተሪኢናያ ኣትሬድየስ ዝተባህሉ እቶም ጽቡቅ ግብሪ ዘለዎም ኮይኖም ዝሰርሑ ክኾኑ እንከለዉ ሃርኮናን ከኣ እቶም ሕማቅ ግብሪ ዘለዎም ማለት እዩ። እዚኦም ብዙሕ ግዜ ጻዕዳ ገጽ ዝውንኑ እዮም።ነዛ ፊልም ንምርዳኣ መጀመርታ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ንግስነታት ናይ ስልጣን ፍልልይ ከም ዘሎ ክንርዳእ ኣለና።ካልእ ከኣ ስፐይስ ሁሊድዝተባህሉ ወገናት ኣለዉ። እዚኦም ኤልያን ዝመስሉ ቁሩብ ውጽኣ ዝበለ ኣቃውማ ዘለዎም እዮም።እዚኦም ሰባት ቢዝነስመን እዮም። ቀንዲ ስርሖም ቢዝነስ ምንቅስቃስ እዩ። እንታይ እዩ ስርሖም ንዝብል ሕቶ እታ ፊልም ክትቅረጽ እንከላ ንቅድሚት ንዊሕ ዘመናት ከይዳ ከም ዝተቀርጸት እዩ ዘርኢ። ሕጂ ኣብ 2025 ኣለና እታ ፊልም ግን 10 ሽሕ ዓም ገለ ኢላ እያ ትጅምር።ኣብዚ እዋን ደቂ ሰባት ኤኣይ ዝበሃል ነገር ምሉእ ብምሉእ ካብ ገጽ ምድሪ ከም ዝኸልከልዎ ኢና ንርኢ። ስለምንታይ እዮም ዓጼሞ እንተደኣ ኢልና ቁጦብኦም ሓድሽ ዝኾነ ኤለመንት ተላልዩ ነበረ። እዚ ኤለመንት ከኣ ስፓይስ ዝበሃል ኤለመንት እዩ።እዚ ኤለመንት ስለምንታይ እዩ ካብ ኤኣይ ክፍለ ክኢሉ እንተደኣ ኢልና ኤኣይ ሓድሽ ነገራት እዩ ዝፈጥረልና እዚ ኤለመንት ዝበሃል ሓድሽ ኤለመንት ግን ንሰውነት ኢምፕሩቭ ዝገብር እዩ። ኣእሙሮኻ ክትጥቀመሉ እትኽእል ዓቅሚ ክብ ከም ዝብል ይገብረልካ። ሱፐር ሁማን ዝበሃሉ ነገራት ንክትገብር ይሕግዘካ።ብተወሳኺ ውን ዕድመ የናውሕ። ካልእ ነተን ኣብቲ ፊልም ዝረኣያ ዓበይቲ ከም መንኮርኮር ዓይነት ሺፓት ካብ ሓንቲ ፕላኔት ናብ ካልእ ብቅልጡፍ ንክጎዓዛ ከም ነዳዲ ኮይኑ ይሕግዘን።በዚ ምኽንያት ኤኣይ ሮቦቲክስ ዝበሃል ነገራት ምሉእ ብምሉእ ኣውጽእዎ እሞ ሰባት ንንበሶም ከመሓይሽሉ ዝኽእሉ ሓድሽ ኤለመንት ከም ዝረኸቡ ይዛረብ።ስለዚ ነዚ ኤለመንት ዘንቀሳቅሱ እዞም ስፓይስ ጉይልድ ዝተባህሉ ኣካላት እዮም። እዚኦም ቢዝነስማን ኮይኖም ካብ ክልቲኡ ኢምፓየር ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከም ዘይብሎም እዮም ንርኢ። ካልኦት  ቤኒ ጄዞሬቲ ዝበሃሉ ካልኦት ከኣ ኣለዉ።እዚኦም ከኣ ኣብታ ፍልም ርኢኹመን ተሃሊኹም ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን ገጸን ብነዊሕ ጸሊም መጋረጃ ነገር ዝሽፍና እየን። እዘን ሰባት ዘርአን ዳርጋ ብምልኡ ኣዋልድ ጥራይ እየን። እተን ጠቢባን ዝበሃላን ሱፐር ፓወር ዘለወንን እየን። ብተወሳኺ ዝኾነ ሓያል ድምጺ ከም ዘለወን ኢና ንርኢ። ነዚ ድምጺ ምስ ዝጥቀማ ዝኾነ ፍጡር ይእዘዘን።ሕጂ ናብ ቀንዲ ሓሳብ እዛ ፊልም ንኺድ።   እዘን ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ዝተረድእኦ ሓቂ ኣሎ።እቲ ሓቂ ከኣ እቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዛ ዩኒቨርስ ዘመሓድራ ዘሎ መንግስቲ ብስርዓት የመሓድር ከም ዘየለን ነዊሕ ከም ዘይቅጽልን ተረዲአን ነበራ። ስለምንታይ እዩ ዘቅጽል ነተን ዩኒቨርስ ብደገ ዘሎ ኣካል እዩ ዝገዝአን ኔሩ። ስለዚ ነዘን ዩኒቨርሲታት ብሰላም ክንገዝአን እንተደሊና ይብላ ካብ ዝተፈላለየ ዘርኢ፣ ካብ ዝተፈላለየ ቋንቋን ዝተፈላለየ ዩኒቨርስን ዝተዳቀለ ሰብ ነቲ ህዝቢ እንተዘይገዚእዎ ሰላም የለን። እዚ ማለት ሓንቲ ዩኒቨርስ ምስ ካልእ ተዋሲበን ሓደ ሰብ እንተደኣ ተፈጢሩ ክልቲኤን ሰላም ክፈጥራ እየን ማለት እዩ። ስለዚ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝተፈላለየ ዩኒቨርስ ኣወዳት መሪጸን ምስ ናተን ዘርኢ ብምድቃል ሓደ ፍልይ ዝበለ ስፐሻል ዘርኢ ክፈጥራ ክጽዕራ ከለዋ ኢና ንርኢ። እዘን ደቂ ኣንስትዮ ካብ 2 ዩኒቨርስ ዘርኢ ኣዳቂለን ሓደ ዓቢ ንጉስ ናይ ምፍጣር ዓቢ መደብ ዘለወን እየን። ነዚ ንምዕዋት ከኣ ብዙሕ ነገራት ይሰርሓ ከም ዝነበራ ኢና ንርኢ። ንኣብነት ገለ ካብዚ ኣብዛ ፊልም ንሪኦ ሓደ ነገር እንታይ እዩ ሰብ ይመርጻ ኔረን ግን ከኣ ካልእ ዝገብርኦ ነገር እዚ ብሉጽ ዝብልኦ ንጉስ ምስ መጸ ንከይከብዶ ብምባል ናይ ሓሶት ትንቢታት እንዳጸሓፋ ናብ ህዝቢ ይዝርግሓ ከም ዝነበራ ኢና ንርኢ። ናይ ሓሶት ትንቢት ጽሒፈን እቲ ንጉስ ዝበሃል ዘሎ ወገን ምስ መጸ ትንቢት ተፈጺሙ ንክብላ ኣቀዲመ ይጽዕራ ነበራ። ካብ ዝኾነ መርዚ ክተርፍ ነበሮ፣ ዝኾነ ቃል ክዛረብ ኔርዎ። ድሕሪኡ እዚ ትንቢት ንክፍጸም ኣቀዲመን ደቀንከዳልዋ ከለዋ ኢና ንርኢ። ስለዚ እቲ ንጉስ መርዚ ክሰቲ ተሃሊዎ ነቲ ንሰን ንጉስ ክኸውን ኢለን ዝሓሰብኦ ሰብ ካብ መጀመርታ ንእስነቱ መርዚ እንዳስተያ ከለማምድኦም ንርኢ። እታ ፊልም ክትጅምር እንከላ እቲ ዓቢ ንጉስ ናይ ኣትሬድየስ ሃውዝ ብስልጣንን ዝናን ክብ ምባሉ ኣተሓሳሰቦ።እዞም ኣትሬድየስ ሃውዝ ዝበሃሉ ዘለዉ ርህሩሃት ሰባት፣ ንግስነቶም እንዳዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ሰራዊቶም ውን እንዳዓበየ ይኸይድ ነበረ።እቲ ዓቢ ንጉስ ነዚ ምስ ረኣየ ንስልጣኑ ክሰግእ ጀመረ። ከምቲ ኣቀድም ኣቢልና ዝረኣናዮ ነዚ ስፓይስ ዝተባህለ ሚነራል ዝቆጻጸሩ ሰባት እኳ እንተለዉ ግን ከኣ ነቲ ናይ ዕደና ስራሕ ዝሰርሕ እቶም ብሃርኬን ዝፍለጡ ሃውዝ ወይ ንግስነት እዮም ኔሮም።ንሶም ነቲ ማዕድን የውጽዎ እሞ ነቶም ቢዝነስመን ዝበልናዮም የረክብዎም ንሶም ከኣ የመሓድርዎ ነበሩ።ስለዚ እቲ ዓቢ ንጉስ እቲ ክሳብ ሕጂ ሃርኬን ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ናይ ማይኒን ስራሕ ንስኹም እሞ ውሰድዎ ካብ ሕጂ ንደሓር ንስኹም ከተመሓድርዎ እየ ዝደሊ በሎም።እዚ ሃሳብ ምስ መጸ ሰለስቲኦም ወገናት እቲ ንጉስ ኣትሬድየስ፣ እቲ ዓቢ ንጉስን ሃርኬንናውያንን ኩናት ከም ዝውላዕ ርግጸኛታት ነበሩ። ምኽንያቱ እቲ ዓቢ ንጉስ ንኣትሬድየስ እተዉ ክብሎም እንከሎ ንሃርኬን ግን ብዕሊ ውጹ ኣይበሎምን። እዃ ደኣ ብሕቡእ መሳርሒ ኲናት ይቀበሎም ነበረ። እዚ ማለት ነዚ እቶ ኢሉ ነቲ ውጻእ ከይበለ ግን ከኣ ብሕቡእ ከበድቲ ኣጽዋራት የዕጥቆ ነበረ። ስለዚ ብተዘዋራሪ ንኣትሬድየስ ከጥፍኦም ይፍትን ከም ዝነበረ እዩ ዘርእየና።እዞም ስፓይስ ዝበሃሉ ማዕድናት ኣብታ ኣራከስ እትበሃል ፕላኔት እዩ ዝርከብ ኔሩ። ብመሰረት እዛ ፊልም እዚ ቦታ ምድረበዳ ዝኾነ ፕላኔት ነበረ።ኣብታ ፕላኔት እንታይ ኣሎ እንተደኣ ኢልና ብንጹር ምድረበዳ ወይ ከኣ ሑጻ ጥራይ እዩ ዘሎ። ካልኣይ ፍሬማን ዝበሃሉ ሰባት ኣለዉ። እዞም ሰባት ኣብ ምድረበዳ ምንባር ዝለመዱ ሰባት እዮም።ኣብታ ፕላኔቶም ማይ ስለዘይረኽቡ ክዳኖም ምሉእ ሰውነቶም ዝሽፍን ኮይኑ ክንቀሳቀሱ እንከለዉ ዝርህጽዎ ረሃጽ ናብ ማይ ቀይሩ ዝህቦም ዓይነት ክዳን እዩ።ክዳኖም ንባዕሉ ርእሱ ዝኸኣለ ቴክኖሎጂ ዘለዎ እዩ። ብዘይካ እዚ ዝኾነ ሰብ ምስ ዝመውት ብቅልጡፍ ነቲ ኣብ ሰውነቱ ዘሎ ማይ ኣውጺኦም ዝጥቀምሉ መሳርሒ ኣለዎም።ካልእ ኣብዚ ምድረበዳ ኣዝዮም ዓበይቲ ለመምቲ ኣለዉ። ስለዚ እዚ ንጉስ ናብዚ ቦታ ምስ ወዱ ፖልን ሰበይቱ ጀሲካን እዩ ከይዱ።ኣብኡ ነቲ ናይ ዕደና ስራሕ ምስ ጀመርዎ ሓደ እተን ማሽናቶም ብተደጋጋሚ ይበላሸዋ ነበራ። ካልእ እዞም ናይ ሃራኬን ዝበሃሉ መንግስቲ ሓደ ዕለይ ሰለይቶም ተጠቂሞም ኣብ ዘይታደለውሉ ግዜ ከጥቅዕዎም ንርኢ።ብናቶም ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ኣጥፊእናዮም ኢሎም እዮም ሓሲቦም ኔሮም።ግን ኣብ መንጎ እዚ እቲ ፖል ዝበሃል ወዱን ኣዲኡ ጀሲካን ከም ዘይሞቱ ንርኢ። ሕጂ ብዛዕባ እዞም 2ሰባት ዝኾነ ነገር ክነግረኩም ጀሲካ ሓንቲ ካብተን ኣቀድም ኣቢልና ዝረኣናየን ደቂ ኣንስትዮ እያ።ካብ ዝተፈላለየ ዘርኢ ተዳቂላ ሓድሽ ቆልዓ ንምውላድ ኣብ ፕሮግራም ዝነበረት ሰብ እያ። እዘን ደቂ ኣንስትዮ ፍልይ ዝበለ ሓይሊ ኣለወን። ንወዲ ይኹን ንጓል ናይ ምምራሕ ዓቅሚ ኣለወን።  ጀሲካ ኣብዚ እንታይ እያ ጌራ መጀመርታ ሰብኣያ ኣዝያ ስለትፈትዎ ካልኣይ ከኣ ወዳ ስፐሻል ከም ዝኽዕነ ስለዝኣመነት እቲ እተን ናተይ ዓለኢት ዝጽበይኦ ዝነበራ ንጉስ እዚ ወደይ እዩ ኢላ ትኣምን ነበረት። ስለዚ ወዳ በዚ መንገዲ ከተዕቢ እንከላ ንርኢ።ናብዚ ዱዩን ዝተባህለ ቦታ ድሕሪ ምምጽኦም ስድራቤቶም ከም ዘጥፍእሎም ኢና ንርኢ። ናብዛ ፕላኔት ክኸዱ እንከለዉ መጀመርታ እቶም ነበርቲ ኣይተቀበልዎምን ኔሮም። ምኽንያቱ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ሰባት እዮም።ስለዚ ምስ ሓደ ሰብ ክገጥም ነበሮ። ፖል ምስ ሓደ ሰብ ገጢሙ ቀተሎ። ግን ካብ ብቆልዕኡ ኣትሒዙ ብሕልሙ ዝርእያ ሓንቲ ቻኒ ዝተባህለት ሰብ ኔራ። ምስዛ ጓል ዝኽዕነ ሕልሚ ከም ዘለዎ ይፍለጦ ኔሩ እዩ።እዚ ሕልሚ በቲ ካብ ኣዲኡ ዝወሰዶ ሱፐር ፓወር እዩ ክሪኦ ዝኽእል ኔሩ።ኣብዛ ፊልም እዞም ኣራኬስ ዝበሃሉ ንግስነት ንነዊሕ ዓመታት ዝጽበይዎ ትንቢት ነበሮም።እዚ ትንቢት ከኣ ካብቲ ዝነብርሉ ዝነበሩ ምድረበዳ ነጻ ዘውጾም ሓደ መሲሕ ክም ዝመጽእ ዝገልጽ ነበረ። ስም እዚ መሲሕ መሃዲ ወይ ሊሳን ኣይገኢብ ይብልዎ ከም ዝነበሩ ንርኢ። ሊሳብ ኣይገኢብ ማለት ካብ ካልእ ዓለም ዝመጸ ድምጺ ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ። ፖል ኣብዚ ቦታ ምስ ግዜ ነብሱ እንዳማዕበለ ዓበይቲ ስራሓት ክሰርሕ ንሪኦ። መጀመርታ ኣብቲ ምድረበዳ ሳትቫይቭ ክገብር ክኢሉ ካልኣይ ከኣ ነቶም ናይቲ ምድረበዳ ለመምቲ ከም ፈረስ ክጋልቦም ከሎ ይረኣይ።  እዚ ቆልዓ ናይ ብሓቂ እቲ መሲሕ እንተደኣ ኮይኑ ኣዲኡ መርዚ ክትሰቲ ኣለዋ። እዚ ከኣ እቲ ትንቢት ንክፍጸም ነቲ መርዚ ክትሰትዮ ኣለዋ። ነቲ መርዝ ምስ ሰተየት ግን ብሂወት ክትቅጽል እያ ተራእያ። ምኽንያቱ ካብ መጀመርታ ነዚ ፕሮግራም ሰልጢና እያ ዓብያ። ከምቲ ኣቀዲምና ዝረኣናዮ እተን ናታ ዓሌት ነዚ መደብ ተባሂሉ ካብ ንእስነታ መርዚ እንዳስተያ እየን ኣዕቤንኣ።ስለዚ ነቲ መርዚ ክትጻወሮ እያ ተራእያ። በዚ ከኣ ናይ ብሓቂ እቲ ትንቢት ተፈጺሙ መሲሕና ረኺብና ኢሎም ተሓጎሱ።በዚ ከኣ እቲ ህዝቢ ተኣኪቡ ነዚ ቆልዓ ስቲ ዓቢ ንጉስ ንክገጥም ይህብሮ። እቲ ዓቢ ንጉስ ናብ ኣራኬስ ብምምጻኣ ነዚ ቆልዓ ክገጥም መጸ።ኣብቲ እዋን ኣቡኡ ኣብታ ፕላኔት ሓቢእዎ ዝኸደ ኑክሌራዊ ቦምብ ነበረ።በዚ ከኣ ንስኻ ብሉጽ እትብሎ ሓደ ሰብ ሰዲድካ ምሳይ ከም ዝገጥም ግበር እንተዘይኮይኑ ነዛ ፕላኔት በዚ ኑክሌር ከዕንዋ እየ እንተዕኔያ ከኣ መንቀሳቀሲ ዝኾነኩም ስፓይስ ኣይክትረኽቡን ኢኹም ክብል ሓበሮ። በዚ ከኣ ካብ ስድራቤት ሃሪኬን ብሉጽ ዝበሃል ተመሪጹ መጸ።ፖል ከኣ ምስዚ ዝተዋህቦ ሰብ ገጢሙ ንቦታ እቲ ንጉስ ከም ዝዓለወ ኢና ንርኢ።ብሓፈሻ ግን እዛ ፊልም ክትርእውያ እየ ዝገብዘኩም። 

ዘይመውት ወተሃደር

ኣብ 1880 ኣድሪያን ኣብ ብራስለስ ቤልጁም ተወልደ።ኣቡኡ ሊዮን ኮስተንት ዚዮን ካርተን ደቪያርድ ኣዲኡ ከኣ ኣርኒስቲን ቨንዜንግ ይበሃሉ።እዚ ጸኒሑ ወተሃደር ዝኾነ ህጻን ኣብ ምቹእ ናብራ እዩ ተወሊዱ።ናይ መጀመርታ ግዜ ህጻንነቱ ኣብ በልጁምን ኢንግላንድን ከሕልፎ እኝከሎ ሂወት ምችእትን ብጽቡቅ መንገድን ትኸደሉ ነበረት።…

ዲዲ ኣብ ቕትለት ማይክል ጃክሰን ኢድ ኣለዎ

ኣብ መንጎ ዲዲን ማይክል ጃክሰንን ዘሎ ዝምድና ቅርብ ኢልና ንመልከቶ። እቶም ንሞት ማይክል ጃክሰን ወኪሎም ዝለዓሉ ዝበዝሑ ሕቶታት ከይተመለሱ ከም ዝተረፉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ኩነታት ማውትኡ ብርግጽ ዘጠራጥር እዩ። ወላ እኳ ብዛዕባ ኣማውትኡ ዝገልጽ ብዙሕ ጸብጻብ እንተተዋህበ ዘዕግብ ነገር…

ኣቀታትላ ሃጫሉ ብምስክርነት ጃዋር መሓመድ!!

ልኡል ኣውስትሮ ሃንጋሪ ፍራንዚዝ ፈርዲናንድ ጋብሬሎ ፕሪሲፕ ብዝተባህለ ናይ ሰርብያ ኣኽራሪ ጉጅለ ምቅታሉ ንናይ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ክርቢት ከቀጻጽል ክኢሉ እዩ። ደም እቲ ልኡል በንዚን ኮይኑ ንኤውሮጳ ሓዊስካ ንመላእ ዓለም ዝለብለበ ሓዊ ወልዐ። ምቅታል ልኡል ፈርዲናንድ ንበይኑ ጥራይ ግን ንምጅማር…

ኣቦ ጥንቆላን ሓለቓ ኣጋንንትን ዝነበረ ጊደዎን ሞሊንጋ ዝሃቦ ዘሰንብድ ምስክርነት!

እቲ ሰብ መሓመድ ጋዳፊ እዩ። መራሕቲ ዓለማት ገጾም ኣዚሮም ናይ ተለቪጅን ካሜራታት ኣብ ቅድሚኡ ተተኺልሉ ሽጋርኡ ወሊዑ ከትክኽ እንከሎ ኣብ መዘናግዒ ቦታ እምበር ኣብቲ ዓለም ብቀጥታ እተከታተሎ መአከቢ ኣዳራሽ ዘሎ ኣይመስልን እዩ። ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ናይቲ ጉባኤ…

×